“ግናኸ እቲ (ኣባና ዘሎ) ዓብዪ ሓይሊ፡ ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ናትና ከም ዘይኰነ ምእንቲ ኺገሃድ፡ እዚ (ናይ ዓብዪ ሓይሊ) ሃብቲ’ዚ ኣባና፡ ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ’ዩ)። ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸብበናን’ዩ፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግን ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።” 2ቈረ 4፡7-9 ካ.ት + ቀ.ት.
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመን ኣስተምህሮን (ሕዳ 6 - ታሕ 6) ሳልሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት’ዩ (ሕዳ 15 - ታሕ 28)። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቘጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሕዳር 27 - ታሕ 3 ዘሎ ቕንያት፡ “መጻጕዕ” ዝተሰምየ ንኡስ ዘመን’ዩ። እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ መጻጕዕ ዝተሰምየሉ ምኽንያት ብዛዕባ ፈዋስነት ናይ ጐይታና ንኽንመሃርን ንኸነስተንትንን ንኸነመስግንን ዝተሰርዓልና ቕንያት ስለ ዝዀነ’ዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ፡ ብ “መጻጕዕ” ዚስመያ ኽልተ ሰናብትን ሰሙናትን’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ናይ ጾመ ነብያት ሳልሰይቲ ሰንበት ክትከውን ከላ፡ ብዛዕባ ፍወሳ ናይ’ቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይን ንሱ ዘስዓቦ ክርክር ኣይሁድን ከም ናይ ፈዋስነቱ ወካሊ ንባብ ወሲድና እንመሃረላ’ያ። እታ ኻልኣይቲ መጻጕዕ ግና፡ ኣብ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብዪ ጾም (ጾመ’ርብዓ) ዝተሰርዐት ብዛዕባ ፍወሳ ናይ’ቲ 38 ዓመታት ምሉእ ዝመጻጕዐ ከም መበገሲ ንባብ ወሲድና ብዛዕባ ፈዋስነት ጐይታና እንመሃረሉ ቕንያት’ዩ። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላትን ኣብ ግብሪ ሃዋርያትን ንዝተነግረ ዅሉ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኣብ ሓደ ናይ ሰንበት ረፍዲ ኸነንብቦ ክንመሃሮን ስለ ዘይንኽእል ደኣ ሓደ ወካሊ ንባብ ተመሪጹልና’ምበር፡ እቲ ቐንዲ ኽንመሃሮን ከነስተንትነሉን ዚድለይ ዘሎ ኣርእስትስ፡ ፈዋስነት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ማእለያ ዘይብሉ ሕማማት ኣብ ዝመልኣ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ፈውስን ፈዋስነትን ንኣና ንደቂ ኣዳም ኣዝዩ ዜገድሰና ኣርእስቲ’ዩ። ናይ እግዚኣብሄር ፈዋስነት ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ዝተጋህደ መለኮታዊ ባህርይ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝተራእየ ግና፡ እቲ “ኢየሱስ ኣማኑኤል” ዝተሰምየ እግዚኣብሄር ወልድ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ’ዩ። ንርእሱ እቲ “ኢየሱስ” ማለት’ውን፡ “መድሓኒ፡ ፈዋሲ” ማለት’ዩ። ፈዋስነቱ ድማ ንሕማም ስጋ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ሞት ዜስዕብ፡ ሕማም-ነፍሲ ዝዀነ ሓጢኣት’ውን ዚምልከት’ዩ (ማቴ 1፡21 ፣ ሉቃ 2፡10,11)። ጐይታና ኢየሱስ፡ ሕጂ ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና እንተ ዘየለ’ኳ፡ እቲ ፈዋስነቱ ግና ብምስጢረ ቀንዲል ገና ኣብ ማሽከልና ኣሎ። እቲ ፈዋሲ ስሙ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ’ውን ኣብ ቤተ ክርስትያን ይሰርሕ ኣሎ። ኣይሰርሕን እንተ’ልዩ፡ እቲ ጸገም ናትና ናይ’ዞም ካብ ሓላፍነትና ዝበዀርና ካብ እምነት’ውን ዝጐደልና ሰባት’ምበር፡ ናይ ጐይታና ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። እምበኣር እዚ ናይ “መጻጉዕ ቅንያት’ዚ ዝተሰርዓልና፡ ነቲ ርሒቑና ዘሎ ናይ ፈውሲ ጸጋ በቲ ሃዋርያዊ ደረጃኡ ኣብ ማእከልና ኸም ዚገሃድ ምእንቲ ኽንገብር’ምበር፡ ብዛዕባ ናይ ፈዋስነቱ ታሪኽ ተዘራሪብና ኣዕሊልናሉን ንኽንከይድ ኣይኰነን። ስለ’ዚ እዚ ሰንበትን ሰሙንን’ዚ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ፈዋስነትን ብዛዕባ ምስጢረ ቀንዲልን ብዕምቈትን ብስፍሓትን እንመሃረሉ፡ ብዛዕባ’ቲ ብምሕረቱ ዝሃበና ናይ ፈውሲ ጸጋ ልባዊ ምስጋና እነቕርበሉ፡ ልዕሊ ዅሉ ግና እዚ ናይ ፈውሲ ጸጋ’ዚ ኣባና ምእንቲ ኺዓዝዝ እምነትና እንሃንጸሉን እነዕብየሉን ቅንያት’ዩ።
ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ሰንበት፡ “ይበሉ እስራኤል” ዘርእስቱ’ዩ። ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ። ህዝቢ እስራኤል “ብዕዉሩ ተወሊዱስ፡ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ኣዒንቱ ኸም ዝተኸፍተሉ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን” ኪብሉ ዚዕድም መዝሙር’ዩ። እዚ ቓል’ዚ ባዕሉ’ቲ ዝተፈወሰ ዓይኒ ስውር ዝበሎ ቓል’ዩ (ዮሃ 9፡32)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ነቲ ገባር ተኣምራት ዝዀነ ጐይታ ኽብሪ ዚህብ ቅኑዕን ክቡርን ተኣምኖ’ዩ። በቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ድንቂ ተኣምር ዘየስተንክርን ብዛዕባኡ ንጐይታ ዘየኽብርን ህዝቢ፡ መንፈሳዊ ድንዛዘ ዘለዎ ህዝቢ’ዩ። ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ናይ ህዝቢ እስራኤል መራሕቲ ሃይማኖት ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ወዲቖም ስለ ዝነበሩ፡ በቲ ዝተገብረ ምሕረታዊ ተኣምራት ኣብ ክንዲ ዚሕጐሱ፡ ብሰንበት ኣመኽንዮም ነቲ ዝሓወየ ውልቀ ሰብ ኬጨንቑ፡ ነቲ ፈዋሲ ኸኣ ኬካፍኡን መኽሰሲኡ ዚኸውን ነጥብታት ንምእካብ ኪሃልኩን መረጹ። ኣብ’ቲ ናይ 2ቈረ 4፡1-12 ንባብና ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቲ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣምላኽ ዝዀነ ድያብሎስ፡ ነዒንቲ ልቦናኦም ኣዒርዎን ደፊንዎን ከም ዝነበረ ዜረጋግጸልና’ዩ (2ቈረ 4፡3,4)። ኣብ’ቲ ናይ ግብ 4፡1-24 ንባብና’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ቅዱሳን ሃዋርያት ብስም ክርስቶስ ዝፈወስዎ ኻብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ለሚሱ ዝተወልደ ሰብኣይ፡ ኣይሁድ ዝፈጠርዎ ዕግርግር ዚትርኽ’ዩ (ግብ 3፡1-10)። ኣብቲ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያት ሃዋርያትን ዝተሃንጸ ቤተ ክርስትያን ካብ ሃለወትና፡ እቲ ኣብ ሃዋርያትን ብሃዋርያትን ዝተገልጸ ናይ ፈውሲ ጸጋ ኣባናን ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ኪዓስል፡ ከም ፍቓዱ ጌርና ብምሉእ እምነት ክንጽልይ እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ 1ዮሃ 5፡11-21 ንባብና ኣተባቢዑና ኣሎ።
