“እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሩኽ ይኹን” (ኤፌ 1፡3 )
ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ: ሰንበት ዕለት 17 ሰነ 2012 (፲, ሰነ, ፳፻፬) ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።
“ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ’የ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ’ውን ከፍርስ’የ፡” ዚብል ጽሑፍ’ዩ’ሞ፡ ቃል መስቀል፡ ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት’ዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ’ዩ።" 1ቈረ 1፡18,19።
“ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ፡ ናብኡ ከኣ ኣተወት፡ ጽጌኣ ተሓጺባ ነበረት እሞ፡ ምስኣ ደቀሰ፡ ናብ ቤታ ድማ ተመልሰት።” (2 ሳሙ 11፡4)
ብጸበባ ተዓገሱ ካህን ሓለፎም ዓንደማርያም
መጽሓፍ ቅዱስ ብዓይኒ እምነት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ካህን ኣትናቴዎስ ገ/ኣብ
ድሕነት (ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ) ዲን. ዑቅበ ዘመደ
ኦርቶዶክሳዊ ስርዓተ አምልኾ ካህን ቴድሮስ ተስፋይ
ንቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሃዋርያዊት ዘብላ ካህን ብርሃነ ጠዓመ
ሕማም መንሽሮን መከላኸሊኡን ዲን. ብርሃነ ስዩም
ቅዱስ-ሲኖዶስ ቤተ-ክርስቲያን ናይ እስክንድርያ ዘመንበረ ማርቆስ ሓዋርያ፡ ብ30 ግንቦት 2012 ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፡ እቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ ዚምራሕ
“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ’ኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን’ሞ፡ ኣነ ኸም’ቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍ’ውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።>> 1ቈረ 3፡9-11
ዲያቆን ሙሉጌታ ወልደገብራኤል እተባህለ ኢትዮጵያዊ፥ ብዛዕባ ኣመሥራርታን ኣመዓባብላን ማሕበረ ቅዱሳን ዝበሃል ማሕበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝመሠረቱ፥ ናብ ኤርትራ መሓውሩ ከመይ ገይሩ ከም ዝዘርግሐ፥ ዝገልጽ ብኣምሓርኛ ዘውጽኦ ጽሑፍ፥ ዝረኸብናዮ ከም ዘለዎ ነቕርቦ ኣሎና፡ብተወሳኺ፥ ዲያቆን ሙሉጌታ: ሠለስተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ “ማሕበረ ቅዱሳን ወይስ ማሕበረ ሰይጣን?” ዝብል ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎ ብትግርኛ ተርጒምና ክንዝርግሖ ከነቅርቦ ኢና። ንሕጂ ግን ብቐጥታ ምስ ቤተ ክርስቲያንና ዝተተሓሓዘ ጽሑፍ ስለ ዝኾነ ከም ዘለዎ ቋንቋኡውን ከይቀየርና ናብ ተኸታተልትና ንቕርቦ።
“ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።” ዮሓ 6፡54።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ካብቲ ናይ ጐይታና ዝረቐቐን ዝኸበደን፡ ግን ከኣ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ ዝተዋህበሉ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ ዝተወስደ’ዩ። እዚ ንሎሚ ኸነንብቦን ክንመሃረሉን ዝተመደበ ኽፍሊ፡ ናይዚ ምዕራፍ፡ ዚበዝሕ ክፋሉ ብዛዕባ’ቲ ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ዚገልጽ’ዩ። ኣብ ሕይወት ወሳኒ ተራ ዚህልዎ ድማ ዓይነት ናይቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ዓይነት ናይቲ ንእኡ ዝተዋህበ መልሰ ግብሪ’ውን’ዩ። ሕይወት ዚህብ መልእኽቲ፡ ብሰሪ መልሰ-ግብሪ ናይቲ ሰማዒ፡ ሞት ኪወልድ ይኽእል’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ነቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ መልሰ ግብሪ’ውን ዝጸሓፈሉ ምኽንያትን ናይ መልሰ ግብርና ግደ ምእንቲ ኽንፈልጦን ከነስተውዕሎን ኢሉ’ዩ።
“ንግዙኣት ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሔር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ ንጐይተቶም ዝግዝኡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ ምዐዶም።” (ቲቶ 2፡9-10)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