“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16
ብረድኤት ኣምላኽ፡ እንሆ ናብ ራብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾም በጺሕና ኣለና። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ሰንበት’ዝን ብድሕሪኡ ዚስዕብ ሰሙንን፡ “መፃጕዕ” (መጻጕዕ) ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመት ብ“መጻጕዕ” ዚጽውዓ ክልተ ሰናብትን ቅንያትን’የን ዘለዋና። እታ ሓንቲ እዛ ዘለናያ ኽትከውን ከላ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ፡ ኣብ ጾመ ነብያት ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3 ዘላ ሳልሰይቲ ሰንበትን ሰሙንን’ያ። መጻጕዕ ብግእዝ ኰነ ብትግርኛ ሓደ ትርጕም’ዩ ዘለዎ። ትርጕሙ ድማ “ልሙስ” ማለት’ዩ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን፡ እዚ “መጻጕዕ” ዚብል ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲሩ ኣብ ዜንብብ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ ዳርጋ ኻብ’ቲ ቋንቋና እናጠፍአ’ዩ ዚኸይድ ዘሎ። ለምሲ ወይ ምጽጓዐ (Paralysis) ኣዝዩ ኸቢድ ሕማም’ዩ። ንዅሉ ኻልእ ሕማማት፡ ከም ወካሊ ዀይኑ ኼገልግል ደኣ ተመሪጹ’ምበር፡ ብፍላይ ብዛዕባ’ዚ ሕማም’ዚ ጥራሕ ዚምልከት ቅንያት ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ቕንያት’ዚ ብዛዕባ’ቲ ንዅላትና ደቂ ሰብ ዜጋጥመና ዅሉ ዓይነት ሕማማት ኢና ኽንሓስብን ክንጽልይን ተሰሪዑልና ዘሎ። ፍሉይ ቅንያት ዝተሰርዓሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብዛዕባ ምስጢረ ቀንዴል (ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት) ክንመሃር፡ ብዛዕባ ከኣልነትን ፈዋስነትን ናይ እግዚኣብሄር እምነትና ኽነዕብይ፡ ጸሎትና ኸነዕዝዝ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምፍጻም ምስጢረ ቀንዴል ኪግደሱን ኪተግሁን፡ ምእመናን’ውን ብዛዕባ ጥዕናዊ ጸገማቶም ኣብ ዘመን ኣምጽኦ ሰብኣዊ ዓቕምን ጥበብን ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሞትን ህይወትን ኣብ ልዕሊ ሕማምን ጥዕናን ምሉእ ስልጣን ዘለዎን ንኣካላትና ዝፈጠረን ኣምላኽ ኪውከሉ ንምግባር ዝዓለመ’ዩ። እቲ ኣብ ቅንያት መጻጕዕ ዝሃነጽናዮ መንፈሳዊ እምነትን ሓይልን ከኣ ዓመት ምሉእ ብውቃዊ ዀነ ሓበራዊ ጸሎት እናዘውተርና፡ ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ሓይልን ኣብ ቤተ ክርስትያንናን ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ሕብረተ ሰብናን ኪገሃድ ሰናይ ገድሊ እምነት ክንጋደል ኪሕግዘና ይግባእ።
