“መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሓስዉን። ኣብ’ቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ’ሞ፡ እዛ ጥበብ’ዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን’ያ’ምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።” ያእ 3፡14-16 (ቲቶ 3፡10,11)
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ’ቲ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 ዚዝርጋሕ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ካብ ጥቅምቲ 30 ኽሳዕ ሕዳር 5 ዘሎ ቕንያት “ጸገየ ወይን” ይብሃል። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ናይ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ’ውን “ጸገየ ወይን” ‘ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ብዛዕባ’ቲ ብእግዚኣብሄር ዝተሰርዓልና ዘመነ ጽጌ ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብ መዝሙር’ዩ። እታ መርዓቱ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን “ወልድ ሓወይ ሽታኡ ከም ከርበ ምኡዝ’ዩ”፡ ነብዪ ኣንባቆም ድማ “ንግብሪ ናይ ወልድ ኣድነቕኩን” ከም ዝበለ ብምግላጽ፡ እቲ ንዕረፍቲ ሰንበት ዝሰርዐ ንጉስ-ሰላም ዝዀነ ክርስቶስ፡ ልዕልናኡ ዓብዪ፡ ምስጋናኡ ድማ መንክር ምዃኑ ዚእመን መዝሙር’ዩ። እቶም ነዚ “ጸገየ ወይን” ዝተሰምየ ቅንያት ተሰሪዖም ዘለዉ ንባብ ቅዱስ ወንጌልን ምስባክን፡ ብዛዕባ ጕንዲ ወይኒ ዚገልጹ’ዮም። ጐይታና ባዕሉ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣብ’ቲ ዘንበብናዮ ናይ ዮሃ 15፡1-11 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ገሊጹልና ኣሎ። ናይ’ዚ ጕንዲ ወይኒ’ዚ ተኻሊ ድማ እግዚኣብሄር ኣቦ’ዩ። እቶም ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ካብ ማይን መንፈስን ተወልድና መሰል ውልድነት ዝረኸብና ክርስትያን ህዝቢ ድማ ጨናፍር ናይ’ዚ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ኢና። ፍሪኡ እንተ ፈረናሉ፡ ኣብ’ቲ ጕንዲ ወይኒ ንዘለኣለም ጸኒዕና ኸም ንነብር፡ ፍሪኡ እንተ ዘይፈረናሉ፡ ወይ’ውን ካብ’ቲ ጸዋሪና ጕንዲ ተፈሊና እንተ ዀብለልና ድማ ድራር ሓዊ ዄንና ኸም ንነብር፡ ጐይታና ኣፍሊጡና ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ጕንዲ ወይኒ’ዚ ነብዪ ዳዊት ዝተነበዮ ትንቢት ድማ፡ እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ መዝሙር ዳዊት ምስባክ’ዩ። ናይ’ዚ ትንቢት’ዚ ላዕላዊ (ናይ ስምዓዊ) መልእኽቲ ብዛዕባ’ቲ እስራኤላውያን ብኢድ ሙሴ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምውጻኦምን ኣብ ምድሪ ኸንኣን ምትካሎምን ዜመልክት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ምስጢራዊ (ወይ ወቃዊ) መልእኽቱ ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ናይ ግብጺ ስድደቱ ተመሊሱ ኣብ ምድሪ እስራኤል ተተኺሉ፡ ሰራውሩ ዀነ ጨናፍሩ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሐ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ዚዛረብ ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ። እዚ ምስባክ’ዚ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚዝመረሉ ምኽንያት፡ ኣብ መእተዊ ናይ ዘመነ ጽጌ ኸም ዝተመሃርናዮ፡ እዚ ዘመነ ጽጌ ጐይታና ናብ ግብጺ ምስዳዱን ምምላሱን (ስደት ወሚጠት) እንዝክረሉ ዘመን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ፍጻመ ናይ’ዚ ትንቢታዊ መዝሙር’ዚ ንምምልካት’ዩ።
