“ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። .... እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ፡ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ኪሃድም’ዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኩም’ዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ።” ያእ 4፡6-8 ካ.ት
እንሆ እዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ጾም (ዓብይ ጾም)’ዩ፡ ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ሰንበት’ዝን እቲ ንእኡ ዚስዕብ ሰሙንን “ምኵራብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ፡ ክልተ ናይ ምኵራብ ቅንያት’የን ዘለዋና። እታ ሓንቲ እዛ ዘለናያ ናይ ዓብይ ጾም ሳልሳይ ሰንበትን ሰሙንን ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ኣብ ጾመ ነብያት ካብ ሕዳር 20 ክሳብ ሕዳ 26 ዘላ ቕንያት’ያ። “ምኵራብ” ማለት፡ ቤት ጸሎት ማለት’ዩ። ንእስራኤላውያን፡ ኣምልኾ እምነት ኣይሁድ ዚካየደላ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተደኰነት ሓንቲ ቤት መቕደስ’ያ ነይራቶም። ኵሉ ዓይነት ናይ መስዋእቲ ሰርዓቶም፡ ብዘይካ ኣብ’ዛ ቤት መቕደስ’ዚኣ፡ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ቦታ ኸይገብሩ፡ ብጽኑዕ ዚኽልክል ሕጊ ነበሮም (ዘዳ 12፡11 ፣ 2ነገ 9፡3 ፣ 21፡4,7)። ኵላቶም እስራኤላውያን፡ ብፍላይ ግን ተባዕትዮ ዝዀኑ ዅላቶም፡ ኣብ ዝሃለው ሃልዮም፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብ’ዚ ቤት መቕደስ’ዚ ናይ ምምጻእ ግዴታ ነበሮም (ዘዳ 16፡16 ፣ ዘጸ 23፡15,17 ፣ 34፡23 ፣ 1ሳሙ 1፡3)። እንተ ዀነ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ናብ’ቲ ቤት መቕደስ ኪመጹ ዘይክእሉ ምስ ኰኑ፡ ተኣኻኺቦም እምነቶም ኪዕቅቡን፡ ሓቢሮም ኪጽልዩን ኪመሃሩን ኪጥዕሞም ኣብ ከከባቢኦም ኣብያተ ጸሎት ኬቝሙ ጀመሩ። እንተ ዀነ እቲ ናይ ቤት መቕደስ ስርዓት ኣብ ቤት ጸሎት ይፍጽሙ ኣይነበሩን። ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ድማ እዚ ኣብ ከከባቢኻ ቤት ጸሎት ምቛም ኣብ ውሽጢ ሃገረ እስራኤል’ውን እናተለምደ ኸደ። እዚ ናይ ኣይሁድ ቤት ጸሎት፡ ሕጂ’ውን ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዚርከብ’ዩ። ጐይታና ባዕሉ’ውን፡ ናብ’ዚ ኣብያተ ጸሎት’ዚ እናኣተወ ይምህርን ሕሙማት ይፍውስን ነበረ (ሉቃ 21፡37 ፣ ማር 1፡34)። ቅዱሳን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱን’ውን ትእዛዙን ኣርኣያኡን ብምስዓብ፡ ናብ ኣብያተ ጸሎት እናኣተዉ የገልግሉ ነበሩ (ግብ 5፡42)። ብሮማውያን ኣብ 70 ዓ.ም ክሳዕ ዚፈርስ’ውን፡ እቲ ዓብይ ቤት መቕደስ ቀንዲ ናይ ኣገልግሎት ቦታኦም ነበረ። እዚ ናይ’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ብዛዕባ ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ኣብ ቤት መቕደስ ዝፈጸምዎ ኣገልግሎት ዚገልጽ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኸኣ፡ ነዚ ኣገዳሲ ኣገልግሎት’ዚ ኣፍልጦን ክብርን ሂባ፡ እዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾም’ዚ “ምኵራብ” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ገበረት።