S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እወ: ብዘይ ኣገልግሎት ወንጌል ህላወ ቤተክርስቲያን ኣይረጋገጽን እዩ

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሐደ ኣምላኽ ኣሜን !!!
ሰላም ኣምላኽ ንዓኹም ይኹን ስድራ ሕያው ኣምላኽ ኩልኹም!!!

እግዚኣብሔር ኣብ አእዋኑ ንኹሉ ሰናይ ገበሮ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣቦና- ኣቦይ ቀሺ ተክልማርያም ሊቀ ካህናት ኣህጉረ ስብከት ኣውሮጳ፥ ሓደ እዋናዊ ዝኾነ ሕቶ፡ወንጌል  ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ከነተኣታቱ እዋናዊ ሕቶ ኮይኑ ይርከብ ኣሎዝብል ግሩም ዝኾነ ጽሑፍ ኣቕሪቦም ነይረም። ብርግጽ ድማ ንብዙሓት ኣመንቲ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ተረኪቡ ከም ዘሎ፡ ጥርጥር የብለይን። እዚ ድማ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ብዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ንትንሳኤ ቤተክርስቲያና ይዓዪ ከም ዘሎ፡ ዘርኢ ብሩህን ተስፋ ዘለዎ ጩራ ብርሃን ኢዩ። ንትንሳኤ ቤተክርስቲያን ድማ ገሊኦም ቃል ከበግሱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ናብ ተግባር ከይቀየርዎ ስለ ዘይተርፉ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ። እንብኣር ነዚ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ዝበጸሐ ብስራት፡ ማእከልነት ወንጌል ዝብል ንምስላጥ፡ ኣነ ድማ በቲ ዘሎኒ ትሑት ዓቕመይ ገለ ወስ ክብል፡ ሰናይ ኮይኑ ይስምዓኒ። እቶም ወንጌል ዘማእከሎ ኣገልግሎት ንኽህልወና ዝዓዩ ዘለዉ ኩላቶም ኣመንቲ እኳ እንተ ኾኑ፡ ዳርጋ ዝበዘሐ ዕማም ግና ብአልገልቲ ከም ኢሉ ክቕጽል እዩ ዝብል፡ እምነት ስለ ዘሎኒ ናዕና ንኣገልገልቲ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ሒዘ ቀሪበ ኣለኹ። ፍቃድ ጎይታ እንተ ኾይኑ ድማ፡ ንብዙሓት ከነቓቕሓና ኢዩ ኢለ እኣምን።

ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ብቓልን ትንቢትን ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ዝተዋሃበካ ጸጋ ሸለል ኣይትበሎ ከም ዝበለ (1:ጢሞ፥4:14) ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲና ኣንብሮተ እድ(ምንባር ኢድ) ኣጸቢቓ እትኣምነሉን ትሰርሓልን እያ። ስለ ዝኾነ ድማ ንዘመናት በዚ መስርሕ እዚ ኣገልገልቲ እና ተከአት፡ ክትከይድ ጸኒሓ ኣላን ክትከይድውን እያ። እዚ ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ብሰንሰለታዊ መሪሕነትን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምዕዳልን ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ሰናይን ዘሐጉስን እዩ።

