“ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ (ናብቲ መቓብር) ኣተወ። ነቲ “ካብ ምውታት ኪትንስእ ይግብኦ’ዩ” ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዓልዎን ነበሩ’ሞ፡ ርእዩ ኣመነ።” ዮሃ 20፡8-9።
ንዅላትና ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና። እግዚአብሔር ብጸጋኡን ብምሕረቱን ደጊፉ፡ ነዚ ናይ ዓብይ ጾም ጊዜ ብሰላምን ብደሓንን ኣሕሊፉ፡ ናብ ብርሃን ትንሳኤኡ ስለ ዘብቅዓና፡ ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ንእኡ ይኹን። ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ናይ እምነት ክርስትና መሰረት’ዩ። ንክርስትና ኻብ ካልኦት እምነታት (ሃይማኖታት) ዚፈልዮ ፍሉይ መለለዪኡ ድማ’ዩ። ትንሳኤ ጐይታና፡ ናትና ናይ ትንሳኤ ሙታን ተስፋ ርጉጽ ዚገብር ስለ ዝዀነ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ምስጢርን በዓልን’ዩ። ካብ’ቶም ንመሰረት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዜቝሙ “ኣእማደ ምስጢር” እንብሎም ሓሙሽተ ዓበይቲ ምስጢራት ሓደ፡ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን’ዩ። ናይ’ዚ ምስጢር’ዚ መሰረት ከኣ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ጐይታና ብኽብሪ ኸም ዝተንስአ እንተ ዘይኣሚንና፡ “ንሕና’ውን ኽንትንስእ ኢና” ኢልና ኽንትስፈው ኣይከኣልን’ዩ። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ፡ ኵሉ ነገርና ኸንቱ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ኣብ ዘመነ ሃዋርያት፡ “ትንሳኤ ሙታን የልቦን” ዚብል ሓደገኛ ኑፋቄ (ስሑት ትምህርቲ) ተላዒሉ ነበረ። እቲ ዜሕዝን ከኣ እዚ ስሕተት’ዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ቈረንቶስ ብዝነበሩ፡ ክርስትያን ምዃኖም ብዚእመኑ ሰባት ዝተላዕለ ምዃኑ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ታ ባዕሉ ዝሰረታ ቤተ ክርስቲያን ከም’ዚ ዘመሰለ ሰይጣናዊ ትምህርቲ ኸም ዝተላዕለ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ጐሃየ። ንእኡ ንምእራም ድማ ሓያል ዝዀነ ናይ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን መሰረት ዘቘመ ሰፊሕ ትምህርቲ ጸሓፈ።
“ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም’ዮም ገሊኦም ካባኻትኩም፡ ‘ትንሳኤ ሙታን የልቦን፡’ ዚብሉ ዘለዉ፧ ትንሳኤ ሙታን ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስአን። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ ስብከትና ከንቱ’ዩ፡ እምነትኩም’ውን ከንቱ’ያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ከም ዘተንስኦ መስኪርና ኔርና፡ ንምዉታት ዘየተንስኦም እንተ ደኣ ዀይኑ ግና፡ እምበኣር ንክርስቶስ’ውን ኣየተንስኦን። ንሕና ኸኣ ሓሰውቲ ምስክር (ናይ) ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኣለና። ከመይ ንምዉታት ዘይተንስኦም እንተ ዀይኑ፡ ክርስቶስ’ውን ኣይተንስአን። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ፡ እምነትኩም ከንቱ’ያ። ንስኻትኩም’ውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም። እቶም ብእምነት ክርስቶስ ዝሞቱ ኸኣ ጥፉኣት’ዮም። ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ጥራይ እንተ ደኣ ዀይና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” 1ቈረ 15፡12-19 ካ.ት