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ቕዱስ ወንጌል፡ እቲ ቤት መቕደስ ናብ ዕዳጋ ኸብትን ጤለ በጊዕን፡ ናብ ዕዳጋ ሸርፍን ተለዊጡ ምስ ጸንሖ ንጐይታና ብዛዕባ ዝተሰምዖ ቕንኣትን፡ ብቕንኣቱ ተደሪኹ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጕምትን ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ቤት መቕደስ’ዚ ብስም እግዚኣብሄር ዚስመይን እግዚኣብሄር ስሙ ዘንበረሉን ቅዱስ ህንጻ’ዩ። ክሳዕ ዘመን ንጉስ ሰለሞን፡ ቤት መቕደስ ብቈርበትን ዓለባን ኣብ ዝቘመ ድንኳን’ዩ ዝነበረ። ንጉስ ዳዊት ቤት መቕደስ ኪሃንጽ ምስ ተላዕለ ግን፡ እግዚኣብሄር ብወዱ ብንጉስ ሰለሞን ኪስራሕ ፈቐደ። ንጉስ ሰለሞን በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ጥበብ ተጠቒሙ ብኽቡር ኣእማንን ብኽቡር ኣዕጻውን፡ ብወርቕን ብሩርን ነሓስን ኣስራዝን ገይሩ፡ ኣዝዩ ብሉጽ ህንጻ ሃኒጹ፡ ብኽቡር ኣቓሑ ቤት መቕደስ (ንዋየ ቅዱሳት) መልኦ። ኣብ’ቲ ዝተመረቐሉን ዝተቐደሰሉን መዓልቲ ድማ እግዚኣብሄር ነቲ ንጉስ ሰለሞን ዝቐረቦ መስዋእቲ ብሓዊ መለኮት በልዖ። እቶም ኣገልገልቲ ደው ኢሎም ምግልጋልን ምዝማርን ክሳዕ ዚስእኑ ድማ፡ ብመለኮታዊ ኽብሩ መልአ። ከም’ዚ ኢሉ ድማ ነታ ቤት መቕደስ’ቲኣ ዘለዎ ኽብሪ ገለጸ። “ሕጂ ኸኣ ኣብ’ዛ ቦታ’ዚኣ ንዚጽለይ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይ’ውን ጽን ኪብላ’የን። ስመይ ኣብ’ዛ ቤት’ዚኣ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኵሉ ጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ።” 2ዜና 7፡15,16
ነዛ እግዚኣብሄር ከም’ዚ ገይሩ ዝቐደሳ ቤቱ’ዮም እዞም ኣብ ዘመን ጐይታና ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ናብ ዕዳጋ እንስሳን ዕዳጋ ሸርፍን ለውጦምዋ። ነዛ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ብኽብሪ መለኮቱ ዝቐደሳን ዘኽበራን ቤቱ፡ ብኣካለ ስጋ ኣብ ምድሪ ምስ ተገልጸ፡ በዓቲ ጐሓሉት ኰይና ኽትጸንሖ፡ ከመይከ ቕንኣት ዘይስምዖ፧ ቕንኣቱ ብዛዕባ’ቲ ህንጻ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብኣ ዘንበሮ ቅዱስ ስሙን ክብሩን’ዩ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን’ውን ጣኦት ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት መቕደስ ክሳዕ ምትካልን ምምላኽን ምስ በጽሑ፡ ንስሙ ድማ ምስ ኣዋረድዎ፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ስሒቡ፡ ነቲ ህንጻ ኬፍርስዎ ግን ናብ ኢድ ኣረማውያን ኣህዛብ ኣሕሊፉ ይህቦ ነበረ (2ዜና 36፡14 ፣)። ጐይታና ብቕንኣቱ ነታ መቕደሱ ድሕሪ ምጽራዩ፡ ተመሊሶም ከም ዘርከስዋ ምስ ረኣየ፡ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ቀደም፡ ብሮማውያን ክትፈርስን ክትነድድን ፈሪዱስ፡ ኣብ 70 ዓ.ም ከም ዘይነበረት ኰይና’ያ (ማቴ 23፡38,39 ፣ 24፡2 ፣ ሉቃ 19፡41-44)። እዚ ንቤት መቕደስ ናይ ምርካስ ዕላማን ተግባርን፡ ናይ’ቲ ብስዉር ዚዓይይ ድያብሎስ’ምበር፡ ናይ ስጋ ዝለበሱ ሰባት ተግባር ኣይነበረን። ናታቶም ድኻም፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርሲ ንፍቓድ ድያብሎስ ኬገልግሉ ምምራጾም’ዩ። ነቲ ስዉር ውዲት ናይ ሰይጣን ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ንጥፍኣቶም ኣገልገልቱ ዀኑ።