እንተኾነ ነዚ ድንቅን ሰናይን ዝኾነ ምትሕልላፍ መንፈስ ቅዱስ፡ ንኣገልግሎት ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ከምቲ ግቡእ የለን። እዚ ከም ግቡእ ዘይምህላዉ ድማ ዕንወት የኸትል ኣብርእሲ ምዃኑ ነዚ ዝውጠን ዘሎ ብወንጌል ዝተማእከለ ዕዮ ምድሓን ነፍሳት ዘየሳልጥ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ክንፍትሾ እሞ ኩላትና ድማ ክን ነቕሓሉ ሰናይ ኮይኑ ይረኣኒ

ጓሶት ክነቕሑ እንከለዉ፡ ጥሪት ብኣራዊት ኣይብለዓን እየን። ጓሶት እንተ ደቂሶም ግና፡ ጥሪት ብብዙሓት ዝዓይነቶም ኣራዊት ይብልዓ። ብርግጽ እዚ እዋን እዚ ድማ ብመንፈሳዊ ምብዕዛዝ፡ ጓሶት እትሳቐ ቤተክርስትያን ከም ዘላትና ነቲ ካብ ፍርሒ ዝወጸ ጓሳ ግሉጽ ሓቂ ኢዩ። እዚ ድማ በቲ ሓደ ኣብ ናዓና ንጉስነት ኢሉ ብምንባር ኢድ ዝተዋሃበና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ፡ ርዱኣት ብዘይምዃን ክኸውን እንከሎ፥ ኣብቶም መብዛሕቶም ውልደ ክህነትን ብመምሃራንን ዝፍለጡ ድማ ብሰንኪ ትዕቢት ዝብሃል ከቢድ ሕማም ምህላዉ እዩ። ስድራ ኣምላኽ ኣባና ኣብቶም ኣገልገልቲ ዘሎ ብስራሕ ናይ ምስሕሓብን ድሌት ናይ መሪሕነት እንበር ድሌት ናይ ስራሕን ምርድዳእን ዘይብልካ ኮንካ ናይ ምርካብ ኣተኲርና ክንጥምት እንከለና፤ ኣዝዩ ዘሕፍር ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ዕዮ ወንጌል ዝተወድኤ የምስል። እዚ ድማ ብርግጽ እቲ ዕዮ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ውሑዳት እዮም ከምዝተበሃለ፡ ፈጺምካ ዘይምስትብሃል ክኸውን እንከሎ፥ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፥ ነቲ ተዋሂብካ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ጸጋ፥ ካብ ብሥልጣንን ብምድራዊ ረብሓን ሓሊፍካ፡ ብመንፈሳዊ ረብሓን ኩሉ ብኣምላኽን ንኣምላኽ ምዃኑ ምዝንጋዕ ዘምጽኦ ሳዕቤን ኢዩ። ስለዚ ነዚ ብምንባር ኢድ ንኣገልግሎት ዝተወሃበና መንፈስ ቅዱስ፡ ኣስተብሂልናሉ ኣይንፈልጥን ኮይኑ ይስምዓኒ ፥ እዚ መንፈስ እዚ ኩሉ ግዜ፥ ይጽበየና ኣሎ

ዘይምርዳእ

ምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተክርስትያን፥ ንዝተፈላለየ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፥ ዝዓዪ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንምትሕልላፍ ዝግበር ስራሕ እዩ። ህዝቢ ነቶም ብጽቡቕ ዝተመስከረሎምን መንፈስ ጥበብ ካኣ ዝመኦም ሸውዓተ ዲያቆናት ናብ ሃዋርያት ምስ ኣቕረብዎም፡ ንሳቶም ጸለይሎም ኣእዳዎም ከኣ ኣንበርሎም (ግብ፥6:6) እዚ ምንባር ኢድ እዚ እንታይ ኢዩ ነይሩ ትርጉሙ፥ ትም ኢሎም ደኾን እዮም ዝገበርዎ፧ ብር ኣይኮነን። እዝስ ከምቲ ካብ ኤልያስ ናብ ኤልሳዕ ሃብቲ ትንቢትን፡ ምፍዋስን ካልእን