S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 ስለ ኸም ኣካላዊ ሞት ብሓደ ሰብ [ብኣዳም] ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ሙታን [ብክርስቶስ] ብሓደ ሰብ ዝመጸ። ከም ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑዮም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑዩ፡ ቅድም ክርስቶስ፡ ደሓር ከኣ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ፡ እቶም ናይ ክርስቶስ [ዝዀኑ ክርስትያን]” 1ቈረ 1521-23 .

ርሑስ በዓል ትንሳኤ!! ነዚ ዘመነ ጾም ብሰላም ኣሕሊፉ ብዓወት ንዘፈጸመና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ!! ብምሕረቱን ሕያውነቱን፡ እንኳዕ ብርሃነ ትንሳኤኡ ኽንርእይ ኣብቕዓና። መሰረት ክርስትና፡ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ትንሳኤ፡ እቲሞት ብዓወት ተዋሕጠዚብል ትንቢት ዝተፈጸመሉ ዕለት (1ቈረ 1554 ኢሳ 258) ንህዝቢ ኣገልጊሎምን መሪሖምን ሩባ ህይወት ኬብጽሑ ነብያትን ሊቃነ ካህናትን ኰይኖም ዝተሾሙ መንጎኛታት (ማእከሎት) ብዙሓትዮም ነይሮም (ገላ 320 1ጢሞ 25,6) እንተ ዀነ ማእሰረ-ሞት ፈቲሖም ኪትንስኡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣገልግሎቶም ይዅለፍ ነበረ (እብ 722-26) ምኽንያቱ ድማ፡ ሞት ብኣምላኽምበር፡ ብሰብ ኰነ ብኻልእ ፍጡር ኪሰዓር ዚኽእል ጸላኢ ኣይኰነን። ስለ ኸኣ ኣምላኽ ሰብ ኪኸውን ዘድለየ፡ መለኮት በቲ ዝተዋህዶ ስጋ ሞይቱ፡ ዕዳ ሓጢኣትና ኸፈለ። ዕዳ ሓጢኣትና ብምልኣት ስለ ዝተኸፍለ ድማ፡ ሞት ንስጋ ኣጽኒዑ ዚሕዘሉ ምኽንያት ፈረሰ። ስለ ብሓይልን ስልጣንን ናይ መለኮት፡ እቲ ዝሞተ ስጋ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ህያው ኰይኑ ተንስአ። ምስጢረ ስጋዌ (ምስጢረ ተዋህዶ) ሓይልን ስልጣንን ናይ ሞት ኪስዕር ዝተፈጸመ። ስለ ክርስትና፡ ናይ ትንሳኤን ህይወትን ሃይማኖትዩ። ኵሉ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ናይ ዕለት ኣብ ብትንሳኤ ክርስቶስ ዝተጋህደ ምስጢርን ዝተፈጸመ ዓወትን ዘተኰረ ትሕዝቶ ዘለዎምዮም። እቲይትፌሣሕ ሰማይዘርእስቱ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ ብትንሳኤ ክርስቶስ ሰማይ ከም ትሕጐስ ዚገልጽ መዝሙርዩ። ምኽንያቱ፡ ሞት በቲ ኣብ ሰማይ ዝተመኽረ ምኽሪ ቅድስት ስላሴ ዝተሳዕረ። እቲ መዝሙረ ዳዊት ምስባክውን፡ እቲ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ፡ ካብ ድቃሱ ኸም ዚትንስእ ጅግና ዀይኑ ከም ዝተንስአን፡ ንጸላእቱ፡ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ወቒዑ፡ ዘለኣለማዊ ነውሪ ኸም ዘሰከሞም ዚገልጽ ትንቢታዊ መዝሙር (መዝ 7865,66) ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ናይ 1ጴጥ 315-22 ንባብና፡ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ (ብመለኮት) ግና ህያው ኰነ፡ብዚብል ቃል፡ ናይ እምነት ተዋህዶና መሰረት ዝዀነ መልእኽቲ ሂቡና (1ጴጥ 318) ኣብ ናይ ግብ 222-36 ንባብናውን፡ ርእሰ-ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነቲ ናይ ነብዪ ዳዊት ናይ መዝ 168-11 ትንቢታዊ ቓል ምስ ትንሳኤ ክርስቶስ ብምዝማድ፡ ዓብይ መንፈሳዊ ብርሃን ሂቡና ኣሎ። ብዓብዩ እቲ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝዀነ ዮሃ 201-18 ናይ በዅሪ ትንሳኤ ዝዀነ ጐይታና ምትንሳእ፡ በዅሪ ተበሳሪት ክትከውን ብዛዕባ ዝተዓደለት፡ ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ተሪኹልና ኣሎ። እዚ ሕሱም ሰይጣን ንትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ ምዕጋት ኪዕወት እንተ ዘይከኣለኳ፡ ናይ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ምድፋን ግን ተዓዊቱዩ። ነቲ ጐይታና ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ኸም ዚትንስእ ደጋጊሙ ዝነገሮም ናይ ተስፋ ቓላት ብዘይ ዝዀነ ተረፋ ኻብ ልቦም ልቕም ኣቢሉ ብምውሳድ፡ ትንሳኤኡ ብዓይነን ብዝረኣያ ቅዱሳት ኣንስቲ ምስ ተበሰሩ፡ ወንጌላዊ ሉቃስ፡እዚ ዘረባ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ፡ ኣይኣመንወንንኢሉ ኽሳዕ ዚጽሕፍ፡ ክሳዕ ክንድኡ ናብ ዘይምእማን ኣብጺሕዎም (ሉቃ 2411) ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስውን፡ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምንዮምሞ፡ ስለ ዘይምእማኖምን ትርሪ ልቦምን ዘለፎምብምባል ጽሒፉ ኣሎ (ማር 1614) እዚ ዜሕዝንን ዜገርምን ተርእዮዚ፡ እቶም ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብእምነት እምብዛ ድኹማት ምንባሮም ዘይኰነስ፡ ሰይጣን ንናይ ትንሳኤ ኣርእስቲ ብምሉእ ሓይሉ ኸም ዚዋግኦ ዜርእየናዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ትንሳኤ ጽኑዕ መሰረት ዝገበረ ሃይማኖትን ውልቀ ህይወትን ንመንግስቲ ሰይጣንን ነቲ ርኹስ ተልእኾኡን ዓብይ ስዕረት ከም ዝዀነ ዜረጋግጸልናዩ። ስለ ትንሳኤ ክርስቶስ መሰረት ጽንዓት እምነትና ስለ ዝዀነ ኢና ብኣዝዩ ልዑል ሓጐስን ክብርን እነብዕሎ።

እዚ ኽቡር በዓልዚ፡ ናይ ብልዕን መስተን ናይ ወርቅን ጨርቅን በዓል ኣይኰነን። ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና ዀነ ብዛዕባ ገዛእ ትንሳኤና ዘሎና እምነት እንፍትሸሉ ኣገዳሲ በዓልውንዩ። ነቶም ድምጹን ቃሉን በእዛኖም ዝሰምዑን፡ ነቲ ሓይሊ መለኮቱ ድማ በዒንቶም ዝረኣዩ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ሰይጣን ክሳዕ ክንዲ እንተ ተፈታቲንዎምን እንተ ተዓዊቱሎምን፡ ንኣናኸ ይንሕፈናዶ፧ ካብኡ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ ንርእስኻ ኣብ ከቢድ መንፈሳዊ ሞት እናሃለኻ፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ምጽንባልዩ። ጐይታና ኣብ ዕለተ ሆሳእናኡ፡ ሰባት ብሓጐስን ብጭድርታን እናዘመሩሉ ኸለዉ፡ ንሱ ግና ንኣታቶም ይበኽየሎም ከም ዝነበረ ተማሂርና ኣለና። ንሱ ብመዝሙር ህያዋንምበር፡ ብመዝሙር ምዉታት ኣይሕጐስን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣዝዩ የጕህዮዩ። ብሓጢኣቶም ዝሞቱ፡ ብንስሓ ግን ምስኡ ዘይተንስኡ ምዉታት ኴንና ናይ ትንሳኤ መዝሙር እናዘመርና እንተ ኣብዓልናሉኸ፡ ኪሕጐሰልና ኽንጽበዮ ይከኣልዶ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንርእሶም ካብ መንፈሳዊ ሞት ናይ ዝተንስኡ ሰባት በዓልምበር፡ ናይ ምዉታት በዓል ኣይኰነን። ስለ እዚ ቕዱስ በዓልዚ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሃለዋትና ዕቱብ ምርመራ እንገብረሉ ኣገዳሲ መዓልቲውንዩ። ብደረጃ በዓል፡ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ደኣ ነብዕሎምበር፡ ብግብራዊ ናብራናስ ዓመት ምሉእ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዕድመና ምሉእ ኢና ነብዕሎ። ብሓጢኣት ዝሞቱ ዘይኰንናስ፡ ካብ ሓጢኣት ሞይቶም ንጽድቂ ዝተንስኡ ሰባት ኴንና ነብዕል ምህላውና ኸነረጋግጽ፡ እዚ ቕዱስ በዓል ይዕድመናን ይብድሃናን ኣሎ።

