S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንድያብሎስ ተጻረርዎ (መበል 28 ሰንበት: ቊ.፳፰/28, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ

ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። .... እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ፡ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ኪሃድምዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩምዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሁ።ያእ 46-8 .

እንሆ እዚ ዕለት ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዘመነ ጾም (ዓብይ ጾም)’ዩ፡ ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ሰንበትዝን እቲ ንእኡ ዚስዕብ ሰሙንንምኵራብተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ፡ ክልተ ናይ ምኵራብ ቅንያትየን ዘለዋና። እታ ሓንቲ እዛ ዘለናያ ናይ ዓብይ ጾም ሳልሳይ ሰንበትን ሰሙንን ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ኣብ ጾመ ነብያት ካብ ሕዳር 20 ክሳብ ሕዳ 26 ዘላ ቕንያትያ።ምኵራብማለት፡ ቤት ጸሎት ማለትዩ። ንእስራኤላውያን፡ ኣምልኾ እምነት ኣይሁድ ዚካየደላ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተደኰነት ሓንቲ ቤት መቕደስ ነይራቶም። ኵሉ ዓይነት ናይ መስዋእቲ ሰርዓቶም፡ ብዘይካ ኣብ ቤት መቕደስዚኣ፡ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ቦታ ኸይገብሩ፡ ብጽኑዕ ዚኽልክል ሕጊ ነበሮም (ዘዳ 1211 2ነገ 93 214,7) ኵላቶም እስራኤላውያን፡ ብፍላይ ግን ተባዕትዮ ዝዀኑ ዅላቶም፡ ኣብ ዝሃለው ሃልዮም፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብ ቤት መቕደስ ናይ ምምጻእ ግዴታ ነበሮም (ዘዳ 1616 ዘጸ 2315,17 3423 1ሳሙ 13) እንተ ዀነ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ናብ ቤት መቕደስ ኪመጹ ዘይክእሉ ምስ ኰኑ፡ ተኣኻኺቦም እምነቶም ኪዕቅቡን፡ ሓቢሮም ኪጽልዩን ኪመሃሩን ኪጥዕሞም ኣብ ከከባቢኦም ኣብያተ ጸሎት ኬቝሙ ጀመሩ። እንተ ዀነ እቲ ናይ ቤት መቕደስ ስርዓት ኣብ ቤት ጸሎት ይፍጽሙ ኣይነበሩን። ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ድማ እዚ ኣብ ከከባቢኻ ቤት ጸሎት ምቛም ኣብ ውሽጢ ሃገረ እስራኤልውን እናተለምደ ኸደ። እዚ ናይ ኣይሁድ ቤት ጸሎት፡ ሕጂውን ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዚርከብዩ። ጐይታና ባዕሉውን፡ ናብ ኣብያተ ጸሎት እናኣተወ ይምህርን ሕሙማት ይፍውስን ነበረ (ሉቃ 2137 ማር 134) ቅዱሳን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱንውን ትእዛዙን ኣርኣያኡን ብምስዓብ፡ ናብ ኣብያተ ጸሎት እናኣተዉ የገልግሉ ነበሩ (ግብ 542) ብሮማውያን ኣብ 70 . ክሳዕ ዚፈርስውን፡ እቲ ዓብይ ቤት መቕደስ ቀንዲ ናይ ኣገልግሎት ቦታኦም ነበረ። እዚ ናይ ንባብ ቅዱስ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ብዛዕባ ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ኣብ ቤት መቕደስ ዝፈጸምዎ ኣገልግሎት ዚገልጽዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኸኣ፡ ነዚ ኣገዳሲ ኣገልግሎት ኣፍልጦን ክብርን ሂባ፡ እዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾምምኵራብተባሂሉ ኺጽዋዕ ገበረት።