እዚ ዜሕዝን ታሪኽ ኣይሁዳውያን፡ ንኣና ብደም ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ህያዋን መቕደስ ናይ ኣምላኽ ክንከውን ዝተሓረና ክርስትያን ህዝቢ፡ ኣዝዩ ዓብይ ትምህርቲ’ዩ ዜቕስመና። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ናብ’ቲ ህያው እምኒ መኣዝን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናቐረብና ህያዋን ኣእማን ክንከውን’ሞ፡ መንፈሳዊ ቤት ኴንና ኽንህነጽ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ምዒዱና ኣሎ (1ጴጥ 2፡4,5)። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፦“ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም” ኢሉ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ “ቤቱ ንሕና ኢና፡ ንሕና ቤት መቕደስ (ናይ’ቲ) ህያው ኣምላኽ ኢና” ብዚብል ሃይለ-ቃል መንፈሳዊ መንነትና ገሊጹልና ኣሎ (1ቈረ 3፡9 ፣ እብ 3፡6 ፣ 2ቈረ 6፡16)። ብኸመይ መቕደስ ኣምላኽ ከም ዝዀንና፡ ነዚ መቕደስና’ዚ ብኸመይ ክንዕቅቦ ኸም ዚግብኣና’ውን ኣብሪሁልና’ዩ።
“ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም’ሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይ’ቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም’ውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለ’ዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።”
“ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ’ኳ ነታ ቤት መቕደስ (ናይ) ኣምላኽ እንተ ኣማሰና፡ ኣምላኽ ኬማስኖ’ዩ። ናይ ኣምላኽ ቤት መቕደስ ቅድስቲ’ያ። እዛ ቤት መቕደስ’ዚኣ’ውን ንስኻትኩም ኢኹም።” 1ቈረ 3፡16,17
“እምበኣርሲ ንስኻትኩም (ቤት መቕደስ ኣምላኽ ክትኰኑ) ኣብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም (ኢኹም)......ኣብኡ (ኣብ’ቲ መሰረት) ብዘሎ (ኵሉ)’ቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓብይ’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ክትኰኑ፡ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።” ኤፌ 2፡19,20
ካብ’ዚ ዓሚቝ ምስጢራት ዚገልጽ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ተገንዚብናዮ ኸም ዘለና፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቤት መቕደስ፡ እቲ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሃንጸ ህያው ሰብ’ምበር፡ እቲ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ኣይኰነን። ነዚ ስጋና ቤት መቕደስ ገይሩ ዝሃንጾ ኸኣ እቲ ብምስጢረ ሜሮን ኣባና ዝሓደረ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ’ዩ። እቲ ንሕና ሃኒጽና እንእከበሉ ህንጻ ቤት መቕደስ፡ “ቤተ ክርስትያን”’ምበር፡ “ቤት ክርስቶስ” ዘይምስማዩ፡ ምስ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዚሰማማዕ ቅኑዕ ስያመ’ዩ። እቶም ናይ ኣምላኽ ህያዋን ቤት መቕደስ ኴንና ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሃነጽና ክርስትያን ወትሩ እንእከበሉ፡ ተኣኪብና ብሓባር ንኣምላኽ እንቕደሰሉን እነምልኸሉን ምስጢራት እንካፈለሉን፡ ናትና ናይ ክርስትያን ቤት’ዩ። እግዚኣብሄር ኣባና ሓዲሩ እንተ’ልዩ፡ ኣብ’ቲ ንሕና ተኣኪብናሉ ዘለና ህንጻና ይህልው። ነዚ ህያው መቕደስና’ዚ ብሓጢኣት እንተ ኣማሲንናዮ ግን፡ ኣብ’ዛ ምድሪ ኸለና ዀነ ኣብ’ታ ትጽበየና ዘላ ገሃነም ንዘለኣለም ብስቓይ ኬማስነናዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ልክዕ ከም’ዞም ኣይሁድ፡ ዕዳጋ ሓጢኣትን ርኽሰትን ጌርና፡ ነቲ መሪር መስዋእቲ ዝተሰውኣልና ክርስቶስን ነቲ ዝቐደሰና መንፈስ ቅዱስን ተጻሪርና ንስም እግዚኣብሄር ስለ ዘርከስናዮ’ዩ። ናብ ከም’ዚ ዝበለ ዓሻን ኣዕናውን ምርጫ ዜጽድፈና ዘሎ ኸኣ እቲ ንጉስ ርኽሰትን ሞትን ዝዀነ እኩይ ድያብሎስ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ያእ 4፡1-12 ንባብና ድያብሎስ ብኸመይ ንፍትወት ስጋና እናዕፈረ፡ ንጸሎትና፡ ንዝምድናታትና፡ ብሓፈሻ ንዅለንተናና ኸም ዜርክስን ከም ዜዕንዎን ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ስለ’ዚ ኸኣ ነዚ ዜዕንወና ሕሱም ጸላኢ ብትብዓት ክንጻረሮን፡ ንዅሉ ውዲቱን ምኽሩን ከነፍርሶ ተማዒድና ኣለና። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ጐይታና ነታ ድያብሎስን ኣይሁድን ዜማስንዋ ዝነበሩ መቕደሱ ብልዑል ቅንኣት ዝተኸላኸለላን ዘጽረያን፡ ንሕና’ውን ነቲ መቕደስ ኣምላኽ ኪኸውን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ ስጋና፡ ካብ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ነቒሕና ክንከላኸለሉን ክንሕልዎን ይግብኣና’ዩ። ጐይታና’ውን፡ ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ኼስተምህር ከሎ፦
“ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ስራቒ ዚመጻላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሐ፡ ቤቱ ኽትኰዓት ከላ’ውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።” ኢሉና’ሎ (ሉቃ 12፡39 ፣ ማቴ 24፡43)። ኣብ’ዚ ናይ “ምኵራብ” ቅንያት’ዚ፡ ብዛዕባ ንድያብሎስ ምጽራር ኽንመሃር ዝተደልየሉ ምኽንያት’ምበኣር፡ ንጹርን ቅቡልን’ዩ።
ንድያብሎስ እንታይ ስለ ዝገበረና ኢና ‘ንጻረሮ፧ ኣበይ ኰይኑን ከመይ ገይሩን’ዩ ዜፍርሰናን ዜማስነናን፧ ንዅሉ ተግባር ነናቱ ምንጭን ጠንቕን ኣለዎ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብህይወት ንነብር ዘለና ደቂ ሰባት፡ ብኽልተ ገዛእቲ እንመሓደር ኢና። እቲ ቐዳማይ ጐይታ፡ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ኰይኑ፡ ብመንፈሱ ንመንፈስና እናመርሐ፡ ነቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ንኣና ዚኸውን ጽድቅን ንእኡ ዚኸውን ክብርን የፍርይ። እቲ ኻልኣይን ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ጥራሕ ዚገዝእን ጐይታ ድማ፡ እቲ ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ እኩይ ድያብሎስ ኰይኑ፡ ብመንፈሱ ንፍትወትን ትምኒትን ናይ ስጋና እናዕፈረ ንመንፈስናን ነፍስናን ኣንጻር ኣምላኽ ከም ዚቐውም ብምግባር ንጥፍኣትና ይዓይይ። እቲ ኣብ’ቶም ቀዳሞት ወለድና፡ ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበሮ ውዲት፡ ንኣና’ውን ብኸመይ ከም ዜስሕተና ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና’ዩ። ሰብ ብስጋን መንፈስን ዝቘመ ኣካል’ዩ። እቲ ስጋ፡ ዚደልዮን ዜገድሶን ባህግታት ኣለዎ። ሓደ ኻብኡ ድማ ብልዒ’ዩ። ኣዳምን ሄዋንን ብዛዕባ’ታ ኺበልዕዋ ዘይተፈቕደትሎም ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም፡ እንታይ ዓይነት ተገድሶ ኸም ዘለዎም ስለ ዝረኣየ፡ ነታ “ኣይትብልዑ” እትብል ትእዛዝ መዝሚዙ ኣብ ውሽጦም ንእኣ ናይ ምብላዕ ብርቱዕ ትምኒት ኣለዓዓለሎም። “ነዚኣ ብምብላዕ ካብ ሰብ ኣምላኽ ናብ ምዃን ክትልወጡ ኢኹም” ብዚብል ሓሶት ብስጋኦም ነቲ ትእዛዝ ኬፍርሱ፡ ብመንፈሶም ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ኪለዓሉ ኣስሓቶም። ብኻልእ ኣዘራርባ ብስጋኦም ገይሩ ንመንፈሶም ኣመሓደሮ። እታ ንኣና ዜስሕተላን ዜጥፍኣላን ጥበቡ ሕጂ’ውን ኣይተለወጠትን። ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ብኸመይ ንፍትወት ስጋና ንምልዕዓል ከም ዚጥቀመሉ ቅዱስ ጳውሎስ ግሩም ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣብ’ቲ ብስጋ (‘ንምርሓሉ) ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተለዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይይ ነበረ። .... ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት’ዩ። ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር ክፉእ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዓለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። (ብሰሪ ድያብሎስ) እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ ሞት ኰነኒ። (ምኽንያቱ) ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ ብእኡ’ውን ቀተለኒ።” ሮሜ 7፡5,7-11 ካ.ት
ዋላ’ኳ ንዅሉ ዘርዚርና ኽንርእዮ እንተ ዘይከኣልና፡ ብዛዕባ’ቲ “ግበሮን ኣይትግበሮን” ዝተባሃልናዮ ትእዛዛት፡ ኣብ ፍትወት ስጋና ብሓይሊ ብምዕያይ፡ ኵሉ ጊዜ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ክንመላለስ እናገበረ፡ ንእኡ እናኽበርና ንኣምላኽ እናተጻረርና ኽንነብር ይገብረና ኣሎ። ብዓይኒ ዘይንርእዮ ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ባዕላትና’ምበር፡ ሰይጣን ይደፍኣናን የስሕተናን ከም ዘሎ ኣይነስተውዕሎን ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ ግን፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ነበርኩም። ብናይ ዓለም ክፉእ (ኣካይዳ) ትነብሩ ነበርኩም። ምኽንያቱ ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዚመልኽ ርኹስ መንፈስ፡ ሓለቓ ገዛእቲ ኣየር (ዝዀነ ድያብሎስ) ትእዛዙ ነበርኩም። ቀደም ንሕና’ውን ኵላትና ኸምኣቶም፡ ትምኒትና እናፈጸምና ከምድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸም’ቶም ካልኦት ቍጥዓ ኣምላኽ ዚግብኣና ነበርና። ...... ንሕና’ውን ቀደም ዓያሱ፡ ዘይእዘዙ፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፡ ብሰብ ጽሉኣት፡ ንሓድሕድና’ውን እንጻላእ ነበርና።” ኤፌ 2፡1-3 ፣ ቲቶ 3፡3 ካ.ት
እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ነዚ ብፍትወት ስጋና ምስ ነፍስናን መንፈስናን ዚዋጋእ ድያብሎስ ንኽንስዕሮ እንታይ ኢና ኽንገብር፧ ነቲ ጠንቂ፡ ነቲ ንሱ ዚጥቀመሉ እንታይ ምዃኑ ብንጹር እንተ ፈሊጥናዮ፡ ነታ ዕድል’ቲኣ ብምኽላእን ብምዕጻውን ኢና ንዋግኦ ማለት’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ንፍትወት ስጋና ብዘይ ምግዛእን ብምግታእን ከም ‘ንዕወት ደጋጊሞም ገሊጾምልና ኣለዉ።
“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና (ካብ ፍትወት ስጋ) ኽትርሕቁ’ዩ፡ .... ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ። ....... ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና።” 1ተሰ 4፡3,5,7 ካ.ት
“እምበኣርከ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ዅሉ ተስፋታት’ዚ ኻብ ዚህልወናስ፡ ካብ’ቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ (ፍትወት ስጋ) ርእስና ነንጽህ። ንኣምላኽ እናፈራህና ኸኣ፡ ብቕድስና ፍጹማት ንዅን።” 2ቈረ 7፡1
“ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ) ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ስለ ዝዀንኩም፡ “ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ” እናበልኩ እመኽረኩም ኣለኹ።”
“እምበኣርከ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም ከም’ቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝዀነ ሓሳባት ዚነብሩ ዝነበሩ ኸይትነብሩ ብጐይታ አስምዓልኩምን እነግረኩምን ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም’ዮም። ንሳቶም ደንዚዞም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም’ዮም።” ኤፌ 4፡17-19 ካ.ት
“..... መለኮታዊ ሓይሉ፡ ንዅሉ’ቲ ንህይወትን ንመንፈሳውነትን ዜድልየና ሂብና ኣሎ። በዚ ኸኣ ነታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋን ረኺብና። ንስኻትኩም ድማ ካብ’ቲ ንዓለም ኣበላሽይዋ ዘሎ ትምኒት ስጋ ወጺእኩም (ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም) ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ዀንኩም።” 2ጴጥ 1፡3,4 ካ.ት
ንዓለማዊ ትምኒትን ሓጢኣትን “ኣይናትካን’የ፡ እምቢ፡ ብኣኻ ኣይምራሕን’የ” ኢልና ብምኽሓድን ብምእባይን ኢና፡ ንድያብሎስ ክንጻረሮን ክንስዕሮን ‘ንኽእል (ቲቶ 2፡11-14)። ኣብ’ቲ መቕደስ ኣምላኽ ኪኸውን ዝተዓደገን ዝተቐደሰን ስጋና ኸም ድላዩ ኺዕንድርን፡ ክንዓግቶን ክንመልኮን ክሳዕ ዘይከኣለና፡ ንፍትወት ስጋና የዕፍሮ እንተ ሓዲግናዮ ግን፡ ብፍታውና ኣንጊስናዮ ኢና’ሞ፡ ለኪሙና ናብ’ታ ናይ ዘለኣለም ቤቱ፡ ናብ ገሃነም ኪኣትውን’ዩ፡