ማእከላይ (ወይ ሕመረት) መልእኽቲ ናይ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን እንታይዩ፧ ንትንሳኤ ንምንታይ ቅደም-ተኸተል ኣድልይዎ፧ እዚ መሪሕ ጥቕስና፡ ንጽጽራዊ ኣቀራርባ ዘለዎ ሃዋርያዊ መልእኽቲዩ። ብፍላይ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ዝዓይነቱ ኣቀራርባ ኣዘውቲሩ ይጥቀመሉዩ። እቲ መለኮታዊ ኣሰራርሓ ብንጹር ኪረኣየካን ኪርድኣካን ስለ ዚሕግዝ ድማ መምህራን ወንጌል ኪስዕብዎን ኬዘውትርዎን ዚግባእ፡ ጠቓሚ ሜላ ናይ ትምህርትን ስብከትንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሓጢኣትን ሞትን ካብ ኣዳም ናብ ኵሉ ዘርኢ ሰብ ከም ዝሓለፈ፡ ልክዕ ብኸምኡ ድማ ጽድቅን ትንሳኤን ናብ ኵሎም ብዳግማይ ልደት ዘርኢ ኣምላኽ ዝዀኑ ክርስትያን ከም ዚሓልፍ ይነግረና ኣሎ። ኣዳማዊ ሓጢኣት ተወራሲ ሓጢኣት ከም ዝዀነ፡ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ሃዋርያዊ ሰረተ እምነትዩ። ነዛ ሓቂዚኣ ዘይተቐበላ ሰብ፡ እታ ዘይምቕባሉ ኣብ ናይ ኣዳም ጥራሕ ኣይትድረትንያ። እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤና፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ድሕነት መደብን ኣሰራርሓንውን፡ እትጻረርን እተፍርስን ትኸውን። ንኣዳማዊ ሓጢኣት ተወራሲ ዝገብሮ፡ ሰይጣን ወይ ኣዳም ባዕሉ ኣይኰነን። ናይ እግዚኣብሄር ናይ ልዑል ኣምላኽ፡ ፍትሓውን ፍርዳውን ውሳነዩ። ናቱ ናይ እግዚኣብሄር ውሳነ ስለ ዝነበረ፡ ንዘርኢ ኣዳም ምሕረት ኪገብር ምስ ወሰነ ድማ፡ በታ ሓጢኣትን ሞትን ናብ ኵሉ ዘርኢ ሰብ ክትሓልፍ ዝወሰነላ መገዲ፡ ጽድቅን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ከኣ ልክዕ ብኸምኣ ኽትሓልፍ ብምሕረቱን ብሕያውነቱን ወሰነ።

ኣቦና ኣዳም ብድፍረት ኢዱ ዘርጊሑ ኺሓጥእ ከሎ፡ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም፡ ካብ ቃኤል ክሳዕ ኣብ ዓለም ዚውለድ ናይ መወዳእታ ሰብ ኣብ ኣዳም ነይሩ (እብ 78-10) ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ወለዶታት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት እንተ ተወለድናኳ፡ እቲ መበቈልናን ዓይኒ ማይናን ግን ኣዳምዩ። ሄዋን ንርእሳውን ካብ ኣዳምያ። ስለ ኸኣ ኢና ኣካል ናይ ዅሉ ንሱ ዝገበሮን ዝሓለፎን ንኸውን ዘለና። ስለ ኣዳም ኪብድል ከሎ ኵላትና ምስኡ በዲልና፡ ኪመውት ከሎውን ምስኡ ንመውት ማለትዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 512,14 ገሊጽዎ ዘሎ ሓቂ ብምስትውዓል ነንብቦ።

ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ፡ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መጸ። ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ። ..... ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ፡ (ዋላ) ኣብቶም ከም ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓጢኣት ዘይገበሩውን ነጊሱ ነበረ። (ምኽንያቱ) ኣዳም ምሳሌ ናይ ኺመጽእ ዝነበሮ (ክርስቶስ)’ዩ።

ተኻፈልቲ ሞቱ ዝዀንና፡ ተኻፈልቲ በደሉውን ስለ ዝነበርና ኢና ዝገበርናዮ ዘይብልና ብንጹሃትና ኸለና ዝወረደና ወደቓ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ንንጹህ ኣይኵንንንዩ፡ ንሓጥእ ከኣ ኣይንሕፍንዩ። ኣብ ኣዳም ኴንና ብኸመይ ከም ዝሓጣእና፡ እግዚኣብሄር ኣዳቒቑ ይፈልጦዩ። ንሕና ግን በዚ ብሓጢኣት ዝጸልመተን ዝተዳኸመን ኣእምሮና፡ ብመሰረቱ ፈጺሙ እንተ ዘይተረዳእናዮውን ኣየገርምንዩ። ንኣና ስለ ዘይተረድኣና ጥራሕ ንእግዚኣብሄር በደለኛ ኸይንገብሮ ግን ክንፈርህን ክንጥንቀቕን ይግብኣና። እዛ ኸነንብባ ዝጸናሕና ጥቕሲ ብኸመይ ከም ዝተዛዘመት ግን ብግቡእ ነስተውዕለላ። ኣዳም ምስሊ ናይ ክርስቶስ ማለት፡ ናይ ክርስቶስ ኣሰራርሓውን ልክዕ ከም ናይ ኣዳም ኪኸውን ማለትዩ። እቲ ቐንዲ ክርስቶስዩ፡ እቲ ጽላሎት ወይ ምስሊ ግን ኣዳምዩ። ስለ እቲ ናይ ኣዳም ሓጢኣትን ሞትን ናብ ኵላትና ዘርኡ ምሕላፉ፡ ትንቢታዊ መልእኽቲ ናይ ብክርስቶስ ኣቢሉ ናብ ኵላትና ዚሓልፍ ጽድቅን ትንሳኤንዩ።ብኣዳም ሓጢኣተኛታት ኢኹምኪበሃለልና ኸሎ፡በቲ ዳሕራይ ኣዳም፡ ብክርስቶስ ክትጸድቁ ኢኹምብምባል ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ የመልተና ኸም ዘሎ ደኣምበር፡ ይውንጅለናን ይዂንነናን ከም ዘሎ ኣይንሕሰብ። ንኣዳም ዘኪሩ ንክርስቶስ ዚርስዕ ክርስትያን፡ እቲ ብክርስቶስ ዝተቐንጠጠ መጋረጃ ዘይተቐንጠጠሉ፡ እቲ መጋረጃ ገና ኣብ ልቡ ተዘርጊሑ ነእምሮኡ ዘጸልመተሉን ዘደንዘዘሉን ሰብ (2ቈረ 314-16)

ሓጢኣት ኣዳምሲ፡ ኣብኡ ኣብ ኣዳም ስለ ዝነበርና ናባናውን ሓሊፉና። ናይ ክርስቶስ ጽድቕን ህይወትከ ብኸመይ ናባና ዚሓልፍ፧ ካብ ናይ ኣዳም ዚፍለየሉ ዋላ ሓንቲ የብሉን። ብክርስቶስ ኣሚንና ድሕሪ ምጥማቕና፡ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ኴንና ኣብ ክርስቶስ ኢና ንነብር። ስለ ኸኣ ጐይታና ንርእሱ ብጕንዲ ወይኒ፡ ንኣና ኸኣ ብጨናፍሩ መሲሉ ኺዛረብ ከሎ፦

ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) ይቘርጾ። ነቲ (ኣባይ ዘሎ) ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግን ብዙሕ (ፍረ) ምእንቲ ኼፍርይ፡ (ኣቦይ) የጽርዮ። .... ኣባይ ንበሩ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብርየ። ..... እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ….. ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ከም ጨንፈር ናብ ወጻኢ ተደርብዩ ይነቕጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ ይነድድ።” ብምባል፡ ክርስትያን ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ፡ ከም ዚነብር ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 151-6 .) ቅዱስ ጳውሎስውን፦

ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን፡ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። (ምኽንያቱ) ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም።”  ብምባል ብኸመይ ኣካላት ሰብነቱ ዄንና ኣብኡ ኸምንነብር ገሊጹልና ኣሎ (ገላ 326,27) ልክዕ ከም ኣካል ኣዳም ኴንና፡ በቲ ኣዳም ዝሓለፎ ዅሉ ሓጢኣትን መርገምን ሞትን እንሓልፍ ኣካል ክርስቶስ ድሕሪ ምዃንና ድማ በቲ ክርስቶስ ጐይታና ዝሓለፎ ዅሉ ኽንሓልፍ እግዚኣብሄር ፈቐደልና።

ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተጠመቕና ዘበልና፡ ኵላትና ብሞቱ ኸም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣር ከም ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ካብ ምዉታት ዝተንሰአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና (ካብ መንፈሳዊ ሞት ተንሲእና) ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን። ምስኡ ሓቢርና እንተ ደኣ ሞይትና፡ ምስኡ ሓቢርና ኸምንትንስእ ርግጹዩ።ሮሜ 63-5 .

“..... ክርስቶስ ተሰቒሉዩ፡ ኣነ ኸኣ ምስኡ ተሰቒለየ። ደጊም ክርስቶስ ኣባይ ዚነብር ዘሎምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ። .....” ገላ 219,20 .

ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና። ብክርስቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና።ኤፌ 25 .

ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብሓይሊ ናይ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንኩም ምስኡ ተንሳእኩም። ኣምላኽ ንብዘሎ ኣበሳና ሓደገልና። ንስኻትኩምውን፡ ብኣበሳኩም ...... ሞይትኩም ንዝነበርኩም፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።ቈሎ 212,13 .

ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹምሞ፡ ቀልብኹም ኣብ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።ቈሎ 212,13 .

ኣብ ክርስቶስ ዘለና ኣካላቱ ስለ ዝዀንና፡ እቲ ክርስቶስ ዝሓለፎ ዅሉ ንሕናውን ብእኡ ኸም ዝሓለፍና ዀይኑ ተጻሒፉልና እንሆ። እግዚኣብሄር ከኣ ብክርስቶስ ነዚ ዅሉ ምእንቲ ኽንረክብዩ፡ ኵላትና ነቲ ኣዳማዊ ሓጢኣት ክንወርስን ክንመውትን ዝፈረደና። ካብ ናይ ቐዳማይ ኣዳም ሓጢኣት ኣይተኻፈልናን ኢልና ንፍርዲ ኣምላኽ እንተ ነጸግናዮ፡ ካብ ናይ ዳሕራይ ኣዳም፡ ካብ ናይ ክርስቶስ ከይንካፈል ድማ ኣብ ገዛእ ርእስና ብዝኸፍአ ፈሪድና ኣለና ማለትዩ።

“‘እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህይወት ዘለዎ (ነፍሲ) ዀነዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም (ክርስቶስ) ከኣ ህይወት ዚህብ (መንፈስ) ኰነ። ግናኸ ቕድም እቲ ባህርያዊ (ኣዳም)’ምበር፡ እቲ መንፈሳዊ (ክርስቶስ) ኣይኰነን። እቲ መንፈሳዊ (ክርስቶስ) ደሓር ዚመጽእ። እቲ ቐዳማይ ሰብ (ኣዳም) ካብ መሬት ስለ ዝተፈጥረ መሬታዊዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ (ክርስቶስ) ግና ካብ ሰማይዩ። እቶም መሬታውያን ከም መሬታዊዮም (ዚዀኑ) እቶም ሰማያውያን (ክርስትያን) ድማ፡ ከም ሰማያዊ (ክርስቶስ)’ዮም፡ (ዚዀኑ) ከም ምስሊ ናይ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ ናይ ሰማያዊ (ክርስቶስ ክንለብስ) ኢና።” 1ቈረ 1545-49 .