ናይ ዕለት ቕዱስ ወንጌል፡ እቲ ቤት መቕደስ ናብ ዕዳጋ ኸብትን ጤለ በጊዕን፡ ናብ ዕዳጋ ሸርፍን ተለዊጡ ምስ ጸንሖ ንጐይታና ብዛዕባ ዝተሰምዖ ቕንኣትን፡ ብቕንኣቱ ተደሪኹ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጕምትን ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ቤት መቕደስ ብስም እግዚኣብሄር ዚስመይን እግዚኣብሄር ስሙ ዘንበረሉን ቅዱስ ህንጻዩ። ክሳዕ ዘመን ንጉስ ሰለሞን፡ ቤት መቕደስ ብቈርበትን ዓለባን ኣብ ዝቘመ ድንኳን ዝነበረ። ንጉስ ዳዊት ቤት መቕደስ ኪሃንጽ ምስ ተላዕለ ግን፡ እግዚኣብሄር ብወዱ ብንጉስ ሰለሞን ኪስራሕ ፈቐደ። ንጉስ ሰለሞን በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ጥበብ ተጠቒሙ ብኽቡር ኣእማንን ብኽቡር ኣዕጻውን፡ ብወርቕን ብሩርን ነሓስን ኣስራዝን ገይሩ፡ ኣዝዩ ብሉጽ ህንጻ ሃኒጹ፡ ብኽቡር ኣቓሑ ቤት መቕደስ (ንዋየ ቅዱሳት) መልኦ። ኣብ ዝተመረቐሉን ዝተቐደሰሉን መዓልቲ ድማ እግዚኣብሄር ነቲ ንጉስ ሰለሞን ዝቐረቦ መስዋእቲ ብሓዊ መለኮት በልዖ። እቶም ኣገልገልቲ ደው ኢሎም ምግልጋልን ምዝማርን ክሳዕ ዚስእኑ ድማ፡ ብመለኮታዊ ኽብሩ መልአ። ከም ኢሉ ድማ ነታ ቤት መቕደስቲኣ ዘለዎ ኽብሪ ገለጸ። ሕጂ ኸኣ ኣብ ቦታዚኣ ንዚጽለይ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላየን። ስመይ ኣብ ቤትዚኣ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኵሉ ጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ።” 2ዜና 715,16

ነዛ እግዚኣብሄር ከም ገይሩ ዝቐደሳ ቤቱዮም እዞም ኣብ ዘመን ጐይታና ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ናብ ዕዳጋ እንስሳን ዕዳጋ ሸርፍን ለውጦምዋ። ነዛ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ብኽብሪ መለኮቱ ዝቐደሳን ዘኽበራን ቤቱ፡ ብኣካለ ስጋ ኣብ ምድሪ ምስ ተገልጸ፡ በዓቲ ጐሓሉት ኰይና ኽትጸንሖ፡ ከመይከ ቕንኣት ዘይስምዖ፧ ቕንኣቱ ብዛዕባ ህንጻ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣብኣ ዘንበሮ ቅዱስ ስሙን ክብሩንዩ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳንውን ጣኦት ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ክሳዕ ምትካልን ምምላኽን ምስ በጽሑ፡ ንስሙ ድማ ምስ ኣዋረድዎ፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ስሒቡ፡ ነቲ ህንጻ ኬፍርስዎ ግን ናብ ኢድ ኣረማውያን ኣህዛብ ኣሕሊፉ ይህቦ ነበረ (2ዜና 3614 ) ጐይታና ብቕንኣቱ ነታ መቕደሱ ድሕሪ ምጽራዩ፡ ተመሊሶም ከም ዘርከስዋ ምስ ረኣየ፡ ልክዕ ከም ናይ ቀደም፡ ብሮማውያን ክትፈርስን ክትነድድን ፈሪዱስ፡ ኣብ 70 . ከም ዘይነበረት ኰይና (ማቴ 2338,39 242 ሉቃ 1941-44) እዚ ንቤት መቕደስ ናይ ምርካስ ዕላማን ተግባርን፡ ናይ ብስዉር ዚዓይይ ድያብሎስምበር፡ ናይ ስጋ ዝለበሱ ሰባት ተግባር ኣይነበረን። ናታቶም ድኻም፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርሲ ንፍቓድ ድያብሎስ ኬገልግሉ ምምራጾምዩ። ነቲ ስዉር ውዲት ናይ ሰይጣን ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ንጥፍኣቶም ኣገልገልቱ ዀኑ።

