“ኣምላኽ ዚባላዕ ሓዊ’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ (ኻብኡ) ‘ንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ኣኽብሮትን ብፍርሃት (ኣምላኽን) እና’ገልገልና (ንእግዚኣብሄር) ነመስግን።” እብ 12፡28,29 (መዝ 146፡2)
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመን ኣስተምህሮን (ሕዳ 6-ታሕ 6) ካልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያትን’ዩ (ሕዳ 15-ታሕ 27/28)። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቘጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሕዳር 20 ኽሳዕ ሕዳር 26 ዘሎ ናይ ጾመ ነብያት ቅንያት፡ “ምኵራብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ተደጋጊሙ ኸም ዚንገረና፡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይ ምኵራብ ሰንበታትን ቅንያትን’የን ዘለዋና። ቀዳመይቲ እዚ ዘለናያ ሰንበትን ቅንያትን ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ሳልሰይቲ ሰንበትን ቅንያትን ናይ’ቲ ርእሰ-ኣጽዋማት ዝዀነ ዓብይ ጾም’ያ። “ምኵራን” ማለት “ቤት ጸሎት” ማለት’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ናይ “ምኵራብ” ቅንያት ዝሰርዓትሉ ዕላማኣ፡ ነቲ ጐይታና ናብ ቤት መቕደስን ናብ ኣብያተ ጸሎትን እናኸደ ብዛዕባ ዝሃቦ ትምህርትን ኣብኡ ዝፈጽሞ ናይ ምሕዋይ ተኣምራትን ካልእ ኵሉ ኣገልግሎትን ንምዝካር’ዩ። ምኵራብ (ቤት ጸሎት)፡ ኣይሁድ ኣብ ዘመን ምርኮኦምን ስድደቶምን ዘተኣታተውዎ ጽቡቕ ልማድ’ዩ። ካብ ሃገሮም ስለ ዝረሓቑን፡ ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ዘይፍቀደሎምን፡ ነቶም ባዕላቶም ዝተሰደዱ ድማ ልዕሊ ዓቕሞምን ስለ ዝነበረ ዳርጋ ኻብ’ቲ ሃይማኖቶም ተበቲኾምን ተፈልዮምን ነበሩ። ነቲ ኣብ ቤት መቕደስ ናይ ኢየሩሳሌም ጥራሕ ዚፍጸም ኵሉ ስርዓተ ኣምልኾኦም’ኳ ኺፍጽሙ እንተ ዘይከኣሉ፡ ብውሑድ ተኣኻኺቦም ቅዱሳት ጽሑፋት ኬንብቡን ብሓባር ኪጽልዩን ምእንቲ ኪኽእሉ፡ “ቤት ጸሎት (ምኵራብ)” ዝሰመይዎ ህንጻታት ይሰርሑ ነበሩ። ኣብ ኣስመራና’ኳ ብሸነኽ ምዕራብ ናይ መርካቶ እትርከብ ናብ ምብራቕ ገጻ እትጥምት ሓንቲ ቤት ጸሎት ኣላ። እቶም ኣብ ሃገሮም ዝተረፉ ኣይሁድ ግና፡ ዋላ’ኳ ናብ’ቲ ቤት መቕደስ ናይ ምኻድ ዕድልን ግዴታን እንተ ነበሮም፡ መዓልታዊ ዚረኽብዎ ዕድል ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ከከባቢኦም፡ ኣብ ማእከል ኢየሩሳሌም ከይተረፈ፡ ኣብያተ ጸሎት እናሰርሑ ናይ ትምህርትን ጸሎትን መደባት እናሰርዑ ይግልገሉ ነበሩ። እቶም ኣብ’ዚ ኣብያተ ጸሎት’ዚ ዜገልግሉ ዝነበሩ መራሕትን መምህራንን ናይ’ቲ ኣብያተ ጸሎት’ዚ ዜገልግሉ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኣገልገልቲ፡ ብግብዝነት ዝተበላሸው፡ ብመንፈሳዊ ዑረት ዝተጠቕዑ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ህዝቢ “ኻብ’ዚ ኣብያተ ጸሎት’ዚ ብዙሕ ይጥቀም ነይሩ” ኽትብል ኣጸጋሚ’ዩ። እቲ ብርሃን ዓለም ኰይኑ ዝተገልጸ ጐይታናን መድሓኒንን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ናብ’ዚ ስፍራ ጸልማት’ዚ እናኸደ የስተምህር፡ ብርሃን ወንጌል የብርህ፡ ኣጋንንቲ የውጽእ፡ ሕሙማት ድማ ይፍውስ ነበረ። በዚ ተግባሩ’ዚ ድማ ኣብያተ ጸሎትን ኣገልገልቱን እንታይ ኪመስሉ ኸም ዚግባእ ግብራዊ ኣርኣያ ይህብ ነበረ (ማቴ 