ፍትወት ስጋኸ ምግታእን ምቕላስን ግን ቀሊል ድዩ፧ ነቲ ናይ ምግታእን ናይ ምቍጽጻርን ዓቕምና ብኸመይ ኢና ‘ነጐልብቶን ነዕብዮን፧ ብርግጽ ቀሊል ኣይኰነን። ግን ከኣ ከም ከቢድን ከም ዘይከኣልን ኪሕሰብ ዚግብኦ ኣይኰነን፡ ቀዳማይ ምኽንያት፡ እግዚኣብሄር ርትዓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዘይንኽእሎን ዘይዓቕምናን ነገር ዘይእዝዘናን ዘይጽበየናን ምዃኑ’ዩ። ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ከማና ዝድኻሞም ሰባት ክኢሎምዎስ ዝተዓወቱሉ ምዃኑ’ዩ። እቲ ዘዐወቶም ከኣ እዚ ዚስዕብ መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ።
1. ኣብ ኣምላኽ ኣብ ጸጋኡን ምውካል፦ ትውክልቲ፡ ንሓይሊ ኣምላኽ ሓይልኻ ዚገብር ዝረቐቐ መንፈሳዊ ምስጢርን ጥበብን’ዩ። እቲ እንዛረበሉ ጕዳይ መንፈሳዊ ብምዃኑ፡ ብዘይ ትውክልቲ ኺሕሰብ ዘይግብኦ’ዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ረኣና፡ ኣብ ኣምላኽ ዘይውከሉ ዅሎም ኪሓፍሩን ኪወድቁን ንረኽቦም፡ ብኣንጻሩ’ቶም ዚውከሉ ግና ይዕወቱን ይደምቁን ነበሩ። ንሕና ንድያብሎስ ንምጽራር ክንውከሎ ኸለና ድማ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜኽእል ጸጋኡ ኣውሒዙ ሓይሉ የዕጥቐና (ፊል 4፡12,13 ፣ መዝ 20፡7 ፣ 52፡8 ፣ ኤር 17፡5-8 ፣ 10፡23 ፣ ዮሃ 15፡5 ፣ 2ቈረ 3፡4,5)።
2. ጸሎት፦ ጸሎት፡ ናይ ትውክልቲ ወጽኢት’ዩ። ንትውክልትና ብጸሎት ኢና ንገልጾ። ጸሎት፡ ሓያል መንፈሳዊ ኣጽዋር’ዩ። ዘይጽልይ ሰብ፡ ኪዕወት ዘይኰነስ ኪስዓር ባዕሉ ዝወሰነ ሰብ’ዩ። ኣብ ጸሎት ንኣምላኽ ኪድግፈናን ሓይሉ ኼዕጥቐናን ንልምኖ፡ ከምኡ ኸኣ ነቲ ብፍትወት ስጋ ዚተሃላለኸና ሰይጣን፡ ብስም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ኺርሕቕ ንግስጾ። ትምኒት ስጋ (ሓጢኣት) ኪፈታተነካ ኸሎ፡ ርኹሳት መናፍስቲ ኢድካ ኽትህብ’ሞ ኽትእዘዞም ይደፋፍኡኻ ኸም ዘለዉ ኽትግንዘብ ይግባእ’ዩ። ከም’ቲ ጐይታና ንሰይጣን “ኪድ ርሓቕ” ኢሉ ብስልጣን ዚገንሖ፡ ንሕና’ውን ብስሙ ነቲ ዚፈታተነና ሰይጣን ክንግስጾ ይግባኣና። ኣብ ኤፌ 6፡10-13,18 ቅልስና ምስ መን ምዃኑን ብኸመይ ንፍሕሶን ውዲትን ናይ ሰይጣን ከም ንቃወሞ ተገሊጹልና ኣሎ። ጸሎት ዘይፈልጥን ዘየዘውትርን ሰብ ግን ገና ናብ ፈተና ኸይበጽሐ’ውን ስዑር ምዃኑ ዝተረጋገጸ’ዩ። ናይ ክርስትያን ኣጽዋር ውግእ ብርቱዕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ይስዕር’ምበር፡ ኣይስዓርን ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ጊዜ ክንዕጠቖን ክንጥቀመሉን ይግብኣና።
3. ቃል ኣምላኽ፦ ብመሰረት ኤፌ 6፡17፡ ቃል ኣምላኽ “ናይ መንፈስ ሰይፊ’ዩ”። ሰይፊ ኸይዓጠቕካ ውግእ ምግባር ድማ ኣይከኣልን’ዩ። ጐይታና’ውን ስሙ “ቃል ኣምላኽ”’ዩ፡ ነቶም ዚዋግኦም በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ናይ ቃል ሰይፊ’ዩ ዚወግኦምን ዚስዕሮምን (ራእ 19፡11-15 ፣ ኢሳ 11፡4)። ካልኣይ ረብሓ ናይ ቃል ኣምላኽ ድማ ናይ ምጽራይ ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑ’ዩ። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሳላ’ቲ ዝነገርኩኹም ቃል ድሮ ንጹሃት ኢኹም” ብምባል ኣረጋጊጹሎም’ዩ (ዮሃ 15፡3 ፣ 13፡10 ፣ ኤፌ 5፡25-27 ፣ መዝ 119፡9)። ቃል ኣምላኽ ካብ ሓይሊ ፍትወት ዜንጽህ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ ከነንብቦ ክንሰምዖ ኣብ ልብና ኽንዓቝሮ፡ ኵሉ ጊዜ ኽንጥቀመሉን ይግብኣና።