እዚ ዜሕዝን ታሪኽ ኣይሁዳውያን፡ ንኣና ብደም ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ህያዋን መቕደስ ናይ ኣምላኽ ክንከውን ዝተሓረና ክርስትያን ህዝቢ፡ ኣዝዩ ዓብይ ትምህርቲ ዜቕስመና። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ናብ ህያው እምኒ መኣዝን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናቐረብና ህያዋን ኣእማን ክንከውንሞ፡ መንፈሳዊ ቤት ኴንና ኽንህነጽ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ምዒዱና ኣሎ (1ጴጥ 24,5) ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፦ህንጻ ኣምላኽ ኢኹምኢሉ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ቤቱ ንሕና ኢና፡ ንሕና ቤት መቕደስ (ናይ) ህያው ኣምላኽ ኢናብዚብል ሃይለ-ቃል መንፈሳዊ መንነትና ገሊጹልና ኣሎ (1ቈረ 39 እብ 36 2ቈረ 616) ብኸመይ መቕደስ ኣምላኽ ከም ዝዀንና፡ ነዚ መቕደስና ብኸመይ ክንዕቅቦ ኸም ዚግብኣናውን ኣብሪሁልናዩ።

ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹምሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ ነታ ቤት መቕደስ (ናይ) ኣምላኽ እንተ ኣማሰና፡ ኣምላኽ ኬማስኖዩ። ናይ ኣምላኽ ቤት መቕደስ ቅድስቲያ። እዛ ቤት መቕደስዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” 1ቈረ 316,17

እምበኣርሲ ንስኻትኩም (ቤት መቕደስ ኣምላኽ ክትኰኑ) ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም (ኢኹም)......ኣብኡ (ኣብ መሰረት) ብዘሎ (ኵሉ)’ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓብይዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ክትኰኑ፡ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።ኤፌ 219,20

ካብ ዓሚቝ ምስጢራት ዚገልጽ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ተገንዚብናዮ ኸም ዘለና፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቤት መቕደስ፡ እቲ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሃንጸ ህያው ሰብምበር፡ እቲ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ኣይኰነን። ነዚ ስጋና ቤት መቕደስ ገይሩ ዝሃንጾ ኸኣ እቲ ብምስጢረ ሜሮን ኣባና ዝሓደረ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስዩ። እቲ ንሕና ሃኒጽና እንእከበሉ ህንጻ ቤት መቕደስ፡ቤተ ክርስትያን”’ምበር፡ቤት ክርስቶስዘይምስማዩ፡ ምስ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዚሰማማዕ ቅኑዕ ስያመዩ። እቶም ናይ ኣምላኽ ህያዋን ቤት መቕደስ ኴንና ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሃነጽና ክርስትያን ወትሩ እንእከበሉ፡ ተኣኪብና ብሓባር ንኣምላኽ እንቕደሰሉን እነምልኸሉን ምስጢራት እንካፈለሉን፡ ናትና ናይ ክርስትያን ቤትዩ። እግዚኣብሄር ኣባና ሓዲሩ እንተልዩ፡ ኣብ ንሕና ተኣኪብናሉ ዘለና ህንጻና ይህልው። ነዚ ህያው መቕደስና ብሓጢኣት እንተ ኣማሲንናዮ ግን፡ ኣብ ምድሪ ኸለና ዀነ ኣብ ትጽበየና ዘላ ገሃነም ንዘለኣለም ብስቓይ ኬማስነናዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ልክዕ ከምዞም ኣይሁድ፡ ዕዳጋ ሓጢኣትን ርኽሰትን ጌርና፡ ነቲ መሪር መስዋእቲ ዝተሰውኣልና ክርስቶስን ነቲ ዝቐደሰና መንፈስ ቅዱስን ተጻሪርና ንስም እግዚኣብሄር ስለ ዘርከስናዮዩ። ናብ ከም ዝበለ ዓሻን ኣዕናውን ምርጫ ዜጽድፈና ዘሎ ኸኣ እቲ ንጉስ ርኽሰትን ሞትን ዝዀነ እኩይ ድያብሎስዩ። ኣብ ናይ ዕለት ናይ ያእ 41-12 ንባብና ድያብሎስ ብኸመይ ንፍትወት ስጋና እናዕፈረ፡ ንጸሎትና፡ ንዝምድናታትና፡ ብሓፈሻ ንዅለንተናና ኸም ዜርክስን ከም ዜዕንዎን ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ስለ ኸኣ ነዚ ዜዕንወና ሕሱም ጸላኢ ብትብዓት ክንጻረሮን፡ ንዅሉ ውዲቱን ምኽሩን ከነፍርሶ ተማዒድና ኣለና። ስለ ኸም ጐይታና ነታ ድያብሎስን ኣይሁድን ዜማስንዋ ዝነበሩ መቕደሱ ብልዑል ቅንኣት ዝተኸላኸለላን ዘጽረያን፡ ንሕናውን ነቲ መቕደስ ኣምላኽ ኪኸውን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ ስጋና፡ ካብ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ነቒሕና ክንከላኸለሉን ክንሕልዎን ይግብኣናዩ። ጐይታናውን፡ ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ኼስተምህር ከሎ፦

ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ስራቒ ዚመጻላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሐ፡ ቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።” ኢሉና (ሉቃ 1239 ማቴ 2443) ኣብ ናይምኵራብቅንያትዚ፡ ብዛዕባ ንድያብሎስ ምጽራር ኽንመሃር ዝተደልየሉ ምኽንያትምበኣር፡ ንጹርን ቅቡልንዩ።

ንድያብሎስ እንታይ ስለ ዝገበረና ኢናንጻረሮ፧ ኣበይ ኰይኑን ከመይ ገይሩን ዜፍርሰናን ዜማስነናን፧ ንዅሉ ተግባር ነናቱ ምንጭን ጠንቕን ኣለዎ። ኣብ ዓለምዚኣ ብህይወት ንነብር ዘለና ደቂ ሰባት፡ ብኽልተ ገዛእቲ እንመሓደር ኢና። እቲ ቐዳማይ ጐይታ፡ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ኰይኑ፡ ብመንፈሱ ንመንፈስና እናመርሐ፡ ነቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ንኣና ዚኸውን ጽድቅን ንእኡ ዚኸውን ክብርን የፍርይ። እቲ ኻልኣይን ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ጥራሕ ዚገዝእን ጐይታ ድማ፡ እቲ ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ እኩይ ድያብሎስ ኰይኑ፡ ብመንፈሱ ንፍትወትን ትምኒትን ናይ ስጋና እናዕፈረ ንመንፈስናን ነፍስናን ኣንጻር ኣምላኽ ከም ዚቐውም ብምግባር ንጥፍኣትና ይዓይይ። እቲ ኣብቶም ቀዳሞት ወለድና፡ ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበሮ ውዲት፡ ንኣናውን ብኸመይ ከም ዜስሕተና ብስእላዊ መገዲ ዜርእየናዩ። ሰብ ብስጋን መንፈስን ዝቘመ ኣካልዩ። እቲ ስጋ፡ ዚደልዮን ዜገድሶን ባህግታት ኣለዎ። ሓደ ኻብኡ ድማ ብልዒዩ። ኣዳምን ሄዋንን ብዛዕባ ኺበልዕዋ ዘይተፈቕደትሎም ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም፡ እንታይ ዓይነት ተገድሶ ኸም ዘለዎም ስለ ዝረኣየ፡ ነታኣይትብልዑእትብል ትእዛዝ መዝሚዙ ኣብ ውሽጦም ንእኣ ናይ ምብላዕ ብርቱዕ ትምኒት ኣለዓዓለሎም።ነዚኣ ብምብላዕ ካብ ሰብ ኣምላኽ ናብ ምዃን ክትልወጡ ኢኹምብዚብል ሓሶት ብስጋኦም ነቲ ትእዛዝ ኬፍርሱ፡ ብመንፈሶም ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ኪለዓሉ ኣስሓቶም። ብኻልእ ኣዘራርባ ብስጋኦም ገይሩ ንመንፈሶም ኣመሓደሮ። እታ ንኣና ዜስሕተላን ዜጥፍኣላን ጥበቡ ሕጂውን ኣይተለወጠትን። ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ብኸመይ ንፍትወት ስጋና ንምልዕዓል ከም ዚጥቀመሉ ቅዱስ ጳውሎስ ግሩም ገሊጹልና ኣሎ።

ኣብ ብስጋ (‘ንምርሓሉ) ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተለዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይይ ነበረ። .... ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉትዩ። ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር ክፉእ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዓለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። (ብሰሪ ድያብሎስ) እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ ሞት ኰነኒ። (ምኽንያቱ) ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ ብእኡውን ቀተለኒ።ሮሜ 75,7-11 .