መሪሕ ጥቕስና እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፧ ብኸመይን ንምንታይን ኢና ተስፋ ዘይንቐብጽ፧ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ብጾቱን ዚወርድ ዝነበረ ጸበባ ብዝተፈላለየ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ። ብዅሉ ወገን ብርቱዕ ጸቕጢ ይወርዶም ነይሩ። ካብ ዝኣተውዎ ቤትን ከተማን ብብርቱዕ ድፍኢት ይስጐጕ ነበሩ። እዚ ዅነታት’ዚ ኣዝዩ ዓቕልኻ ዜጽብብን፡ ‘ትገብሮ ኽሳዕ ዚጨንቀካ ዚገብር ኣዝዩ ኽፉእ ሃለዋት’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሕሱም ሃለዋት እምብዛ ኺጸብበካን ተስፋ ኽትቈርጽን ባህርያዊ ግብረ መልሲ’ዩ ዚመስል። እዚ ዅነታት’ዚ ድማ ኣብ መበቈሎም ዝዀነት ሃገሮም እስራኤል ኣይኰነን ዝጋጠም። ጣኦታት ኣብ ዜምልኹ፡ ናይ ሰብ መስዋእቲ ኣብ ዚስውኡ ኣረማውያን ኣህዛብ ኣብ ዘለውዎ ሃገራት’ዩ ዜጓንፎም ዘሎ። ነቲ መሪር ሃለዋቶም ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ደጋጊሙ ተዛሪቡሉ’ዩ።
“ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና’ኳ ኽሳዕ ‘ንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሓብኣልኩም ኣይንፈትውን ኢና። . . . ምት ከም ዝተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ።” 2ቈረ 1፡8,9
ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት ድሕሪ ዅላቶም ኴንና፡ ከም’ቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና ይመስለኒ። ስለ’ዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቂ ኴንና ኣለና። ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ፡ . . . ሕማቓት . . . ሕሱራት ኢና። ክሳዕ ሕጂ ንጠምይን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣለና፡ ማሕደር ዘይብልናን። ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣለና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ እናተሓመይና ንምዕድ ኣለና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ (ኵሉ ሰብ) ጐድፍን ኴንና ኣለና።” 1ቈረ 4፡9-13
“. . . ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ናብ ሞት ዝበጻሕኩ’የ። ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓ ሓደ ጐደል (39) ተገሪፈ። ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ (ስለ እተሰብረት)፡ ለይትን መዓልትን ኣብ’ቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሓዲረ ወዓልኩ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ (ጓኖት) ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት-ሓሶት ብፍርሃት ዝነበርኩ። . . . ብጥምየትን ብጽምእን . . . ብቝርን ብዕርቃንን (እነብር) ነይረ።” 2ቈረ 11፡23-27