10፡1)። እቶም ንኣሰር ኣርኣያኡ ዚስዕቡ ዝነበረ ቕዱሳን ሃዋርያት’ውን፡ ኣብ ዝኣተውዎ ዅሉ ሃገራትን ከተማታትን እናኸዱ፡ ኣብ ኣብያተ ጸሎት የስተምህሩን ሃዋርያዊ ተልእኾኦም ይፍጽሙን ነበሩ (ግብ 8፡5)። ኣብ’ዚ ኣብያተ ጸሎት’ዚ ብወንጌል ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ብዙሕ ውርደትን ተቓውሞን ይበጽሖም’ኳ እንተ ነበረ፡ መከራ’ውን ጽውዓኦም ስለ ዝነበረ ይሕጐሱሉ’ምበር፡ ይዕንቀፉ ኣይነበሩን። ቤት ጸሎት፡ ዚግረፉሉ ናይ ስቓይ ቦታኦም’ዩ ዝነበረ (ማቴ 10፡17,18 ፣ 23፡34)። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዘመነ-ምኵራብ ዝሰርዓትሉ ምኽንያት፡ ነዚ ቕዱስ ገድሊ’ዚ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦን ከነስተንትኖን ብዛዕባ’ዚ ምሕረታዊ ኣገልግሎት’ዚ ድምስ ንኣምላኽ ምእንቲ ከነመስግኖ’ዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ’ዚ ብመልክዕ ንባብ ንግልገለሉ ዘለና ኽፍልታት ናይ ወንጌል፡ ኣብ ቤት መቕደስን ኣብ’ዚ ኣብያተ ጸሎትን ዝተዘርበን ዝተገብረን’ዩ። ኣብ’ዚ ዘመንና’ዚ ናብኡ ኼድና እነገልግለሉ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ኣብ ከባቢና ኸይህልው ይኽእል’ዩ። ኣብያተ ጸሎት ተኺልና ግን ሰንበት መጸን በዓል መጸን ተኣኻኺብና ነገልግልን ንግልገልን ኣለና። ንሕና’ውን ኣገልግሎትና ነቲ ናይ ፈሪሳውያን መሲሉ ኸይተርፍ፡ በቲ ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዘገልገሉሉ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተሰነየ ህያው ኣገልግሎት ነገልግል ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ።
ነዚ ናይ ጾመ ነብያት ናይ ምኵራብ ንኡስ ክፍለ ዘመን’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር “ሰንበት”፡ ኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ” (ኣምላኽ ፍጹም ብህላዌኡ) ዘርእስቱ’ዩ። እግዚኣብሄር ብህልውናኡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ፡ ኣብ መወዳእታውን ንዓለም ዚፈርድ ዘለኣለማዊ ምዃኑ፡ ብዅሉ ኸኣልነቱ ንኽብሩ ኢሉ ንሰማያትን ንዓለምን ዝፈጠረን፡ ንባሕርን ማዕበላቱን ዚግስጽ፡ ንዅሉ ፍጥረት’ውን ዚግስጽን ዚዳንይን፡ ንሰንበት ዝቐደሰ ኣምላኽ ምዃኑ ዚገልጽ መዝሙር’ዩ። ነቶም ዜፍቅርዎ ንዘዳለዎ ኣኽሊል ዓወት ንኽንወርስ፡ ናብ’ዚ ኣምላኽ ጽድቅን ማሕደር ንጹሃትን ዝዀነ እግዚኣብሄር ክንቀርብ፡ ይምሕጸን። እቶም ንጐይታኦም ዜፍቅርዎ፡ ብጸጋን ብሃይማኖትን ጸኒዖም፡ ብእምነቶም ኣኽሊል ሰማእታት ከም ዝወረሱ፡ እዚ ጐይታ’ዚ ድማ መምህር ቅዱሳንን ኣኽሊል ሰማእታትን ሰያሚ ካህናትን ምዃኑ’ውን ይገልጽ፡ ንዕረፍቲ፡ ሰንበት ከም ዝሰርዐ፡ ሰላሙ ኸም ዝጸገወና፡ ንኖህ ካብ ኣይሂ ኻብ ብዙሕ ማይ ከም ዘድሓኖ ብምግላጽ ንኣምላኽ ስብሓትን ምስጋናን የቕርብ። እዚ ዅሉ ድማ ብጊዜ ዀነ ብቦታ ብህላዌኡ ፍጹም ስለ ዝዀነ ዚገብሮ’ዩ።
እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ናይ ማቴ 8፡23-24 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ፍጹም ስልጣኑ ንማዕበል ባሕሪ ገሲጹ ብምህዳእ ንሕሱማት ኣጋንንቲ ገሲጹ ብምውጻእ ነቲ ግዳዮምን ነቲ ኸባብን ሰላም ከም ዝጸገወ ዚትርኽ ክፍሊ ወንጌል’ዩ። እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ’ውን፡ በቲ “ኻብ ህዝብኻን ካብ’ቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከነግፈካ’የ” ኢሉ ዝኣተወሉ ቓል መሰረት (ግብ 26፡17)፡ ካብ’ቲ ብህዝቡ ዝተላዕለ ብርቱዕ ናዕቢ (ማዕበል) ናይ ተቓውሞ፡ ከመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖ ዚትርኸልና’ዩ። እቲ ናይ ያእ 3፡1-10 ንባብ’ውን፡ ንባሕርን መራኽብን ከም ኣብነት ጠቒሱ፡ ብዛዕባ’ታ ህውከተኛን ማዕበላዊትን ልሳንና ግሩም ሃዋርያዊ ኣስተምህሮ ሂቡና ኣሎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምንጪ ትምህርትና ዀይኑ ዘሎ ናይ እብ 12፡22-29 ንባብና’ውን፡ ነቲ ገና ኣብ ምድሪ እናሃለና ናብ ሰማይ ዘብጽሓና፡ ኣብ’ዛ እተንቀጥቅጥ ዓለም ኴንና ነታ ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቱ ኸም ዘውረሰና ብምብሳር፡ ብኸመይ ከነመስግኖ ኸም ዚግብኣና ገሊጹልና ኣሎ።
እዞም ቅዱስ ጳውሎስ ኬመስግኑ ዚእዝዞም ዘሎ እብራውያን ሰዓብቲ ክርስቶስ ኬመስግኑሉ ዚኽእሉ ሃለዋት ነይርዎም ድዩ፧ ንምንታይ’ዩ ኼመስግኑ ዜተባብዖም ዘሎ፧ ብርግጽ እዞም እብራውያን ሰዓብቲ፡ ብኣዝዩ ኸቢድን መሪርን መከራ ዚሓልፉ ዝነበሩ ሰባት’ዮም። ካብ ክብደት ናይ’ቲ መከራኦም ዝተላዕለ፡ ካብ’ቲ በጺሖምዎ ዝነበሩ ልዑል መንፈሳዊ ብራኸ ናይ ምውዳቕን ንድሕሪት ናይ ምምላስን ሓደጋ ዘንጸላለዎም ሰባት ነበሩ (እብ 10፡26-39 ፣ 12፡1-17 ፣ 6፡4-12 ፣ 2፡1-4 ፣ 12፡25)። እዚ ሰፊሕን ረቂቕን መልእኽቲ’ዚ ናብኣቶም ዝተጻሕፈሉ ዕላማ ድማ፡ ኣብ እምነቶም ኪጸንዑ’ምበር፡ ንድሕሪት ከይመለሱ ንምጥንቃቕ’ዩ። ነቲ ብሰይጣንን ሰዓብቱን ዚወርዶም ዘሎ መሪር መከራ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገብረሎም ዓብይ መንፈሳዊ ጸጋን ክብርን ኪጥምቱ፡ እዚ ተገይሩሎም ዘሎ ዓብይ ምሕረት፡ ካብ’ቲ ዚወርዶም ዘሎ ጸበባ እምብዛ ኸም ዚዓብይን ከም ዚበልጽን ንኼስተውዕሉ ዝተጻሕፈሎም’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ጊዝያዊ መከራ ምስ’ቲ ዘለኣለማዊ መለኮታዊ ኽብሪ ይትረፍ ኪመጣጠንን ኪመዓራረይን፡ ከተወዳድሮ ኢልካ ምፍታን’ውን ከቶ ዘይግባእ ዓሻ ተግባር’ዩ። እንተ ዀነ ደቂ ሰባት መንፈሳውን ስጋውን ተፈጥሮ’ኳ እንተ ሃለወና። ካብ’ቲ መንፈሳዊ ንላዕሊ እቲ ስጋዊ ኣተሓሳስባናን ሚዛንናን ኪዕብልል’ዩ ዚርከብ። እዚ ድማ ሓጢኣት ዝፈጠሮ ድኻምን ምምዝባልን’ዩ። ስለ’ዚ ጣዕምን ምሾትን ኰነ ሕሰምን መከራን ብቐሊሉ ይፍታተናን የሰንፈናን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ናብ’ቲ ቕኑዕ መንፈሳዊ ሚዛኖም ኪመልሶም ይጋደል ነበረ። ምኽንያቱ ምስጋና ሚዛኑ ናይ ዝሓለወ፡ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ቍመና ናይ ዘሎ ሰብ ባህርይን ተግባርን’ዩ። ሚዛኑ ዝሰሓተን ዘበላሸወን ሰብ ግና፡ ምርረትን ቅብጸት ተስፋን ምጕርምራምን ምሕላልን ንድሕሪት ምምላስን ጥራሕ’ዩ ዚፈርይ። ኣርእስትና ምስጋና ናይ ህያዋን ተግባርን ባህርይን ጥራሕ ምዃኑ ዚገልጸልና ዘሎ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
“ምስጋና፡ ግብሪ ህያዋን’ዩ” ማለት ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ እዚ ኣበሃህላ’ዚ እምብዛ ኣይተጋነነንዶ፧ ምንባርና ደኣ ኣይግበሮ’ምበር፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣስ እወ ዅላትና ንነብር ኣለና። ኣናብራ ግን ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። ዘይምምስጋን፡ ናብራ ምውታት’ዩ። ምምስጋን ግን ናብራ ህያዋን’ዩ። ነዚ መንፈሳዊ ምስጢር’ዚ ብመንፈስ ቅዱስ ዝገለጸልና ከኣ እቲ ርእሲ ኵሎም ኣመስገንቲ ዝዀነ፡ እግዚኣብሄር ድማ፡ “ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር፡ ዝኸም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ ረኸብኩ” ኢሉ ዝመስከረሉ ቕዱስ ዳዊት’ዩ። ንሱ፡ ምምስጋን ብህይወት ናይ ዘሎ ዅሉ ሰብ ሓላፍነትን ተልእኾን ከም ዝዀነ፡ ካብ ምምስጋን እንበኵር ብኣካለ ስጋ ሞይትና ምንባር ምስ ኣቋረጽና ምዃኑ፡ ጽኑዕ ርድኢትን እምነትን ዝነበሮ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ። ነዚ ርድኢቱን እምነቱን’ዚ ድማ ኣብ’ቲ ብምስጋና ዝተመልአ መዝሙራቱ ደጋጊሙ ገሊጽዎ’ሎ።
“ምውታት ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን’ዮም፡ ናብ መቓብር ዝወረዱ ስለ ዘይዛረቡ ኣይውድስዎን’ዮም። ንሕና (‘ዞም ብህይወት ዘለና) ግና፡ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ከነመስግኖ ኢና።” መዝ 115፡17,18 ካ.ት
እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ኣዝዩ ሓያልን ብሱልን ናይ እምነት ውሳነ’ዩ። ብህይወት እናሃለወ ዘየመስግን ሰብ፡ መንፈሳዊ ደረጅኡ ማዕረ ምውታት ዘይኰነስ ትሕቲ ምውታት’ዩ። ምኽንያቱ ምውታት ኬመስግኑ ዘይክእሉ፡ እቲ ኺዛረብ ዚኽእል ናውቲ ኣካላቶም ብሞት በስቢሱ ስለ ዝፈረስ’ዩ። እቲ ብህይወት እናሃለወ ዘየመስግን ግና፡ እቲ ንምስጋና ዝተፈጥረ ናውቲ ኣካላቱ ገና ይሰርሕ እናሃለወ ስለ ዝኸነበ’ዩ ዘየመስግን። ብሰሪ’ዚ ዓለወኛ ባህርዩ፡ ንነፍሱ ትሕቲ ምውታት ሰሪዑ ርእሱ የዋርድ ከም ዘሎ ግን ኣየስተውዕሎን’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ግና ብህይወት ኪነብር ዚደልየሉ ዝነበረ ዕላማ፡ ንኣምላኽ ንምምስጋን ጥራሕ ነበረ። ስለ’ዚ ናይ ሞት ሓደጋ ኼንጸላልዎ ኸሎ ዜቕርቦ ጸሎት፡ “ምንባር ከስተማቕር፡ ደቀይ ከምስል፡ ደቂ ደቀይ ክርእይ ወዘተ ዘይኰነስ፡ “ምስጋናኻ ምእንቲ ኸይጐድል ብህይወት ኣንብረኒ” ዝመልእኽቱ ጸሎት ነበረ።
“ኦ! እግዚኣብሄር፡ ንዓ ኣናግፈኒ፡ ምእንቲ ምሕረትካ ኻብ ሞት ኣድሕነኒ፡ (ምኽንያቱ) ኣብ ሃገር ሞት ዚዝክረካ የልቦን፡ ኣብ ሲኦል ከኣ ዜመስግነካ የልቦን። . . . ኦ እግዚኣብሄር፡ ናባኻ ኣእወኹ፡ ኦ እግዚኣብሄር፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢለ ናባኻ ለመንኩ፡- ‘ኣነ እንተ ሞትኩ፡ ናብ መቓብር እንተ ወረድኩስ፡ (ንስኻ) እንታይ ትረብሕ፧ ምውታትዶ ኺውድሱኻ ይኽእሉ’ዮም፡ ምሕረትካኸ ኬበስሩዶ ይኽእሉ’ዮም፧ . . . ኣዒንተይ ብስቓይ ይጽልምታ ኣለዋ፡ ኦ እግዚኣብሄር ኵሉ መዓልቲ ናባኻ አእውይ ኣለኹ፡ ኣእዳወይ ናባኻ ዘርጊሐ እጽልይ ኣለኹ። ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ፧ ዝሞቱኸ ተንሲኦምዶ የመስግኑኻ’ዮም፧ ኣብ መቓብርከ ምሕረትካ፡ ኣብ ቦታ ጥፍኣት’ውን እሙን ምዃንካዶ ይንገር’ዩ፧ ተኣምራትካዶ ኣብ ጸልማት፡ ጽድቅኻ’ውን ኣብ ምድሪ ምርሳዕ ይፍለጥ’ዩ፧” መዝ 6፡4,5 ካ.ት ፣ 30፡8,9 ካ.ት ፣ 88፡9-12 ካ.ት
ቅዱስ ዳዊት፡ ንእግዚእብሄር ምምስጋን ናይ ምሉእ ዕድመ ተልእኾኡ ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮን ብግብሪ ዝፈጸሞን ሰብ ምንባሩ ነረጋግጽ፡ ኣብ መዝሙራቱ ድማ ነዚ ውሳነኡ’ዚ ደጋጊሙ ዚእመኖ ሰብ ምዃኑ’ዩ
“ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ኦ እግዚኣብሄር አመስግነካ ኣለኹ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ’የ፡ ንኣምላኸይ ምሉእ ህይወተይ ክዝምረሉ’የ። . . . ምሉእ ህይወተይ ንእግዚኣብሄር ክዝምር’የ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ድማ፡ ንኣምላኽ ከመስግን’የ። . . . ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ከመስግነካ’የ፡ ኣእዳወይ ናባኻ ኣልዒለ ኽጽልይ’የ።” መዝ 146፡1,2 ካ.ት ፣ 104፡33 ካ.ት ፣ 63፡4 ካ.ት