ኣብ’ዚ “ጸገየ ወይን” ዝተሰምየ ዕለት’ዚ ብዛዕባ ወይኒ ገዲፍና ብዛዕባ ሻራ ኽንመሃር ዘድለየሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ’ዩ፧ ናይ’ቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ-ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ፍረ፡ ጽድቂ፡ ፍቕሪ፡ ሓድነት፡ዩ። ነዚ ፍሪኡ’ዚ ኸኣ ብኣና በቶም ጨናፍሩ ገይሩ’ዩ ዚፈርዮ። ንሕና ግን ጨናፍሩ ኽነስና፡ ዘይፍሪኡ ነፍርይ ስለ ዘለና፡ ብዛዕባ’ዚ እምብዛ ገኒኑ ዘሎ ዜሕፍርን ዜፍርድን መሪር ፍሬና ናይ ግድን ክንመሃር የድልየና’ዩ። እስራኤላውያን ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍረ ጽድቂ ምፍራይ ገዲፎም፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ፍረ ሓጢኣት ምፍራይ ምስ መረጹ’ሞ ምስ ተበላሸዉ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ብቕዱሳን ነብያቱ ገይሩ ተዛረቦም።
“እስራኤል ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት’ዩ። እቲ ዝተከሎ ተኽሊ ድማ ህዝቢ ይሁዳ’ዮም፡ ጽቡቕ ኪገብሩ ተጸበዮም፡ ኣብ ክንድኡ ግና ደም ከዓው። ቅኑዕ ኪገብሩ ተጸበዮም፡ ንሳቶም ግና ነቲ ህዝቢ ፍትሒ ደልዩ ኸም ዜእዊ ገበርዎ።” ኢሳ 5፡7 ካ.ት
“ካብ ጥዑም ዝዓይነቱ ወይኒ ወሲደ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ ተኸልኩኺ። ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ መጺጽ ወይኒ ተለወጥኪ። ብጨው ባሩድ’ኳ እንተ ተሓጸብኪ፡ ብዙሕ ሳሙና ኸኣ እንተ ኣዘውተርኪ፡ ኣበሳኺ ኸም ዝመረተ ዀይኑ ዅሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ’ዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪበ ኣለኹ።” ኤር 2፡21,22 ካ.ት
ንመሪሕ ጥቕስና ምልስ ኢልና እንተ ረኣናዮ ድማ፡ ሻራ ብባህርዩ ስጋውን ሰይጣናውን ፍረ ምዃኑ ኣግሂዱልና ኣሎ።
ካብ’ቶም ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ዝተመደቡልና ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ መልእኽቲ ሓደ’ዩ። እዚ ምዕራፍ’ዚ ሓቚፍዎም ካብ ዘሎ ብዙሓትን ኣገደስትን ኣርእስትታ ሓደ፡ እዚ ንህዝብናን ቤተ ክርስትያንናን ኣጥቂዑ ዘሎ ናይ ሻራ ሓጢኣት’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እዚ ናይ ሻራ ሓጢኣት’ዚ ናብ ጥፍኣትን ኲነኔን ኣሕሊፉ ዚህብ ካብ ቤተ ክርስትያን ብውግዘት ክትፍለይ ዚገብር ሓደገኛ ኣበሳ’ዩ። ህዝብና ብናይ ፖለቲካ፡ ናይ ዓሌት፡ ናይ ኣውራጃ፡ ናይ ሃይማኖት፡ ናይ ረብሓ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ፡ ተመሊሱ ሓደ ህዝቢ ኪኸውን ዘይክእል ክሳዕ ዚመስል ኣብ ሕማቕ ሃለዋት ኣእትይዎ ይርከብ። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ፡ እዚ ከም ፈንጂ ዚበታትን ኣጋንንታዊ ባህርይ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ነጊሱ፡ ደቂ ሓንቲ ሃይማኖት ክሳዕ ዘይንመስል፡ ንመልክዕን ክብርን ናይ ቤተ ክርስትያንና ደዊንዎ፡ ቊጽሪ ኣብ ዘይብሉ ጒጅለታት ተኸፋፊልና ንርከብ። ብሰሪ’ዚ ኣጋንንታዊ ሻርነት’ዚ፡ ብደም ክሳዕ እንደላላይ፡ ኣብ ውሽጢ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ኣብ መንጎ ቕዳሴ ብካራ ኽሳዕ ምቅታል ኣብጺሑና ኣሎ። ወዲ ሰብን ሻራን ዳርጋ ኻብ ፍጥረት ኣትሒዞም መናብርቲ’ዮኻ’ሞ፡ ኣብ ህዝብናን ኣብ ቤተ ክርስትያንና ግን ከም ሎሚ ገይሩ ገኒኑን ስጋ ለቢሱን ኣይፈልጥን’ዩ። ካብ’ዚ ዜሰቅቕ ሃለዋት ‘ዚብምብጋስ እምበኣር፡ ብዛዕባ’ዚ ሃዋርያዊ ኣርእስቲ’ዚ ኽንመሃር ግቡእ ጊዜኡ’ዩ።
