“ኣብ’ቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተላዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ።” ሮሜ 7፡5 ካ.ት
እዛ ሰንበት’ዚኣ፡ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓብይ ጾም ሻብዓይቲ ሰንበት’ያ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ፡ “ኒቆዲሞስ” ተባሂላ’ያ እትጽዋዕ። እዛ ሰንበት’ዚኣ ብስም ሰብ ዝተጸውዓትሉ ምኽንያት፡ እቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ልደት ብጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ምስጢር፡ ነዚ “ኒቆዲሞስ” ዝተባህለ ሰብኣይ ስለ ዝተገልጸ’ዩ። ኒቆዲሞስ ዜግነቱ እስራኤላዊ ዀይኑ፡ ብእምነቱ ኸኣ ፈሪሳዊ ሰብ’ዩ። ሓደ ኻብ’ቶም ሊቃውንቲ ናይ ፈሪሳዊ’ውን ነበረ። ንፈሪሳዊ ሰብ ብክርስቶስ ምእማን ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ ዝነበረ። ዮሃንስ መጥመቕ ኰነ ጐይታና ባዕሉ፡ ኪኣምኑ ዘይክእሉ እኩያት ኣትማን ምዃኖም ይገልጽዎም ነበሩ (ማቴ 3፡7-9 ፣ 12፡34 ፣ 23፡29-33 ፣ ዮሃ 5፡38-47)። ትምህርቶም ካብ’ታ መገዲ ሓቂ ዜርሕቕ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑ” እናበለ የጠንቅቕ ነበረ (ማቴ 16፡5-12 ፣ 23፡1-28)። እዚ ኒቆዲሞስ ዝተሰምየ ፈሪሳዊ ሊቅ ግና፡ ካብ’ዚ መርዛም ትምህርትን ህይወትን ተናጊፉ፡ ንእምነት ዝተኣዘዘ ሰብ ኪኸውን ተዓደለ። ካብ’ቲ ሕብረት ፈሪሳውያን ኪፍለይ ስለ ዘይደለየ ግን፡ ንጸልማት ጕልባቡ ገይሩ ብለይቲ እናመጸ ንበይኑ ዀይኑ ካብ ክርስቶስ ይመሃር ነበረ (ዮሃ 3፡1-21)። እቲ ነዚ ጽምኣቱ’ዚ ዝረኣየ ጐይታ ድማ፡ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ንዝዀነ ሰብ ዘይገለጾ ምስጢር ገለጸሉ። እዚ ምስጢር’ዚ ድማ ብዛዕባ’ቲ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዚርከብ ሓድሽ ልደት (ሰማያዊ ልደት፡ ካልኣይ ወይ ዳግማይ ልደት)’ዩ (ማቴ 19፡28 ፣ ቲቶ 3፡5 ፣ ሮሜ 8፡14-17 ፣ ገላ 4፡4-7 ፣ ኤፌ 1፡5,6 ፣ 1ዮሃ 3፡1,10)። እዚ ኒቆዲሞስ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ጕባኤ ፈሪሳውያን ንክርስቶስ ኬኽፍእዎን ኪቐትልዎን ኪመኽሩ ከለዉ ስለ ዝተቓወሞም ላግጽን ምቅላልን በጺሕዎ’ዩ (ዮሃ 7፡45-53)። ጐይታና ኣብ መስቀል ምስ ሞተ ምስ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስ ኰይኑ ዝገነዘን ዝቐበረን ዕዉት ሰብ’ዩ። ኣብ’ታ እዋን’ቲኣ እቶም ሕሩያት ሃዋርያቱ’ኳ፡ ነዛ ሕያውነት’ዚኣ ኺገብሩሉ ኣይተኻእሎምን። ብዘይካ ምግናዝ ከኣ፡ ንመግነዚኡን መቕበሪኡን ዚኸውን ሚእቲ ነጥሪ (ሰላሳን ሓደን ኪሎ ግራም) ዚኣክል ከርበን ዓልወን ሒዙ ዝመጸ ሰብ’ዩ (ዮሃ 19፡39-42)። ምስ’ቲ ኸምኡ ሕቡእ ወደ መዝሙር (ዮሴፍ) ኰይኑ፡ ነቲ፡ “ብሞቱ ግና ምስ ሃብታማት ኰነ” ዚብል ናይ ነብዪ ኢሳይያስ ትንቢት ዝፈጸመ ዕዉት ወደ መዝሙር’ዩ (ኢሳ 53፡9)።
“ንሞት ዚኸውን ፍረ” ዚበሃል ዘሎ እንታይ’ዩ፧ ሞት ዚወልድ ፍረ፡ ብርግጽ ሓጢኣት’ዩ። ንሓጢኣት ምስ ፈጸምካዮ ብኡንብኡ መንፈሳዊ ሞት ይወልደልካ። ብስጋ ብህይወት እናሃለኻ፡ ብመንፈስ ምዉት ትኸውን ማለት’ዩ። ገና ብህይወት እናሃለና ሓጢኣት ምዉታት ከም ዚገብረና ቓል እግዚአብሔር ደጋጊሙ የረጋግጸልና’ዩ።
“ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ነበርኩም። ብናይ ዓለም ክፉእ መገዲ ትነብሩ ነበርኩም። ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚአብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ዚመልኽ ርኹስ መንፈስ፡ ሓለቓ ገዛእቲ-ኣየር ትእዘዙ ነበርኩም። . . .ንኣና ብበደልና ምዉታት’ኳ እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና።” ኤፌ 2፡1,2,5 ካ.ት
“ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን ብኣበሳኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።” ቈሎ 2፡13
ጐይታና’ውን ነቶም ዚጻረርዎ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ሓጢኣት ሞት ዚወልድ ፍረ ምዃኑ ኣግሂዱ ነጊርዎም’ዩ።
“ኣነ እኸይድ ኣለኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። . . .ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም’ሞ፡ ስለ’ዚ’የ፡ ‘ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም’ ዝበልኩኹም።” ዮሃ 8፡21,24
ስለ’ዚ ሓጢኣት፡ ገና ብኣካለ-ስጋ ብህይወት እናሃለኻ፡ ብመንፈስ ግና ምዉት ዚገብር ምዃኑ ካብ’ዚ ዝጠቐስናዮ መልእኽታት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እዚ ሞት’ዚ እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሞት’ዩ።
ፍረ ሓጢኣት ግና በዚ ቐዳማይ ሞት ጥራሕ ኣይድረትን’ዩ። ካልኣይን ዝኸበደን ሞት ድማ የስዕበልና’ዩ። ድሕሪ ምጽኣት ጐይታናን ትንሳኤ ዘጕባኤን፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር-ፍርዲ ኣምላኽ ደው ኢልና፡ ነፍሲ ወከፍና ኸከም ግብርና ኽንፍረድ ኢና። እቶም ከይተነሳሕና ምስ ሓጢኣትና ዝሞትና ኸኣ፡ ሽዑ ንዘለኣለማዊ ሞት ክንፍረድ ኢና። እዚ ሞት’ዚ ኸም ናይ ስጋ ሞት፡ ናይ ድቃስ ሞት ኣይኰነን። ብስጋን ብነፍስን ህያዋን ኴንና፡ ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም እንሳቐየሉ ሞት’ዩ። ካብ ሞት ዚኸፍእ ካልእ ቃል ስለ ዘየለ’ዩ’ምበር፡ ካብ’ቲ እንፈልጦ ስጋዊ ሞት ኣዝዩ ዝኸፍአ’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ሞት’ዚ “ካልኣይ ሞት” ኢሉ ሰምይዎ’ሎ።
“እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብ’ቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ’ዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት’ዩ።’ በለኒ።” ራእ 21፡8።
“ኣብ’ቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን’ዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡ’ውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ’ዮም’ምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብ’ዚኣቶም ስልጣን የብሉን።” ራእ 20፡6።
“. . .እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኪጕዳእን’ዩ።” ራእ 2፡11።
ብመሰረቱ ዓስቢ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ሞት ምዃኑ፡ ዓስቢ ጽድቅን ቅድስናን ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ።
“ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት’ዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኹም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ’ሎ፡ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ።” ሮሜ 6፡22,23።
እምበኣር ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ቓል፡ እቲ “ንሞት ዚኸውን ፍረ” ዚበሃል ዘሎ ሓጢኣት ምዃኑ፡ እቲ ፍሪኡ ንቕድስናን ዘለኣለማዊ ህይወትን ኰይኑ ዘሎ ድማ፡ ንኣምላኽ ምግዛእን ምእዛዝን፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ጽድቂ ምግባር ምዃኑ ብንጹር በሪሁልና ኣሎ።
ብህይወት ክንነብር ንደልይ ክነስና፡ ንምንታይ ኢና ንሞት ዚኸውን ሓጢኣት ንፈርይ ዘለና፧ ንሓጥኣት ከነውግዶ ኣይምተኻእለንዶ፧ ይከኣል’ባ!! እንታይ ዓይነት ፍረ ኸም ንፈርይ ዚውስኖ፡ እቲ እንነብሮ ዓይነት ናብራ ምዃኑ፡ እቲ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኣሎ። ንሞት ዚኸውን ናይ ሓጢኣት ፍረ ዚፈርይ፡ እቲ ብስጋ ዚነብር ሰብ’ዩ። ብስጋ ንዚነብር ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስና “ስጋዊ” ኢሉ’ዩ ዚጽውዖ። “ብስጋ ምንባር” ወይ “ስጋዊ ምዃን” ማለት “ንስጋኻ ኢልካ ጥራሕ እትነብር ሰብ ምዃን” ማለት’ዩ። “ብመንፈስ ምንባር” ወይ “መንፈሳዊ ምዃን” ማለት ከኣ፡ ንስጋኻ ገዲፍካ ንመንፈስካ ኢልካ ምንባር ማለት’ዩ። እቲ ብስጋ ዚነብር ስጋዊ ሰብ፡ ብትምኒት ስጋ (ፍትወት ስጋ)፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ብትምኒት ሓጢኣት’ዩ ዚመላለስን ዚምራሕን። እቲ ብመንፈስ ዚነብር መንፈሳዊ ግና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብፍቓድ ኣምላኽ’ዩ ዚምራሕን ዚነብርን።
“ኣባና ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድልየት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ (ብክርስቶስ) ኪምላእ’ዩ። ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ’ዮም ዚሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ’ዮም ዚሓስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ’ዩ’ሞ፡ ስለ’ዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት’ዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን’ዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ (ኬሕጕስዎ) ኣይኰነሎምን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ’ልዩስ፡ ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኩም እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።” ሮሜ 8፡4-9።
“እምበኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም’ሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን (ግዴታ የብልናን)።” ሮሜ 8፡12,13።
“ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ’ምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበሉም ኣይኰነለይን’ዩ። ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም ዕጹም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ’ኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንእን ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧” 1ቈረ 3፡1-3።
“ኣነ ግና <ብመንፈስ ንበሩ፡ ትምኒት ስጋ ኸኣ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡> እብለኩም ኣለኹ። ከመይ ትምኒት ስጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ’ዩ። መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ስጋ መጻርርቲ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ኽልቲኦም መጻርርቲ’ዮም። . . .ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ (ብስጋ ብምንባር፡ ግብሪ ስጋ ብምግባር) ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለይ።” ገላ 5፡16,17,25,26 ካ.ት።