መንፈሱን ሕልናኡን ንዘይደንዘዘ፡ ገና ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕናን ቍመናን ንዘሎ ሰብ፡ እዚ ቕዱስ ተኣምኖ’ዚ፡ ካብ መንፈሳዊ ዕዳን ብኵራትን ዜድሕን፡ ሓያል-ድርኺት ዚፈጥር ኣዝዩ ኣርኣያዊ ቓል’ዩ። ምሉእ መዓልቲ ኸም ዜመስግን፡ ነቲ ምስጋናኡ ዅሉ ጊዜ ኺውስኸሉ ምዃኑ፡ ምስጋናኡ ድማ ብዘይካ ንኣምላኽ ንኻልእ ከም ዘይህብ፡ አረ ለይቲ’ውን ክሳዕ ወጋሕታ ኺዝምርን ኬመስግንን ከም ዚሓድር ደጋጊሙ ተኣሚኑ ኣሎ (መዝ 35፡28 ፣ 71፡6,14,15,24 ፣ 57፡7,8 ፣ 92፡1-3 ፣ 119፡62)። ምስጋና ዜፈልፍላ ኸናፍር ስለ ዝነበራኦ፡ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ የመስግን ነበረ (መዝ 119፡164,171)። ኬመስግን ከሎ ብምሉእ ልቡ’ዩ ዜመስግን (መዝ 9፡1 ፣ 138፡1)። በይኑ ዀይኑ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበርን ህዝብን’ውን የመስግን ነበረ (መዝ 111፡1)። ዳዊት ጓሳ ዀይኑ ኣብ በረኻ ኣብ ጕስነት ዝነበረ፡ ጀነራል ኰይኑ ብውግእ ዝረብረበ፡ ብገዛእ ንጉሱ ተሃዲኑ ርእሱ ኼድሕን ኣብ በረኻ ከርተት ዝበለ፡ ንጉስ ኰይኑ ሃገሩ ዘመሓደረ፡ ኣቦ ዓብይ ስድራ ዀይኑ ዘነባበረ’ምበር፡ ናይ ቤት መቕደስ ካህን ወይ ናይ ምሉእ ጊዜ ነብዪ ኣይነበረን። ሓለፋ ሰቡ ኸቢድ ሓላፍነትን ከቢድ ስራሕን ዝነበሮ ሰብ ክነሱ፡ ሓለፋ ሊቃነ መዘምራን ማእለያ ዘይብሉ መዝሙራት ዝደረሰን ቅኔ ዝተቐነየን ሰብ ኰነ። ናይ’ዚ ዓወቱ’ዚ ምስጢር ድማ፡ ንኣምላኽ ምምስጋን፡ ብህይወት ናይ ምንባሩ ቐንዲ ተልእኾ ከም ዝዀነ ተረዲኡ ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ሓይሉን ዚውፈየሉ ጽኑዕ ውሳነኡ ምዃኑ’ዩ።
ቅዱስ ዳዊት ደኣ እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና ይኹን’ምበር፡ ኵሎም ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን’ውን ነቲ ናይ ምምስጋን ሓላፍነት ደጋጊሞም ኣፍሊጦምናን ኣዘኻኺሮምናን’ዮም። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ናይ ምምስጋን ሓላፍነትና በዞም ቅዱሳን ኣገልገልቱ ገይሩ’ዩ ገሊጹልና ዘሎ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጠርና ስለ’ዚ ኸኣ ብምስጋናና ኸነኽብሮ ኸም ዚግብኣና ብትንቢቱ ገሊጹልና ኣሎ።
“. . . እቲ ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን. . . ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንትው’ዩ።” ኢሳ 43፡6,7,21
ብዘይ’ዚ ብቐጥታ እግዚኣብሄር ባዕሉ ዝተዛረቦ ቓል፡ ነብዪ ኢሳይያስ’ውን ናቱ ምስጋና ቓል ብምዝራብ መልእኽቱ ናብ ህዝቡ እስራኤልን ናባናን ኣመሓላሊፉ ኣሎ፡ ኢሳ 63፡7 ካ.ት
“እግዚኣብሄር ንዘለኣለም መሓሪ ኸም ዝዀነ ኸዘንትው’የ፡ በቲ ዝገበረልና ዅሉ ሰናይ ነገር ከኣ ከመስግኖ’የ ከም መጠን ዘለኣለማዊ ምሕረቱን ዕብየት ለውሃቱን ንህዝቢ እስራኤል ዓብይ ግብሪ ገበረሎም።” ኢሳ 63፡7 ካ.ት
ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ ዅሉን ኵሉ ሳዕን ከነመስግን ከም ዚግብኣና ሃዋርያዊ ትእዛዝን ምሕጽንታን ኣቕሪቡልና ኣሎ።
“ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዘራረቡ፡ ንጐይታ ብልብኹም እና’ዜምኩምን እናዘመርኩምን ንእግዚኣብሄር ኣቦና ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ኣመስግንዎ። . . . ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ፡ ከየቋረጽኩም ጸልዩ። ብዅሉ ኣመስግኑ። (ምኽንያቱ) ኣብ’ቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ህይወት፡ ኣምላኽ (ካባኻትኩም) ዚደልዮ ንሱ (እቲ ብዅሉ ምምስጋንኩም)’ዩ። (ኤፌ 5፡19,20 ካ.ት ፣ 1ተሰ 5፡16-18 ካ.ት
ጐይታና ባዕሉ’ውን ነቶም ዓሰርተ ለምጻማት ምስ ኣንጽሆም፡ ካብኦም ዚደልዮ ነገር ምስጋና ጥራሕ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ትሽዓተ ብእኡ ኣቢሎም ጠፊኦም፡ ሓደ ጥራሕ ንኼመስግን ከም ዝተመልሰ ምስ ረኣየ፡ በቶም ዘየመስገኑ ኣይተሓጐሰን። ንግብሪ ናይ’ቲ ኣመስጋንን ንናይ ጐይታ ግብረ መልስን፡ ወንጌላዊ ሉቃስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“. . . ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለው፡ ነጽሁ። ካባታቶም ሓደ ኸም ዝሓወየ ምስ ረኣየ ኸኣ ድምጹ ዓው ኣቢሉ (ኣብ መገዲ) ንኣምላኽ እና’መስገነ ተመልሰ። (ንጐይታና) እና’መስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍአ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ’ዩ። ኢየሱስ ግና፡ ‘ዝነጽሁስ ዓሰርተዶ ኣይኰኑን፡ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለው፧ ብዘይካ’ዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ ዝተመልሰዶ የልቦን፧” ሉቃ 17፡14-18
ካብ’ዚ ናይ ጐይታ ኣበሃህላ፡ ምምስጋን ማለት ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ ዘይምምስጋን ማለት፡ ንኣምላኽ ክብሪ ምኽላእ ንኣምላኽ ምውራድ ማለት’ዩ። ነቲ ኽብሪ ዚግብኦ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ክብሪ ዘይሃብና ደኣ፡ ንመን ካልእ ክንህብ ኢና፧ ንምምስጋን ሕርምናን ነውርናን እንተ ገበርናዮ፡ ንኣምላኽ ጥራሕ ክብሪ ዝኸላእናዮ ይመስለና ዀይኑ’ምበር፡ ንርእስና ሕሱራትን ውርደተኛታትን ምዃንና ነቃልዕ ከም ዘለና ኣይነስተውዕሎን ኢና። እግዚኣብሄር ከኣ ንዜኽብርዎ ዜኽብር፡ ንዜሕስርዎ ድማ ዜሕስር ፍትሓውን ርትዓውን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብዘለኣለማዊ ውርደትን ሓሳርን ኪፍደየና’ዩ። ኣቦታት “ጨው፡ ንርእስኻ ኢልካ መቅር” ከም ዚብሉ፡ እንተ ወሓደ ምእንቲ ርእስና ኢልና፡ ንምስጋና እንተ ተጋህናሉ’ዩ ዜሕሸና። ምኽንያቱ፡ እግዚኣብሄር “መስዋእቲ ምስጋን ዚስውኣለይ የኽብረኒ፡ ነቲ (ብዛዕባ ምስጋና) ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ’የ።” ኢሉ’ሎ (መዝ 50፡23)።
እግዚኣብሄር ንዝረኸቦ ዅሉ ምስጋና ድዩ ዚቕበል፡ ኣመስጋኒ ሰብ ኬማልኦ ዚግባእ ረቛሒታት ኣሎ ድዩ፧ እግዚኣብሄር፡ ናይ ምስጋና ስእነት የብሉን። እንተ ኣመስገንናዮ፡ ንእግዚኣብሄር ንረድኦ ወይ ንምጽውተሉ ዘለና ዀይኑ ኸይስምዓና ንጠንቀቕ። በእላፋትን ብሚልዮናትን ዚቝጸሩ ፍጹማን መላእኽቲ፡ ካብ ጥንቲ ኻብ ዘለዓለም ጀሚሮም፡ ንሓንቲ ካልኢት’ኳ ኸየዕረፉ የመስግንዎን ይውድስዎን ኣለው። ናትና ናይ ድኹማትን መወትቲ ሰባትን ምስጋና፡ ምስ’ቲ ናይ ቅዱሳን መላእኽቱ ኺወዳደር ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ውቅያኖሳት ሓንቲ ነጥቢ ማይ ከም ምውሳኽ ኪቝጸር’ውን ኣይበቅዕን’ዩ። ብኣርኣያ ቅድስቲ ስላሴ ዝተፈጥረ እንኮ ፍጥረት፡ ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ እግዚኣብሄር ናይ’ቲ ብምስሉ ዝተፈጥረ ሰብ ምስጋና፡ ልዕሊ ናይ ዝዀነ ኻልእ ፍጥረት’ዩ ዚብህጎ። ሰማያትን ምድርን ካልእ ኵሉ ፍጥረትን፡ ግብሪ ኣእዳው ብምሉኡን፡ ግኡዝ ይኹን ህያው ፍጥረት፡ ክብሪ እግዚኣብሄርን ምስጋናኡን እና’ውረየ’ዩ ዚነብር (መዝ 19፡1 ፣ E)። ምስሉን መልክዑን ዜኽብር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግን፡ ንምስጋና ናይ’ዚ ዅሉ ፍጥረት፡ ክንዲ ምስጋና ናይ ሓደ ሰብ’ኳ ኣይርእዮን’ዩ። ንምስጋናና ኣዝዩ ይድለዮ ደኣ’ምበር ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልክዕን ምስልን ንናይ ዘጥፍኦ ሓጢኣተኛ ሰብ ምስጋና ግን ኣይቅበልን’ዩ። ብግብራዊ ናብራኡ ንኣምላኽ ኬዋርድ ዚውዕልን ዚሓድርን ሰብ፡ ብዝረኸሳ ኸናፍር ብዜቕርቦ ምስጋና ንኣምላኽ ኪጥብርን ኬዐሽውን ኣይክእልን’ዩ። ርእሱ ኻብ ሓጢኣት ናይ ዘይሓለወን፡ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ሓቀኛ ንስሓ ኸይኣተወ ናይ ዜመስግን ሰብ ምስጋና፡ ካብ ጸርፍን ላግጽን ዚፈልዮ ዋላ ሓንቲ የብሉን። ነዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ደጋጊሙ ገሊጽዎ’ዩ (ኢሳ 1፡10-17 ፣ 58፡1-7 ፣ ኤር 7፡21-26 ፣ ኣሞ 4፡1-5 ፣ 5፡21-27 ፣ ሚክ 6፡6-8)።
ናብ መሪሕ ጥቕስና ምልስ ኢልና እንተ ረኣና፡ “ነመስግን” ቅድሚ ምባሉ፡ ኣቐዲሙ ዘቐመጦ ቅድመ ዅነትን ረቛሒታትን ኣሎ። ንሳቶም ከኣ፦
1. ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ቕዱስ ኣኽብሮት
2. ፍርሃት ኣምላኽ
3. ንኣምላኽ ምግልጋል’የን። ንኣምላኽ ዜሐጕሶ መጠንን ዓይነትን ናይ ክብሪ እናሃብና፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና እናኣገልገልና እንተ ኣመስገንና፡ ምስጋናና ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ ኣብ ኣምላኽ ልዑል ተቐባልነትን ክብርን’ዩ ዚህልዎ። ንኣምላኽ ምኽባር ብዚምልከት ቅዱስ ጳውሎስ፦ “እምበኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ እንተ ሰተኹም ወይ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉና’ሎ (1ቈረ 10፡3)። እዚ ሃዋርያዊ መምርሒ’ዚ፡ “ኣምላኽ በዝን በትን’ዩ ዚኸብር” ኢሉ ዝዘርዘረልና ንጥፈታት የብሉን። ካብ ምብላዕን ምስታይን ጀሚሩ፡ ብዘይካ ንሓጢኣት፡ ንዅሉ ተግባርና፡ መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ጥራሕ ብምግባር፡ ንኣምላኽ ከነኽብሮ ኸም’ንኽእል ግን ኣረጋጊጹልና ኣሎ፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንኣገልጋሊ ይኹን ንምእመን ንዅሉ ሰብ ዜጠቓልል’ዩ። እተን “ዝዀነ ይኹን፡ ኵሉ” ዚብላ ቓላት፡ ብዘይካ ሓጢኣት ዘየጠቓልላኦ ዝዀነ ሰብኣዊ ንጥፈት ከም ዘየልቦ ነስተውዕል።
ፍርሃት ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ እነኽብረላ ዓባይን ቀዳመይትን ጥበብና’ያ። ፍርሃት ኣምላኽ ስምዒታዊ ዘይኰነስ፡ ግብራዊ ባህርይ’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ኸም ዚነግረና፡ ፍርሃት ኣምላኽ ማለት ንጽድቂ ምፍቃር ንሓጢኣት ከኣ ምጽላእ ማለት’ዩ። እዚ ምፍቃርን ምጽላእን’ዚ ብግብሪ ይግለጽ እንተ’ልዩ’ዩ “ፍርሃት ኣምላኽ ኣለዎ” ዚበሃል። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ እንተ አመስገነ፡ እግዚኣብሄር ብኽብሪ ዚቕበሎ ምስጋና ይኸውን። ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ግን ንኣምላኽ ዜመስግነሉ ድርኺትን ዓቕምን’ውን ኣይህልዎን’ዩ። ምናልባት እንተ ፈተነ’ሞ፡ መዓልትን ለይትን ንምስጋና ቘይሙ እንተ ወዓለን እንተ ሓደረን፡ ንሱ ደኣ ንርእሱ ይጥብረሉ ይኸውን’ምበር፡ ናብ እግዚኣብሄር ገጹ ዘይቀርብ ምስጋና’ዩ።