እዚ ኣበሳ’ዚ ንቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ካብ ዘመነ ሃዋርያት ጀሚሩ ዝተዋግኣ ቐንዲ ጸላኢኣ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ገና ኣብ እግሪ ተኽሊ ኸላ ካብ ዝተፈተነሎም ውዲታት ሓደ ዓሌታዊ ሻርነት’ዩ። ኣብ’ታ ናይ ኢየሩሳሌም ቀዳመይቲ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን ሓያሎ መበለታት ነበራ። እታ ቤተ ክርስትያን መበለታታ ባዕላ ትናብይ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ኼመሓድሩ ሓላፍነት ዝወሰዱ ኣገልገልቲ ነበሩ። እቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ ገሊኣቶም ኣብ ሃገረ-እስራኤል ዚነብሩ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኣቶም ከኣ ብግሪኻውያን (ጽርኣውያን) ካብ ዚመሓደራ ሃገራት ኣህዛብ ዝመጹ ነበሩ። እዞም ካብ ጽርኣውያን ሃገራት ዝመጹ ኣይሁድ፡ “ኣይሁድ ጽርኢ” ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። ከም’ቲ ሎሚ’ውን ንኣና ዚገጥመና ዘሎ፡ ቋንቋ ጽርኢ’ምበር፡ ነቲ ናይ ኣቦታቶም ቋንቋ እብራይስጢ ዘይዛረቡ ነይሮም ይዀኑ። እዚኣ’ውን ናይ ሻራዊ ምፍልላይ ምኽንያት ኰይናስ፡ እቶም ዘይእሙናት ኣገልገልቲ፡ ናብተን ኣይሁድ እስራኤል ኣድልዎ ገይሮም፡ ነተን ኣይሁድ ጽርኢ ኣብ ምምቃል ምግቢ ወጽዕወን። እዚ ድማ ዓብይ ነውጺ ፈጢሩ፡ እቲ ጒዳይ ናብ ሃዋርያት በጽሐ። እቶም ኣድልዎ ዝተፈጸሞም ኣይሁድ-ጽርኢ፡ እቶም ኣድልዎን ሻራን ዘይፈልጡ ሃዋርያት ባዕላቶም ኬመሓድርዎ ጠለቡ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ግና፦ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ’ዚ ኸኣ ነመዝዞም። ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት ናይ’ዚ ቓል’ዝን ከየብኰርና ንሓዝ” ኢሎም ነቲ ነገር ኣዕረፍዎ (ግብ 6፡1-6)። ካብ’ዚ እዋን’ዚ ጀሚሩ ሻራ ክሳዕ ሎሚ ንቤተ ክርስትያን ኪፈታተና ይነብር ኣሎ። መንፈስ ቅዱስን ጥበብን ዝመልኦም መራሕትን ኣገልገልትን ስለ ዝተሳእኑና ድማ፡ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ሻራ ተዓዊታ ኣሰር ሃዋርያት ኣብ ክንዲ ትስዕብ፡ ሻራ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን እናተዓወተ መንፈሳዊ ምስላ ተደዊኑ ትነብር ኣላ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ናብ ዝበዝሐ ኽፍሊ ዓለም ዝዞረን፡ ዝበዝሓ ኣብያተ ክርስትያን ዘቘመን ሃዋርያ ከም ዝነበረ ቓል እግዚአብሔር የረጋግጸልና’ዩ (1ቈረ 15፡9-10 ፣ ሮሜ 15፡17-19)። ሰይጣን ንግብሩ ኼፍርስ ንዓወቱ ኬፍሽል ይጋደል ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ብሻራ ይዋግኦ ነበረ። ካብተን ዘቘመን ኣብያተ ክርስትያን፡ ብሻራ ኣዝያ ዝተጠቕዐት ድማ፡ እታ ናይ ቈረንቶስ ቤተ ክርስትያን ነበረት። ኣብ’ታ ናባታቶም ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቲ፡ ኣብ’ታ ቐዳመይቲ ምዕራፍ ንሻራ ኣመልኪቱ ኸም’ዚ ዚስዕብ ጸሓፈሎም።።
“ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ። እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ’የ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ’የ” ከም እትብሉ፡ እዚ’የ ዝብል ዘለኹ። ኣሕዋተይ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ’ምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣለኹ። ክርስቶስዶ ተመቒሉ’ዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቒሉልኩም’ዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም፧” 1ቈረ 1፡10-13
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ናብ’ታ ኣብ ካልኣይ ሃዋርያዊ ጒዕዞኡ ዘቘማ ናይ ፊልጲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ድማ ወንጌል ንሰይጣናዊ ዕላማ ብሻራ ይስበኽ ከም ዝነበረ ብዜሕዝን ቃላት ገሊጹ ኣሎ።
“......ዚበዝሑ ካብ’ቶም ኣሕዋት ድማ (ብምኽንያት) ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ። ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ (ንወንጌል ከም እተማጐትኩላ) ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡ እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኼምጽኡለይ ሓሲቦም ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። (እሞ ኸ ደኣ፡ እንተ ብተንኰል) እንተ ብሓቂ (ብቕንዕና)፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ’ሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣለኹ፡ (ገና) ኽሕጐስ’ውን’የ።” ፊሊ 1፡12-18
ናይ ክርስቶስ ወንጌል ምስባኽ ኣዝዩ ዓብይን ክቡርን መንፈሳዊ ተግባር’ዩ። ነዚ ናይ ኣምላኽ ዕዮ’ዚ፡ በቲ ናይ ድያብሎስ ሜላን ድርኺትን ምስባኽ ከኣ፡ እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣት’ዩ። ሻራ ዚትግበረሉ ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ዓለማዊ ዛዕባታትን ጒዳያትን ከም ዝተሳእነ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ቀንዲ ዕዮን ዕላማን ብሻርነት ክትብክሎ ምፍታን ምሕረት ዘይርከቦ ከቢድ ኣበሳ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኣርእስትናሻርነት፡ ባዕልኻ ንርእስኻ ምጥፋእን ምዅናንን’ዩ ዝበለና።
መልእኽትን ዕላማን ናይ ሻርነት እንታይ’ዩ፧ ሻርነት፡ መጋበርያ’ምበር፡ ንሱ ንርእሱ ዕላማ ወይ ሸቶ ኣይኰነን። እቲ ዕላማ ኻልእ’ዩ። እቲ ዕላማ’ቲ ግና ንሻርነት ከም መሳርሒ (መጋበርያ) ኸይተጠቐምካ ኺብጻሕ ኣይክእልን’ዩ። ነዚ ስውር ዕላማ’ዚ ዘይምፍላጥና፡ ኣብ’ዚ ዅነኔ ዚወልድ እኩይ ሓጢኣት ክንጽመድ ይገብረና ኣሎ። ንዅሉ’ኳ ኽንዝርዝሮ እንተ ዘይከኣልና፡ ገለ ኻብ’ቲ ናይ ሻርነት ዕላማታት እዞም ዚስዕቡ’ዮም።
1.ንሰብነት ክርስቶስ ምቊርራጽ፦ ቃል እግዚአብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽን ካብ ሓድሕድናን ቈራሪጹ ፈላልዩና’ዩ (ኢሳ 59፡1-3)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ኺመላለስን ምእንታና ኺስዋእን ዘድለዮ ድማ ኣካላት ሰብነቱ ገይሩ ምስ ኣምላኽን ንሓድሕድናን ምእንቲ ኺዓርቀናን ሓደ ኣካል ኪገብረናን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ ኤፌሶን መልእኽቱ፡ ንሓድነት ናይ ግዙራት ኣይሁድን ዘይግዙራት ኣህዛብን ኣመልኪቱ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዞም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም (ኣህዛብ)፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢልኩም፡ ማለት ብምፍሳስ ደሙ ቀረብኩም። (ኢየሱስ) ነቲ ኣብ መንጎ (ኣይሁድን ኣህዛብን) ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብስጋኡ ብምፍራስ፡ ነቶም ክልተ (ዝነበሩ) ሓደ ዝገበረ፡ ሰላምና’ዩ። ነቶም ክልተ ዝነበሩ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺገብሮም፡ ንሕጊ (ሙሴ) ምስ ትእዛዛቱን ስርዓቱን ኣፍሪሱ ሰላም ገበረ። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ። ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። መጺኡ ኸኣ ንኣኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም ኣበሰረኩም። ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ኸኣ ሰላም ኣበሰሮም። ከመይ፡ ክልቴና፡ ብእኡ ኢና ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ እንኣትው።” ኤፌ 2፡13-18 ካ.ት
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ነቲ ኸም መንደቕ ኰይኑ ምስ ኣምላኽን ሰብን ዚፈላልየና ናይ ጽልእን ካልእን ሓጢኣት ምእንቲ ኼርሕቕ’ዩ ክርስቶስ ነዚ መሪር ናይ መከራን ሞትን ጽዋእ ዝሰተየ። በዚ መስዋእቱ’ዚ ኸኣ፡ ኣካላት ሰብነቱ ኸም እንኸውን ገበረና።
“እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እሞኸ ደኣ ነዚ ኣካል ክርስቶስ (ዝዀነ ስጋይ) ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮዶ ይግባእ’ዩ፧ ያእ ኣይፋለይን።”
“ከመይ ንሕና፡ ኣይሁድ ኰንና ግሪኻውያን፡ ባሮት ኰንና ጭዋታት ኵላትና ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፡ ሓደ መንፈስ’ውን ሰተና፡ . . . እምበኣርከ ንስኻትኩም ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ኣካላቱ ኢኹም።” 1ቈረ 6፡15፣ 12፡13,27 ካ.ት
ካብ ጽልኢ ካብ ሻራን ምፍልላይን ሓራ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ነዚ መሪር ናይ መከራን ሞትን ጽዋእ ሰትዩ ኼብቅዕ፡ ንሕና ገና ኣብ ምፍልላይ ተጸሚድና እንተ’ሊና፡ ነቲ ናይ ሞቱ ዕላማ ከንቱ ንገብሮ፡ ነቲ ዝጸገቦ መሪር ስቓይን ሞትን ትርጒም-ኣልቦ ንገብሮ’ኣለና ማለት’ዩ። ቅድሚ ክርስቶስ፡ በበይንና ርእስና ዝኸኣልና ኣካላት ኢና ዝነበርና። ድሕሪ ክርስቶስ ምግላጹን ድሕሪ ጥምቀትናን ግና ኣካላት ናይ ሰብነት ክርስቶስ’ምበር በበይንና ሰባት ኣይኰንናን። ስለ’ዚ ብሻራን ጽልእን ክንፈላለይ ከለና፡ ንሰብነት ክርስቶስ ንቘራርጾን ንኸፋፍሎን ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ዋላ ዘይከኣል’ኳ እንተ ዀነ፡ ኣካላት ሰብነትና ናብ ዝደለዮ መኣዝን ፋሕፋሕ ኢሉ ኪኸይድ እንተ ዚደልይ እንታይ ምዀንና ኔርና፧ ንሕና ግና በቲ እግዚአብሔር ንኽብሩ ኢሉ ዝሃበና ናይ ነጻ ምርጫ ስልጣንን መሰልን ተጠቒምና፡ ንሰብነት ክርስቶስ ንመቓቕሎ ኣለና። ኣብ ልዕሌና ኺፍጸም ዘይንደልዮ ተግባር፡ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ ንፍጽሞ ኣለና። ከም’ቲ ንስጋ ናይ’ቲ ኽንምገቦ ዝደለና እንስሳ ብኻራ እንቘራርጾ፡ ንሰብነት ክርስቶስ ከኣ ብናይ ሻርነት ስሕለት ንቘራርጾ ብምህላውና ኣበሳና ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ (1ቈረ 12፡14-26)።