ቅዱስ ጳውሎስ ዘይጠቐስናዮ ብዙሕ ካልእ ጸበባ’ውን ዘሕለፈ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ። ብኸም’ዚ እናሓለፈ ኸሎ ኸኣ’ዩ፡ “ኣይጸብበናን’ዩ፡ ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና” ዚብል ዘሎ። ንኣና ዜጋጥመና ጸበባ ብዓይነቱ ዀነ ብኽብደቱ ምስ’ዚ ናቱ ጸበባ እንተ ዚወዳደር፡ ንምዃኑ ናብ ሓደ ሚእታዊት ገጹ ምተጸግዐዶ፧ ይትረፍ ምሉእ ተስፋ ኽንገብር፡ “ተስፋ” ዚብል ቃል ሰሚዕና ዘይንፈልጥ እንመስለሉ እዋናት ግን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ውሽጢ’ዚ መሪር ሃለዋት’ዚ ዀይኑ ንምንታይ ተስፋ ኸም ዘይቀበጸ፡ ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ዝሓደረ “ዓብዪ ሓይሊ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ” ናይ ኣምላኽ በቲ ማእለያ ዘይብሉ ጸበባ ዓቕሊ ኸየጽብቡን ተስፋ ኸይቈርጹን ከም ዘኽኣሎም’ዩ ተኣሚኑ። ንግደ ናይ’ዚ ዓብዪ ሓይሊ ንምግላጽ ምእንቲ ኺሕግዞ ድማ፡ ነቲ ተፈጥሮና “ኣቕሓ መሬት” ብምባል ገለጾ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ስራሓት ካይላ” (Ceramics) ኢና ማለት’ዩ ብሓቂ ድማ እግዚኣብሄር ኪፈጥረና ኸሎ ኻብ ሓመድ ምድሪ ስለ ዝፈጠረና፡ ኣቕሓ-መሬት ኢና። ኣብ ባህልና ኣቕሓ መሬት እንብሎም፡ ጻሕሊ፡ ዕትሮ፡ ቍራዕ፡ ጣሳ፡ ገንኢ፡ ሳርማ . . . ወዘተ ዝኣመሰሉ’ዮም። እዚ ኣቓሑ መሬት’ዚ ጸቕጢ፡ ጐንጺ ምውዳቕ ኪጻወር ኣይክእልን’ዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጠሞ፡ ዳግማይ ኪጽገን ከም ዘይክእል ኰይኑ’ዩ ዚሕምሽሽ። ንሕና ድማ፡ እግዚኣብሄር በቲ መስተንክር ከኣልነቱ ህይወት ስለ ዝሰዅዓልና ኢና’ምበር ኣቕሓ መሬት ኢና። ዋላ’ዚ ኣብ ከተማታት እነዘውትሮ እምብዛ ዝተመላኽዐ፡ ኪወድቕን ኪጕነጽን ከሎ ዚሕምሽሽ ኣቝሑ’ውን ኣቕሓ መሬት’ዩ እቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ፡ በቲ ኣብ ህይወቱ ዜጋጥሞ ኸበድቲ ጸገማት መንፈሱ ዀነ እምነቱ ኸይተሓምሸሸ ብጽንዓት ደው ኪብል ዜኽእሎ፡ ናቱ ናይ ገዛእ ፍጥረቱ ባህርያዊ ሓይሊ ዘይኰነስ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ኣብኡ ዜሕድሮ ዓብዪ ሓይሊ’ዩ። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ንሃዋርያዊ ዕዮ ኺልእኮም ከሎ፡ ክሳዕ ሞት ዚበጽሕ ብዙሕ መከራ ኸም ዜጋጥሞም ኣግሂዱ ይነግሮም ነበረ። ብዘይ ኣምላኻዊ ሓይሊ ኺጻወርዎ ኸም ዘይክእሉ ንኼፍልጦም ግን፦
“እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰድደልኩም’የ፡ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ ‘ትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ። ኢሉ ኣዘዞም (ሉቃ 24፡49)። ምኽንያቱ ነቲ ዝተዋህበካ ተልእኾ ንምፍጻም ኰነ ነቲ ዚገጥመካ ዅሉ ፈተናታት ንምስዓር፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ’ዚ ድኹምን ተሰባርን ስጋኻ ኺሓድር ናይ ግድን’ዩ። ናይ መሪሕ ጥቕስና ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ምበኣር፡ ነዚ’ዩ ዚመስል።
