“እምበኣርስ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፡ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ’ሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም’ዩ።"ያእ 4፡7።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዛ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዓብይ ጾም’ዚ “ዘምኵራብ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ’ዩ። “ምኵራብ” ዝተሰምየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ጐይታና ናብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ እናኸደ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ንምዝካር’ዩ። ናይ ኣይሁድ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ብምሉኡ ኣብ’ታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ዝተማእከለ’ዩ። እንተ ዀነ ኣይሁድ ብምኽንያት ምርኮን ስድደትን ናብ ብዘላ ዓለም ፋሕ ኢሎም ስለ ዝነበሩ፡ በታ ቤት መቕደስ ኪግልገሉ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ብዘይካ ኣብ’ታ ቤት መቕደስ እቲ ሃይማኖቶም ዚእዝዞም ኵሉ ስርዓት ኪፍጽሙ ኣይክእሉን ነበሩ። እንተ ዀነ ብእምነት ናይ’ቶም ኣረማውያን ከይወሓጡ፡ ንሳቶምን ደቆምን ድማ ነቲ ሃይማኖቶም ከይርስዕዎ ይሰግኡ ስለ ዝነበሩ፡ እንተ ወሓደ ሓቢሮም ዚጽልዩሉን ቃል እግዚኣብሄር ዚመሃሩሉን መገዲ ኺበላሓቱ ናይ ግድን ኰኖም። ስለ’ዚ “ምኵራብ” ኢሎም ዝሰመይዎ ኣብያተ ጸሎት ኣኣብ ዝነበርዎ ቦታ ኺምስርቱ ጀመሩ። ነዚ ጽቡቕ ኣርኣያ’ዚ ዋላ’ቶም ኣብ ሃገሮም ዝነበሩ እስራኤላውያን’ውን ብፍቓዶም ሰዓብዎም፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከይተረፈ ኣብያተ ጸሎት ኣቘሙ። ጐይታ ኣብ ምድሪ እስራኤል የገልግል ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፡ ብዙሓት ኣብያተ ጸሎት ኣስፋሕፊሐን ስለ ዝነበራ፡ ኣዘውቲሩ ናብኣተን እናኸደ የገልግል ነበረ (ሉቃ 4፡15 ፣ 13፡10 ፣ 19፡47 ፣ 21፡37)። ነዚ ኣገልግሎቱ’ዚ ንምዝካር ተመሪጹ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ፡ ኣብ’ታ ዝዓበየት ቤት ጸሎት፡ ኣብ’ታ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት መቕደስ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ስልጣናዊ ናይ ምንጻህ ተግባሩ ዚትርኸልና’ዩ። እታ ቕድስቲ ቤት መቕደስ ዕዳጋ ጤለ በጊዕን ትካላት ሸርፍን ናብ ምዃን ተለዊጣ ምስ ረኣየ፡ ቅንኣት ቤቱ በሊዕዎ ብቝጥዓ ተላዕለ። ነቶም ዘጋዕዘይዋ ሰባት ድማ፦ "‘ቤተይ ቤት ጸሎት’ ትብሃል” ጽሑፍ’ዩ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ። " እናበለ ገንሖም (ማቴ 21፡13 ፣ ማር 11፡17)። