“ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን’ዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም። ንጐይታ ዜሐጉሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።” ኤፌ 5፡8-10
“....ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝረኣኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኵሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ (ኢየሱስ) ከኣ ክትርእዮን፡ ካብ ኣፉ’ውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሓረየካ።” ግብ 22፡14,15
ኤርትራዊት ቤተ ክስርቲያን ተዋህዶ ስለቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ኤርትራውያን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ኣካይዳ። እቲ ጸሎተ ፍትሓት፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜርካ ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ትማሊ ቀዳም 2 ሕዳር 2013 ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ እዩ ተፈጺሙ። ምእመናን ድማ ብጸሎትን ንብዓትን ዝተሰነየ ሓባራዊ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣቕሪቦም። ንሰብ ዘይከኣሎ ንእግዚኣብሔር ይከኣሎ እዩ'ሞ ኣምላክ ንመከራና መወዳእታ ይግበረሉ። ኣሜን።
ነቲ ዝተገብረ ጸሎት ንምርኣይ ኣብዚ ዝቕጽል መላግቦ ተወከስ፡ Prayer vigil Service - Washington, DC
“ኣብርሃም ናብ’ቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠ’ውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብ’ታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ’ሞ፡ ምስ’ቶም ነዛ ተስፋ’ዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።” እብ 11፡8-10።
በስመ፣ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ነቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ደቅና ብጸሎተ ፍትሓት ንምዝካር፡ ቀዳም 2 ሕዳር 2013፣ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፣ ናይ ዓሱርን ኣርብዓን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ክንገብር ኢና። ስለዚ ተኻፋሊ እዚ ሓዘን እዚ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ፣ ኣብቲ ዚግበር ሃገራዊ ጸሎተ ፍትሓት ንኽሳተፍ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።
1. ተጠንቀቑ! ንቕሑ። ሓቛቑኹም ዕጡቕ ሓቛቑኹም ዕጡቕ መባርህትኹም መባርህትኹም መባርህትኹም ብሩህ ይኹን።
2. ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር
3. እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ
4. ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ንቤተክርስቲያን ዘጋጠማ ፈተናን ጽንዓት ኣመንቲ ወለድናን
5. ምዕቃብ ግእዛዊ ዜማ
6. ቃል ኪዳን
8. ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ተቓኒዑ Read more...
“ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ (ኣምላኽ) ከይትወድቁስ፡ (ኣይትምሓሉ)። እቲ እወኹም እወ፡ እቲ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን’ምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ ብምድሪ ወይስ ብኻልእ፡ ማሕላ ኣይትምሓሉ።” ያእ 5፡12
“ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይሽን እትገብሮ ዘለኻ (ዅሉ)፡ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣለኻ። እዚኣቶም ብዛዕባ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣለኻ።” 3ዮሃ 5፡6።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