“እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ፍርዲ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።” 1ጴጥ 2፡12 ካ.ት
እዚ ሰንበት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓብዪ ጾም (ጾመ ኣርብዓ)’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ “ዘገብር ኄር” (ዘገብር ሄር) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ትርጒሙ ድማ “ሕያዋይ ባርያ” ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዘንበብናዮ፡ “ሕያዋይን እሙንን ባርያ” ዚብል መንፈሳዊ ቕጽል ዝተቐበሉ፡ እቶም ነቲ ዝተዋህቦም ገንዘብ ሕድሪ (መክሊት) ትጉሃት ኰይኖም ነጊዶም ዘብዝሑ፡ እሙናት ኰይኖም ከኣ ነቲ ዝሃቦም ጐይታ ዘረከቡ’ዮም። ነቲ ብልግምን ክፍኣትን ተደሪኹ፡ ገንዘብ ጐይታኡ ምድሪ ዅዒቱ ዝቐበረ ኸኣ፡ “ኣታ ሃካይ ክፉእ ባርያ” ዚብል ሰይጣናዊ ቕጽል ተዋህቦ። እቲ ጉዳይ ግን ኣብ ምሃብ ቅጽላት ጥራሕ ኣይተደረተን። እቶም ብልሳን ጐይታኦም ዝተናእዱ ናብ ዘለኣለማዊ ክብርን ሓጐስን ኪኣትዉ ኸለዉ፡ እቲ ንልቢ ጐይታኡ ዘጒሃየ ኽፉእ ባርያ ድማ ናብ’ቲ ኣስናንካ ዜሐርቅም ዘለኣለማዊ ስቓይ ተደርበየ (ማቴ 25፡14-30)።
መልእኽቲ ናይ’ዚ ክርስቶሳዊ ኣስተምህሮ ናባና ዝዓለመ’ዩ። ኵሉ ጊዜ ኸነስተንትነሉን ርእስና ኽንምርምረሉን ዚግብኣና’ኳ እንተ ዀነ፡ ብፍሉይ ነዚ ሰንበት’ዝን ነቲ ዚስዕብ ሰሙንን ብእኡ ህይወትናን ኣካይዳናን ክንመዝን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ስሪዓትልና ኣላ። ነፍሲ ወከፍና ድማ ብዓይነቱ ዀነ ብቝጽሩ ኣዝዩ ብዙሕ መክሊታት ዝተቐበልና ሰባት ኢና። ናይ ቃል ኣምላኽ፡ ናይ ጸጋ፡ ናይ ጥዕና፡ ናይ ጒልበት፡ ናይ ጊዜ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝምድናታት መክሊት ኣብ ኢድናን ኣብ ዝባንናን ኣሎ። በዚ መክሊታት’ዚ ሕያዎትን እሙናትን ምዃንና ዲና ወይስ ሕሱማትን ጠለምትን ምዃንና ኸነርእይ እግዚአብሔር ብኣትኵሮት ይዕዘበናን ይመዝነናን ኣሎ። በዚ ኣብ ዝባንና ዘሎ መክሊታት፡ ኣካይዳና ነጸብቕ ወይ ንጽይቕ ከም ዘለና ኺረጋገጽ’ዩ።
“ኣካይዳኹም ኣጸብቑ” ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ ነየናይ ኣካይዳና ኸነጸብቕ’ዩ ዚድለይ ዘሎ፧ ዚበዝሕ ጊዜ፧ “ኣካይዳ” ኺበሃል ከሎ ብዛዕባ’ዚ ጸይሩና ዚንቀሳቐስ ዘሎ ኣእጋርና ኺመስለና ይኽእል’ዩ። በእምሮና ኸምኡ እንተ ዘይሓሰብና፡ ብልሳንና’ውን ከምኡ እንተ ዘይበልና’ኳ፡ እቲ ግብራዊ ናብራና ግን ካብኡ ዚሓይሽ ኣተሓሳስባ ኸም ዘይብልና የቃልዓና’ዩ። ካብ ብዛዕባ’ቲ እግዚአብሔር ኣዝዩ ዚግደሰሉ መንፈሳዊ ኣካይዳና ንላዕሊ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ኣካይዳና እንሓስቦን እንሓልዮን ይበዝሕ። “እንታይ ክበልዕ፡ እንታይ ክሰትይ፡ እንታይ ክኽደን፡ እንታይ ከጥርይ፡ ወዘተ” ዚብሉ ሓሳባት’ዩ ነተሓሳሰባና ዚጸልዎን