4. ተኣዝዞ፦ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ ዝሃበና ትእዛዝ ‘ንእዘዝ ምስ ንኸውን፡ ንዅሉ’ቲ ሰይጣን ዜዳልወልና መፈንጠራታት ብቐሊሉ ኢና ‘ንስዕሮ። ነቲ ብቕድስና ኽንነብር ዝተዋህበና ትእዛዝ ክንእዘዞ እንተ ወሲንና፡ ሰይጣን ዋላ ኣመናዝር ብግህዶ ብኣካል ኪቃለሱና እንተገበረ’ኳ፡ ከም ዮሴፍ፡ ጥሒስና ብዓወት ከም ንወጽእ ርጉጽ ነገር’ዩ። ብዛዕባ ቅድስና ልኡም መርገጺ ዘለና ሰባት እንተ ዄንና ግና፡ ዝሰሓበና ዘይብልና ባዕላትና ኢና ‘ንኣትዎ። ነቲ “ኣይትሓስዉ” ዚብል ቃል እዙዛት እንተ ዘይኴንና፡ ብዚጠቅምን ብዘይጠቅምን ምኽንያት ምሕሳውና ዘይተርፍ’ዩ። ስለ’ዚ ከም ቅዱስ እዮብን ቅዱስ ዳዊትን፡ ዘይንቕነቕ ናይ ተኣዝዞ መርገጺ እንተ ወሲድና፡ ነቲ ዚፈታተነና ድያብሎስ ተጻሪርናዮን ስዒርናዮን ኣለና ማለት’ዩ (እዮ 27፡3-6 ፣ መዝ 101፡2-7 ፣ 28፡20,22 ፣ 119፡57,60)። ንተኣዝዞ ኸም መልሕቕ ህይወትና እንተ ዘይጌርናዮ ግን ብሓጢኣት ዝቘሰለ መፍቶ ሰይጣን ዝዀነ ብልሹው ህይወት’ዩ ዚህልወና።
እምበኣር ነቲ ጸላኢና ድያብሎስን ነቲ ንሱ ዚምዝምዞ ፍትወት ስጋናን ብኸመይ ሒዝናዮ ኸም ዘለና ርእስና ንመርምር። ንድያብሎስ ብጽድቂ ኽንዋግኦ’ምበር፡ ብሓጢኣት ክንመሓዘዎ ኸም ዘይግብኣና ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ድያብሎስ፡ እቲ ኣባና ዘሎ ጐይታ ስለ ዚዓብይን ስለ ዚብርትዕን፡ ክንዕወት’ምበር፡ ስዑራት እንዀነሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን (1ዮሃ 4፡4 ፣ 2ነገ 6፡16,17)። እቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ዜዕጥቐና መንፈሳዊ ኣጽዋር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝዀነ፡ ንድያብሎስን ንሓጢኣትን ኢድና ኣይንሃብ። ኣምላኽና ናብ ዓወት ዚመርሕን ዓወት ዚህብን ኣምላኽ’ዩ (1ቈረ 15፡57 ፣ 2ቈረ 2፡14)። ስለ’ዚ “በቲ ዘፍቀረና (ጐይታ) ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና” ብዚብል ጽኑዕ እምነት፡ ነቲ ብጐይታ እተሳዕረ ድያብሎስ ብምጽራር ምስ ጐይታ ዄንና ዳግማይ ኣብ ህይወትና ንስዓሮ!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
24 መጋቢት 2024 | መጋቢት 15, 2016 ግዕዝ (መበል 28 ሰንበት: ቊ.፳፰/28) |
||
ምስባክ መዝ. ፷፰(፷፱)፡፱-፲ “እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ። ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ። ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ።” “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ’ውን ኣባይ ወዲቑ’ዩ’ሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይ’ውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 2፡16-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
ያእ 4፡1-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 5፡17-30 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 2፡12-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ግነዩ ለእግዚአብሔር |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