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብና ድማ፡ “ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ” ኸም ዝበሎም ተጻሒፉልና ኣሎ (ዮሃ 2፡16)። ስለ’ዚ በቲ መለኮታዊ ናይ ዋንነት ስልጣኑ ተደሪኹ፡ ነቲ ናይ ሸርፊ ሰደቓታት (tables) እናደንከለ፡ ነተን ንመሸጣ ዝቐረባ እንስሳታትን ምስ ናይ’ቶም ዋናታትን ኣባሪሮም። ስልጣናዊ ተግባር ምዃኑ ስለ ዝለለይዎ ኣይሁድ በየናይ ስልጣን ይገብሮ ኸም ዘሎን፡ መረጋገጺ ስልጣኑ ዚኸውን ፍሉይ ትእምርቲ ኼርእዮምን ሓተትዎ። ንሱ ድማ ኪርድእዎ ዘይክእሉ ረቂቕ ምስጢር ገለጸሎም። ናይ’ቲ መልሱ ቐጥታዊ መልእኽቲ (ስምዒ)፡ ብዛዕባ’ቲ ብዕጨ-እምኒ ዝተሰርሐ ህንጻ ቤት መቕደስ ዚዛረብ’ዩ። ምስጢራዊ መልእኽቱ (ወርቂ) ግና፡ ብዛዕባ’ቲ ንሳቶም ዜፍርስዎ (ወይ ዚቐትልዎ)፡ ንሱ ግን ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ዜተንስኦ መቕደስ ስጋኡ ዚገልጽ’ዩ።
እዚ ጐይታና ዝተዛረቦ ረቂቕ ምስጢር’ዚ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቤት መቕደስ፡ እቲ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ ግኡዝ ህንጻ ዘይኰነስ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተፈጥረ ህንጻ-ምመለኮት ምዃኑ ኣግሂዱልና ኣሎ። እዛ ሓድሽ ኪዳን ዝመሰረታ ክርስቶስ ዝርእሳ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ነዚ ናይ ምኵራብ ዕለትን ሳምንትን’ዚ ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ’ቲ መቕደስ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ለቢስናዮ ዘለና ህንጻ-መለኮት፡ ብዕምቈት ክንመሃርን ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ብዛዕባ ምሕደራኡ ድማ ቅኑዕ መገዲ ኽንክተልን ስለ ዝደለየት’ያ። ህንጻ-መለኮት ዚበሃል ዘሎ እዚ ለቢስናዮ ንነብር ዘለና መዋቲ ፈራሲ ስጋና’ዩ። ከም’ቲ ስጋ ክርስቶስ ሞይቱ ዝተንስአ፡ ስጋና’ውን ብሞት ፈሪሱ ብትንሳኤ ሙታን ዳግማይ ኪህነጽ’ዩ። ኣብ’ታ ብህይወት ዝነበረላ ዘመኑ ግን ስጋና መቕደስ ኣምላኽ ኰይኑ ኺነብር’ዩ ዝተፈጥረ። ስጋና ቤት መቕደስ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ገሊጾምልና’ዮም (1ቈረ 3፡16,17 ፣ 6፡19,20 ፣ 2ቈረ 6፡16 ፣ ኤፌ 2፡21,22 ፣ እብ 3፡6 ፣ 1ጴጥ 2፡4,5)። ኣይሁድ ነቲ ኣምላኽ ዝቐደሶ ግኡዝ ህንጻ-ሰብ ብርኽሰቶም ስለ ዘጋዕዘይዎ፡ ብቝጥዓ መለኮት ካብ ተቘጥዖምን ካብ ፈረዶምን፡ ንሕና ነዚ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ ህንጻ-መለኮት ዝዀነ ስጋና ብሓጢኣት እንተ ኣጋዕዚናዮ እንታይ’ዩ ኺገብረና፧ ኣብ’ዚ ዕለተ ምኵራብ’ዚ ብዕምቈት ክንሓስበሉን ርእስና ብዘይ ንሕስያ ኽንምርምረሉን ዚግብኣና ጕዳይ እንተ’ልዩ፡ መቕደስ ስጋና እቲ ጕሒላ ድያብሎስ ዚግልገለሉ ናይ ርኽሰት ህንጻ ዀይኑ ኸይርከብ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ነቲ ለካሚና ድያብሎስ ዘይኰነስ ነቲ መድሓኒና ክርስቶስ ክንግዛእ፡ ቅድስና ናይ መቕደስና ብልዑል ጥንቃቐ ክንሕልዎ ኸም ዚግብኣና ዜለብመና’ዩ።
መቕደስ ኣምላኽ ናይ ምዃንናን ንኣምላኽ ተገዛእቲ ናይ ምዃን ሓላፍነትናን ብኸመይ’ዩ ዚዛመድ፧ ንሓደ ህንጻ ክትድኩኖን ክትሃንጾን ከለኻ፡ እትሃንጸሉ ዕላማ ኺህልወካ ናይ ግድን’ዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ ኪፈጥሮ ኸሎ፡ መቕደሱን ማሕደሩን ኪዀኖ ኢሉ’ዩ ዝፈጠሮ። ህያው ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግኡዝ ዘይኰነስ ኣብ ህያው መቕደስ’ዩ ዚሓድርን ዚቕደስን። ህያው መቕደስ ኰይኑ ኺነብረሉን ኪግልገለሉን ዝመረጾ ኸኣ፡ እቲ ብመልክዑን ብምስሉን ዝተፈጥረ ሰብ’ዩ። ህንጻ መለኮት ምዃንና ንኼረጋግጸልና ኸኣ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦ "ንሕና (ሃዋርያት) መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።" ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 3፡9)። ኣብ ኤፌ 2፡19-22 (ቀ.ት + ካ.ት)