በዚ ዕለት’ዚ ዚዝመር መዝሙር ኰነ፡ ኵሉ’ቲ ብእኡ መሰረት ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ምስባካትን ምስ’ቲ ተሰሪዑ ዘሎ ቕንያት ዚሰማማዕ’ዩ። ናይ ቅዱስ ወንጌልን ናይ ግብሪ ሃዋርያትን ንባባት፡ ብዛዕባ ብተኣምር ዝተፈወሱ ክልተ መጻጕዓት ዚገልጽ፡ ኣብ ውሽጥና ተስፋ ዜሕድርን እምነት ዚሃንጽን ንባባት’ዩ። እቲ ናይ ያእ 5፡14-20 ንባብ ድማ፡ ዝሓመመ ሰብ እንተ’ልዩና ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ከኣልነት ተኣማሚንና ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ክንጽውዕ፡ እቶም ኣገልገልቲ ድማ ብምሉእ እምነት ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት (ምስጢረ ቀንዴል) ኪፍጽሙ ዚእዝዝን ዜተባብዕን ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዝሓዘ’ዩ። እቲ ኻብ መዝሙር ዳዊት ዝተወስደ ኽልቲኡ ኣማራጺ ምስባካት’ውን ብናይ እግዚኣብሄር ፈዋስነት ዚእመን ግሩም መዝሙር’ዩ።
“ዎ እግዚኣብሄር፡ (ብሕማም) ማህሚነ’የ’ሞ፡ መሓረኒ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዕጽምተይ (ብሕማም) ተሸቢረን’የን’ሞ፡ ኣጥዕየኒ፡ ነፍሰይ’ውን ኣዝያ ተሸቢራ (ኣላ) ......” መዝ 6፥2,3
“ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ይድግፎ፡ ንስኻ (ኣብ ጊዜ ሕማሙ) ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ፡ ጐይታየ፡ በዲለካ’የ’ሞ፡ ምሓረኒ፡ ንነፍሰይ ኣሕውያ’ በልኩ።” መዝ 41፡3,4
እዚ ምስባክ’ዚ፡ እቲ ዝወረደና ሕማም፡ ንጸሎትና ማዕረ ኽንደይ ኬዕዝዞ ኸም ዚግባእ ዜመልክት’ዩ። መለኮታዊ ሕውየትን ጸሎትን ኪነጻጸሉ ዘይክእሉ መጻምድትን መካይድትን’ዮም። ሕማማት ብዝተኸስተ መጠን፡ እቲ ሕሙም ባዕሉ፡ ኵላቶም ስድራቤቱን ፈተውቱን፡ ኵሉ ማሕበረ ምእመናንን ኣገልገልትን ኣብ ጸሎት ኪጽመዱ መንፈሳዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ብዘይካ’ታ ጸሎተ ቀንዲል ክትፍጽም ከላ፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ዘይንጽልይ እንተ ዄንና፡ ኣብ እምነት ኣለና ክትብል ኣዝዩ ዜጸግም’ዩ። ብዘይካ’ቲ ነታ ምስጢር ዚፍጽም ካህን፡ ካልእ ኵሉ ናይ’ቲ ጸሎት ተዓዛቢ ጥራሕ ኰይኑ ዚተርፍ እንተ ዀይኑ፡ እግዚኣብሄር ማዕረ ኽንደይ ይዕዘበና ኸም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን፡ ብዛዕባ ናይ ምጽላይ ሓላፍነትና ንኼመልክተና ዝተመርጸ’ዩ። ናይ እግዚኣብሄር ናይ ፈውሲ ጸጋ ብሓይሊ ጸሎት ከም ዚዓዝዝ ዜመልክተና፡ ናይ’ታ በዅሪ ቤተ ክርስትያን ሃዋርያዊ ተመክሮ’ዩ። ከም ኣመንትን ሰዓብትን ናይ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን መጠን፡ ኣገልገልቲ ዀንና ምእመናን ነዚ ሃዋርያዊ ኣርኣያን ጥበብን’ዚ ብዕቱብ ከነቕልበሉን ክንስዕቦን ተሓታትነት ዘለዎ መንፈሳዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ኽንዝንግዕ ኣይግባእን’ዩ።
ንሕውየትን ጸሎትን ዜዛምዶም እንታይ’ዩ፧ ንምንታይ’ዩ ናይ ግድን ብዛዕባ ምሕዋይ ሕሙማትና ኽንጽልይ ዚግብኣና፧ ነቲ ዚሓምምን ዜሳቕየናን ኣካላትና ዝፈጠረ፡ እቲ ኸኣል-ኵሉ እግዚኣብሄር’ዩ። እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጥዕናዊ ጸገማት ኣበይን እንታይን ምዃኑ ብዘይ ዝዀነ ምርመራን ምርምርን ዚፈልጥ ከኣ፡ ባዕሉ’ቲ ፈላጥ-ኵሉ እግዚኣብሄር’ዩ። ክንጥዕይ ዲና ክንሓምም፡ ምስ ሓመምና ኸኣ ክንሓውይ ዲና ኽንመዉት ወይ ከኣ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ምስ ሕማምና ኽንነብር ዚውስን ከኣ፡ ባዕሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነገር ምልክን ስልጣንን ዘለዎ ልኡላዊ እግዚኣብሄር’ዩ። ነቶም ምስ ሓመምና ሕክምናዊ ረድኤት ዚገብሩልና ሞያውያን ሊቃውንቲ፡ ነቲ ዚገብርዎ ኣገልግሎት ዚገልጸሎምን ዜስልጠሎምን እግዚኣብሄር’ምበር ባዕላቶም ኣይኰኑን። ነቲ መንፈሳዊ ሃለዋት ናይ ህዝብታት፡ ብመልክዕ ሕማም ኣብ ዝገለጸሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ እግዚኣብሄር ከም ዘይትሓውይ ገይሩ ኸም ዚወቅዕ፡ ንዅሉ’ቲ ኣፋውስ ከንቱ ኸም ዚገብሮ ደጋጊሙ ገሊጹ ኣሎ።
“ዚልከይ ፈውሲዶ ኣብ ጊልዓድ የልቦን፡ ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን’ዩ፡ ስለምንታይ ደኣ ቝስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፊፉ ዘይሓውይ፧ ..... መውቃዕቲኺ ዘይሓውይ፧ ቍስልኺ ድማ ብርቱዕ’ዩ፡ ...... ዜሕውይ ፈውሲ ኸኣ የብልክን። ..... ቃንዛኽስ ዘይሓውይ’ዩ፡ ብሰሪ ዕብየት ኣባሳኺ፡ ሓጢኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ እዚ ገበርኩኺ። ...... ንኸንቱ ፈውሲ ተብዝሒ ኣለኺ፡ ኣየሕውየክን’ዩ። ..... ብድንገት ወዲቓ ተሰብረት። ብኸዩላ፡ ምናልባሽ እንተ ሓወየት ኸኣ ፈውሲ ኣምጽኡላ። ...... ከነሕውያ ደለና፡ ግናኸ ኣይሓወየትን፡ ሕደግዋ።” ኤር 8፡22 ፣ 30፡12,13,15 ፣ 46፡11 ፣ 51፡8,9
ብዛዕባ ኣካላዊ ሕማም’ውን፡ ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ክንሓምም ኰነ ኽንጥዕይ፡ ክንነብር ኰነ ኽንመውት ዚውስን በይኑ እግዚኣብሄር’ዩ። ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳን’ውን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ስለ ዝተገንዘብዎ፡ ደጋጊሞም ይእመንዎ’ዮም፡
“(እግዚኣብሄር) የቝስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ፡ ኣእዳዉ የሕውያ።” እዮ 18፡5
“እግዚኣብሄር ይቐትል የሕውይ ከኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድ የውጽእ ድማ፡ እግዚኣብሄር የድክይ የሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል።” 1ሳሙ 2፡6,7
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን እግዚኣብሄር ኣብ ምሕዋይ ኰነ ኣብ ሕማም ዘለዎ ልኡላዊ ስልጣን ኣብ ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት ኣቢያ ወዲ ንጉስ የሮብዓም ምስ ሓመመ፡ ሰበይቱ ጋሻ ተመሲላ፡ ናብ’ቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከይዳ ክትሓትቶ ለኣኻ። እግዚኣብሄር ነቲ ነብዪ ስለ ዝገለጸሉ ኸኣ፡ ናታ መንነት ቀሊዑ እቲ ቘልዓ ከም ዚመውትን እታ ዚሞተላ ጊዜን፡ ነቲ ንጉስን ንዅሉ ዓሌቱን ካብ ገጽ ምድሪ ዀስቲሩ ኸም ዜጥፍእ መርድእ ነጊሩ ኣፋነዋ’ሞ፡ ከም’ቲ ዝበሎ ዀነ (2ነገ 14፡1-13)። ንንጉስ ህዝቅያስ ከም ዚመውት ዝነገሮ፡ ኣምሪሩ ምስ ጸለየ ኸኣ ኣሕወዮ፡ 15 ዓመታት ዕድመ ዝወሰኸሉ እግዚኣብሄር’ዩ (2ነገ 20፡1-11 ፣ ኢሳ 38፡1-11)።
እምበኣር እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ብዛዕባ ጥዕናናን ሕማምናን፡ ብዛዕባ ምንባርናን ሙማትናን ኣብ እግዚኣብሄር ክንውከልን ጸሎትና ኸነዕዝዝን ኣይግባእንዶ፧ ኣብ’ቲ ፈጣርን ልኡላውን ኣምላኽ ምውካል ገዲፍና፡ ነቲ ትውክልትና ዚገልጽ ጸሎት ሓዲግና፡ ኣብ ቍጠባዊ ዓቕምናን ኣብ ናይ ሰባት ሞያዊ ዓቕምን ጥራሕ ክንውከል ከለና፡ ግብራዊ መልእኽቱ ኽሕደታዊ’ዩ ዚኸውን። ዋላ ብምሕረቱ ተደሪኹ ነቲ ናይ ሰብ ጻዕሪ ኪመስለልና’ሞ ኽንሓውየሉ እንተ ፈቐደ፡ ብዛዕባ’ቲ ብዘይምጽላይና ንኸኣልነቱን ንልኡላውነቱን ዘርኣናዮ ንዕቀትን ክሕደትን ግን ኣብ’ቲ ምዱብ መዓልቱ ኺሓትተናን ክንፍረደሉን ምዃንና ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ። እቲ ስጋዊ ባህግና ሰሚሩልና ኻብ’ቲ ኣካላዊ ሕማምና ጊዝያዊ ሕውየት እንተ ረኸብና’ኳ፡ ዝኸፍአን ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ ኸቢድ መንፈሳዊ ሕማም ብድሕሪት ሓዲግናን ተሪፉናን ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። እንተ ብህይወት ከለና፡ ወይከኣ ብሞት ኣብ መቓብር ደቂስና ጸኒሕና፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ምባልና ፈጺሙ ዘይተርፍ ግድነታዊ ጽሕፍቶና’ዩ። እዚ መንፈሳዊ ሓቂ’ዚ ብዛዕባ ዅሉ ጥዕናዊ ዅነታትና ናብ ዕቱብን እምነታውን ጸሎት ኪድርኸና ኸም ዚግብኦ ከይሰሓትና ንእግዚኣብሄር ብጸሎትና ኸነስምሮ ኽንጋደል ይግብኣና’ዩ።
ናይ ፈውሲ ጸጋ፡ ሃዋርያውነት ናይ ቤተ ክርስትያንናን እምነትናን ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ግደኸ እንታይ’ዩ፧ ሓቀኛን ጽፉፍን መሰረት እምነትን ስርዓተ ኣምልኾን ዘሎካ ምዃን፡ ሃዋርያውነት ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ኣዝዩ ልዑልን ብቐዳምነት ዚጥመት ምዃኑን ከቶ ዘየማትእ ውሁብ ሓቂ’ዩ። ብእኡ ጥራይ ከም ዘይድረት ግን ዘይከሓድ’ዩ። ጐይታና ነቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምሂሩ ኺሰብኩን ኪምህሩን ኪልእኮም ከሎ፡ ነቲ ኣገልግሎቶም ደገ ዚኸፍትን ዕዉት ዚገብርን ፍሉይ ጸጋ ኣዕጢቑ’ዩ ዝለኣኾም። ንሱ ኸኣ ናይ ምፍዋስ ጸጋ፡ ማለት ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት ነቲ ናይ ምስባኽ ኰነ ናይ ምፍዋስ ጸጋ፡ ማዕረ ማዕረ ኺፍጽምዎ ድማ ኣዘዞም። ቅድሚ ንኣታቶም ምልኣኹ ግን፡ ንሱ ባዕሉ ብዙሓት ሕሙማት ብምፍዋስ ግብራዊ ኣርኣያ ሂብዎም’ዩ።
“ኢየሱስ ከኣ፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ድናሰን እና’ሕወየ፡ ናብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።” ማቴ 9፡35 ካ.ት
“ምስ መሰየ፡ ኣጋንንቲ ንዝሓደርዎም ብዙሓት (ሰባት) ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምና’ውን ጾረ” ዝተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽአ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።” ማቴ 8፡16,17 ካ.ት
በዚ ንሱ ዝፈጸሞ ተኣምራዊ ፍወሳ ምኽንያት፡ ናብ እምነት ዝመጹ ሰባት ከኣ፡ ማእለያ ኣይነበሮምን። ንቕዱሳን ሃዋርያቱን ኣርድእቱን ኪልእኾም ከሎ ድማ ነዚ ስልጣን’ዚ ኣዕጢቑ ለኣኾም።
“ኬድኩም ድማ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ’ያ” እናበልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፡ ብነጻ ኢኹም ተቐቢልኩም’ሞ፡ ብነጻ ሃቡ።” ማቴ 10፡7,8 ካ.ት