2. ኣምልኾ-ጣኦት ምትእትታው፦ ዚበዝሕ ጊዜ “ጣኦት” ዚመስለና፡ ካብ ግኡዝ (ህይወት-ኣልቦ) ነገር ዚስራሕ ሓደ ምስሊ ጥራሕ’ዩ። ኣምልኾ-ጣኦት ድማ፡ ኣብ ቅድሚ’ዚ ግኡዝ ምስሊ’ዚ፡ ጥልዕ ጕምብሕ ኢልካ ምስጋድ ጌርና ንርድኦ። ጣኦት ዚበሃል ግን፡ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኣብሊጽና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኵሉ’ዩ። እቲ ጣኦት፡ “ሰብ፡ ገንዘብ፡ ስነ-ሓሳብ ወይ ባህርይ” ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ከም’ቲ ጐይታና ዝበሎ፡ ንወለድና ንደቅና ወይ ንሰብ ኪዳንና ካብ ክርስቶስ ንላዕሊ ነፍቅሮም እንተ ዄንና፡ ንሳቶም ናትና ህይወታውያን ጣኦታትና’ዮም (ማቴ 10፡37)። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ስሰዐ፡ ኣምልኾ ጣኦት ምዃኑ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 5፡5፣ ቈሎ 3፡5)። ስሰዐ፡ ባህርይ’ዩ። ብስሰዐ ዚምለኽ ዘሎ ጣኦት ድማ እቲ ንስስዖ ዘለና ነገርን እቲ ንስስዓሉ ዘለና ስጋናን’ዩ። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ 1ቈረ 1፡10-13 ጥቕሲ፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ኸኣ ናይ ኬፋ” ኢሎም ሰብ ቈረንቶስ ብሻርነት ንሓድሕዶም ይቈራረጹ፡ ንሰብነት ክርስቶስ ከኣ ይቘራርጹ ነበሩ። ነዞም ንክርስቶስ ዝሰበኹሎም ሃዋርያት ጠንቂ ናይ ሻርነቶም ኪገብርዎም ኣይነበሮምን። እቶም ሃዋርያት ንክርስቶስ ኪስዕቡን ኬምልኹን የመልክትዎም፡ ንሳቶም ከኣ ንክርስቶስ ሓዲጎም፡ ንኣታቶም ኬምልኽዎም ተራእዩ። ካብ’ዚ ዚኸፍእ ዕሽነትን ጥበራን ይህልውዶ ይኸውን፡ ሰይጣን ድማ ክርስቶስ ጥራሕ ኣይመለኽ’ምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ኣካል እንተ ተመለኸ ግዲ የብሉን። ምኽንያቱ ብጳውሎስ ወይ ብጴጥሮስ ዚድሕን ዋላ ሓደ የልቦን። ኵሉ ሓይሉን ክእለቱን ተጠቒሙ፡ ሻራ ናብ ቤተ ክርስትያን ዜተኣታትወሉ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ኣምልኾ ካብ ክርስቶስ ናብ ሰባት ምእንቲ ኼግዕዞ’ዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ሰብ ቈረንቶስ ብሻራ ምፍልላዮም ምስ ሰምዐ፦
“ክርስቶስዶ ተመቒሉ’ዩ፧ ጳውሎስዶ ተሰቒሉልኩም’ዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስዶ ተጠሚቕኩም ኢኹም፧” ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ብምሕታት፡ ዕላማ ሻርነት ንክርስቶስ መቓቒልካ፡ እቲ ናቱ ኽብርን ኣምልኾን ንፍጡራት ሰባት ምዕዳል ምዃኑ ኣመልከተ (1ቈረ 1፡13)።
3. ሓጥእ ባህርያት ምዕዛዝ፦ ሻርነት ኣብ ዘለዎ ኻብ ተራ ሓሶትን ሕምየትን፡ ክሳዕ’ቲ ዝኸፍአ ሓጢኣት፡ ክሳዕ ቅትለት ዚምጠጥ፡ ኵሉ ሓጢኣት’ዩ ዚዓዝዝን ዚነግስን። ነቲ ናትካ ወገን ዝዀነ ኣካል፡ እናፈለጥካ ዘይናቱ ጽቡቕ ትህቦን ተልግበሉን፡ ነቲ ናትካ ወገን ዘይኰነ ኸኣ፡ እናፈለጥካ ዀነ ኢልካ ዘይናቱ ኽፉእ ከተልግበሉ ዚከኣለካ ዅሉ ትገብር። ሻረኛ፡ ደይ መደይ ኢሉ ብዕላማን ብፍላጥን’ዩ ዚሓጥእ። ኰነ ኢሉ ስለ ዚገብሮ ድማ በቲ ሓጥእ ተግባሩ ይምካሕን ይሕጐስን፡ ከም ጅግንነት ገይሩ ኸኣ የውርዮ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ “ባዕሉ ንርእሱ ዝዀነነ ሰብ” ብምባል ዝገለጾ። ሻርነትን ምፍልላይን፡ ሓደ ኻብ’ቶም “ግብሪ-ስጋ” ዝተሰምዩ ሓጢኣታት ሓደ’ዩ።
“እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ’ዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቊጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከም’ዚ ዘመሰለ ኻልእ’ውን’ዩ። እቶም ከም’ዚ ዘመሰለ ዚገብሩ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከም’ቲ ቐደም ዝበልክዎ፡ ኣቐዲመ እብል ኣለኹ።” ገላ 5፡19-21