ዚገዝኦን። ጐይታናን ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ኣካይዳና ኸነጸብቕ ዚእዝዙና ግን፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣካይዳና ምዃኑ ኽንስሕቶ ኣይግባእን’ዩ። መንፈሳዊ ኣካይዳና እንተ ዘይጥዕዩ፡ ኵሉ ስጋዊ ኣካይዳና ኣዝዩ ሓጥእን ብልሹውን’ዩ ዚኸውን፡ መብዛሕትና ግን ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ወይ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ከባቢኣን ክንከውን ከለና ኢና ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣካይዳና እንሓስብ። ክርስትና ኽትነብሮን ክትጐዓዞን ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ኺስምዓና ዚገብረና ዘሎ፡ ካብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ንላዕሊ ብዛዕባ ስጋዊ ናብራናን ኣካይዳናን ስለ እንሓስብ’ዩ። ናብራና፡ “ዓረብያ ብቕድሚት፡ ፈረስ ብድሕሪት ዓይነት ስለ ዝዀነ፡ እንተ ኸበደና ኣየገርምን’ዩ። “ኣካይዳኹም ኣጸብቑ ኺበሃል ከሎ፡ “ግብርኹምን ባህሪኹምን ኣጸብቑ” ማለት ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ብዛዕባ’ቲ እግዚአብሔር ኣዝዩ ዚግደሰሉ መንፈሳዊ ሃለዋትና ኣዚና ብምግዳስ ከነጸብቖ ኽንጋደል ይግብኣና። ንጉስ ሰለሞን፡ ነቲ እግዚአብሔር ዚምልከቶን ዚግደሰሉን ኣካይዳና ኣመልኪቱ፦
“እምበኣርሲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚአብሔር’ዩ። ነካይዳኡ’ውን ንሱ ይምልከቶ። እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር።” ኢሉና ኣሎ (ምሳ 5፡21,22)። ነቲ እግዚአብሔር ኣዒንቱ ተኺሉ ዚምልከቶ ኣካይዳና፡ ንሕና’ውን ኣዚና ኽንምልከቶን ክንምርምሮን፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ንምጽባቑ ክንጋደል ይግብኣና። እግዚአብሔር ነካይዳና ተጠንቂቑ ዚከታተለሉ ምኽንያት፡ ኣብ መወዳእታ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም መገዱ፡ ከከም ግብሩ፡ ከከም ኣካይዳኡ ዚፈርዶ ንሱ ስለ ዝዀነ’ዩ። ከም’ቲ ኣብ’ቲ ጥቕሲ ኣመልኪቱና ዘሎ፡ ኣእጋርና በግማድ ሓጢኣት ተኣሲሩ ኸሎ ጽቡቕ ኣካይዳ ኺህልወና ኣይክእልን’ዩ። ብገዛእ ኣበሳኻ እናተሓንኰልካ፡ ሰንከልከል እናበልካ፡ ብኽፉእ ኣዋድቓ ጻሕ ኢልካ እናተሰበርካ፡ “እኸይድ ኣለኹ” ኢልካ ኽትሓስብ’ውን ኣይግባእን’ዩ። ሓጢኣት ናይ ብሓቂ ዚኣስር ገመድ ምዃኑ ቅዱሳን ነብያት ኣረጋጊጾምልና’ዮም።
“እቶም ንኣበሳ ብገመድ ሓሶት፡ ንሓጢኣት ከኣ ከም ብመጣምር ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም።” ኢሳ 5፡18
“ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም’የ፡ ኣብ’ቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተኣስሩ፡ ህዝብታት ንጒድኣቶም ኪእከቡ’ዮም።” ሆሴ 10፡10
ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ብገንዘብ ኪዕድጎ ዝሓሰበ ስምኦን ዝተባህለ ጠንቋሊ-ነበር ሰብኣይ፦
“ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ ኣለኹ።” ምባሉ፡ ሓጢኣት ምግባር ማለት ብገዛእ ኢድካ ብረቂቕ ሰይጣናዊ ገመድ ንርእስኻ ምእሳር ማለት ከም ዝዀነ ኣመልኪቱና ኣሎ (ግብ 8፡23)። እምበኣር “ኣካይዳኹም ኣጸብቑ” ማለት “ርእስኹም ካብ ሓጢኣት ሓልዉ፡ ካብ’ቲ ድሮ ሓሊኹኩም ዘሎ ገመድ ሓጢኣት ብንስሓ ተፈትሑ።” ማለት’ዩ።
ኣካይዳኻ ብኸመይ’ዩ ዚቐንዕን ዚጽብቕን፧ እቲ ቐዳማይ ጥበብ፡ ጽቡቕ መገዲ ምምራጽ’ዩ። ኣብ ዘይተጸርገ፡ ዓንቃፊ ነገር ዝበዝሖ፡ ብድንጉር ዝተመልአ፡ ኣጻድፍን መንደልህጾን ዝበዝሖ፡ ጭቃን ታኼላን ብዝመልኦ መገዲ እናተጐዓዝካ፡ ጽቡቕ ኣካይዳ ኽትከይድ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣይሕሰብን’ውን’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ ወዲ ሰብ ዕንቅፋቱን ውድቀቱን ኬውሕድ ኣሳልጦኡ’ውን ኬዕዝዝ ጽሩግን ልሙጽን መገዲ ኣብ ምድላውን ኣብ ምምራጽን ኣዝዩ ዚግደስን ግዙፍ ባጀት ዚስልዕን። እዚ ኸኣ ካብ እግዚአብሔር ዝወረሶ ተወራሲ ባህርይ’ዩ። እግዚአብሔር ንህዝቡ ብዝተጸርገ ዕሩይ መገዲ ዚመርሕ ኣምላኽ’ዩ።
“. . . ኤፍሬም በዅሪ ወደይ’ዩ’ሞ፡ ብዘይዕንቀፈላ ዕርይቲ መገዲ ናብ ወሓዚ ማይ ክወስዶ’የ።” ኤር 31፡9
“መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን’ያ፡ <ቅድስቲ መገዲ> ኽትበሃል’ያ፡ ርኹስ ዘበለ ኣይኪሓልፋን’ዩ፡ ንኣታቶም ጥራሕ’ያ። እቲ ብእኣ ዚኸይድ፡ ዓሻ’ኳ እንተ ዀነ ኣይኪጋገይን’ዩ (ኣይኪዕንቀፍን’ዩ)፡ ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ ግርጉር ኣራዊት ኣይኪድይባን፡ ኣብኣ’ውን ኣይኪርከብን’ዩ፡ ድሑናት ደኣ ይመላለሱላ።” ኢሳ 35፡8,9
“ድምጺ ኣዋጂ ይእውጅ፡ መገዲ እግዚአብሔር ኣብ በረኻ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን።” ኢሳ 40፡3,4
እግዚአብሔር ከም’ዚ ገይሩ ብዕርይትን ዘይተንደልህጽን መገዲ ስለ ዚመርሕ’ዩ፡ በቶም መገዶም ዘበላሸዉ ዓያሱ ኣዝዩ ዚጒህይ፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ብጽኑዕ ዚፈርድ። ካብ ከም’ዚ ዝበለ ኣዕናዊ ዕሽነት ምእንቲ ኼናግፈና ኸኣ’ዩ።
“. . . ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ’ሞ፡ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። . . . “ ብምባል ዚምዕደና (ኤር 6፡16)። ብዙሓት ሰባት ኪመላለሱሉ ስለ ዝረኣኻ “ተረኽበ” ኢልካ ኣብ ዝረኸብካዮ መገዲ ኣይክየድን’ዩ። እስኪ “ነዛ ምድራዊት ህይወተይ ከስተማቕራ” ኢልካ መገዲ ሞት እንተ መረጽካ፡ ዘይጽቡቕ መገዲ መሪጽካ ኣካይዳኻ ጸዪቕካ ኣለኻ ማለት’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ ምርጫታት የቕርበልካ፡ ኣየናይ ከም ዜሕሸካ ይምዕደካ’ምበር፡ ኣገዲዱ ናብ’ታ ጽብቕቲ መገዲ ኣየእትውን ወይ ካብኣ ኸይትወጽእ ኣይክልክልን’ዩ (ኤር 21፡8፣ ዘዳ 30፡15,16,19)። ሰይጣንን ኣገልገልቱን ግና ኵሉ ጊዜ በታ መገዲ ጥፍኣት ኽትመላለስ ይደፋፍኡኻ፡ ካብኣ ኸይትወጽእ ድማ ብገዛእ ኣበሳኻ ጠሚሮም ይሕዙኻ’ምበር፡ ንምርጫ ዕድል ኣይህቡኻን’ዮም። እቲ ነብዪ ኤርምያስ፦