"እምበኣርሲ ንስኻትኩም ኣብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም’ምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። እቲ ህንጻ ብምሉኡ ዝተቐደሰ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብጐይታ እናተኣሳሰረ’ዩ ዚዓብይ። ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ (ኣብ’ቲ መሰረት) ብመንፈስ ማሕደር (መቕደስ) ኣምላኽ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ሓቢርኩ ትህነጹ ኣለኹም።" ብምባል ደጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ህያዋን መቕደስ ክንከውን ዚድለየሉ ምኽንያት፡ ባዕላትና ፈቲና ኸነገልግሎን ከነኽብሮን ስለ ዝደለየ’ዩ። ግኡዝ ህንጻ፡ ሰባት ደኣ ናብኡ መጺኦም ዝደለይዎ ይገብሩ’ምበር፡ ባዕሉ ዚገብሮ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን። ኣብ መቕደስ-ስጋና ግና ባዕላትና ኢና ንኣምላኽ እነገልግሎ’ምበር፡ ካልእ ኣካል ኣትዩ ኼገልግል ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ንኣምላኽ ከነገልግል ዚረድኣናን ዚመርሓናን፡ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ንሰይጣን ከነገልግል ዜስሕተና ድማ ርኹስ መንፈስ’ዩ። እዞም መናፍስቲ’ዚኣቶም ይድግፉና ወይ የስሕቱና’ምበር፡ እቲ ወሳኒ ኣካል፡ እቲ ማሕደር ዝዀነ ውልቀ ሰብ’ዩ። እቲ ንኣምላኽ፡ ነቲ ሓቀኛ ፈጣሪኡ ኪግዝኦ ዝመረጸ ሰብ ንመንፈስ ቅዱስ ይእዘዞ። እቲ ንኣምላኽ ኣብ ገዛእ ህንጻኡ ኼዋርዶ፡ ነቲ ጒሒላ ሰይጣን ከኣ ኬኽብሮ ዝመረጸ ሰብ ከኣ፡ ነቶም ዝሓደርዎ ርኹሳት መናፍስቲ ይእዘዝ። ስለ’ዚ ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ፡ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንና ምስ ተገዛእነትና ቀጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ዜረጋግጸልና’ዩ።
መቕደስ ኣምላኽ ክነስኻስ ንኣምላኽ ዘይትግዝኦ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎ ድዩ፧ ብምሕረቱ ደኣ ከምኡ ኻብ ምዃን ይሰውረና’ምበር፡ ኣሎ’ወ። ግደ ሓቂ ኽንዛረብ እንተ ዄንና ደኣ፡ እቲ መቕደስ ኣምላኽ ክነሱስ፡ ንሰይጣን’ምበር ንኣምላኽ ዘይግብኦ ሰብ ይበዝሕ። ካብ’ዞም ኣብ’ዛ ዘለናያ ናይ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ተቐሚጥና ዘለና ሰባት፡ መብዛሕትና ኻብ’ቶም መቕደስ ኣምላኽ ክነሶም ግን ከኣ ንኣምላኽ ከም’ቲ ዚግብኦ ዘይግዝእዎ ሰባት ምዃንና በብውሽጥና ንፈልጦ ኢና። ጐይታና’ውን “ጽውዓትሲ ብዙሓት’ዮም፡ ሕሩያት ግን ሒደት’ዮም” ብምባል ነቲ ሓቂ ኣግሂዱልና’ዩ (ማቴ 20፡16 ፣ 22፡14)። ሓደ እዋን ጐይታና ናብ ኢየሩሳሌም ገጹ እናተጓዕዘ ኸሎ፡ ሓደ መስተውዓሊ ሰብኣይ ቅርብ ኢሉ፡ “ጐይታና፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታና ድማ፡ “ብዙሓት (ናብ መንግስተ ሰማያት) ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣለኹ’ሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።” ኢሉ መለሰሉ (ሉቃ 13፡22-27 ፣ ማቴ 7፡20-23)። ነቲ ናብ’ታ ሰማያዊት መቕደስ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታው ኵላትና ኢና ንደልዮ። ነቲ ናብኣ ንኽንኣትው ኸነማልኦ ዚግብኣና ረቛሒታት ከነማልኦ ግን ኣይንደልን ኢና። እቲ ንኸነማልኦ ትጽቢት ዚግበረልና መሰረታዊ ረቛሒ ድማ፡ ንኣምላኽ ክንግዛእን ክንእዘዝን’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ጐይታና፡ "ፍቓድ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣትውን’ዩ። " ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 7፡20-23 ካ.ት)። ፍቓድና ሓዲግና ንፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ክንእዘዝ እንተ ዘይመሪጽና፡ ምስ’ቶም ንድሕነት እናደለይዋስ ዘይረኽብዋን ዘይትዀነሎምን ሰባት ኢና ‘ንምደብ። ንኣምላኽ ዘይትግዛእ ምዃን ናይ ዓመጻ ተግባር’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ብቝጥዓ ዚፈርዶን ዚብቀሎን (ሮሜ 1፡18 ፣ 2፡8,9)። ንኣምላኽ ዘይምግዛእ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘሎካ ዕዙዝን ስዉርን ጽልኢ ግሁድ መርኣያ’ዩ (ዮሃ 14፡15,21,23,24 ፣ 15፡18,23,24 ፣ ያእ 4፡4 ፣ 1ዮሃ 2፡15-17)።
እቲ “ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያን’የ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደስኩ መቕደስ ኣምላኽ’የ” ዚብል ሰብ፡ እቲ ንኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዚግዝኦን ብእምነት ዝተገዝኦን ሰብ ጥራሕ’ዩ ጐይታ ኣብ እምነትና ጥራሕ ዚገዝእ፡ ኣብ ናብራና ግና ሰይጣን ጥራሕ ዚገዝእ እንተ ዀይኑ፡ እምነትና ንኣና ኻብ ምጥባር ሓሊፋ እተበርክቶ ረብሓን ኣገልግሎትን የብላን ማለት’ዩ። ናይ እምነት ረብሓ፡ ንኣምላኽ ክንግዛእን ክንእዘዝን እተኽእል ምዃና’ዩ። እታ ዘላትና እምነት ንኣምላኽ ብግብራዊ መገዲ ኽንግዝኦ እንተ ዘየኽኢላትና፡ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይህባ ዘይትጠቅም ከንቱን ምውትትን ምዃና’ዩ ዜረጋግጸልና። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዚ ሓቂ’ዚ ግሩም ገይሮም ኣብሪሆምልና’ዮም።
"ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ (ከም ዚኣምንዎ) ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ። " ቲቶ 1፡16
ስለ’ዚ ጥዑይን ሓቀኛን እምነት ከም ዘሎና እነረጋግጸሉ እንኮ መገዲ፡ ብዘይ ዝዀነ ደረትን ዕቃበን ንኣምላኽ ክንግዛእ ምስ ዜኽእለና’ዩ።