ብስጋ ናይ ዚነብርን ብመንፈስ ናይ ዚነብርን ሰብ ፍረ እንታይ ምዃኑ ድማ ብንጹር ተዘርዚሩልና ኣሎ (ገላ 5፡18-24)። ስለ’ዚ ዓይነት ናብራኻ ከይለወጥካ፡ ዓይነት ፍረኻ ክትልውጥ ኣይከኣልን’ዩ። ብትምኒት ስጋኻ እናተመራሕካ፡ ግብሪ ጽድቂ ኽትገብር ፈጺምካ ኣይሕሰብን’ዩ። ትእዛዝ ኣምላኽ ከቢድ ኰይኑ ዚስምዓና ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ብስጋ እንምራሕ፡ ትምኒት ስጋኻ ጥራሕ ክንገብር እንደልይ ሰባት እንተ ዄንና፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ’ቲ ስጋዊ ድሌትና ዚጋጨው ኰይኑ ስለ እንረኽቦ ምፍጻሙ ዓቐብ ይዀነና። ስለ’ዚ ነቲ ሞት ዜስዕበልና ሓጢኣት ንመርጽ ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ ህይወት ዚህብ ፍረ ኽንፈርይ ንደልይ እንተ ዄንና ግና ትእዛዝ ኣምላኽ ደስ ኢሉና ኢና እንገብሮ፡ ዕረፍቲ ዚህበና ተግባር ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ስለ’ዚ ዓይነት ምርጫና’ዩ፡ ንዓይነት ፍሬና ዚውስኖ። ህይወት ኪረክብ ዚደልይ ጽድቂ ይፈርይ፡ ሞት ኪረክብ ዝደልይ ድማ ሓጢኣት ይፈርይ።
ኣብ ሰብነትና ትምኒትን ሓጢኣትን ዘለዎም ዝምድና እንታይ’ዩ፧ ሰብነትና (ስጋ) ልክዕ ከም ግራት’ዩ። ዝዘራእካሉ ዜብቍል ፈራዪ ግራት’ዩ። ትምኒት ስጋ (ፍትወት ስጋ) እንተ ዘራእካሉ ኣኻዕቢቱ ሓጢኣት የፍርይ፡ ቃል ኣምላኽ (ፍቓድ ኣምላኽ) እንተ ዘራእካሉ ድማ ኣብ’ዚሑ ጽድቂ ይፈርይ። ጐይታና ንኣና ንሰማዕቲ ብኣርባዕተ ዓይነት ግራት ዝመስለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ማቴ 13፡3-23)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ “ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ ኢኹም” ኢሉና’ሎ (1ቈረ 3፡9)። ስለ’ዚ ኣብ ልዕሊ ስጋና ትምኒት ስጋ ኺመልኽ (ኪገዝእ) እንተ ፈቒድናሉ፡ ንፍረ ሓጢኣትና መዕገቲ ኣይርከቦን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብትምኒት ስጋ ዚግዛእ ሰብ ህይወቱ እንታይ ከም ዚመስል ኪገልጽ ከሎ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪህዎ ኣሎ።
“(ሰናይ ናይ ምግባር) ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣለኹ’ሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ’ምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘለኹ። ስለ’ዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። . . .ብናይ ውሽጢ ሰበይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ’ዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብ’ቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ’ውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ!! ካብ’ዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ’ዩ፧!” ሮሜ 7፡18-20,22-24።
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መግለጺ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ኣብ ኣካላትና ክልተ ሕግታት’ዮም ዘለዉ። እቲ ሓደ ሕጊ-መንፈስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሕጊ-ሓጢኣት’ዩ። ኣብ ኣካላትና ኣየናዮም ሕጊ ኸም ዚገዝእ ዚውስን ከኣ ካልእ ሕጊ ኣሎ። እዚ ሕጊ’ዚ ትምኒት ስጋ’ዩ ዚበሃል። ትምኒት ስጋ ንስጋና ማሪኹ ንሕጊ ሓጢኣት የረክቦ። ሕጊ ሓጢኣት ድማ ንስጋና ናብ ፋብሪካ ሓጢኣት ይልውጦ። ካብኡ ንደሓር ባሮት ሓጢኣት ኴንና ንነብር። ሓጢኣት ተጸዪፍና ጽድቂ ኽንገብር እንተ ደለና’ውን ኣይከኣለናን’ዩ። ሽዑ ስጋና ንሞት ዚኸውን ፍረ ጥራሕ ስለ ዚፈርይ፡ “ናይ ሞት ስጋ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ “እምበኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም፡ ሓጢኣት ኣይንገስ።”
