በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና፡ "ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደኃን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሔር” ኤርምያስ 29:11።“ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብፍሉይ መንፈስን ተስፋን ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ።
ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና: 2 ቆሮ 5፥20
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት
“ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከኣ ጐይታና ናይ’ቶም ገላዉ መጺኡ ምሳኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ፡ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ’ እናበለ ኻልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ፡ ጐይታኡ ድማ፡ ‘ጽቡቕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው።’ በሎ።” ማቴ 25፡19-21 ካ.ት (መዝ 12፡1)
ኤጲፋንያ ብምባል እንጽውዖ ብቋንቋ ግሪክ፡ ብናይ ግእዝ ቋንቋና ድማ ኣስተርእዮ ተባሂሉ ተተርጊሙ። ትርጓሜኡ ድማ ምግላጽ ማለት ኢዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዘመነ ኣስተርእዮ ወይ ድማ ናይ ምግላጽ ዘመን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመነ ኣስተርእዮ
(ብካህን ተክለ-ማርያም ምህርካ-ጽዮን ዝተተርጎመ)
ምዕራፍ - 2
ለከ እግዚኣብሔር ክሳብ ክንድ’ቲ፥ ኣሸጋሪትን ትዕቢተኛን ክኸውን ዝገደፈንስ፥ ብኣይ ገይሩ ክገልጾ ዝደሊ ናቱ ዕላማ ነይሩዎ’ዩ። ንሱ እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ፥ ኩሉ ነገር ንዕኡ ኢለ ንኽገድፎ፥ ክምህረኒ ዕላማ ነይሩዎ’ዩ። ከመይሲ ኣነ ኣይሽነፍን በሃሊት፥ ምቕማጠይ ላዕልን ቅድሚትን እምበር፥ ማዕረይን ክንዳይን ኢለ ዝሓስቦ ሰብ ዘይብለይ። ኣንቀጥቂጣ ትገዝእ ናይ ቤት-ቤት ትምህርቲ ንግሥቲ ብምዃን፥ መወዳድርቲ ዘይብለይ ገይረ’የ ንነፍሰይ ዝሓስባ ዝነበርኩ። እቲ ኩሉ ግን እግዚኣብሔር ንኻልእ ተልእኮ የዳልወኒ’ዩ ነይሩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፥ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ብሓይሊ-ጎነጽ መንግሥትን ምትሕብባር ውሑዳት ጳጳሳትን፥ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ንልዕሊ 13 ዓመታት ካብ መንበሮም ተኣልዮም ይርከቡ። እዚ ዘስዓቦ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ዕንወት፥ ካብ ጳጳሳት ክሳብ ተራ ኣመንቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምብታንን ፍንውነት ምሕደራን ብዓቅሚ’ዚ ጽሑፍ'ዚ ዝግለጽ ኣይኮነን።
“ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ‘ኣነ ክርስቶስ’የ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጽ’ዮም፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ኣስተውዕሉ፡ (ግናኸ) ኣይትሰምብዱ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። እንተ ዀነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኰነን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ’ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓል’ዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ (ጥምየትን ፌራን) ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን’ዩ። እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላው’ዩ።” ማቴ 24፡4-8 ካ.ት
(ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ተተርጕሙ ዝቐርብ)
እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝተተርጎመት፥ ከምኡ’ውን ብዙሕ ኣድናቖት ክትረክብ ዝኸኣለት መጽሓፍ እያ። ጸሓፊት እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፥ ሓንቲ ግብጻዊት ወይዘሮ ኮይነን፥ ኣማኒት ምስልምና ኮይነን ዝጸንሓ እየን። “-ንክርስቶስ ረኺበዮ-“ ብዝብል ኣርእስቲ ድማ፥
እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 150 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሰነ 30 - ሓምለ 03, 2017 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ትምህርትታት ዝሓቖፈ ነይሩ።
ዓርቢ 30 ሕዳር 2018: እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ መበል 12 ክፋል
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