“ህዝበይ ግና ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱ’ውን ይዓጥን ኣሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብ’ቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዐንቀፍዎ።” ዝበሎ ቓል፡ ነዚ ዝበልናዮ ሓቂ ዜረጋግጽ’ዩ (ኤር 18፡15)።
ጐይታና፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ’የ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ስለ ዝበለ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ መገዲ ኸም ዘይብልና መጽሓፍ ቅዱስናን መሰረተ እምነትናን ዘረጋገጾ ሓቂ’ዩ (ዮሃ 14፡6)። ኣብ ካልእ ትምህርቱ ድማ ክልተ መገድታት ከም ዘለዋ ነጊሩና’ዩ።
“እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳ’ውን ገፋሕ’ያ። እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት’ዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ’ውን ቀጣን’ያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት’ዮም’ሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” ማቴ 7፡13,14
እታ ናብ’ታ ጸባብ ደገ እተብጽሕ ቀጣን መገዲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። እታ ናብ ጥፍኣት እተእትው ገፋሕ መገዲ ድማ ድያብሎስ ባዕሉ’ዩ። እታ ቐጣን መገዲ ሓንቲ ጥራሕ’ያ፡ ካልእ ኣማራጺ የብላን። እታ መገዲ ጥፍኣት ገፋሕ ዝዀነትሉ ምኽንያት ግን ሽሕን ሚእትን ኣማራጺ መገድታት ስለ ዘለዋ’ዩ። ገለ ብዕብዳን፡ ገለ ብስሑት ሃይማኖት፡ ገለ ብኽሕደት (ኢዝሄርነት- atheism)፡ ገለ ብፍልስፍና ወዘተ ማእለያ ዘይብሎም መገድታት ኣለዉ። ኵላቶም ተደሚሮም ከኣ ነታ መገዲ ገፋሕ ኣምሲሎምዋ ኣለዉ። መሰልቲ “ኵሉ መገድታት ናብ ሮም ይወስድ” ከም ዚብሉ፡ እዚ ዅሉ ናይ ብልሹው መገዲ ኣማራጺታት ከኣ ኣብ መወዳእታ ናብ’ቲ ናይ ገሃነም ጥፍኣት ዜእትው’ዩ። ኣብ’ዛ ገፋሕ መገዲ እናተመላለስካ፡ ኣካይዳኻ ኸተጸብቕ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ፈጺሙ ዘይከኣል’ዩ።