ዋላ ንዅሉ ዘርዚርና ኽንርእዮ እንተ ዘይከኣልና፡ ብዛዕባግበሮን ኣይትግበሮንዝተባሃልናዮ ትእዛዛት፡ ኣብ ፍትወት ስጋና ብሓይሊ ብምዕያይ፡ ኵሉ ጊዜ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ክንመላለስ እናገበረ፡ ንእኡ እናኽበርና ንኣምላኽ እናተጻረርና ኽንነብር ይገብረና ኣሎ። ብዓይኒ ዘይንርእዮ ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ባዕላትናምበር፡ ሰይጣን ይደፍኣናን የስሕተናን ከም ዘሎ ኣይነስተውዕሎን ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ ግን፡ ብኸም ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ፦ ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ነበርኩም። ብናይ ዓለም ክፉእ (ኣካይዳ) ትነብሩ ነበርኩም። ምኽንያቱ ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዚመልኽ ርኹስ መንፈስ፡ ሓለቓ ገዛእቲ ኣየር (ዝዀነ ድያብሎስ) ትእዛዙ ነበርኩም። ቀደም ንሕናውን ኵላትና ኸምኣቶም፡ ትምኒትና እናፈጸምና ከምድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት ቍጥዓ ኣምላኽ ዚግብኣና ነበርና። ...... ንሕናውን ቀደም ዓያሱ፡ ዘይእዘዙ፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፡ ብሰብ ጽሉኣት፡ ንሓድሕድናውን እንጻላእ ነበርና።ኤፌ 21-3 ቲቶ 33 .

እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ነዚ ብፍትወት ስጋና ምስ ነፍስናን መንፈስናን ዚዋጋእ ድያብሎስ ንኽንስዕሮ እንታይ ኢና ኽንገብር፧ ነቲ ጠንቂ፡ ነቲ ንሱ ዚጥቀመሉ እንታይ ምዃኑ ብንጹር እንተ ፈሊጥናዮ፡ ነታ ዕድልቲኣ ብምኽላእን ብምዕጻውን ኢና ንዋግኦ ማለትዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ንፍትወት ስጋና ብዘይ ምግዛእን ብምግታእን ከምንዕወት ደጋጊሞም ገሊጾምልና ኣለዉ።

ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና (ካብ ፍትወት ስጋ) ኽትርሕቁዩ፡ .... ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ። ....... ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር ጸዊዑና።” 1ተሰ 43,5,7 .

እምበኣርከ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ዅሉ ተስፋታት ኻብ ዚህልወናስ፡ ካብ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ (ፍትወት ስጋ) ርእስና ነንጽህ። ንኣምላኽ እናፈራህና ኸኣ፡ ብቕድስና ፍጹማት ንዅን።” 2ቈረ 71

ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ኣብ ዓለምዚኣ) ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ስለ ዝዀንኩም፡ካብ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑእናበልኩ እመኽረኩም ኣለኹ።

እምበኣርከ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም ከም ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝዀነ ሓሳባት ዚነብሩ ዝነበሩ ኸይትነብሩ ብጐይታ አስምዓልኩምን እነግረኩምን ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖምዮም። ንሳቶም ደንዚዞም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦምዮም።ኤፌ 417-19 .

“..... መለኮታዊ ሓይሉ፡ ንዅሉ ንህይወትን ንመንፈሳውነትን ዜድልየና ሂብና ኣሎ። በዚ ኸኣ ነታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋን ረኺብና። ንስኻትኩም ድማ ካብ ንዓለም ኣበላሽይዋ ዘሎ ትምኒት ስጋ ወጺእኩም (ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም) ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ዀንኩም።” 2ጴጥ 13,4 .

ንዓለማዊ ትምኒትን ሓጢኣትንኣይናትካንየ፡ እምቢ፡ ብኣኻ ኣይምራሕንኢልና ብምኽሓድን ብምእባይን ኢና፡ ንድያብሎስ ክንጻረሮን ክንስዕሮንንኽእል (ቲቶ 211-14) ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ኪኸውን ዝተዓደገን ዝተቐደሰን ስጋና ኸም ድላዩ ኺዕንድርን፡ ክንዓግቶን ክንመልኮን ክሳዕ ዘይከኣለና፡ ንፍትወት ስጋና የዕፍሮ እንተ ሓዲግናዮ ግን፡ ብፍታውና ኣንጊስናዮ ኢናሞ፡ ለኪሙና ናብ ናይ ዘለኣለም ቤቱ፡ ናብ ገሃነም ኪኣትውንዩ፡