እዚ ቓል’ዚ’ሞ ንሃዋርያት ጥራሕ ዚምልከትዶ ኣይኰነን፧ ንሕና’ውን ነቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ፈተናታትና ንኽንስዕሮ ናይ ግድን ሓይሊ ኣምላኽ የድልየና ድዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌ 2፡19,20 ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ንሕና ክርስትያን፡ ኣብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕና፡ ደቂ ዓዶም ንዅሎም ቅዱሳንን ስድራ ቤቱን ንኣምላኽን’ምበር፡ ካብኣቶም ዝተፈለና ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንናን። ብምስጢረ ጥምቀት ካብ ማይ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ካብ መንፈስ ቅዱስ ተወሊድና፡ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ዝዀንና ኢና (1ቈረ 6፡15,19,20 ፣ 12፡12,13,24-27 ፣ ገላ 3፡26-28)። እምበኣር ሳላ’ቲ ዝተቐበልናዮ እምነት፡ ምስ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ኣብ ሓደ መንፈሳዊ ህንጻ ዝተነደቕና፡ ኣካላት ናይ’ቲ ሓደ ሰብነት ክርስቶስ ስለ ዝዀንና፡ ኵሉ’ቲ ብዛዕባ ሃዋርያት ዝተባህለ ንኣና’ውን ይምልከተና’ዩ። ኣብ’ዛ ብሰይጣን እትግዛእ ውድቕቲ ዓለም ዕዉት መንፈሳዊ ህይወት ኪህልወና እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ንሃዋርያት ዝተዋህበ ዓብይ ሓይሊ ንኣና’ውን ናይ ግድን’ዩ ዜድልየና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ምልኣት መንፈስ ቅዱስን ምልኣት ሓይሊ ኣምላኽን እንጽገወሉ ምስጢረ ሜሮን ዝተሰርዓልና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ዅነታት ተስፋ ኸይንቐብጽ፡ ከይንሕለል፡ ልዕሊ መጠን ከይንጕህይ፡ ሰላምና ኸይዝረግ ዜኽእለና፡ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚወሃበና፡ ንዅሉ ዅነታት ዚስዕር ዓብዪ ሓይሊ ናይ ኣምላኽ’ዩ። ንልብና ዚሰብርን ኣዝዩ ዜጕህየናን ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ንልብና ይመልኦ’ሞ፡ ካብ’ቲ ሃሳዪ ጓሂ የናግፈና (ዮሃ 14፡16,26 ፣ 15፡26 ፣ 2ቈረ 1፡3-7 )። ንሰላምና ዘሪጉ ዚርብሸናን ዜጨንቐናን ኵነታት ኪፍጠር ከሎ፡ ነቲ ዓለም ዘይብላን ክትህቦ ዘይትኽእልን ሰላም ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ዜፍስሶ፡ መንፈስ ቅዱስ’ዩ (ዮሃ 14፡27 ፣ ቈሎ 3፡15)። ካብ’ቲ ጭንቀትን ሽበራን የህድኣና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ፍሉይ ሓጐስን ምስጋናን ይመልኣና (ፊል 4፡4-7 ፣ ኤፌ 5፡20 ፣ 1ተሰ 5፡16-18)። ቅዱስ ጴጥሮስ ሓይሊ ኣምላኽ ቅድሚ ምቕባሉ፡ ኣዝዩ ፈራህን ተሸባርን ሰብ’ዩ ዝነበረ። መንፈስ ቅዱስ በቲ ማእለያ ዘይብሉ ዓብዪ ሓይሊ ምስ መልኦ ግና፡ ንጸላእቱ ብዘገረመ ትብዓት ተመልአ። ኣርባዕቲኡ መሓውሩ ብሓጺን ተመቝሑ፡ በበርባዕተ ዀይኖም ብእብረ (Shift) ዚሕልውዎ 16 ዓቀይቶት ተመዲቦምሉ ኣብ መንጎኦም ደቂሱ ንጽባሒቱ ኺስየፍ እናተጸበየ ኸሎ፡ ከመይ ዝበለ ልዋም ድቃስ ወሲድዎ በጥ ኢሉ ሓደረ (ማቴ 26፡1-35, 69-75 ፣ ግብ 4፡13 ፣ 5፡40-42 ፣ 12፡2-7)። ሞት ዝተፈርዶ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ዝወደቐ ሰብ ዘይተሸበረን ተስፋ ዘይቀበጸን ደኣ፡ መን ካልእ ኺሽበርን ኪቐብጽን ምተገብኦ፧ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኣብ ኣቕሓ መሬት ምስ ዚሓድር ግን፡ ከም’ዚ ዝበለ መስተንክር ታሪኽ’ዩ ዚሰርሕ። ሓይሊ ኣምላኽ ዘይሓደሮ ባዶ ኣቕሓ መሬት ግና፡ ብዝመጸ ዓይነት፡ ዚጠቅም ኰነ ዘይጠቅም ጸቕጥን መከራን ብቐሊሉ ኺሕምሸሽን ተስፋ ኪቐብጽን፡ ዘይዝረብ ኪዛረብ፡ ዘይግበር ኪገብር፡ “ከምዝስ ናብራ ኣይኰነን” ዜብል ናብራ’ዩ ዚነብር።