ዝተባህለልና (ሮሜ 6፡12)። ናይ ክርስቶስ ምስ ኰንና ግና፡ ነዚ ትምኒት ስጋና፡ ምስ ክርስቶስ ሰቒልና ኻባና ነርሕቖ’ሞ ጽድቂ ናይ ምግባር ፍቓድን ነጻነትን ዓቕምን ይህልወና።
“እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስ ናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም።” ገላ 5፡24።
እቲ ብክርስቶስ ዝተዋህበ ጸጋ፡ ምስ ትምኒት ስጋ ከም እንባተኽ ብምግባር’ዩ ብጽድቅን መንፈሳውነትን ክንነብር ዜኽእለና።
“ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ’ዩ’ሞ፡ ንዅሉ ሰብ’ውን ምድሓን ኣምጺኡ። (ብኸመይ፧) ነቲ ብሩኽ ተስፋ ናይ’ቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽ ክብሪ እናተጸበና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብጥንቃቐ (ርእስና ብምግታእ) ብጽድቅን በምልኾን (ብመንፈሳውነትን) ክንነብር ይምህረና ኣሎ።” ቲቶ 2፡11-13።
ኣብ ትሕቲ ትምኒት ስጋ እንተ ወዲቕና ሓጢኣት’ዩ ዚመልከና። ኣብ ትሕቲ ጸጋ እንተ ዄንና ግና ጽድቂ’ምበር ሓጢኣት ኣይመልከናን’ዩ (ሮሜ 6፡1,2,12,13)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ቕድሚ ናብ ክርስቶስ ምምጻኡ ዝነበሮ ህይወት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ቀደም፡ ንሕና’ውን ኵላትና ከምኦም ትምኒት ስጋና እናፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና።”
“ንሕና’ውን ቀደም ዓያሱ፡ ዘይእዘዙ፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፡ ብሰብ ጽሉኣት፡ ንሓድሕድና’ውን እንጻላእ ነበርና።” ኤፌ 2፡3 ፣ ቲቶ 3፡3 ፣ ቈሎ 3፡5-7 (ካ.ት)።
እምበኣር ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፍና ነዚ ቐታሊና ትምኒት ስጋ እንተ ዘይቀቲልናዮ፡ ንሓጢኣትና ኣብዚሑ ዘለኣለማዊ ሞት ኬፍርየልና’ዩ። ጸጋ ኣምላኽ፡ ንትምኒት ስጋ “እምቢ” ኢልና እንኣብየሉን እንኽሕደሉን ሓይሊ’ዩ ዜዕጥቐና። ብድሕር’ዚ እቲ ሓጢኣት ጥራሕ ዚፈርይ ዝነበረ ስጋና፡ ጽድቅን ቅድስናን ይፈርይ። ነቲ ልብና ዚምነዮ ሰናይ ግብሪ ናይ ምግባር ዓቕሚ ንረክብ። ቋንቋና ድማ፡ “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ ካብ’ዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ’ዩ፧” ዘይኰነስ፡ “እንተ ብሞት እንተ ብህይወት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር’ዩ” ናብ ምባል ይልወጥ (ፊሊ 1፡20,21)። ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስ፦ “ኣቱም ፍቁራተይ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣለኹ። ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ!!” ኢሉ ምዒዱናን ኣዚዙናን ኣሎ’ሞ፡ ንተኣዘዞ (1ጴጥ 2፡11)። ብስጋና ንሞት ዚኸውን ዘይኰነስ ንህይወት ዚኸውን ፍረ ንፈርይ ምህላውና ነረጋግጽ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሚያዝያ ፫, ፳፻፲፬ ግዕዝ (10 ሚያዝያ 2022 ፈ).[ መበል 31 ሰንበት: ቊ.44/፵፬] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ሮሜ 7፡1-14 | 1ዮሃ 4፡1-10 | ግብ 5፡34-ፍጻመ | ዮሃ 3፡1-21 | ዘእግዝእትነ ማርያም |
መዝ ፲፮(፲፯)፡፫-፬ “ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።” “ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