S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኣምላኽ ተገዝእዎ (መበል 26 ሰንበት: ቊ.፳፮/26, 2025 | 2017 ግዕዝ

እምበኣርስ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፡ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድምዩ።"ያእ 47

 ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዛ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዓብይ ጾምዘምኵራብተባሂሉ ዚጽዋዕዩ።ምኵራብዝተሰምየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ጐይታና ናብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ እናኸደ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ንምዝካርዩ። ናይ ኣይሁድ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ብምሉኡ ኣብ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ዝተማእከለዩ። እንተ ዀነ ኣይሁድ ብምኽንያት ምርኮን ስድደትን ናብ ብዘላ ዓለም ፋሕ ኢሎም ስለ ዝነበሩ፡ በታ ቤት መቕደስ ኪግልገሉ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ብዘይካ ኣብ ቤት መቕደስ እቲ ሃይማኖቶም ዚእዝዞም ኵሉ ስርዓት ኪፍጽሙ ኣይክእሉን ነበሩ። እንተ ዀነ ብእምነት ናይቶም ኣረማውያን ከይወሓጡ፡ ንሳቶምን ደቆምን ድማ ነቲ ሃይማኖቶም ከይርስዕዎ ይሰግኡ ስለ ዝነበሩ፡ እንተ ወሓደ ሓቢሮም ዚጽልዩሉን ቃል እግዚኣብሄር ዚመሃሩሉን መገዲ ኺበላሓቱ ናይ ግድን ኰኖም። ስለምኵራብኢሎም ዝሰመይዎ ኣብያተ ጸሎት ኣኣብ ዝነበርዎ ቦታ ኺምስርቱ ጀመሩ። ነዚ ጽቡቕ ኣርኣያ ዋላቶም ኣብ ሃገሮም ዝነበሩ እስራኤላውያንውን ብፍቓዶም ሰዓብዎም፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከይተረፈ ኣብያተ ጸሎት ኣቘሙ። ጐይታ ኣብ ምድሪ እስራኤል የገልግል ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፡ ብዙሓት ኣብያተ ጸሎት ኣስፋሕፊሐን ስለ ዝነበራ፡ ኣዘውቲሩ ናብኣተን እናኸደ የገልግል ነበረ (ሉቃ 415 1310 1947 2137) ነዚ ኣገልግሎቱ ንምዝካር ተመሪጹ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ፡ ኣብ ዝዓበየት ቤት ጸሎት፡ ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት መቕደስ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ስልጣናዊ ናይ ምንጻህ ተግባሩ ዚትርኸልናዩ። እታ ቕድስቲ ቤት መቕደስ ዕዳጋ ጤለ በጊዕን ትካላት ሸርፍን ናብ ምዃን ተለዊጣ ምስ ረኣየ፡ ቅንኣት ቤቱ በሊዕዎ ብቝጥዓ ተላዕለ። ነቶም ዘጋዕዘይዋ ሰባት ድማ፦ "‘ቤተይ ቤት ጸሎትትብሃልጽሑፍዩ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ።እናበለ ገንሖም (ማቴ 2113 ማር 1117) ኣብ ናይ ዕለት ንባብና ድማ፡ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎኸም ዝበሎም ተጻሒፉልና ኣሎ (ዮሃ 216) ስለ በቲ መለኮታዊ ናይ ዋንነት ስልጣኑ ተደሪኹ፡ ነቲ ናይ ሸርፊ ሰደቓታት (tables) እናደንከለ፡ ነተን ንመሸጣ ዝቐረባ እንስሳታትን ምስ ናይቶም ዋናታትን ኣባሪሮም። ስልጣናዊ ተግባር ምዃኑ ስለ ዝለለይዎ ኣይሁድ በየናይ ስልጣን ይገብሮ ኸም ዘሎን፡ መረጋገጺ ስልጣኑ ዚኸውን ፍሉይ ትእምርቲ ኼርእዮምን ሓተትዎ። ንሱ ድማ ኪርድእዎ ዘይክእሉ ረቂቕ ምስጢር ገለጸሎም። ናይ መልሱ ቐጥታዊ መልእኽቲ (ስምዒ) ብዛዕባ ብዕጨ-እምኒ ዝተሰርሐ ህንጻ ቤት መቕደስ ዚዛረብዩ። ምስጢራዊ መልእኽቱ (ወርቂ) ግና፡ ብዛዕባ ንሳቶም ዜፍርስዎ (ወይ ዚቐትልዎ) ንሱ ግን ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ዜተንስኦ መቕደስ ስጋኡ ዚገልጽዩ።