ግሁድን ግብራ’ውን ስልጣን ስለ ዝነበሮም ከኣ፡ ዕዉት ናይ ምስጢረ ቀንዲል ኣገልግሎት ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ ተመስኪሩሎም ኣሎ።
“ንሳቶም ወጺኦም ድማ፡ (ኵሉ) ሰብ ክንሳሕ ሰበኹ። ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፡ ንብዙሓት ሕሙማት’ውን ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።” ማር 6፡12,13
ምድራዊ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ናብ ሰማያት ኪዓርግ ከሎ ድማ ደጊሙ ነዚ ትእዛዝን ስልጣንን’ዚ ሂቡን ኣጽኒዑን ተፋነዎም።
“በሎም ድማ፡ “ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበዅሉ። .... ነቶም ዝኣመኑ’ውን እዚ ተኣምራት’ዚ ኺስዕቦም’ዩ። ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ኪዛረቡ፡ (በእዳዎም) ኣትማን ኪሕዙ’ዮም፡ ዚቐትል (መርዚ) እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን’ዩ። ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ፡ ንሳቶም’ውን ኪሓውዩ’ዮም። .....ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፡ ጐይታ ኸኣ ምስኣቶም ይዓይዪ፡ ነቲ (ዝሰበኽዎ) ቓል’ውን በቲ ዜሰንዮ (ናይ ፈውሲ) ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።” ማር 16፡15-20
ካብ’ዚ ናይ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ተመክሮ ኸም ንርእዮ’ምበኣር፡ ሃዋርያዊ ትምህርቲ፡ ምስ ሃዋርያዊ ስልጣንን ጸጋን ማዕረ ማዕረ’ዩ ዚጐዓዝ። ቅዱስ ወንጌል፡ ምስ’ቲ ዝነበሮ ኪግለጽ ዘይክእል መከራ፡ ፈጺሙ ኸይተዓግተ ከም ባርዕ ጫካ ናብ ምልእቲ ዓለም ኺዝርጋሕ ዝኸኣለ ድማ በዚ ምኽንያት’ዚ’ዩ። ምስጢረ ቀንዴል (ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት) በቲ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበሮ ሓይልን ውጽኢታውነትን ከምኡ ይቕጽል ከም ዘየሎ፡ ኵላትና ዘይንኽሕዶ ግሁድ ሓቂ’ዩ። ኣብ ውጽኢታውነቱ ኸይተበጽሐ’ውን፡ በቲ ሕግን መሰረተ እምነትን ናይ ቤተ ክርስትያንና መሰረት ይካየድ ከም ዘየሎ’ውን ርዱእ’ዩ። ትግባረ ናይ’ዚ ምስጢር’ዚ ማዕረ ኻልእ ኵሉ ምስጢራት ኪቕጽል ዘይምኽኣሉ፡ ካብ’ቲ ውልቀ ካህን ጀሚሩ ኽሳዕ’ቲ ዝለዓለ መሪሕነት ቤተ ክርስትያን ዚሕተቱሉ ነናቶም ድኻም ከም ዘለዎም ዘይከሓድ’ዩ። እቲ ሓፋሽ ምእመን’ውን፡ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ግደ ኣለዎ። እዚ ድኻም’ዚ ብዙሕ ጠንቕታት’ኳ እንተ’ለዎ፡ ኣብ ኣገልገልቲ ይኹን ኣብ ምእመናን ዋሕዲ ትምህርትን ፍልጠትን፡ መንፈሳዊ ብስለትን ተወፋይነትን፡ ኵሉ ጸጋታት ኣምላኽ ከም’ቲ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበሮ ኣባና’ውን ከምኡ ኪውሕዝን ኪቕጽልን ብጸሎት ዝተሰነየ መንፈሳዊ ሃረርታን ጽምኣትን ዘይምህላው ገለ ኻብ’ቲ ሒደትን ጕሉሕን ጠንቅታት’ዩ።