ብኸመይ ኢና ንኣምላኽ ክንግዝኦ እንኽእል፧ ንግዝኦ ምህላውናኸ ብኸመይ ኢና እነረጋግጽ፧ መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ ኣብ’ዚ ልዕል ኢልና ዝገለጽናዮ ሓሳባት ድሮ ተኣንፊቱ’ዩ። እግዚአብሔር፡ ጐይታ-ጐይቶትን ንጉስ-ነገስታትን ኣምላኽ ኣማልኽትን’ዩ። እዚ መለኮታዊ መንነቱን ስልጣኑን’ዚ ድማ ኵሉ ፍጥረት ኪግዝኦ ዚገብር’ዩ። ኣሽንኳይ ንመለኮት፡ ስልጣን ንዘለዎ ምድራዊ ንጉስን ጐይታን’ኳ ኽትግዝኦ ናይ ግድን’ዩ። እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ ግዝኣቱ ለቒቕካ ኽትወጽእ ይግባእ። ንእግዚአብሔር “ኣይግዛእን” እንተ በልና ግና ናብ እንወጻሉ ቦታ የብልናን። ዋላ ኣብ መዓሙቝ ሲኦል እንተ ተሓባእና፡ ብህልውናኡ ኣብ ኵሉ ምሉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብኡ ኽንርሕቅን ክንክወልን ኣይከኣልን’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ሓቂ’ዚ ኣረጋጊጹልና’ዩ።
"ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ’የ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም’የ፡ ናብ ሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። " መዝ 139፡7,8
ስለ’ዚ ብዘይካ ንኣምላኽ ምግዛእ ካልእ ኣማራጺ ዘይብልና ፍጡራት ኢና። "ኣይፋለይ " ኢልና ንእኡ ዘይምግዛእ እንተ መሪጽና ግና፡ ኣብ’ቲ ዜሰክሕ ኢዱን ፍርዱን ክንወድቕ መሪጽና ኣለና ማለት’ዩ። ክንግዝኦ ናይ ግድን ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብና፡ ብኸመይ ከም እንግዝኦ ኽንፈልጥ’ዩ ዜድልይ። ብኸመይ ክንግዝኦ ኸም ዚደልይ ከኣ ጐይታና ኣፍሊጡና’ዩ።
"እምበኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ “ጐይታይ፡ ጐይታይ”፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን። " ማቴ 7፡20,21
"ጐይታይ " ዚብል ኣጸዋውዓ ናይ ተገዛእነት ቃና ወይ ነጸብራቕ ዘለዎ ቓል‘ዩ። "ናተይ ጐይታ " እንተ ኢልና፡ "ናትካ ባርያ ወይ ግዙእ’የ " ንብል ኣለና ማለት’ዩ። ናይ ጐይታን ግዙእን ዝምድና እንተ’ል’ዩ ድማ፡ ናይ ግድን ሓደ ፍቓድ ጥራሕ’ዩ ዚገዝእ። ክልተ በበይኑ ዝዀነ ፍቓድ እንተ’ልዩ፡ ተገዛእነት ኪህልው ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ክልተ ፍቓድ ተገዛኢ ምዃን ዘይከኣል ነገር’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ "ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን፡ ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ።... " ዝተባህለልና (ማቴ 6፡24)።
ስለ’ዚ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኪግዛእ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ናይ ስጋኡ ፍቓድ ኪንዕቆን ኪጸልኦን ናይ ግድን’ዩ። "ንፍቓዱ ምግባር፡ ነዚ ፍቓድና ኸኣ ዘይምሕዳግ " ዚብል መርገጺ ሒዝና፡ ንኽልቲኡ ተጻራሪ ፍቓድ ከነአንግድ እንተ መረጽና፡ ከም’ታ ንፍትወት ብዙሓት እትግዛእ፡ ኪዳን ዘይብላ ኣመንዝራ ኽንከውን መሪጽና ኣለና ማለት’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ ንእሙን ብዓል ኪዳን’ምበር፡ ናይ ምንዝርና ዝንባለ ንዘለዎ ሰብ ኣዝዩ’ዩ ዚፍንፍኖ። ፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ብምግባር ንኣምላኹ ኬስምር ዝመረጸ ሰብ’ምበኣር፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ ኪጸልኦ፡ ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ኬግዝኦ ይግባእ። ኣብ ሰብኣዊ ስርዓት፡ ባርያ፡ ፍቓድ ናይ ጐይታኡ ጥራሕ’ዩ ዚፍጽም። ዋላ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመናዊ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድና’ውን፡ እቲ ሰራሕተኛ ፍቓድ ናይ’ቲ ኣስራሒኡ ጥራሕ’ዩ ዚፍጽም። ጐይታኡ ዝበሎ ገዲፉ ብናቱ ፍቓድን ምርጫን ኪሰርሕ እንተ መሪጹ፡ ነታ ስራሕ ኪስእና ምዃኑ ዘየጠራጥር’ዩ። እምበኣር ንኣምላኽ ንግዝኦ ምህላውና ንኸነረጋግጽ ማዕረ ኽንደይ ንፍቓድና ኽሒድና ንፍቓድ ጐይታ ንግዛእ ከም ዘለና ንህይወትና መርሚርና ምርግጋጽ’ዩ።
በዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣርኣያ ክርስቶስ እንታይ ይመስል፧ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዝተራእየ ዝለዓለ ናይ ተገዛእነት ኣርኣያ እንተ’ልዩ፡ እቲ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣቦኡ ዘርኣዮ ተገዛእነት’ዩ። ካብ ሰማያት ወሪዱ ስጋና ኺለብስን ኣብ ማእከልና ኺነብርን ካብ ዘድለዮ መሰረታዊ ዕላማታት ሓደ ድማ፡ ነዚ ናይ ተገዛእነት ኣርኣያ ምእንቲ ኼጸግወና’ዩ። ኣብ ምስጢረ-ስላሴ ብዕምቈት ከም እንመሃሮ፡ እግዚአብሔር ወልድ (ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ምስ እግዚአብሔር ኣቦ ማዕረን ሓደን’ዩ (ዮሃ 10፡30፣ 14፡9)። እንተ ዀነ ስጋ ቕድሚ ምልባሱ ዀነ ድሕሪ ምልባሱ ርእሱ ንፍቓድ ኣቦኡ የግዝእ ነበረ። ኵሉ ናቱ ኽነሱ፡ ናይ ኣቦኡ ኸም ዝዀነን ካብኡ ኸም ዝተቐበሎን ይዛረብ ነበረ (ዮሃ 17፡10)። ንሱ ዋላ ሓንቲ ዘይክእል ክሳዕ ዚመስል፡ ንዅሉ ተግባር ካብ ኣቦኡ ኸም ዝተማህሮ ገይሩ ይእመን ነበረ (ዮሃ 8፡28)። ብስልጣን ማዕሪኡ ኽነሱ ብእኡ ኸም ዝተላእከ መልእኽተኛ ገይሩ ንርእሱ ይገልጻ ነበረ (ዮሃ 8፡29)። በቲ ስጋ ምልባሱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዅሉ ዘረባኡን ተግባሩን፡ ብዛዕባ ርእሱ ከም ባርያ ናይ ኣቦ’ምበር ከም ማዕሪኡ ገይሩ ይዛረብ ኣይነበረን። እዚ ብምግባሩ ድማ ኣምላኽነቱ ኸም ዝተመንዝዐ ወይ ዝጐደለ፡ ወይ ከም ዝተዋረደ ገይሩ ኣይርእይን ከምኡ’ውን ዘይስምዖ ምዃኑ ኣዝዩ ዜገርም’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብዜገርም ኣገላልጻ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
"እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ ይሃሉኹም። ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ’ኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት “ኣይገድፍን” ኢሉ ኣይተኸራኸረን። እንተ ዀነ ሰብ ብምዃን፡ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፡ አረ’ኳ ደኣ ክሳዕ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ። " ፊሊ 2፡5-8 ካ.ት
እዛ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝነበረት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኣባና እንተ ዘየልያ፡ “ንኣምላኽ ተገዝእዎ” ዚብል ትእዛዝ ኰነ ምዕዶ፡ ክትድይቦ ዘይከኣል ተሪር ዓቐበት፡ ኪጽወር ዘይክእል ግዙፍን ከቢድን ጾር ከም ዚዀነና ርዱእ’ዩ። እቲ ፍቓድና ሓዲግና ንፍቓድ ኣምላኽ ምግዛእና ሰብኣዊ ኽብርናን መንነትናን ከም ዝተመንዛዕናን ከም ዝተዋረድናን ዄንና ኸም ዚስምዓና ዚገብረና እንተ ዀይኑ፡ ኣሽንኳይ ክንፍጽሞ ነዛ ኽንሰምዖ’ኳ ኸም ዘይንፈትው ርጉጽ ሓቂ’ዩ። እግዚአብሔር ኣቦ፡ ብዛዕባ’ዚ ሓደ ወዱ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ዝሃቦ ቓል፦
"እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዝብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፡.... "
"እንሆ፡ ዝሓረኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር’የ፡ .... "ብምባል፡ እቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ ኸም ባርያ ኸም ጊልያ ዀይኑ ኸም ዝተገዝኦን ከም ዘስመሮን መስኪሩሉ ኣሎ (ኢሳ 42፡1-4)።
ንምልኣት ተገዛእነቱ ኣዝዩ ዘጉልሐ ድማ ንፍቓዱ ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣቦኡ ኼግዝእ ብምኽኣሉ’ዩ። ነዚ ድማ ደጋጊሙ ይዛረበሉን ብግብሪ ይፍጽሞን ነበረ።
" ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ብልዒ ኣሎኒ። . . ብልዐይሲ ፍቓድ’ቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ’ውን ክፍጽም’ዩ። . . . ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን’የ። ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ’ምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን’የ፡ .....። ኣነ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ። ....ኣነስ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ’ምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን’የ ....። እምበኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከም’ቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ’የ ዝዛረብ ዘለኹ። . . . " ዮሃ 4፡32,34፣ 5፡30፣ 6፡38፣ 12፡48-50
ንሕና’ውን ንኣምላኽ ብተገዛእነትና ኸነስምሮ እንተ ዄንና ካብ’ዛ ናይ ጐይታና ጥበብ ወጻኢ ኻልእ መገዲ ኺህልወና ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ ናብ ኣእምሮና ዝዀነ ሓሳብ ህሩግ ኢሉ ምስ ዚኣትው፡ “እዛ ሕጂ ዝሓስባ ዘለኹ ሓሳብ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረት ሓሳብ ድያ፧ ክርስቶስ ነዛ ሓሳበይ’ዚኣ ኣብ ኣእምሮኡ መአንገዳዶ፧”ኢልና ኽንሓትት ይግባእ። ክርስቶስ ጐይታና ኼአንግዶ ዘይክእል ጽዩፍ ሓሳብ ምስ ዚኸውን፡ ካብ ኣእምሮና ሓኺኽና ኽንድርብዮ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦ ብዜኽብር ናይ ክርስቶስ ብዚመስል ሓሳብ ኽንትክኦ ይግብኣና። ከም’ዚ ምስ እንገብር፡ ኣእምሮና ንኣምላኽ ኣግዚእና ማለት’ዩ (ፊሊ 4፡8,9፣ ኤፌ 4፡17፣ ሮሜ 12፡1፣ 2ቈረ 10፡4,5)። ንዘረባና ብዚምልከት ድማ፡ ነቲ ንጉስ ሰለሞን፦"....ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ፡ ....ቃላትካ ሒደት ይኹን። ...