ፍትወት ስጋኸ ምግታእን ምቕላስን ግን ቀሊል ድዩ፧ ነቲ ናይ ምግታእን ናይ ምቍጽጻርን ዓቕምና ብኸመይ ኢናነጐልብቶን ነዕብዮን፧ ብርግጽ ቀሊል ኣይኰነን። ግን ከኣ ከም ከቢድን ከም ዘይከኣልን ኪሕሰብ ዚግብኦ ኣይኰነን፡ ቀዳማይ ምኽንያት፡ እግዚኣብሄር ርትዓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዘይንኽእሎን ዘይዓቕምናን ነገር ዘይእዝዘናን ዘይጽበየናን ምዃኑዩ። ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ከማና ዝድኻሞም ሰባት ክኢሎምዎስ ዝተዓወቱሉ ምዃኑዩ። እቲ ዘዐወቶም ከኣ እዚ ዚስዕብ መንፈሳዊ ጥበብዩ።

1. ኣብ ኣምላኽ ኣብ ጸጋኡን ምውካል፦ ትውክልቲ፡ ንሓይሊ ኣምላኽ ሓይልኻ ዚገብር ዝረቐቐ መንፈሳዊ ምስጢርን ጥበብንዩ። እቲ እንዛረበሉ ጕዳይ መንፈሳዊ ብምዃኑ፡ ብዘይ ትውክልቲ ኺሕሰብ ዘይግብኦዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ረኣና፡ ኣብ ኣምላኽ ዘይውከሉ ዅሎም ኪሓፍሩን ኪወድቁን ንረኽቦም፡ ብኣንጻሩቶም ዚውከሉ ግና ይዕወቱን ይደምቁን ነበሩ። ንሕና ንድያብሎስ ንምጽራር ክንውከሎ ኸለና ድማ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜኽእል ጸጋኡ ኣውሒዙ ሓይሉ የዕጥቐና (ፊል 412,13 መዝ 207 528 ኤር 175-8 1023 ዮሃ 155 2ቈረ 34,5)

2. ጸሎት፦ ጸሎት፡ ናይ ትውክልቲ ወጽኢትዩ። ንትውክልትና ብጸሎት ኢና ንገልጾ። ጸሎት፡ ሓያል መንፈሳዊ ኣጽዋርዩ። ዘይጽልይ ሰብ፡ ኪዕወት ዘይኰነስ ኪስዓር ባዕሉ ዝወሰነ ሰብዩ። ኣብ ጸሎት ንኣምላኽ ኪድግፈናን ሓይሉ ኼዕጥቐናን ንልምኖ፡ ከምኡ ኸኣ ነቲ ብፍትወት ስጋ ዚተሃላለኸና ሰይጣን፡ ብስም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ኺርሕቕ ንግስጾ። ትምኒት ስጋ (ሓጢኣት) ኪፈታተነካ ኸሎ፡ ርኹሳት መናፍስቲ ኢድካ ኽትህብ ኽትእዘዞም ይደፋፍኡኻ ኸም ዘለዉ ኽትግንዘብ ይግባእዩ። ከም ጐይታና ንሰይጣንኪድ ርሓቕኢሉ ብስልጣን ዚገንሖ፡ ንሕናውን ብስሙ ነቲ ዚፈታተነና ሰይጣን ክንግስጾ ይግባኣና። ኣብ ኤፌ 610-13,18 ቅልስና ምስ መን ምዃኑን ብኸመይ ንፍሕሶን ውዲትን ናይ ሰይጣን ከም ንቃወሞ ተገሊጹልና ኣሎ። ጸሎት ዘይፈልጥን ዘየዘውትርን ሰብ ግን ገና ናብ ፈተና ኸይበጽሐውን ስዑር ምዃኑ ዝተረጋገጸዩ። ናይ ክርስትያን ኣጽዋር ውግእ ብርቱዕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ይስዕርምበር፡ ኣይስዓርን ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ጊዜ ክንዕጠቖን ክንጥቀመሉን ይግብኣና።