እቲ ኻልኣይ ኣካይዳና እነጸብቐሉ ብልሓት ከኣ ጥንቃቐ’ዩ። ኣብ’ታ ድሑናት ዚመላለሱላ፡ ዓያሱ’ኳ ዘይጋገዩላ ጥንታዊትን ጽብቕትን መገዲ ኣለኻ ማለት፡ ፈጺምካ ኣይትወድቕን ኢኻ ኣየስምዕን’ዩ። ኣብ ጽቡቕ መገዲ፡ ሰብ ብገዛእ እግሩ ተሓሊኹ፡ ብቐምሹ ወይ ስሪኡ ተዓንቂፉ፡ ምስ ሰብ ወይ ምስ ተንቀሳቓስን ቀዋምን ንብረት ተጋጭዩ ኺወድቕን ኪስበርን ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ዕዉትን ውሑስን ጒዕዞ ዚህልው፡ ብጥንቃቐ ናይ’ቲ መንገደኛ ድማ’ምበር ብጽባቐ ናይ’ቲ መገዲ ጥራሕ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ “ተጠንቀቕ” ብዚብል ማእለያ ዘይብሉ ቓላት ተመሊኡ ዘሎ። ኣሽንኳይ ንኣና ንድኹማት ፍጥረት፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መገዱ ኼውጽኦን ኬውድቖን ዝተጋደለ ደረቐኛን ዘይስልክዮን ጸላኢ’ዩ ዘሎና። ስለ’ዚ ኣብ ኵሉ ጊዜን ኵነታትን ጥንቃቐ መለለዪትና ኽሳዕ እትኸውን ከነዘውትራ ይግብኣና። ብመሰረቱ ክርስትና ማለት “ናብራ ጥንቃቐ” ምዃኑ ዜመልክቱና ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሮምልና ኣለዉ።
“እምበኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ’ዩ’ሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም ከም ለባማት’ምበር ከም ዓያሱ ዘይኰነ፡ ከመይ ብጥንቃቐ ከም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንቲ’ዚ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ’ምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ።” ኤፌ 5፡15-17
“ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ’ዩ፡ ንዅሉ ሰብ’ውን ምድሓን ኣምጺኡ። እቲ ብሩኽ ተስፋ ናይ’ቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽ ክብሪ እናተጸበና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን (ብመንፈሳውነትን) ክንነብር ይምህረና ኣሎ።” ቲቶ 2፡11-13
እዛ ጥንቃቐ’ዚኣ ምስ እትጐድል፡ ኣብ’ዛ “መገዲ ሓቂ፡ መገዲ ጽድቂ፡ መገዲ ምድሓን” ዝተሰምየት ጽብቕቲ መገዲ ዄንካ ሓጢኣት ምግባር ስለ ዚበዝሕ፡ ነቲ ጸራጊኣ ኣምላኽን ነታ መገድን ከም እትጽረፍ ምግባር’ዩ (ሮሜ 2፡23,24፣ 2ጴጥ 2፡2) ኣብ’ታ ጽብቕቲ መገዲ ኣለኹ” እናበለ፡ ብዝዀነን ዘይኰነን ዚቝጣዕ፡ ትዕግስቲ ዚውሕዶ፡ ቂምታ ዜዘውትር፡ ፍቕሩ ዚሓድግ ወዘተ፡ ነታ መገዲ’ቲኣ እንተ ዘይፈልጣ ዜሕሾ ሰብ’ዩ ዚኸውን (2ጴጥ 2፡21,22)። ኣበሳ ናይ’ቲ ኣብ መገዲ ሓቂ ቘይሙ ዚሓጥእ ሰብ፡ ካብ ኣበሳ ናይ’ቲ ኣብ’ታ መገዲ ጥፍኣት ዝቘመ ሰብ ከም ዚኸፍእ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ደቂ መንግስተ ሰማያት ምዃኖም ዚእመኑ፡ ገበርቲ ዓበይቲ ተኣምራት ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ግና፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑ” ከም ዝተባህሉ ኣይንዘንግዕ (ማቴ 7፡21-23፣ ሉቃ 13፡22-27)። እተን ዘይተን ከይውድአን ዘይተጠንቀቓ ደናግል፡ “ከቶ ኣይፈልጠክንን’የ” ተባሂለን ኪኖ ማዕጾ ኸም ዝተረፋ ንዘክር (ማቴ 25፡11-13) ንምድሓን ኣምላኽ ዚርእዮን ዚቕበሎን፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ሰብ ምዃኑ ቓል እግዚአብሔር ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና’ዩ።