እቲ ተባሂሉ ዘሎ ምግልጋል ድማ፡ በዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ተደሪኽካን ዚፍጸም ኣገልግሎት’ዩ። ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ምእመን’ውን ዚምልከት’ዩ። እቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊ ኣገልግሎት እንህብ ውሉደ ክህነትን፡ እቶም ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ማሕበራዊ ህይወትና እነገልግል ምእመናንን ኵላትና “ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ኣገልገልቲ” ኢና (ግብ 13፡36)። ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ምዃን ማለት ድማ፡ መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ቦታና፡ ፍቓድ ርእስና ገዲፍና ፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ ምግባር ማለት’ዩ። ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ’ሞ፡ እዛ ኣገልግሎት’ዚኣ ዘይትምልከቶ ሰብ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ የልቦን። ብቕዱስ ኣኽብሮትን ብፍርሃት ኣምላኽን ንፍቓድ ኣምላኽ ምግልጋል ንርእሱ፡ ብግብራዊ ምስጋና’ዩ። ናይ’ቲ ብጸሎትናን ብመዝሙርናን ብምስክርነትናን እንህቦ ምስጋና መተካእታ ግን ኣይኰነን።
እምበኣር ንምስጋና ብዚምልከት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስሊ ህይወትና እንታይ ከም ዚመስል ብዕቱብ ንመርምር። ዕዳ ምስጋና ተሰኪምና ንመላለስን መዓልቲ ሞትና ንጽበይን ከይንህልው ንጠንቀቕ። ድሕሪ ሞትን ድሕሪ ምጽኣት ጐይታን ዘሎ ዘለኣለማዊ ዕድመና፡ ናይ ውዳሰን ምስጋናን ዘመን ጥራሕ’ዩ። እቶም ነዚ ኽብሪ’ዚ ዚበቕዑ ድማ፡ እቶም ኣብ’ዛ ምድሪዚኣ ንምስጋና ናይ ህይወት ተልእኾኦም ዝገበርዎ ጥራሕ ምዃኖም ኣይንዘንግዕ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
1 ታሕሳስ 2024 | ሕዳር 22, 2016 ግዕዝ (መበል 12 ሰንበት: ቊ.፲፪/12) |
||
ምስባክ መዝ.፹፰(፹፱)፡ ፲፩-፲፪ “ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቱ ምድር። ዓለመኒ በምልኡ አንተ ሣረርከ። ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፪(፻፫)፡፲፰-፲፱ “ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ። እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት። ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 12፡22-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
ያእ 3፡1-10 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 21፡27-33 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 8፡23-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ አምላክ ፍጹም በህላዌሁ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