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ናይ እምነትና መሰረት’ዩ። ብዛዕባ ትንሳኤኡ እንተ ተጠራጢርና፡ እምነትና፡ ኣገልግሎትና፡ ምንባርና ዀነ ሙማትና፡ ኵሉ ኸንቱን ትርጒም ኣልቦን’ዩ ዚኸውን። እቶም ምእንቲ እምነቶም መከራ ዝተቐበሉን ዝተሰውኡን ድማ ከሲሮም ተሪፎም ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ንትንሳኤ ኸም ሓደ ናይ ብልዕን መስተን በዓል ካብ ምርኣይ ተናጊፍና፡ በቲ ሓቀኛን ክቡርን መንፈሳዊ ረብሓኡ ኽንርእዮ ይግብኣና።
ዓይነት ህይወትና ኸኣ በቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስን ትንሳኤ ሙታንን ዘሎና ኣረኣእያ ኣዝዩ ኸም ዚጽለው ኸነስተውዕሎ ይግብኣና። ሓጥእን ዓለማውን ሰብ፡ ይትረፍ ኪትንስእ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ኺሰምዕ’ኳ ኣይደልን’ዩ። ምኽንያቱ ትንሳኤን ፍርድን ከም ዘይህልዉ ተስፋ ብምግባር’ዩ ንህይወቱ ብሓጢኣት ዜበላሽዋ። ንምድራዊ ህይወቱ ባህ ከም ዝበሎ ገይሩ ብሓጢኣት ምስ ዓንደረላ፡ ድሕሪ ሞቱ ኣብ መቓብር ተሓቢኡ ኺነብር’ዩ ዚብህግ። ስለ’ዚ ንሓጥእ ሰብ ትንሳኤ፡ ተስፋ ዘይኰነስ ኣሰምባዲ መርድእ’ዩ።
ብኣንጻሩ ነቲ ብጽድቅን ብመንፈሳውነትን ዚነብር ሰብ ግና ተስፋ-ትንሳኤ ኣዝዩ ዓብይ ብስራት’ዩ። ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ፡ ነቲ ናቱ ትንሳኤ ዓብዪ ተስፋ ስለ ዜስንቖ፡ ንበዓለ ትንሳኤ በቲ ፍሉይ መንፈሳዊ ኽብሩ’ምበር፡ ከም ተራ ስጋውን ምድራውን በዓል ብብልዕን ብመስተን ጥራይ ኣየብዕሎን’ዩ። እቲ ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ ሰብ ንምድራዊ ህይወቱ ይንዕቃን ይጸልኣን’ዩ (ሉቃ 14፡26፣ ዮሃ 12፡25)። ስለ’ዚ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታ ዘሎና እምነትን ብዛዕባ ትንሳኤና ዘሎና ተስፋን፡ ናይ ህይወትና ሓቀኛ ምስሊ ዜርእየና ንጹር ምልክት ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና።
ኣብ ትንሳኤ ጽኑዕ እምነትን ብሩህ ተስፋን ከይህልወና ዚኽልክለና እንታይ’ዩ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ምምላስ ይረድኣና’ዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ይትረፍ ንተራ ምእመን፡ ዋላ ንሃዋርያትን ንደቀ መዛሙርትን ከይተረፈ ይኸብዶም ከም ዝነበረ፡ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት የረጋግጸልና’ዩ። ጐይታና፡ ቅድሚ ስቕለቱን ሞቱን ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ደጋጊሙ ተዛሪብዎም’ዩ። ዕላማ ናይ’ዚ ምንጋር’ዚ ኸኣ፡ ኣብ ልቦም ኪሓድር’ሞ፡ ንሱ ምስ ሞተ ኸይተሰናበዱ፡ ትንሳኤኡ ብተስፋ ኺጽበዩ’ዩ። እንተ ዀነ ይትረፍ ኪዓቝርዎ፡ ብመሰረቱ ነቲ ዝተዛረቦ ኼስተውዕልዎ’ውን ኣይከኣሉን። ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ፡ ነዚ ዘይምስትውዓሎም’ዚ ጽቡቕ ገይሩ ኣስፊርዎ ኣሎ።
“ኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ (ኢየሱስ) ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሃብ’ዩ’ሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገር’ዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎ (ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ)፡’ በሎም። ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ’ዚኣ ኣየስተውዓልዋን፡ ከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ’ዚኣ ኸይሓትዎ’ውን ፈርሁ።” ሉቃ 9፡43-45
“ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ ‘እንሆ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም’ዩ። ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ኬላግጸሉ፡ ኪጸርፍዎ፡ ጡፍ’ውን ኪብሉሉ፡ ገሪፎም ድማ ኪቐትልዎ’ዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ኪትንስእ’ዩ፡’ በሎም። ንሳቶም ግና ካብ’ዚ ሓንቲ’ኳ ኣየስተውዓሉን፡ እዚ ዘረባ’ዚ ተሰዊርዎም ነበረ’ሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።” ሉቃ 18፡31-34
እዞም ንጐይታና ዚሰምዕዎ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ፡ ምሉእ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዘለዎም፡ ንጐይታን ንቓላቱን ዜፍቅሩ፡ ሓዳሮምን ዋኒኖምን ንብረቶምን መኒኖም ንጐይታኦም ዝሰዓቡ እሙናት ሰባት’ዮም። ነዘን ንሞቱን ትንሳኤኡን ኣመልኪቱ ዝተዛረበን ቃላት ከየስተውዕሉን ኪስወሮምን ዚገብር ዘሎ ደኣ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ጸገም’ዚ ጐይታና ኣብ’ቲ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 12፡1-9,18-23፣ ማር 4፡1-9,13-20፣ ሉቃ 8፡4-8,11-15)። ኣብ’ቲ ወንጌላዊ ሉቃስ ዝጸሓፎ ኽፍሊ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ሰፊሩ ኣሎ።
“ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ....ብምስላ ኸም’ዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ‘ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይ’ውን በልዓኦ . . .።’ እቲ ምስላኡ እዚ’ዩ፡ እቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽ’ዩ። እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ (ዝተባህሉ)፡ ንሳቶም (ነቲ ቓል) ዚሰምዑ’ዮም። (ድሕሪኡ ግና)፡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።” ሉቃ 8፡4-12
ሰይጣን፡ እዞም ደቀ መዛሙርትን ሃዋርያትን ናይ ጐይታና ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኪዀኑ ኸም ዝተሓርዩ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ’ዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ተሰቢኹ ማለት ከኣ ንሱ ኸም ዝተሳዕረ ተኣዊጁ ማለት’ዩ። ንትንሳኤ ክርስቶስ ኪዓግቶ ኸም ዘይክእል ስለ ዚፈልጥ፡ ኪገብሮ ዚኽእል ካልእ ኣማራጺ ተግባር፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ልቦም ምእንቲ ኸይስረት፡ ነቲ ዝተነግሮም ቃል ገና ኸየስተውዓልዎ ኸለዉ ኺምንጥሎም’ዩ። ምሉእ ብምሉእ ተዓዊቱ ኺበሃል’ውን ይከኣል’ዩ። ኪዝረብን ኪንገሮምን ከሎ ፈጺሞም ኣየስተውዓልዎን። ጐይታ ተሰቒሉን ሞይቱን ምስ ተቐብረ ኸኣ፡ “ኪትንስእ’ዩ” ዚብል ዝዀነ ትጽቢት ኣይነበሮምን። ንጐይታ ብዓይኖም ርእዮም ከም ዝተንስአ ንዘበሰርዎም’ኳ ኺኣምንዎምን ኪቕበልዎምን ኣይከኣሉን።