“መስዋእቲ ምስጋና ዚስውአለይ የኽብረኒ፡ ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ።” መዝ 50፡23
“ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ እኩይ ምርሓቕ’ዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋ።” ምሳ 16፡17
“ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን።” ምሳ 14፡15
“ትእዛዝ ዚሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፡ መገዱ ሸለል ዚብል ግና ይመውት።” ምሳ 19፡16
እቲ ኸም ቕዱስ ዳዊት ንምድሓን ዝለበመ ሰብ፡ ብዛዕባ ቓላቱ፡ ስምዒቱ፡ ተግባሩ ወርትግ’ዩ ዚጥንቀቕ (መዝ 39፡1 ካ.ት፣ መዝ 119፡9)፡ ኣብ’ዛ ሰይጣን ዚገዝኣ ዓለም ንነብር ከም ዘለና ኽንዝንግዕ ኣይግባእን’ዩ። እቲ ጠሊፉ ዜውድቐና ፈተና ድማ ብመንን ብኸመይን መዓስን ከም ዚመጸና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ብዘይ ጥንቃቐ ብምምልላስ፡ ነቲ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎና ኸነስፍሖ፡ ነቲ ጨካን ጸላኢና ድማ ምሹእ ዕድላት ክንፈጥረሉ ኣይግባእን’ዩ።
ኣብ ቅድሚ መን’ዩ ኣካይዳና ኸነጸብቕ ዚግብኣና፧ ቀዳማይ ጥንቃቐና፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪትዎም ዘሎ ሰባት’ዩ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ’ቶም ኣብ እምነት ክርስቶስ ዘየለዉ ሰባት’ዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ኽልተ ኣገደስቲ ምኽንያታት’ዩ። ናብ እምነት ንኸይመጹ ዕንቅፋት ከይንዀኖም፡ እቲ ናይ መጀመርታ ምኽንያት ኪኸውን ከሎ ነታ መገዲ ሓቅን ንኣምላኽን ዚጸርፉሉን ዜካፍኡሉን ነቓዕ ንዘይምሃብ ድማ እቲ ኻልኣይ ምኽንያት’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ “ኣብ ማእከል ኣህዛብ” ኪብል ከሎ፡ ኣብ እምነት ክርስቶስ ንዘየለዉ ሰባት ንኼመልክት ዝበሎ’ዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣህዛብ” ዚብል ቃል፡ ነቶም ካብ እስራኤላውያን ወጻኢ ዝዀኑ ብጣኦታት’ምበር ብእግዚአብሔር ዘይኣምኑ ሰባት ንምምልካት ዜገልግል’ዩ። እዞም ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጠቐሶም ኣህዛብ ከኣ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድሮ፡ ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ምሕማይ ዝጀመሩ’ዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣካይዳኦም እንተ ጸዪቖም፡ ነቶም ሓመይቲ ንመጋርያ ሕምየቶም ብዝበኣሰ ዜባርዖ ነዳዲ ወይ ዕንጸይቲ ይቕርቡሎም ኣለዉ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ኣካይዳኡ ዘበላሸወ ክርስትያን፡ ንጐይታኡ ንክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ንሰይጣንን ንሰዓብቱን’ዩ ዜገልግል ማለት’ዩ። “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎ” ዚብል ቃል ከኣ ነዚ ሳዕቤን ናይ ብልሹው ኣካይዳ ዚገልጽ’ዩ (ሮሜ 2፡23,24)።
ካልኣይ ጥንቃቐና ድማ ነቶም ኣብ ቤት እግዚአብሔር ዘለዉ ፈራህቲ ኣምላኽን ሓቀኛታት ኣመንትን’ዩ። ፈራህቲ ኣምላኽ ንዓመጻ ዚጸልኡ ንጽድቂ ዜፍቅሩ ሰባት ስለ ዝዀኑ፡ ሰብ ኣካይዳኡ ኼበላሽው ኪርእዩ ኸለው ኣዝዮም’ዮም ዚሳቐዩን ዚጒህዩን። ሎጥ ጻድቕ፡ በቲ ኣብ ሰዶም ዚርእዮ ዝነበረ ርኽሰት፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ኣዝያ ትስቀይ ነበረት (2ጴጥ 2፡7,8)። ቅዱስ ዳዊት’ውን ሕጊ ኣምላኽ ሓዲጎም ኣካይዳኦም ዘበላሸዉ ሰባት ኪርእይ ከሎ፡ ብቕንኣት ኣምላኽ ይቃጸል፡ ብጓሂ ድማ ኣይሂ ይነብዕ ነበረ (መዝ 119፡53,136,139)። ንርእሱ ኣካይዳኡ ጸዪቑ ንኣምላኽን ንፈራህቲ ኣምላኽን ንጓህን ንሕፍረትን ምኽንያት ከይከውን ኣዝዩ ይጥንቀቕ ከም ዝነበረ፦
“ኣታ እግዚአብሔር ጐይታ ሰራዊት፡ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር ኣለኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ’ዩ’ሞ፡ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፡ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፡ እቶም ዚደልዩኻ ብኣኻ ኣይነውሩ።” ብምባል ገሊጹ ኣሎ (መዝ 69፡6,7)። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣመንትን ዘይኣመንትን ንኣካይዳና ኽንጥንቀቐሉ ኸም ዚግብኣና ንኼመልክት፦
“ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን (ንግሪኻውያን)፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት’ምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ አሐጒስ ኣለኹ።” ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (1ቈረ 10፡32,33 ካ.ት)።
ሳልሳይን ዝዓበየን ጥንቃቐና ኸኣ፡ ነቲ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኣምላኽ’ዩ። “መገድኹምን ግብርኹምን ኣጸብቑ” እናበለ ደጋጊሙ ዚምዕደናን ዜጠንቅቐናን፡ ነቲ ናቱ ዚመስል ጽቡቕ ኣካይዳ ኣባና ኺርእይ’ሞ፡ ካዕበት ኪጻምወናን ኪፈድየናን ስለ ዚደልይ’ዩ (ኤር 7፡3,5፣ 18፡11)። መዓልትን ለይትን መገድና ዀነ ኣካይዳና ኺቋመት ዚገብሮ ድማ ንሱ’ዩ። ኣካይዳኻ ምጽያቕ ንልቢ ኣምላኽ ብጓሂ ስለ ዝጐድኦ፡ ብመሪር ቅጽዓት’ዩ ሕነ ዚፈድይ። ስለ’ዚ ኸኣ፦ “ኣካይዳኽን ግብርኽን’ዩ ነዚ ዘውረደልኪ፡ እዚ ኽፍኣትኪ’ዩ፡ መሪር’ዩ’ሞ፡ ክሳዕ ልብኺ ይበጽሕ።” ብምባል ሳዕቤን ብልሹው ኣካይዳ እንታይ ከም ዚመስል ገለጸልና (ኤር 4፡18)።
