“እቲ ፍርዲ ኸኣ እዚ’ዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ምኽንያቱ እቲ ኽፉእ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእ’ምበር ናብ ብርሃን ኣይመጽእን’ዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ከም ትእዛዛት ኣምላኽ ስለ ዝገበረ፡ እዚ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።”ዮሃ 3፡19-21 ካ.ት
እምበኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ (ማቴ 25፣13) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 17 ዓመት ካብ ሓምለ 30 - ነሓሰ 02/ 2015 (ሓምለ ፳፻፯ ግእዝ)፣ ኣብ ቅድስት ማርያም ኦክላንድ (ሳን ሊያንድሮ) ካሊፎርንያ ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ Read more...
ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ ጉባኤ 2015 1. ተጠንቀቑ! ንቕሑ። ሓቛቑኹም ዕጡቕ ሓቛቑኹም ዕጡቕ መባርህትኹም መባርህትኹም መባርህትኹም ብሩህ ይኹን።
2. ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር
3. እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ
4. ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ንቤተክርስቲያን ዘጋጠማ ፈተናን ጽንዓት ኣመንቲ ወለድናን
5. ምዕቃብ ግእዛዊ ዜማ
6. ቃል ኪዳን
7. መዘከርታ ጸሎት መዘከርታ ጸሎት፥ ስለ እሱራት
ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፣ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ 2015 (July 30 – August 2, 2015) ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ኪካየድ እዩ።
በስመ፣ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ነቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ደቅና ብጸሎተ ፍትሓት ንምዝካር፡ ቀዳም 2 ሕዳር 2013፣ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፣ ናይ ዓሱርን ኣርብዓን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ክንገብር ኢና። ስለዚ ተኻፋሊ እዚ ሓዘን እዚ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ፣ ኣብቲ ዚግበር ሃገራዊ ጸሎተ ፍትሓት ንኽሳተፍ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።
“ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለዉዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ’ሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ኬርእዩ፡ ንወለዶም’ውን ውሬታ ኺመልሱ ይመሃሩ። .....ሓደ’ኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሓልይ እንተ’ሎ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብ’ቲ ዘይኣምን’ውን ዝገደደ’ዩ።”1ጢሞ 5፡4,8
“ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ” (ያዕ 5፡13) ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ቤተ ክርስቲያንና ተዋህዶ ብግዜ ጸበባ ይኹን ብእዋን ራህዋ ምስ እግዚኣብሔር ትራኸበሉን ትጠርዓሉን ጎደና-እምነት
“ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።” ሮሜ 1፡5። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና፡ ካብ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተመደበ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደ’ዩ። ኣብ’ዚ ጥቕሲ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ተልእኾ ሃዋርያነቱን፡ ብዛዕባ’ቲ ተልእኾኡ ንምፍጻም ኪሕግዞ ዝተዋህቦ ሓይሊ ጸጋን’ዩ ዚገልጽ ዘሎ። ጐይታ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እምነት ኪተክል’ዩ ዝመጸ። ናይ ምድሪ ተልእኾኡ ፈጺሙ ናብ ሰማይ ዚምለሰሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ንሃዋርያቱ እዚ ተልእኾ’ዚ ሂብዎም ከደ። ካብ’ቲ ዘመን’ቲ ጀሚሩ እቶም ኣብ መንበር-ሃዋርያት ዝተቐመጡ ዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተልእኾ’ዚ’ዮም ዚርከቡ። ነቲ ማዕርግ ናይ ኣገልግሎት ተቐቢሉ ኼብቅዕ፡ እምነት ጥራሕ ዘይኰነ ምእዛዝ እምነት ኣብ ምትካል ዘይተዓወተ ኣገልጋልን መራሕን ናይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ተልእኾን ዕላማን ዚዕንቅፍ “ኣገልጋሊ”’ዩ ዚኸውን።
ሰንበት 5 ጥቅምቲ 2014፡ ንዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ።
“ሕጂ ድማ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ ዝመጸላ መዓልቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።” 1ዮሃ 2፡28 ካ.ት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