ናይ’ቲ ዓቕሊ ጽብበትን ቅብጸት ተስፋን ዚጽየፍ ሰብ መገዲ’ምበኣር ኣዝያ ንጽርትን ጽርግትን’ያ። ናይ ኵነታት ለውጢ ወይ ናይ ናብራ መለሳ ኣይኰነን ዚምነይ። ነቲ ልዕሊ ዅነታት ጸብለል ዜብሎ ሓይሊ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ ዚብህግ። ልክዕ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ ስእነት፡ ሕማም፡ መከራ ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኺበዝሓሉ ይብህግ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣዝዩ ዜሳቕዮ ከም ግራጭ ኣብ ስጋኡ ዝተሰዅዐ ሕማም ምስ ኣሳቐዮ፡ ደጋጊሙ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ጐይታ ድማ ኺፍውሶ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓይሊ ጸጋ ኺህቦ ኸም ዚደልይ ምስ መለሰሉ፡ ኣተሓሳስባን ቃላትን ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣዝዩ ተለወጠ።
“ ‘ነዚ ስቓይ’ዚ ካባይ ኣርሕቆ’ ኢለ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ሓይለይ ኣብ ድኻም (ኣብ ሕማም)’ዩ ዚግለጽ’ሞ ጸጋይ ይኣኽለካ’ በለኒ። ስለ’ዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ (ብሕማመይ) ክምካሕ’የ፡” 2ቈረ 12፡8,9 ካ.ት
ብዛዕባ’ቲ ዜጋጥሞ ስእነት ኰነ ርኽበት ንሰብ ፊልጲ ኣብ ዝጸሓፎ ዜገርም ቃል’ውን፡ ግደ ሓይሊ ኣምላኽ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። “እዚ ዝብል ዘለኹ ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኰነን፡ (ምኽንያቱ) በቲ ዘሎኒ ‘ተመስገን’ ምባል (‘ይኣኽለኒ’ ምባል) ተማሂረ’የ። ትሕት ምባል እፈልጥ’የ፡ ሕልፍን ትርፍን ዘሎካ ምዃን’ውን እፈልጥ’የ። ኣብ ጽጋብ ኰነ ኣብ ጥምየት፡ ብሃብቲ ዀነ ብድኽነት፡ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ’የ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ክርስቶስ ንዅሉ እኽእሎ’የ።” ፊል 4፡11-13 ካ.ት
እቲ ተዋሂቡና ዘሎ ሃዋርያዊ ኣርኣያ’ምበኣር፡ ነዚ’ዩ ዚመስል። “ድኻመይ፡ ሕማመይ፡ ድኽነተይ፡ ማእሰርተይ፡ ጸበባይ ስድደተይ ኣርሕቐለይ” ኢልካ ንእሽቶ ነገር ካብ ምልማን፡ “ነቲ ዜኽእል ሓይልኻ ኣልብሰኒ፡ ብሓይልኻ ንዅሉ ኣኽእለኒ፡ ኣባይ ኣብ ኣቕሓ መሬት ነቲ ዓብይ ሓይልኻ ኣንብር” ኢልና ዝዓበየ ነገር ክንልምን’ዩ ዚግባእ። ምኽንያቱ ሎሚ ኻብ ሓደ ማሕበራዊ ጸገም እንተ ኣምለጥና፡ ጽባሕ ናብ ካልእ ማይ ዘይጠዓመ ጸገም ክንወድቕ ንኽእል ኢና። ስለ’ዚ ኢና ንዅሉ ጸበባ ዜረብርብ ሓይሊ ኣምላኽ ክንልምን ዚግብኣና። ሓይሊ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት ግና፡ ዓቕሊ ጽብበትን ቅብጸት ተስፋን መለለዪ ህይወቱ ኽሳዕ ዚኸውን’ዩ ዚዕብል’ሎ። እቲ ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ኢሳ 40፡27-31
“ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” ኢልዎ ዘሎ ቓል ሓይሊ ኣምላኽ ዘሎካን ዘይብልካን ምዃን ዘለዎ ለውጢ ዜመልክተና’ዩ።
ተስፋ ምቕባጽ’ሞ እንታይ ጸገም ኣለዎ፧ ባህርያዊዶ ኣይኰነን፧ ተስፋ ምቕባጽዶ ሓጢኣት’ዩ፧ እንታይ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ ድዩ፧ ተስፋ ምቕባጽ እቲ ዝዓበየ ጸገምን እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣትን ምዃኑ ዘይምፍላጥና እምብዛ ይጐድኣና ኸም ዘሎ ዘይከሓድ’ዩ። እዚ ሓጢኣት’ዚ እምብዛ ዚኸብድ ድማ ኣብ’ቲ “ብኣምላኽ ዝኣምን ክርስትያን’የ” ዚብል ሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ተስፋ እንቐብጽ ብዛዕባ ኣምላኽ’ምበር፡ ብዛዕባ ኻልእ ኣይኰነን። ኣፍና ኸፊትና ብድፍረት “ንኣምላኽ ቀቢጸዮ’የ” ስለ ዘይንብል’ዩ’ምበር፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ልብና ወዲእናዮ ብግብሪ ድማ ድሮ ፈጺምናዮ ኢና። “ንቕብጸት ተስፋ ብመልክዕ ቃላት ግለጽዎ” ዚብል ዕዮ ገዛ እንተ ዚወሃበና፡ “እግዚኣብሄር ኪረድኣኒ ኣይደልን’ዩ፡ ኪረድኣኒ’ውን ኣይክእልን’ዩ፡ ኵነታተይ ልዕሊ ዓቕሙ’ዩ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ይበጽሓኒ ኸም ዘሎ’ኳ ኣይፈልጥን’ዩ ወዘተ” ዚብል’ዩ። እዚ ቕብጸታዊ ኣተሓሳስባ’ዚ ስቕ ኢሉ ሓሳባት ጥራሕ ኰይኑ ዚተርፍ ኣይኰነን። ናብ ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ መንፈሳውን ስጋውን ውድቀት’ዩ ዜብጽሓና። ጸሎት ነቋርጽ፡ ነቲ ምንጪ ዅሉ ተስፋ ዝዀነ ቓል እግዚኣብሄር ምንባብን ምእዛዝን ይተርፍ፡ ብመሰረቱ እምነትና ደርቢና ንድሕሪት ናብ ክሕደት ንምለስ፡ ናይ ኣምላኽ መተካእታ ዚዀኑና ናይ ከንቱ ተስፋ ምንጭታት ሃሰው ምባል ንጅምር። ንኣብነት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ተስፋ ዝቐበጸ ሰብ፡ ናብ ጠንቈልትን እስማተኛታት ብምኻድ በቶም ናይ ሞትን ጥፍኣትን መናፍስቲ ተስፋ ኺገብር ይጅምር። ንጉስ ሳኦል ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ቝመና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጠንቈልቲ ኻብ ሃገሩ ፈጺሙ ዘጽነተ መንፈሳዊ ጅግና’ዩ ዝነበረ። ብሰሪ ዘይምእዛዙ ምስ ኣምላኽ ምስ ተባተኸ ግና፡ “ምድሪ ዘቢጥኩም ጠንቋሊት ርኸቡለይ” ዝዓይነቱ ጽኑዕ ንጉሳዊ ትእዛዝ ሃበ። እግዚኣብሀር ድማ በቲ ዓሻ ምርጫኡ’ውን ጥር ‘ትብል ንእሽቶ ተስፋ’ኳ ኸም ዘይረክብ ገበሮ። ቅብጸት ተስፋ ሕሱም’ዩ፡ ዝኸፍአ’ምበር ዝሓሸ ኽትመርጽ ኣየፍቅደልካን’ዩ። ቅብጸት ተስፋ፡ እኩያት መናፍስቲ ዜስርጹልካ ጨሪሱ ዚበጣጥስ መርዚ’ዩ። እዞም ኵሎም ርእሰ ቕትለት ዚፍጽሙ ሰባት፡ ነቲ ዚርብጾም ዘሎ ዅነታት ተስፋ ምስ ሰኣኑሉ፡ ተስፋኦም ኣብ ሞት ምግባር ዝመረጹ’ዮም (እዮ 11፡20)። ኣብ ሞት’ሞ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧ ንስጋኻ ፍልሖ ንነፍስኻ ድማ ኣጋንንቲ ኣብ ሲኦል ይጻወቱላ’ምበር፡ ካብኡ ዚሓይሽ ሃለዋት ብርእሰ ቕትለት ኣይርከብን’ዩ። እስራኤላውያን ብዚጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያት ተስፋ ንምቝራጽ ዚህወኹ ህዝቢ’ዮም ነይሮም። እዚ ቕብጸት ተስፋ’ዚ ድማ ንኣምላኽን ንሰብን ብዜሰክሕ ምጕርምራም መልኦም፡ እግዚኣብሄር “ክሳዕ መዓስ’ዮም ዚንዕቁኒን፧ ዘይኣምኑኒ፧” ብምባል ብኣታቶም ይጕህይ ነበረ። ኣብ ምጕሃይ ከይተደረተ ኸኣ ብመሪር ፍርዲ ይቐጽዖም ነበረ። ቅብጸት ተስፋ ደረት የብሉን፡ ደረቱ ሲኦልን ገሃነምን ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ፍረ፡ ካልእ ታሪኽ ከም ዘይህልወካ ዚገብር’ዩ።