ብኸመይ እንተ ተመላለስና’ዩ ኣካይዳና ዚጽብቐልና፧ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶና’ዚ ንኺምልስ’ዩ ተጻሒፉልና። ንዅሉ’ኳ ኽንዝርዝሮ እንተ ዘይከኣልና፡ ንኣብነት ዚኣክል ነዚ ዚስዕብ ምጥቃስ ይከኣል’ዩ። ብፍቕሪ (ኤፌ 5፡2)፣ ብቕንዕና (መዝ 15፡2፣ ሚክ 2፡7፣ ሚል 2፡6,7፣ ሮሜ 13፡13)፣ ብእምነት (2ቈረ 5፡6,)፣ ብትሕትና (ሚክ 6፡8)፣ ብፍርሃት እግዚአብሔር (ግብ 9፡31)፣ ብሓቂ (2ዮሃ 1፡4)፣ ብንጽህና (ራእ 3፡4፣ ብብቕዓት (ቈሎ 1፡10)፣ ብብርሃን (ዮሃ 11፡9,10፣ 12፡35,36፣ 1ዮሃ 1፡7፣ 2፡9-11)፣ ብመንፈስ (ገላ 5፡16)፣ እንተ ተመላለስና፡ ብርግጽ ኣካይዳና ንኣምላኽ ክብሪ ንሰብ ከኣ ኣርኣያ ኽሳዕ ምዃን ጸቢቑ ኸም ዘሎ ርጉጽ’ዩ። ዓስቢ ኣካይዳና ኸኣ፡ “ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ” ተባሂልና ካብ ኢድ ኣምላኽ ክንቅበል፡ ኣብቲ ኣብ የማኑ ዝተዳለወልና ናይ ክብሪ ዝፋናት ድማ ክንቅመጥ ኢና።
እምበኣር ተሪፉና ዘሎ፡ ኣዕሚቝካ ኣካይዳኻ ምፍታሽን ምምርማርን’ዩ። ስጒምትና ናበይ የምርሕ ኣሎ፧ ናብ ሞትን ጥፍኣትንዶ ናብ ድሕነትን ህይወትን፧ ንኣካይዳና ብመንጽር መፈጸምታናን ዘለኣለማዊ መጻኢናን ደዀን ነማእዝኖ ንህልው፧ እግዚአብሔር ብምኽንያት ኣካይዳና ኸም ኣቕሓ ኽብሪ ኸም ኣቕሓ ምሕረትዶ ወይስ ከም ኣቕሓ ውርደትን ኣቕሓ ቝጥዓን ይርእየና ይህልው፧ ኣካይዳና ነካይዳ ክርስቶስ ምምሳሉ ምርግጋጽ’ምበኣር፡ ዕለታዊ ናይ ህይወትና ተልእኾ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ከመይሲ፡ ነቶም ብኣካይዳኦም ዘይመስልዎ፡ ጐይታና ኻብኡ ኼርሕቖም፡ ናብቲ ዘገልገልዎ ድያብሎስ ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ኺድርብዮም’ዩ። ነቶም በካይዳኦም ዝመሰልዎ ግን፡ ብሰማያዊ ኽብሪ’ውን ንእኡ ኼምስሎም’ዩ! እምበኣር ነቲ ዝበለጸን ነቲ ዜርብሓናን ንምረጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መጋቢት ፳፭, ፳፻፲፬ ግዕዝ (3 ሚያዝያ 2022 ፈ).[ መበል 30 ሰንበት: ቊ.43/፵፫] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቈረ 4፡1-9 | 1ጴጥ 2፡11-19 | ግብ 16፡9-18 | ማቴ 25፡14-30 | ዘባስልዮስ |
መዝ.፴፱(፵)፡፯.፰ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፴፫(፻፴፬)፣፩-፪ “ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር። ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር። እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