“ሕጂ ድማ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ ዝመጸላ መዓልቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።” 1ዮሃ 2፡28 ካ.ት
ብመጀመርታ ዕዙዝ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቐድም። ቀጺልና ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ሥራሕኩም ዓወትን በረኸትን ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጸጋን ምሉእ ጥዕናን ክትረኽቡ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።
“ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ። እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና’ያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን’ዩ፧” 1ዮሃ 5፡4,5
ኣብ ኦሬንታል ቤተ ክርስቲያናት፡ ከም ንመዓርግ ዲቁና ዝተፈላለየ መጸውዒ ዘለዎም፡ ንመዓርግ ክህነትን ንመዓርግ ጵጵስናን’ውን መጸውዒ ስም ስለ ዘለዎም፡ ኣቐዲምና እንተ ፈለጥናዮም ክጠቕሙና ይኽእሉ እመስለኒ። መጸውዒ መዓርግ ካህናት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም፡ ግናኸ ኣብ ሓድሕዶም ድማ ይወራረሱ እዮም። ስለዚ መዓርጎምን ኣመጸጽእኦምን ምፍላጥ ኣድላዩ እመስለኒ። ኣቐዲምና ኣስማቶም ከነቐድም ኢና ዝርዝራቶም ግና ድሒርና ከነቕርቦ ኢና።
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------> ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ይኩን---------------------------------> ፍስሓ ወሰላም።
ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም (መዝ 78: 65-66)።
እግዚኣብሔር ንህዝቢ ነነዌ ካብ ጥፍኣት ንምምላስን ኣብ ደምቢኡ ንምሕቋፍን መልእኽቲ ክልእከሎም
“ስለ’ዚ ኸምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ። ምኽንያቱ ክርስቶስ፡ ነቲ ነቦታት ዝተዋህበ ተስፋ ምእንቲ ኼጽንዖ፡ (ከምኡ’ውን) ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኬርእይ፡ ናይ ግዙራት ኣገልጋሊ ኸም ዝዀነ፡ እነግረኩም ኣለኹ።” ሮሜ15፡7,8 ካ.ት
ካብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ዝተመሓላለፈ መንፈሳዊ ኣገልግሎት Video
ብንብዓት ዝተሰነየ መልእኽቲ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ (10 ሚያዝያ 2011) ብምኽንያት እቶም ኣብ ቀላያት ማልታ ዝሓለቑ ግዳያት ዝተገብረ ጸሎት ፍትሓት {audio}images/stories/mp3/diocese/FithatByAMekarius04102011.mp3{/audio}
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