እቲ ቕብጸት ድማ ኣብ’ታ ናብኡ ዝደፍኣትካ ቐንዲ ጒዳይ ጥራሕ ኣይድረትን’ዩ። እታ ተስፋ ዘቕበጸትካ ሓንቲ ጕዳይ፡ ንምሉእ ህይወትካ ኽትውክል ኣይትኽእልን’ያ። ንኣብነት ብሞያኡ ስራሕ ዝሰኣነ፡ ኣብ ትምህርቱ ዘይተዓወተ፡ ኣብ ሓዳሩ ስኒት ዝሰኣነ፡ ዋኒኑ ዘይሰመረሉ (ዝኸሰረ) ጥዕናኡ ዘንቈልቈለ ሰብ፡ ብኽቱር ቅብጸት ተስፋ ነቶም ካልኦት ኣማራጺታት ምርኣይ ክሳዕ ዚስእን ኣእምሮኡ ይድፈን’ሞ፡ ብምኽንያት’ታ ዝገጠመቶ ሓንቲ ጸገም ብዛዕባ ዅሉ ነገር ተስፋ ይቘርጽ። ከም’ቲ ናይ ኣካላት መንሽሮ (ካንሰር) እናለሓመን እናስፋሕፍሐን ኣብ ጥቕኡ ንዘለውን ኣብ ርሑቕ ንዘለውን ኣካላት ዜጥቅዕ፡ ቅብጸት ተስፋ ድማ ናይ ነፍሲ መንሽሮ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓንቲ ጕዳይ ጥራሕ ኣይድረትን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ንቕብጸት ተስፋ ዚኸውን ዝዀነ ነቓዕ ኪህልወና ኣይግባእን’ዩ። ከም ነብዪ ኢሳይያስ፡-
“ኣነስ ነቲ ኻብ (ህዝቢ እስራኤል) ገጹ ዝሓብአ እግዚኣብሄር እጽበዮ፡ ብእኡ’ውን (ገና) ተስፋ እገብር ኣለኹ።” ዜብል ጽንዓት ከነጥርይ ይግብኣና (ኢሳ 8፡17)። ነብዪ ሚክያስ’ውን፡ ነቲ ንሱ ዀነ ህዝቡ ዝነበርዎ ኽፉእ ሃለዋት ኣብ ሚክ 7፡1-6 ዘርዚሩ ድሕሪ ምግላጹ፦ “ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፡ ኣምላኸይ’ውን ኪሰምዓኒ’ዩ። ኣቲ ጸላኢተይ፡ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ’የ፡ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩ’ውን፡ እግዚኣብሄር ብርሃነይ’ዩ’ሞ፡ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ፡ ንእግዚኣብሄር በዲለዮ’የ’ሞ፡ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዚሕዘለይ፡ ፍትሒ’ውን ክሳዕ ዜውጽኣለይ ንቝጥዓኡ ኽጽመሞ’የ፡ ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ’ዩ፡ ጽድቁ’ውን ክርእይ’የ። ሽዑ’ታ፡ ‘ኣበይ ኣሎ ኣምላኽካ’ ዝበለትኒ ጸላኢተይ ክትርእዮን ሕፍረት ክትኽደንን’ያ። (ከምኡ ኽትከውን ከላ) ኣዒንተይ ኪርእያኣ’የን።” ብምባል ረብሓን ሓይልን ናይ ተስፋ ኣርእዩና ኣሎ (ሚክ 7፡7-10)።
እምበኣር ንተስፋ ብዚምልከት ህይወትና ኸመይ ከም ዘላ ብዕቱብ ንመርምር። ነዛ ሓጻር ዕድመና ቀበጽቲ ዘይኰነስ ዓቀብቲ ተስፋኦም ኴንና ንሓልፋ ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ነገሩ “ብዘይ ኣእጋር ኣሰጋጋር (የለን)” እዩ’ሞ፡ ነቲ ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት ተስፋና ኣጽኒዕና ኽንሕዝ ዜኽእለና ሓይሊ ኣምላኽ ለቢስናዮ ምህላውና ነጣልል። ብዚጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያት ተስፋ እናቐበጽና፡ እግዚኣብሄር ኪቐብጸና ኣይንፈታተኖ። እቶም ቀበጽቲ ተስፋ፡ ንርእሶም ተስፋን ድራርን ናይ ድያብሎስ’ዮም ዚዀኑ። ኣሰር ኣቦታትና ሃዋርያት ስዒብና “ተስፋ ኣይቐብጽን’የ” እናበልና፡ ንድያብሎስ ተስፋ ነቕብጾ። ተስፋ መልሕቕ ነፍሲ’ያ’ሞ ኣብ’ዛ ማዕበል ዚበዝሓ ዓለም፡ ተስፋ-ኣልቦ ንዘይምዃን ንጠንቀቕ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
8 ታሕሳስ 2024 | ሕዳር 29, 2016 ግዕዝ (መበል 13 ሰንበት: ቊ.፲፫/13) |
||
ምስባክ መዝ.፮፡፫-፬ “ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።” ዓዲ፡ መዝ.፬፡፪፣፫ “ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 4፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 5፡11-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 4፡14-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 9፡13-25 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ይቤሉ እስራኤል |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