“....ንግሆ ምስ ተንስአ፡ ....ንማርያም ብዓልቲ መግደላ ቕድም ተራእያ። ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጒህዩን ከለዉ ነገረቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃንኑ፡ ንእኣ’ውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን።” ማር 16፡9-11
“ካብ’ቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም። ... እዚ ዘረባ’ዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን።” ሉቃ 24፡9,11
ካብ’ዚ ዝገደደ ኸኣ፡ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ’ዩ። እቶም ዓሰርተ ሃዋርያትን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ብዓይኖም ከም ዝረኣይዎ ነጊሮምዎ ኼብቅዑ፡ ባዕሉ ብዓይኑ እንተ ዘይርእይዎን ብኢዱ ነቝሳሉ እንተ ዘይዳህሲሱን ከም ዘይኣምን ኣቕበጸ። ምስ ረኣየ ግና፡ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ እንተ ተኣመነ’ኳ ጐይታ ግና፦
“ኣማኒ’ምበር ዘይኣማኒን ኣይትኹን።....ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ግና ብጹኣን’ዮም።”
ኢሉ ምስ ዘይኣመንቲ ሰርዖ (ዮሃ 20፡24-29)። ጐይታና፡ እቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ኸለዉ ምስ ተጋህደ ኸኣ፦
“ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን’ዮም’ሞ፡ ስለ’ቲ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ዘለፎም።” ማር 16፡14
ክልተ ኻብ’ቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መገዲ ኤማሁስ ምስ ተራኸቦም ከኣ፡ ከም ዘይፈልጦምን ዘይፈልጥዎን ጋሻ ተመሲሉ ኣብ ዕላሎም ተጸምበሮም። ኵሉ’ቲ ዕላሎም ከኣ ገና ብትንሳኤኡ ኸም ዘይኣመኑ ዜረጋግጽ ስለ ዝነበረ፦
“ንሱ ድማ፡ ‘ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡ ክርስቶስ ነዚ ሓሳረ መከራ’ዚ ኺጸግብ’ሞ (ብትንሳኤ) ናብ ክብረቱ ኺኣትው ናይ ግዲ ኣይኰነን፧’ በሎም። ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጒመሎም ጀመረ።” ሉቃ 24፡25-27
እዞም ነቲ ቓል ተስፋ ብቐጥታ ኻብ ልሳኑ ዝሰምዕዎ፡ ዝጨነወ ሬሳ ኼተንስእ ከሎ ብዓይኖም ዝረኣይዎ ደቀ መዛሙርቱ ብትንሳኤኡ ኺኣምኑ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ እንተ ኣጸጊምዎም፡ እዞም ብምንባብን ኪስበኽ ብምስማዕን ጥራይ እንፈልጦኸ ደኣ እንታይ ኢና ንዀኖ፧ እቲ ኻብ ልቢ ናይ’ቶም ምስ ጐይታ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ዝተዘርአ ቓል ኪምንጥል ዘይተጸገመን ዘይሓፈረን ሰይጣን፡ ንኣና ነዞም ልብና ብሓልዮት ሓዳርን ካልእ ምድራዊ ጒዳያትን ዝተጻበበ ሰባትከ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኼናሕስየልና’ዩ፧