እዚ መስተንክር ምስጢር እግዚኣብሄር ብምሕረቱን ብሕያውነቱን ዝመደበልና፡ ምሕረታዊ ጽሕፍቶዩ። ኣብ ክርስቶስ ምስንኸውን፡ ካብ መሬታውያን ናብ ሰማያውያን ንልወጥ፡ ብዅሉ ጐይታና ዝሓለፎ ሓሊፍና፡ ብትንሳኤ ሙታን ተኻፈልቲ ናይ ሰማያዊ ኽብሪ ንኸውን። ከም ኣብ ኣዳም ብምንባርና፡ ተኻፈልቲ ሓጢኣቱን ሞቱን ዝዀንና፡ ብእምነት ኣብ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ተኻፈልቲ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ኴንና ኣብኡ ብምንባርና ድማ፡ ተኻፈልቲ ናይ ንሱ ዝገበሮ ጽድቅን ህይወትን ንኸውን። ቅዱሳን ሃዋርያትብክርስቶስ፡ ብጸጋ ኢና ንጸድቕዚብሉሉ ምኽንያት ከኣ፡ በዚ መለኮታዊ ምስጢር ምኽንያትዩ። ነዚ ምስጢር ብዝበለጸ ንኼብርህ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ኢሉናሎ።

ግናኸ እቲ ጸጋ እግዚኣብሄር ክንዲ ኣበሳ ኣይኰነን (እቲ ጸጋ ኻብ ኣበሳ ኣዝዩ ዝሓየለ) …… እቲ ብጸጋ ዝተረኽበ ውህበት (ጽድቂ ብምኽንያት) ናይ ብሓደ ሰብ ዝመጸ ሓጢኣት ኣይኰነን። ብሓጢኣት ሓደ ሰብኣይ ዝመጸ ፍርዲ (ንዅሉ ሰብ) ኲነኔ ኣስዓበ። (እቲ ብምኽንያት ናይ ብዙሓት ሰባት ሓጢኣት) ዝመጸ ጸጋ ግና፡ ጽድቂ ኣፍረየ። ሞት፡ ብሰሪ ሓጢኣት ናይ ሓደ (ኣዳም) ኣብ ነገሰት፡ እቶም ብዙሕ ጸጋ ኣምላኽን ውህበት ጽድቅን ዝረኸቡ (ሰባት) ደኣ፡ በቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊጾም (ብጽድቂ) ዘይነግሱ። እምበኣር ከም ብሓንቲ ሓጢኣት (ናይ ኣዳም) ናብ ኵሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ (ናይ ክርስቶስ) ግብሪ ጽድቂ፡ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ጽድቂ መጸት። ከመይ እቶም ብዙሓት (ደቂ ኣዳም) ብዘይ ምእዛዝ ናይ ሓደ (ኣዳም) ሓጥኣን ከም ዝዀነ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ ናይ ሓደ (ክርስቶስ) እቶም ብዙሓት (ደቂ ኣዳም) ጻድቃን ኪዀኑዮም።ሮሜ 515-19 .

ነዚ ሃዋርያዊ ቓል ምስ መሪሕ ጥቕስና ኣዛሚድና ንርኣዮ። እዚ ናይ ሮሜ መልእኽቲ ብኸመይ ናይ ጽድቁን ናይ ህይወቱን ተኻፈልቲ ኸም ንኸውን ኣረጋጊጹልናሎ። እቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ሮሜን ኤፌሶንን ቈሎሰን ጥቕስታት ድማ ብኸመይ ናይ ሞትን ትንሳኤኡን ተኻፈልቲ ዄንና፡ ኣብ ዘመን ናይ ምድራዊ ህይወትና መንፈሳዊ ሞትን ትንሳኤን ከምንረክብ፡ ማለት ካብ ሓጢኣት ምዉታት ኴንና፡ ንጽድቂ ህያዋን ኴንና ተንሲእና ብህይወት ከምንነብር፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ብኸመይ ካብ መሬታውያን ብክርስቶስ ናብ ሰማያውያን ከም ንልወጥ ኣብሪሁልና ኣሎ። እዚ ምስጢር ኣባና ተፈጺሙ እንተ ዀይኑን ብግብሪ ንነብሮ እንተሊናን፡ ሽዑ ትንሳኤ ሙታን ኪፍጸም ከሎ (ትንሳኤ ዘጕባኤ ኪኸውን ከሎ) ከም ክርስቶስ ካብ ናይ ስጋ ሞቱ ኻብ መቓብር ዝተንስአ፡ ንሕናውን ድሕሪ ሞትና ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ብትንሳኤ ኻብ መቓብር ወጺእና፡ ናብ ሰማያት ክንዓርግ ኢና። እዚ ኸኣ ክርስቶስ ቅድሜና ስለ ዝተንስአ እንረኽቦ ጸጋዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡በዅሪ ትንሳኤዩ። እቶም ብእኡ ዝኣመንና ዅላትና ድማ፡ በታ ንሱ ዝተንስኣላ ትንሳኤ ኽንትንስእ ኢና።

ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ሙታን ዘይትንስእ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ሓጥኣን ኴንና ጻድቃን፡ ኵላትና ኽንትንስእ ኢና። ትንሳኤ ሓጥኣን ናብ መሪር ፍርዲዩ። ነቶም ብክርስቶስ ሰማያውያን ዝዀንናን ዝጸደቕናን ክርስትያን ግን ናብ ክብሪ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢና ንትንስእ (ዮሃ 529) እቲ ገና ኣብ ምድሪ ብህይወት እናሃለወ፡ ምስ ክርስቶስ መንፈሳዊ ሞት ዝሞተን መንፈሳዊ ትንሳኤ ዝተንሳአን፡ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ንሱ ኣብ ክርስቶስ፡ ክርስቶስ ከኣ ኣብኡ ዝነበረ ክርስትያን ሰብ፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ጐይታውን ብትንሳኤኡ ንጐይታ ኺመስሎዩ። እቲ ብኣንጻሩ ገና ብህይወት ከሎ፡ ምስ ክርስቶስ ንሓጢኣት ዘይሞተን ንጽድቂ ዘይተንስአን ክርስትያንን፡ ኵላቶም ኣብ እምነት ክርስቶስ ዘየለዉ ኣረማውያንን ግና፡ ዘይምትንሳእ፡ ንዘለኣለም ኣብ መቓብር ተሓቢእካ ምንባር ዜሕሾም ኪዀኑዮም። እንተ ዀነ ገና ብህይወት ከለዉ ምርጫኦም ስለ ዘበላሽዉ፡ ብትንሳኤ ሙታን ዜሕሾም ኪረኽቡ ኣይክእሉንዮም። ካብ ስጋኦም ዝተሓብኣላ መቓብር ወጺኦም፡ ናብ ንሰይጣንን ሰዓብቱን ዝተመደበት ቀላይ ሓዊ ኺኣትዉዮም።

እዚ እነብዕሎ ዘለና በዓል፡ ምእንቲ ክርስቶስ ዘይኰነስ ምእንታና ዝተፈጸመ። ነቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና በጃ ዝዀነ፡ ንኣና ንኼጽድቕውን ካብ ሞት ዝተንስአዝበሎ ቓል ንዘክር (ሮሜ 425 .) እቲ ብትንሳኤ ጐይታኡ ዝጸደቐ ሰማያዊ ክርስትያን ድማ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ጽድቂ እናገበረ ዚነብር። እዚ ኸም ዝበለ ክርስትያን፡ ትንሳኤ ጐይታኡን ገዛእ ትንሳኤኡን ኬብዕል፡ ብቑዕ ሰብዩ። እምበኣር ገና ብህይወት ከለና ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ብመንፈስ ከም ዝሓበርናዮ፡ ኣብ ዕለተ ምጽኣቱ ድማ ብትንሳኤ ስጋ ኸም ንሓብሮ ርግጸኛታት ንኹን። ሓቀኛታትን ብቑዓትን ግብራውያንን ኣብዓልቲ ትንሳኤ ንኹን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ግንቦት 2024 | ሚያዝያ 27, 2016 ግዕዝ (መበል 34 ሰንበት: ቊ.፴፬/34)

ምስባክ

 መዝ.መዝ.፸፯(፸፯)፣፷፭-፷፮

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን።ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።

ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። እግዚኦ አድኅንሶ።

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 1520-41

ዲያቆን

1ጴጥ 315-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 222-36

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 201-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ| መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div