ስጋኻ ሓጢኣት ከይገብርሲ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሃቦ፡ ...። " ዝበሎ ቓል፡ ወርትግ ክንዝክሮን ክንትግብሮን ይግባእ (መክ 5፡2-7)። ስለ’ዚ ናብ ኣፍና ንዝመጸ ዅሉ ቓል ቅድሚ ምዝራብና፡ "ክርስቶስ ጐይታና ኣብ’ዛ ኣነ ዘለኽዋ ዅነታትን ቦታን እንተ ዚህልው፡ እንታይ ኰን ምተዛረበ ነይሩ፧ ነዚ ሕጂ ኣብ ውሽጠይ ኰይኑ ዚህውጸኒ ዘሎ ቓላትሲ ምተዛረቦዶ፧ " ኢልና ኽንሓትትን ልሳንና ንፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ከነግዝእን ይግብኣና። ድሮ ንዝተዘርበ ቓል ክትእርም ምግዳል ማለት፡ ድሮ ንዝተተኰሰ ጥይት ክትመልስ ወይ ከተቕንዕ ምፍታን ዝዓይነቱ ኸንቱ ፈተነ’ዩ (ማቴ 12፡33-37፣ ኤፌ 4፡39፣ 5፡4፣ ቈሎ 3፡8)፡፡
እቲ ብሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፦ "ሓደ ብቓል ዘይስሕት (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ንሱ ንዅለንተናኡ ኺገትእ ዚኽእል ብቑዕ ሰብኣይ’ዩ። " ዝበሎ ምስክርነት ብዛዕባና ኽሳዕ ዚበሃል፡ ክንምርሓሉ ይግባእ (ያእ 3፡2)። ብዛዕባ ግብርና’ውን እንተ ዀነ፡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኽንወስድ’ዩ ዚግባእ። ክርስቶስ ዘይገብሮ ግብሪ ንዘይምግባር እንተ ወሲንና፡ እግዚአብሔር ከም’ቲ ብዛዕባ ወዱ፡ "ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ ዝሓረኽዎ ባርያይ " ዝበሎ፡ ብዛዕባና’ውን ኪብል’ዩ። ናይ ግብሪ ጽቡቕ ነገር፡ ዋላ ዅሉ ጊዜ ኣይኹን፡ ዘይከም ዘረባ ተሃዊኽካ ኽትገብሮ ዘየገድድን፡ ንኽትሓስብ ዜኽእል ቅሩብ ጊዜን ዕድልን ዚህብ ምዃኑ’ዩ። ስለ’ዚ ክርስቶስ ዚገብሮ ግብሪ ጥራሕ ብምዝውታር ንእግዚአብሔር ዘለና ምልኣት ተገዛእነት ከነርእይ ይግባእ። ከም’ቲ ብዛዕባ ቕዱስ ዳዊት፡ "ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ (ምስ ተገዝአ) ዓረፈ። " ዝተባህለ ምስክርነት፡ ብዛዕባና’ውን ከም ዚበሃል ከነረጋግጽ ይግብኣና (ግብ 13፡36)። ነቲ እኩይ ድያብሎስን ነዛ እክይቲ ዓለምን ዚስዕር ድማ እቲ ኸም’ዚ ገይሩ ርእሱ ንኣምላኽ ዜግዝእ’ዩ። እቲ "ንድያብሎስ ተጻረርዎ " ዚብል ትእዛዝ፡ ነቲ "ንኣምላኽ ተገዝእዎ" ዚብል ቃል ብምእዛዝ ኢና እንፍጽሞ። እምበኣር ብተገዛእነትና ንኣምላኽ ነኽብር፡ ንግብሪ ዲያብሎስ ድማ ነፍርስ ምህላውና ወርትግ ነረጋግጽ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
9 መጋቢት 2025 | የካቲት 29, 2016 ግዕዝ (መበል 26 ሰንበት: ቊ.፳፮/26) |
||
ምስባክ መዝ. ፷፰(፷፱)፡፱-፲ "እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ። ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ።ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ። " "ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ’ውን ኣባይ ወዲቑ’ዩ’ሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይ’ውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 2፡16-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
ያእ 4፡1-12 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 5፡17-30 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 2፡12-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ዘምኵራብ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