ናይ ትንሳኤ ተስፋን እምነትን ኣብ ልብኻ ዘይምህላዉ፡ እንታይ ዝዓይነቱ ሳዕቤንን ጒድኣትን’ዩ ዜስዕበልና፧ ጸብጺብካን ገሊጽካን ዚውዳእ ኣይኰነን። ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ፡ ኵለንተናኡ’ዩ ዚበላሸው። ካብ ኣተሓሳስባኡ ጀሚሩ ስምዒታቱ፡ ቃላቱ፡ ተግባራቱ ኣዝዩ ብልሹው ይኸውን። “ትንሳኤ የለን” ማለት፡ “ተሓታትነትን ፍርድን የለን” ማለት’ዩ። ሕጊ ኣልቦነት እንተ ሰፊኑ፡ ፍርድን ተሓታትነትን እንተ ዘየልዩ ኸኣ፡ ሰብ ናብ ኣራዊትን ናብ ኣጋንንትን’ዩ ዚልወጥ። ገሌና መንግስቲ ፈሪሱስ፡ ካልእ ዚትክኦ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ ዘሎ ጊዜ፡ ሕጊ-ኣልቦነት ሰፊኑ፡ ብዙሓት ወራዙትን ጭዋታትን ሰባት ዘይግበር ኪገብሩ ርኢና ንኸውን ኢና። ገሌና ግን እንተ ወሓደ ኣብ መሳዅቲ ቴሌቪዥን ተዓዚብናዮ ኣለና። ሽዑ ዘሎ ስርቂ፡ ዝምታ፡ ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ዕንወት መግለጺ ኽትረኽበሉ ዀነ ንኽትኣምኖ ዜጸግም’ዩ። ንዅሉ ሰብ ወረጃ፡ ስነ ስርዓት ዘለዎ፡ እዱብ ገይሩ ዜንብሮ ዘሎ፡ ህላወ ሕግን ተሓታትነትን’ዩ።
ከም’ቲ ኣብ’ዚ ስጋዊ ዓለም፡ ኣብ’ቲ መንፈሳዊ ዓለም’ውን ሕግን ተሓታትነትን’ዩ ንሰብ ጻድቕን ቅዱስን ኰይኑ ኺነብር ዜኽእሎ። እቲ “ከም’ቲ ጐይታ ኻብ ሙታን ዝተንስኦ፡ ኣነ’ውን ካብ ሞት ተንሲአ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ኢለ ኽፍረድ፡ ጻማ ጽድቀይን ፍዳ ኣበሳይን ክቕበል’የ፡” ዚብል እምነት ዘለዎ ሰብ፡ ህይወቱ እንታይ ከም እትመስል፡ ከይዘርዘርካዮ ኸለኻ ብሩህ’ዩ። እቲ ንትንሳኤን ንፍርድን እና’ማዕደወ ዚነብር ሰብ፡ ሓሳባቱ ኸም ናይ ክርስቶስ፡ ቃላቱ ብጸጋ ዝተቓመመ ንሰማዕቱ ዚባርኽን ዚሃንጽን፡ ተግባሩ ዅሉ ድማ ግብሪ ጽድቂ’ዩ ዚኸውን። ነታ ምድራዊት ህይወቱ፡ ነቲ ዘለኣለማዊት ህይወት ከም እተብቅዖ ገይሩ’ዩ ዚነብራ። መርከበኛ ኣብ’ቲ ጐደና ዘይብሉ ውቅያኖሳት ብሶላ (ኮምፖስ) ተጠቒሙ ናብ’ቲ ዝደለዮ ዓዲ ኸም ዚኣትው፡ ክርስትያን ከኣ ኣብ’ዛ መኣዝን ዘይብላ ዓለም ብተስፋ ትንሳኤ ተመሪሑ’ዩ ጒዕዞኡ ብዓወት ዛዚሙ ናብ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው።
እቲ ኻብ ሞት ተንሲኡ፡ ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ከም ዚብል ዘይኣምን ሰብ ግን፡ ዜሰክፎ ዀነ ዜፍርሆ ነገር ስለ ዘይብሉ፡ ልጓም ከም ዘይብላ በቕሊ ናብ ዝደለዮ’ዩ ዚፋንን። ዘይገብሮ ኽፉእ ነገር የለን። ብሓጢኣቱ ይዋዘይ፡ ክብረቱ ኣብ ነውሩ’ዩ፡ ኣምላኹ ከብዱ’ዩ፡ ጸላእ መስቀል ክርስቶስ ኰይኑ ኸኣ ይመላለስ (ፊሊ 3፡18-19)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ ንሰብ ቈረንቶስ ከምኡ’ዩ ዝጸሓፈሎም።
“ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝዋጋእ ዘለኹ ከም ባህርይ ሰብ (for merely human reasons) እንተ ዀይኑ ደኣ እንታይ’ዩ ረብሓይ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖም ግና ከም’ቲ፡ “ዒራ ጽባሕ ክንመውት ኢና’ሞ ንብላዕ ንስተይ” ዚብልዎዶ ኣይኰነን።” 1ቈረ 15፡32 ካ.ት
እዚ “ንብላዕ ንስተይ” ዚብል ኣበሃህላ፡ ዕብዳንን ስኽራንን ንኼስምዕ’ምበር ነዚ ዅሉ ሰብ ዜዘውትሮ ንቡር ብልዕን መስተን ዜመልክት ኣይኰነን። ተስፋ ትንሳኤ እንተ ዘየልቦ ዕንደራ ጥራይ’ዩ ዚዕብልል። ዋላ ሕጊ-ሰብ ዜፍርስ ገበን እንተ ዘይገበርካ’ኳ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ግን ንብምሉኡ ኢኻ እተፍርሶ። ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ፡ ኣእምሮኡ እምብዛ ሕሱር ስለ ዝዀነ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ኪሓስብን ኪገብርን ኣይክእልን’ዩ (ሮሜ 1፡24-25,28-32፣ ገላ 5፡19-21፣ 1ቈረ 6፡9-11፣ 1ጢሞ 1፡9-10፣ 2ጢሞ 3፡1-7፣ ራእ 21፡8፣ 22፡15)። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ንኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ ዝዀኑ፡ ተስፋ ትንሳኤ ዘይነበሮም ኣህዛብ ብስእላዊ መገዲ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎም ኣሎ።
“ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖም’ውን ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ።” ኤፌ 4፡18
ደረጃ ናይ ተስፋኻ ድማ ምስ ዓይነት ህይወትካ ቐጥታዊ ተዛማድነት ኣለዎ። ተስፋ ትንሳኤኻ ኣዝዩ ልዑል ምስ ዚኸውን፡ ህይወትካ ድማ ብእኡ መጠን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ቕድስና ትዓርግ። ኣብ ቅንያት ትንሳኤን፡ ትንሳኤን ፍርድን ጠቀስ ስብከታት ክትሰምዕ ከለኻ ጥራይ እትዝክሮ እንተ ዄንካ ግና፡ ካብ ቍምነገርካ ጽያፍካ ዚበዝሕ ክርስትያን ኴንካ ትርከብ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ብሓቂ ብዅሉ ኣካይዳናን ብትንሳኤናን ክንረብሕ እንተ ዄንና፡ ንትንሳኤ ኸም ኮምፓስ (ብሶላ) ህይወትና ጌርና ኽንርእዮ፡ ንዅሉ ዘረባናን ተግባርናን፡ ሓሳባትናን ስምዒትናን ብእኡ ኽንገርሖን ክንመርሖን ይግብኣና።
ትንሳኤ ክርስቶስ ብኸመይ’ዩ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ዓብይ ጾር ዜሰክመና፧ ጐይታና፡ ከም’ቲ ምእንታና ኢሉ ሰብ ዝዀነን ዝሞተን፡ ትንሳኤኡ’ውን ምእንታና’ዩ ዝተፈጸመ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦ “ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅና’ውን ተንስአ።”
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 4፡25)። ዋጋ ሓጢኣትካ ስለ ዝተኸፍለ ጥራይ ጻድቕ ክትከውን ኣይከኣልን’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና፡ ነቲ መሪርን ከቢድን ዋጋ ሓጢኣትና ብሞቱ ኸፊሉ ኼብቅዕ ካብ ሞት ከይተንስአ እንተ ዚተርፍ፡ እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ከንቱ ዀይኑ፡ ገና ሓጢኣትና ኣብ ዝባንና ምሃለወ ነይሩ። እቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ፦
“ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ’ያ። ንስኻትኩም’ውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም።” ዚብል ቃል ንዘክሮ (1ቈረ 15፡17 ካ.ት)። ካብ’ቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዝኣተናዮ መንፈሳዊ ሞት፡ ብሓይሊ ትንሳኤኡ ኢና ንናገፍ። ሓይሊ ትንሳኤኡ ብኸመይ ከም ዚረድኣና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣረጋጊጹልና ኣሎ፦
“ንስኻትኹም ግና መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ ኣልዩስ ብመንፈስ’ምበር ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና ናይ ክርስቶስ ኣይኰነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ደኣ ኣልዩ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን እቲ ስጋኹም ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት’ዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እግዚአብሔር ስለ ዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም ህያው እዩ። መንፈስ ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ (ኣቦ) ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹም’ውን በቲ ኣባኻትኹም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ ህያው ኪገብሮ’ዩ። እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፡ ከም ፍቓድ ስጋ ኽንነብር ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኹም ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።” ሮሜ 8፡9-13 ካ.ት
