“ስለ’ዚ ኸምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ። ምኽንያቱ ክርስቶስ፡ ነቲ ነቦታት ዝተዋህበ ተስፋ ምእንቲ ኼጽንዖ፡ (ከምኡ’ውን) ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኬርእይ፡ ናይ ግዙራት ኣገልጋሊ ኸም ዝዀነ፡ እነግረኩም ኣለኹ።” ሮሜ15፡7,8 ካ.ት
“ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ’ያ’ሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ’ዩ፡ ንኣምላኽ’ውን ይፈልጦ’ዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ’ሞ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን’ዩ።” 1ዮሃ 4፡7,8
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------> ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ይኩን---------------------------------> ፍስሓ ወሰላም።
ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም (መዝ 78: 65-66)።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ “ኖላዊ” ዕለት ታሕሳስ 21 ክሳዕ ታሕሳስ 27 ዘሎ ቕንያት፡ “ኖላዊ” ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። “ኖላዊ” ድማ ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ “ጓሳ” ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርን ምስባክን ኣርባዕቲኡ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ብምሉኡ ጓሳ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ “ኖላዊ (ጓሳ)” ዚበሃለሉ ዘሎ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። እዚ ቕንያት’ዚ እቲ ንጓሳና ዝዀነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቕንያት’ዩ።
ካብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ዝተመሓላለፈ መንፈሳዊ ኣገልግሎት Video
ብንብዓት ዝተሰነየ መልእኽቲ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ (10 ሚያዝያ 2011) ብምኽንያት እቶም ኣብ ቀላያት ማልታ ዝሓለቑ ግዳያት ዝተገብረ ጸሎት ፍትሓት {audio}images/stories/mp3/diocese/FithatByAMekarius04102011.mp3{/audio}
“ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ’ምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።” ሮሜ 13፡13,14።
“ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ኣብ’ዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ፡ ብእኡ’ውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና።” እብ 1፡1,2።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ክርስቶስ ።
“ከም ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ይሰምዓና’ዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ’ዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 5፡14,15።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