ሰይጣን፡ ሰብነት ክርስቶስ ንምቊርራጽ ንሻርነት ከም ዝበለጸ ኣጽዋር ዚጥቀመሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ምኽንያቱ ሻርነት ብኻልኦት ሓደገኛ ኣበሳታት ተዓጂቡ’ዩ ዚቐውምን ዚኸይድን’ምበር፡ ንበይኑ ኣይከይድን’ዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ብጥዑይ ኣእምሮኡ ኺገብሮ ዘይደፍር ሓጢኣት፡ ኣእምሮኡ ብሻራ ምስ ጸልመተ ግን ፈጺሙ ሰገጥ ኣይብለሉን’ዩ። ሻራ ኸኣ ናይ ጉጅለ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ብድፍኢት ናይቶም መሻርውትኻ ሓሲብካዮ ናብ ዘይትፈልጥ ሓጢኣት’ዩ ዜውድቐካ። ሻራን ምፍልላይን ዜአንግዱ ሰባት፡ ሰብ እኩይ ፍትወትን፡ መላገጽትን፡ ናይ ፍቕሪ ጸያቒቶ ዝዀኑን ሰባት’ዮም።
“እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ፡ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብ’ቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ’ዮም . . . ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ’ቶም ሃዋርያት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ኣብ’ቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱ፡ መላገጽቲ ኺትንስኡ’ዮም” ኢሎም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ። እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን’ዮም።” ይሁ 12,17-19
ዓስቢ ሻረኛታትከ እንታይ’ዩ፧ ምድራዊ ህይወቶም ኣዝዩ ብልሽው’ዩ ዚኸውን። ሻራ፡ ኣጋንንታዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንሻርነት ዜአንግድ ሰብ፡ ልቡሰ-ስጋ (ስጋ ዝለበሰ) ጋኔን ናብ ምዃን’ዩ ዚልወጥ። በእምሮ ዀነ ብኣካል ሓጢኣት ካብ ምግባር ኪዓርፍ ፈጺሙ ኣይከኣሎን’ዩ። ሰይጣን፡ ብሻርነት’ዩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ክልተ ኪኸፍላ ዝተጋደለ። እቶም ምስኡ ዘሻረዉ መላእኽቲ ድማ ናቱ ኣጋንንቲ ኪዀኑ ናብ መልኣኽ ጸልማት ተለዊጦም ተደርበዩ። ነቲ ሻረኛ ሰብ ድማ ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኻልእ ጽሕፍቶ የብሉን። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ገላ 5፡19-21 ጥቕሲ፡ ሻረኛታት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ፡ ኣይክእሉን’ዮም። ጻማኦም ግና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይምእታው ጥራሕ ኣይድረትን’ዩ። “ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ’ምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና፡ ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም’ዩ።” ሮሜ 2፡8
እዚ መዓት’ዚ ድማ ሸልቢብዎም ዚሓልፍ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ኣብኡ ተኣሊኾም’ዮም ዚነብሩ።
ኣብ ምድሪ እንተ ዀነ’ውን ብቤተ ክርስትያን ኪውሰደሎም ዚግባእ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ተነጊሩና’ዩ። ንሱ ኸኣ ከተርሕቖምን ክትርሕቆምን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ተማዒዱ ኻብ ሻርነት ኪጸርይ ንዘይከኣለ ሰብ፡ ካብ’ታ ቤተ ክርስትያን ከተርሕቖ ከም ዚግባእ ገሊጹልና ኣሎ። ምኽንያቱ ሻረኛ ኸሎ ቤተ ክርስትያን ክትሃድእን ዕዮኣ ኽትዓይይን ኣይትኽእልን’ያ። ሻርነትን መናፍቕነትን ናይ ሕብረት መንሽሮ’ዮም። ስለ’ዚ ድማ’ዮም ብውግዘት ኪርሕቁ ዚግብኦም። ከተርሕቖም ዘይከኣል ምስ ዚኸውን ድማ ክትርሕቖም ካባታቶም ከተግልስ ይግባእ።
“ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብ’ቲ እተመሃርኩምዎም ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም (ከተለልይዎም) እምዕደኩም ኣለኹ። እቶም ከም’ዚኣቶም ዝበሉ፡ ንኸብዶም’ምበር፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን’ዮም፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን፡ ልቢ ናይቶም ገርህታት የስሕቱ’ዮም’ሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።” ሮሜ 16፡17,18
ዓስቢ ሻረኛታት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ ይትረፍ ኣብ ህይወትና ኺገዝእ፡ ናቱ ማይ-ብሑቝ ንማለቱ’ኳ ኣብ ውሽጥና ኸይህልው ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ዋላ ጕዳይና ሓቀኛን ፍትሓውን ይኹን፡ ብናይ ሻርነት መንፈስ ክንዛረበሉን ክንሰርሓሉን ኣይግባእን’ዩ። እግዚአብሔር ብእምነትን ብሓቅን’ምበር ብሻርነት ክንስዕቦ ኣይደልን’ዩ። ንሓቂ ስለ ዘሻረኻ፡ እቲ ሻርነትካ ቕዱስ ይኸውን’ዩ ማለት ኣይኰነን። ንሓቂ ብሻርነት ምቛም ማለት፡ ኣብ ቅዱይ ቅብኢ ወይ ኣብ ፍሉሕ ጸባ ምዉት ጽንጽያ ኸም ምእታው’ዩ ዚቚጸር። ኣቦና እዮብ እቶም ኣዕርኹቱ ንእግዚአብሔር ብሻርነት ኪከላኸሉሉ ምስ ረኣየ፦ “ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ፡ ኵላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም። . . . ንኣምላኽከ ብቓል ዓመጻ ኽትከላኸሉሉ፡ ስሊኡ ኢልኩምከ ልግሚዶ ኽትዛረቡ ኢኹም፧ ሻራኡ ኽትኰኑ፡ ንኣምላኽ ክትጣበቚሉዶ ትደልዩ ኢኹም፧ ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ’ዩ፧ ወይስ ከም’ቲ ንሰብ እተዐሽውዎ፡ (ንእኡዶ) ኸተዐሽውዎ ኢኹም፧ ብስዉር እንተ ኣድሎኹም ንሱ ብርግጽ ኪዘልፈኩም’ዩ። ግርማኡዶ ኣይኬሸብረኩምን’ዩ፧ ፍርሃቱስ ኣይኪወድቀኩምን’ዩ፧” ብምባል ቅኑዕ ተግሳጽ ሃቦም (እዮ 13፡4,7-11)። እግዚአብሔር ከኣ ምስ ሓሳብ እዮብ ተሰማሚዑ፡ “ብዛዕባይ ከም’ቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኩራይ ተቓጺሉ’ዩ።” ኢሉ ገንሖም (እዮ 42፡7)። ስለ’ዚ ሓቀኛታት እንተ ኰንና’ውን፡ ነቲ ሓቅና ብሻርነት ከይንብክሎ ኽንጥንቀቕ ይግብኣና።
እምበኣር ምልስ ኢልና ርእስና ንመርምር። በዚ ዜዀንን ሓጢኣት ተለኺፍና ወይ ዘይተለኸፍና ምዃንና ነረጋግጽ። ለኺፉና እንተ ጸኒሑ፡ ብሓቀኛ ንስሓ፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብና ሕልናና ነንጽህ። ከይደግሰና ኸኣ ርእስና ብጥንቃቐ ንሓልው። ንክርስቶስ መቓቒልካ፡ ኣምላኾ ጣኦት ኣዘዉቲርካ፡ ንህይወትካ ብሓጢኣት ኣጋዕዚኻ ኲነኔ’ምበር፡ ካልእ ረብሓ ስለ ዘይብሉ፡ ክሳዕ ዕለተ-ሞትና ካብ’ዚ ለካሚ ኣበሳ’ዚ ርእስና ነንጽህ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
10 ሕዳር 2024 | ሕዳር 1, 2016 ግዕዝ (9ይ ሰንበት: ቊ.፱ /9) |
||
ምስባክ መዝ. ፸፱(፹)፡፰,፱ “ዐፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ። ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ኪያሃ። ወፄሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።” “ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡ ሱር ሰደደት ምድሪውን መልአት።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ኤፌ 5፡1-13 |
ዲያቆን |
|
ያእ 3፡10-18 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 11፡1-11 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉዮሃ 15፡1-11 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ጸገየ ወይን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