3. ቃል ኣምላኽ፦ ብመሰረት ኤፌ 617 ቃል ኣምላኽናይ መንፈስ ሰይፊ ሰይፊ ኸይዓጠቕካ ውግእ ምግባር ድማ ኣይከኣልንዩ። ጐይታናውን ስሙቃል ኣምላኽ”’ዩ፡ ነቶም ዚዋግኦም በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ናይ ቃል ሰይፊ ዚወግኦምን ዚስዕሮምን (ራእ 1911-15 ኢሳ 114) ካልኣይ ረብሓ ናይ ቃል ኣምላኽ ድማ ናይ ምጽራይ ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑዩ። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ፡ሳላ ዝነገርኩኹም ቃል ድሮ ንጹሃት ኢኹምብምባል ኣረጋጊጹሎም (ዮሃ 153 1310 ኤፌ 525-27 መዝ 1199) ቃል ኣምላኽ ካብ ሓይሊ ፍትወት ዜንጽህ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ ከነንብቦ ክንሰምዖ ኣብ ልብና ኽንዓቝሮ፡ ኵሉ ጊዜ ኽንጥቀመሉን ይግብኣና።

4. ተኣዝዞ፦ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ ዝሃበና ትእዛዝንእዘዝ ምስ ንኸውን፡ ንዅሉ ሰይጣን ዜዳልወልና መፈንጠራታት ብቐሊሉ ኢናንስዕሮ። ነቲ ብቕድስና ኽንነብር ዝተዋህበና ትእዛዝ ክንእዘዞ እንተ ወሲንና፡ ሰይጣን ዋላ ኣመናዝር ብግህዶ ብኣካል ኪቃለሱና እንተገበረኳ፡ ከም ዮሴፍ፡ ጥሒስና ብዓወት ከም ንወጽእ ርጉጽ ነገርዩ። ብዛዕባ ቅድስና ልኡም መርገጺ ዘለና ሰባት እንተ ዄንና ግና፡ ዝሰሓበና ዘይብልና ባዕላትና ኢናንኣትዎ። ነቲኣይትሓስዉዚብል ቃል እዙዛት እንተ ዘይኴንና፡ ብዚጠቅምን ብዘይጠቅምን ምኽንያት ምሕሳውና ዘይተርፍዩ። ስለ ከም ቅዱስ እዮብን ቅዱስ ዳዊትን፡ ዘይንቕነቕ ናይ ተኣዝዞ መርገጺ እንተ ወሲድና፡ ነቲ ዚፈታተነና ድያብሎስ ተጻሪርናዮን ስዒርናዮን ኣለና ማለት (እዮ 273-6 መዝ 1012-7 2820,22 11957,60) ንተኣዝዞ ኸም መልሕቕ ህይወትና እንተ ዘይጌርናዮ ግን ብሓጢኣት ዝቘሰለ መፍቶ ሰይጣን ዝዀነ ብልሹው ህይወት ዚህልወና።

እምበኣር ነቲ ጸላኢና ድያብሎስን ነቲ ንሱ ዚምዝምዞ ፍትወት ስጋናን ብኸመይ ሒዝናዮ ኸም ዘለና ርእስና ንመርምር። ንድያብሎስ ብጽድቂ ኽንዋግኦምበር፡ ብሓጢኣት ክንመሓዘዎ ኸም ዘይግብኣና ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ካብ ኣብ ዓለም ዘሎ ድያብሎስ፡ እቲ ኣባና ዘሎ ጐይታ ስለ ዚዓብይን ስለ ዚብርትዕን፡ ክንዕወትምበር፡ ስዑራት እንዀነሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን (1ዮሃ 44 2ነገ 616,17) እቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ዜዕጥቐና መንፈሳዊ ኣጽዋር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝዀነ፡ ንድያብሎስን ንሓጢኣትን ኢድና ኣይንሃብ። ኣምላኽና ናብ ዓወት ዚመርሕን ዓወት ዚህብን ኣምላኽ (1ቈረ 1557 2ቈረ 214) ስለበቲ ዘፍቀረና (ጐይታ) ኣጸቢቕና ንስዕር ኢናብዚብል ጽኑዕ እምነት፡ ነቲ ብጐይታ እተሳዕረ ድያብሎስ ብምጽራር ምስ ጐይታ ዄንና ዳግማይ ኣብ ህይወትና ንስዓሮ!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

24 መጋቢት 2024 | መጋቢት 15, 2016 ግዕዝ (መበል 28 ሰንበት: ቊ.፳፰/28)

ምስባክ

 መዝ. ፷፰(፷፱)፡፱-፲ “እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ። ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ። ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ።”

“ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ’ውን ኣባይ ወዲቑ’ዩ’ሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይ’ውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 2፡16-ፍጻመ

ዲያቆን

ያእ 4፡1-12

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 5፡17-30

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 2፡12-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ግነዩ ለእግዚአብሔር

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div