ዝተመሓላለፈ፡ ንምትሕልላፍ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ስራሕ ኢዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ናይ ዕዮ እዚ ጀማሪኡ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ጐይታ ነዚ ክገብሮ እንከሎ፡ ድሕሪ እቲ ናይ መዓልትን ምሉእ ለይትን ጸሎት ኢዩ ንሃዋርያት ሥልጣን ዝሃቦም። ዕላማ ናይዚ ድማ ክጓስዩን ሕሙማት ከሕውዩን ሙውታት ከይተረፉ ከተንስኡ ከምኡውን ሥልጣን ሃቦም ይብል። እዚ ማለት ድማ ሥልጣን ክብሃል እንከሎ፡ ከም ሎሚ ህላውነቱ ክሳብ ዝርሳዕን፡ ኣብ ዘድልየካ ኣጋጣሚ ጥራይ ንመማጓቲ ካልኦት እምነታትን፡ ንገለ ረብሓኻ ምጥቃምን መፈራርሕን ዘይኮነስ፥ ዝያዳ እኳ ድኣ ብነጻ ተዓዲልኩም ኢኹም እሞ፡ ብነጻ ግበርዎ ዝብል ትእዛዝ ዘለዎ እዩ። ንሱ እቲ ሥልጣን ድማ ንሶም ከም እተኣዘዝዎ ክብሉን ክገብሩን እሞ፡ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ምስኦም ኮይኑ ክዓዪን እዩ (ማቴ፥10:1-15) እንብኣር እዚ እንተ ድኣ ኮይኑ፡ ሎሚ እዚ ሕያው ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ኣበይ ኣሎ፧ ክንሓትትን ርእስና ክንምርምርን ይግባእ። ዶስ ሎሚ ብሜሮን ስለ ዝተተከአ ንማለቱ እዩ ኮይኑ፧ ክቡራት ኣንበብቲ እንታይ ትብሉ፧ ወይ ድማ ነዊሕ ዘመን ስለ ዘቑጸረስ ኣሪጉ ደኾን ኮይኑ ድኣ፧ እንታይ ዝመሰልዎ ዓሻ ሕቶ እዩ ከም እትብሉኒ ኣይጠራጠርን እየ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብኻልእ ኣገባብን ንኻልእ ዕላማንዶ ድኣ፡ እቲ ምንባር ኢድ ተተኪኡ ኮይኑ፧ ናይዚ ኩሉ ብግቡእ መልሲ ዘይምርካብናን ዘይምርዳእናን፥ ኣብ ኩሉ ዕዮኦም ብዘየሰማምዕ መንፈስ ዝበኾሩ፥ ብምጥብባር ክሓልፉ ዝደልዩ ኣገልገልቲ ንመስል። እምበኣር እዚ ምንባር ኢድ እዚ፡ ብርግጽ ንኩላትና መንፈስ ቅዱስ ኣመሓላሊፍልና ኮይኑ፡ ዘየሰማምዓናን ዕዮ ወንጌል ብትብዓት ከነገልግለሉ ዘየኽእለናን፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ወቐሳ ክህሉን ስለምንታይ ኮይኑ፧ እዚ ዘይምርዳእና ንሕና ኣገልገልትን ተገልገልትን፥ ብደጋዊ ወንጌል ውሽጣዊ ጥበራ፥ ሕይወትና ካብ እንመርሕን፥* ዕሽነትናን ምጥብባርናን ዘይፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ዝስምዓናኸ ከመይ ገርና ኢና ወንጌል ዘማእከሎ ኣገልግሎት ክህልወና ዝኽእል፧ ሕጂ ግና ብርግጽ ምንባር ኢድ መራሕትና ከንቱ ከይከውን፡ ንሕና ነቲ ዝተወሃበና ንመሪሕነት ዝኸውን ጸጋ ኣባና ከነሐድሶ ይግባኣና። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ንዕዮ ወንጌል ዘይኮነስ፥ ንስም ገዛእ ርእሱ መምስ ዝሰማምዖ እዩ ዝራኸብ ዘሎ። እሞ ኣበይ ድኣ ኣሎ እቲ ትሑትን ፈቃርን፡ ንህዝቢ ኣምልኽ ክንጓሰየሉ ዝተወሃበና ሕያዋይ ጓሳ መንፈስ ቅዱስ፧ እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ንሕና ድኣ ኣሪግና፥ ዒርና ጸሚምና ፥ሞይትና ከይንህሉ እንበር፡ ንሱስ ንዘለዓለም ሕያው ኢዩ (ወ፥ ዮሓ፥21:18) ንስኻ በጽሒ ከሎኻ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ነበርካ፥ ምስ ኣረካ ግና ኣእዳውካ ከም እተልዕል እሞ ካልእ ከምዘዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮ ከም ዝወስደካ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ በሎ። ኣብርእሲ እቲ ዕያውተይ ኣብልዕ፥ ኣባጊዐይ ሓሉ ዝብል ሕድሪ ምስ እንርእዮ ጐይታ ነቲ ሕያዋይ መጓስኡ ባዕሉ ብዘዕጥቕ ናብ ዝደለዮ እውን ዝወስድ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተወሃበና ክርሳዕ ዘይግብኦ ሓቂ እዩ ነይሩ። ንምንታይ ድኣ ኢና ሎሚ ባዕልና ተዓጢቕና ነቲመጓሰ ናብ ድላይና ንወስዶ ዘለና፧ ስድራይ፡ እዚ ኣባና ከምዘሎ ኣሚና ኣብቲ ንመርሓሉን ነገልግለሉን ክንመርሖ ዘይኮነስ ክመርሓና ቀዳማይ ክንገበሮ ግዴታ ኣሎና። እንተዘይኮይኑ እዚ ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተክርስትያና ንመጓሰ ዝተወሃበና መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ዘይብሉ፥ ሥልጣን ክህነት ኣሎና፡ ጓሶት ህዝቢ ናይቲ ዘይሓልፍ ጐይታ ኢና ክንብል ዘኽእል ዓቕሚውን የብልናን። እዚ መንፈስ እዚ ምሳና ከም ዘሎ፡ ክንኣምንን ከነርጋግጽን ይግብኣና። ንሱ ምሳና ንሕና ኸኣ ምስኡ እንተ ኮይና፡  ጥራይ ኢና  ክነፋቅርን፥ ክንደጋገፍን፥ ክንለዋዋህን፥ ከነፍርን፡ ብሓቂ ድማ ክንልወጥን፡ ህዝብናን ርእስናን ከነድሕን እንኽእል።ንስኻ ግና ንገዛእ ርእስኻ ተጠንቀቕ ፥ብግዜ መከራ ጽናዕ ግብሪ ወንጌል ግበር ኣገልግሎትካ ፈጽም” (2ጢሞ፥4:5) ስድራ ኩሉኹም ትፈልጥዎ ኢኹም ግና ምዝኽኻር ከም ዘድልየና ኮይኑ ይስምዓኒ። ካብ ፈሪሳዊ ሕይወት ክንወጽእ እቲ ሕያው - ሕያው ኮይኑ ኣባና ይረኸብ። ምስ እዚ ኩሉ ግና መጽሓፍ ቅዱስውን ከምዚውንእቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኺነብሩ ዝደልዩ ዂሎም ክስደዱ እዮምይብል ኢዩ (2ጢሞ፥3120) እምብኣር ስድራ፡ እዚ ምዃኑ ዘይምርዳእ ብርግጽ ጸጋ ንኸንቱ፥ ንባእሲ፥ ንህልኽ፥ ንጽልኢ፥ ኣይውሃብን እዩ። እምብኣር ኣብ ምሕላው መንፈስ ቅዱስ ክንብርትዕ ከዛኻኽር እፈቱ። ብትብዓት ድማ እቲ ሥልጣን ዝብሃል ብኡኡን ምስኡን ንዕኡን እውን ምዃኑ ክንኣምን ይግባእ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፥ ንጢመቴዎስ ወዱነቲ ብሕድሪ ዝተወሃበካ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎኢሉ ምዒድዎ ከም ዝነበረ (2ጢሞ፥1:14) እዚ ምንባር ኢድ እዚ ድማ፤ እግዚኣብሔር ኣቦ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ገይሩ ምስ ሸሞ፥ ጐይታ ድማ ብሥልጣን ንሃዋርያት ነዚ መሪሕነት እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ሃቦም፥ ካብ ጊዜ ሓዋርያት ኣትሒዙ ድማ ክሳዕ ሕጂ ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ስለዚ ኣብ ከመይ ዝበለ ዓብን ክንገር ዘይክእልን ቦታ ከም ዘለናን ክንፈልጥ፡ ናብቲ ጐይታን ሓዋርያትን ስረሖሞ ዝሓለፍ ማሕረስ ወንጌል፡  ገጽና ምስ እንጥምት ጥራይ እዩ ክርድኣና ዝኽእል። እቲ ኣብዚ ጸጋ እዚ ጐይታ ብሑሩይ ኣቕሓ ዝጸወዖ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፥ ሕይወቱን ዕይኡን ከመይ ከምዝነበረ ባዕሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ብኣዝዩ ዘደንቕ መግዲ ገሊጽዎ ኣሎ (1ቆሮ፥2:3-5) “ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን እየ ምሳኻትኩም ዝነበርኩቃለይን ስብከተይን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብዝህቦ ምርዳእ እንበር ብዘስድዕ ዘረባ ፍልስፍና ኣይነበረን፥ እዚ ኸኣ እምነትኩም ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ እንበር ኣብ ጥበብ ሰብ ምእንቲ ከይምስረት እዩ። እሞ ምስ እዚ ዘሎ ኩነታት ኣገልግሎትና እንታይ ይመስል ባዕልና ንፈትሾ (2ጢሞ፥2:15)ንቓል ሓቂ ትኽንትኽ ዚምህር ዜሕፍር ዘይብሉ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተወፊ ጽዓርከም ዝበለ፡ እሞ ብሓቂዶ ከምዚ ኢና ዘሎና፧ ኣይፋልናን፡ ገለናስ ወረ እዚ ዝኾነልና በቲ ኣባና ዘሎ ፍልጥት ኮይኑ ስለ ዝስምዓና፥ ካባና ተምንዚዑ ዘይከይድ ሞያና ጌርና ኢና ንቖጽሮ። ብመሰረቱ ጌጋ እዩ!!! እዚ ብምንባር ኢድ ዝተወሃበና ጸጋ እዚ፥ ክህሉን ዘይክህሉን ኣብቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ድኣ እንበር ኣብ ዘዋህለልናዮ ፍልጠት ኮነ ጣዕሚ ዜማ ኣይኮነን (ራኢ፥2:5) እሞ ምሳናስ ኣሎዶ የለን፧ በቲ ዘለና ፍቕሪ፥ሓቂ፥ትሕትና፥ ለውሃት፥ጌርና ንፈትሾ። ኣብ መጓሰናኸ ዝዕረቑዶ ዝበኣሱ ይበዝሑ፧ ዝንስሑዶ ዘይንስሑ፧ ዝጽልዩዶ ዘይጽልዩ፧ ቃል ኣምላኽ ዘንብቡዶ ዘየንብቡ፧ ነቲ ሰንበት ሰንበት ዝቐርብ ገንሸል ፋሲካና ብልማድዶ ብሕያው ዝርኢዎን ዝቕበልዎን ይበዝሑ፧ ኣብ ነንሕድሕድናስ እንምክሓሉ ፍቕርን ትሕትናን ኣሎና ዲዩ፧ እዚ በቲ ተዋሂቡና ዘሎ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከነስተኻኽሎ ዓቕሚ ኣሎና፥ ብኣና ብዓቕምና ግና ሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። እሞ ስድራይ፥ኩሉ ብዘይ እዚ ሕያው መንፈስ ቅዱስ ክህነት ኮነ ካልእ ማዕርጋት ኮንቱን ጥቕሚ ዘይብሉን እዩ!!! ስለዚ ኣነን ንስኻ ኣታ ተንብብነቲ ብቓልን ትንቢትን ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ዝተዋሃበካ ጸጋ ሸለል ኣይትበሎ” (1:ጢሞ፥4:14)

ዲያቆን ኣብርሃለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div