እቲ ኣብ ኣቦታትና ቅዱሳን ሃዋርያት ዝነበረ ዕዙዝ ናይ ፈውሲ ጸጋ፡ ኣባና’ውን ከምኡ ኺዓዝዝ እንታይ ይገበር፧ ኵሉ’ቲ ኺግበር ዚግብኦ፡ ኣብ’ዚ ሓጺር ጊዜን ንኡስ ወረቐትን ኪዝርዘር ኣይከኣልን’ዩ። ኣገልገልትን መራሕትን ቤተ ክርስትያን መደባት ሰሪዖምን ዘትዮምን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ግቡእን ሃናጽን ስጕምቲ ኺወስዱ ትጽቢት ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዓብዩ ናይ’ቲ ናይ ህዝቡ ደሓንን ሰናይን ዚደልይ ኣምላኽ ትጽቢት’ውን’ዩ። ዘተን ጊዜን ዘይጠልብ ሕጅን ኵሉ ሳዕን ኵላትናን ክንገብሮ እንኽእል ሓያልን ውጽኢታውን ስጕምቲ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ ጸሎት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን፡ እቲ ፍታሕ ጸሎት ምዃኑ ኣሚቱልና ኣሎ። ቅዱሳን ሃዋርያትን ካልኦት ኣገልገልትን፡ እቶም ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ በጺሖም ዝነበሩ ማሕበረ ምእመናንን፡ ኣብ’ቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ጽዑቕ ናይ ፈውሲ ጸጋ ዓዚዙሉ ዝነበረ እዋን’ዮም ተኣኪቦም ነዚ ጸሎት’ዚ ብሓባር ዝጸልይዎ። እግዚኣብሄር በዚ ጸሎት’ዚ ኣዝዩ ስለ ዝሰመረን ስለ ዝተሓጐሰን ድማ፡ ዕግበቱ ንምግላጽን ንጸሎቶም ብኽብሪ ኸም ዝተቐበሎ ንምርግጋጽን፡ ነቲ ተኣኪበምሉ ዝነበሩ ስፍራ ብምንቅጥቃጥ ኣናወጾ፡ ነቲ ዝለመንዎ ዅሉ ድማ ከም ቅጽበት ዓይኒ መለሰሎም። ይትረፍ ኢዶም ኣንቢሮምን ዘይቲ ቐቢኦምን ዝጸለዩሉ፡ ኪሓልፉ ኸለዉ ጽላሎቶም ዝወደቖን ጫፍ ክዳኖም ዝተንከየ ዘበለን ኪሓውይ ተራእየ (ግብ 4፡15 ፣ 19፡11,12)።
ንሳቶም ዝጐደሎም ዘይብሎም፡ “ሕሙማት ኪሓውዩ ኢድካ ዘርግሕ” ኢሎም ካብ ጸለዩ’ሞ፡ ካብ ሰመረሎም፡ ንሕና እዞም ገለ’ኳ ዘይብልናኸ ማዕረ ኽንደይ ክንጽልይን ናብ እግዚኣብሄር ብዘይ ምቍራጽ ከነእውይን ዘይግብኣና። እቲ ሕማማት እንተ ዀነ፡ ኣብ ዘመንና’ዩ በዚሑን ሓሲሙን ዘሎ። ሰሙን መጸ፡ ወርሒ መጸ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓደስቲ ሕማማት እናፈልፈለ፡ ከም ሕሱም ይሳቕየናን ይዓጽደናን ኣሎ። ንዓመታት ዚኣክል መዓልትን ለይትን ሰሪሕና ዘዋህለልናዮ ገንዘብ፡ ማእለያ ዘይብሉ ጐድናዊ ሳዕቤናትን ነባሪ ሓልክታትን (Chronic complications) ዘለዎ መድሃኒታትን ምርመራታትን ግብራዊ ሕክምናዊ ኣገባባትን (medical procedures) ኵስትር ኣቢሉ እናወድኦ፡ ናብ “ደግፉኒ፡ ቅለቱኒ” የውድቐና ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር ተኣምራዊ ፈውሲ፡ ካብ’ዚ ዘለናዮ ወለዶታት ንላዕሊ ኼገድሶ ዚግባእ ካልእ ወለዶ ኣሎ ኺበሃል ኣይከኣልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ። ካብ’ዚ ኸቢድ ማሕበራዊ ቕልውላው ዜናግፈና እንኮ ፍታሕ፡ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ፈውሲ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንናን ኣባናን ምስ ዚውሕዝ’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ “እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ ብመዓልቲ ጸበባ ጸውዓኒ፡ ለምኑ ኺወሃበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ፡ ኳሕኵሑ ኪኽፈተልኩም’ዩ ዚብል ኣምላኽ’ዩ (2ዜና 1፡7 ፣ መዝ 50፡17 ፣ ማቴ 7፡7,8)። ናይ ጥዕና ምስኣን ጸበባና ኽንዲ ጉድ እናደፍኣና፡ እቲ ፈታሕ ጸበባ ዝዀነ ኣምላኽ ከኣ “ለምኑኒ፡ ሕተቱኒ” ኢሉ እናዓደመናን እናተባብዓናን ከሎ፡ ተወፊና ብእምነት ዘይጸለና ደኣ መዓስ ክንጽልይ ኢና፧ ኣምላኽ እንተ ዀነ፡ ፈጺሙ ኣይተለወጠን፡ ፈጺሙ ዘይልወጥ ከኣ’ዩ (ሚል 3፡6 ፣ እብ 13፡8 ፣ ያእ 1፡17)። እቲ ለውጥን ድኻምን ጕድለትን ኣባና ጥራሕ’ዩ ዘሎ። ስለ’ዚ ነቲ ንጸሎትና ዚዓግት ኵሉ ድኻምናን ሓጢኣትናን ብንስሓ ኣሊና፡ ብምሉእ እምነት ጥርጥር ብዘይብላ ሓንትን ንጽህትን ልቢ፡ “ኦ እግዚኣብሄር፡ ናይ ፈውሲ ጸጋኻ ኣፍስሰልና፡ ሕሙማትና ኺሓውዩ ኢድካ ዘርግሕ” ኢልና ኣዘውቲርና ኸየባተኽና ንለምኖ። ነቶም ብምስጢረ ቀንዴል ዜገልግሉና ካህናትና ብጸሎትና ደኣ ንሕበሮምን ንደግፎምን’ምበር፡ “በይንኻ ውጽኣያ” ኢልና ኣይንጥለሞም። ሕማምን ሞትን ኣብ ሓደ ሰብ ደኣ ይከሰት’ምበር፡ ንምሉእ ስድራ ቤት ንብዙሕ ሰብ’ዩ ዚጸልውን ዜናውጽን። ኵላትና ኣብ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ሰብነት ኢና። ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቈረ 12፡24-26 ገሊጽዎ ዘሎ፡ ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየን እንተ ኸበረን፡ ኵሉ ኣካላት ሓቢሩ’ዩ ዚሳቐይን ዚኸብርን። ብናይ እምነት ጸሎት ስለ ዘይተጋደልና ዚሳቐይን ዚመውትን ውልቀሰብ፡ ዚሽገርን ዚናወጽን ስድራ ቤት እንተ’ልዩ፡ ግዳያት ናይ’ቲ ሕማም ጥራሕ ዘይኰነ፡ ግዳያት ናይ ሸለልትነትናን ኢሰብኣውነትናን ይዀኑ ኸም ዘለዉን ኽንሕተተሉ ምዃንናን ኣይንዘንግዕ። ምእንቲ ጽጉማት ዘይምጽላይ፡ ንእግዚኣብሄር ምብዳል’ዩ (1ሳሙ 12፡23)። ከም’ቲ ምእንቲ ዚሓመሙ ጸላእቱ ከሊ ተኸዲኑ፡ ብሞት ወላዲቱ ኸም ዚሓዝን ሰብ ኰይኑ ዝሓዘነን፡ ብጾምን ጸሎትን ዝተጋደለን ስጋኡ ዝቐጽዐን ቅዱስ ዳዊት ንኹን (መዝ 35፡11-16)። ጸበባና ኺበዝሕን ኪኸብድን ኪናዋሕን፡ ባዕላትና ጠንቂ ኣይንኹን። ብዘይ ምጽላይና ነቲ ሕማም ዕድልን ዕድመን ኣይንሃቦ። ዘይምጽላይ ነቲ ሕሙም ዘይኰነ ነቲ ሕማም ምክንኻን’ዩ። ምጽላይ ግን ነቲ ሕማም ቀቲልካ፡ ነቲ ሕሙም ምክንኻን’ዩ’ሞ፡ ነቲ ዜርብሓና ስጕምትስ ንምረጾን ነዘውትሮን ደኣ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
7 ሚያዝያ 2024 | መጋቢት 29, 2016 ግዕዝ (መበል 30 ሰንበት: ቊ.፴/30) |
||
ምስባክ መዝ.፮፡፪-፫ “ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ። ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ። ነፍሥየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።” ዓዲ፡ መዝ ፵(፵፩)፡፫,፬ “እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ። ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ።አንስ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ይ ተሰ 4 : 13 - ፍም |
ዲያቆን |
|
2ይ ጴጥ 3 : 7 - ፍም |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ ሐዋ 24 : 10 - 21 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 24 : 1 - 28 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ | መዝሙር፦ እንዘ ይነብር እግዚእነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