እዚ ኽፍሊ ንባብ’ዚ ዚዛረበሉ ዘሎ ሞት፡ ኰነ ህያውነት፡ ብዛዕባ’ቲ ናብ መቓብር ዜእትወና ኣካላዊ ሞት ኣይኰነን። ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞትን ህይወትን’ዩ ዚዛረብ ዘሎ። ብዛዕባ’ዚ መንፈሳዊ ሞትን ህይወትን ኣብ ሮሜ 6፡1-11 ብዝሰፍሐን ብዝነጸረን መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ “ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ” ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ብዛዕባ ብኣካለ ስጋ ዝሞቱ (physical death) ኣይኰነን ዚዛረብ (ቈሎ 3፡1)። ካብ’ቲ መንፈሳዊ ሞት ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ተንሲእና እንተ ዄንና፡ ነቲ ናይ ምድሪ ሓዲግና ነቲ ናይ ሰማይ ኢና እንሓስብን እንደልን።
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ’ሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።” ቈሎ 3፡1-3
ምእንቲ ጽድቅና ስለ ዝተንስኣልና፡ ምስኡ ዝተንሳእና እንተ ዄንና፡ ብሓጢኣት ክንነብር ኣይግባእን’ዩ። ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ መሊሱ ኸም ዘይሞተ፡ ንሕና’ውን ካብ መንፈሳዊ ሞት ምስኡ ድሕሪ ምትንሳእና፡ ተመሊስናን ደጋጊምናን ብሓጢኣት ክንመውት ኣይግባእን’ዩ (ሮሜ 6፡1-2)። ነቲ ብሓጢኣት ኪቐትለና ዚደልይ ሰይጣን ኵሉ ጊዜ “እምቢ” እንብለሉ ዓቕሚ ኸነጥርይ ይግብኣና። ፈቲናን መሪጽናዮን ዘይኰነ፡ ብሰሪ ድኻም ስጋና ሓጢኣት ምስ ዚጠብቀና ድማ፡ ካብኡ እንሓውየሉን፡ መንፈሳዊ ህይወትናን ጥዕናናን እንሕልወሉ ምስጢረ ንስሓ ተሰሪዑልና ኣሎ። ሓጢኣት ኣብ ህይወትካ ዝፋን ተኺሉ ኣሳፊሑ እናገዝአ፡ ብስም ክርስትያን፡ “በዓለ ትንሳኤ” እናኽበርካ ምንባር ግን ህያው ክርስትያን ኣይገብርን’ዩ። ጐይታና “ኪትንስእ ይግብኦ’ዩ” ዝተባህለሉ፡ ንኣና ብሓይሊ ትንሳኤኡ ምእንቲ ኼጽድቕ ስለ ዝዀነ፡ በዓላትና ኣብ ጽድቂ ዄንና ነብዕሎ ኸም ዘለና ኸነረጋግጽ መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ምልስ ኢልና፡ ብምዉቱ ትንሳኤ ዜኽብር ክርስትያን ዲና፡ ወይስ ህያው ኰይኑ ትንሳኤ ዜብዕል ክርስትያን ኣርጊጽና ንፍለጥ። ነቲ ህያው ጐይታ ብመንፈስ ህያዋን ኴንና ነኽብሮ’ምበር፡ ነቲ ቕዱስ በዓል ትንሳኤኡ መሕብኢ መንፈሳዊ ሞትና ኣይንግበሮ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሚያዝያ ፲፯, ፳፻፲፬ ግዕዝ (24 ሚያዝያ 2022 ፈ).[ መበል 33 ሰንበት: ቊ.46/፵፮] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቈረ 15፡20-41 | 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ | ግብ 2፡22-36 | ዮሃ 20፡1-18 | ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ.፸፯(፸፯)፣፷፭-፷፮: “ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭: “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