እዚ ጐይታና ዝተዛረቦ ረቂቕ ምስጢርዚ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቤት መቕደስ፡ እቲ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ ግኡዝ ህንጻ ዘይኰነስ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተፈጥረ ህንጻ-ምመለኮት ምዃኑ ኣግሂዱልና ኣሎ። እዛ ሓድሽ ኪዳን ዝመሰረታ ክርስቶስ ዝርእሳ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ነዚ ናይ ምኵራብ ዕለትን ሳምንትን ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ መቕደስ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ለቢስናዮ ዘለና ህንጻ-መለኮት፡ ብዕምቈት ክንመሃርን ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ብዛዕባ ምሕደራኡ ድማ ቅኑዕ መገዲ ኽንክተልን ስለ ዝደለየትያ። ህንጻ-መለኮት ዚበሃል ዘሎ እዚ ለቢስናዮ ንነብር ዘለና መዋቲ ፈራሲ ስጋናዩ። ከም ስጋ ክርስቶስ ሞይቱ ዝተንስአ፡ ስጋናውን ብሞት ፈሪሱ ብትንሳኤ ሙታን ዳግማይ ኪህነጽዩ። ኣብ ብህይወት ዝነበረላ ዘመኑ ግን ስጋና መቕደስ ኣምላኽ ኰይኑ ኺነብር ዝተፈጥረ። ስጋና ቤት መቕደስ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ገሊጾምልናዮም (1ቈረ 316,17 619,20 2ቈረ 616 ኤፌ 221,22 እብ 36 1ጴጥ 24,5) ኣይሁድ ነቲ ኣምላኽ ዝቐደሶ ግኡዝ ህንጻ-ሰብ ብርኽሰቶም ስለ ዘጋዕዘይዎ፡ ብቝጥዓ መለኮት ካብ ተቘጥዖምን ካብ ፈረዶምን፡ ንሕና ነዚ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ ህንጻ-መለኮት ዝዀነ ስጋና ብሓጢኣት እንተ ኣጋዕዚናዮ እንታይ ኺገብረና፧ ኣብ ዕለተ ምኵራብ ብዕምቈት ክንሓስበሉን ርእስና ብዘይ ንሕስያ ኽንምርምረሉን ዚግብኣና ጕዳይ እንተልዩ፡ መቕደስ ስጋና እቲ ጕሒላ ድያብሎስ ዚግልገለሉ ናይ ርኽሰት ህንጻ ዀይኑ ኸይርከብዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ነቲ ለካሚና ድያብሎስ ዘይኰነስ ነቲ መድሓኒና ክርስቶስ ክንግዛእ፡ ቅድስና ናይ መቕደስና ብልዑል ጥንቃቐ ክንሕልዎ ኸም ዚግብኣና ዜለብመናዩ።

መቕደስ ኣምላኽ ናይ ምዃንናን ንኣምላኽ ተገዛእቲ ናይ ምዃን ሓላፍነትናን ብኸመይ ዚዛመድ፧ ንሓደ ህንጻ ክትድኩኖን ክትሃንጾን ከለኻ፡ እትሃንጸሉ ዕላማ ኺህልወካ ናይ ግድንዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ ኪፈጥሮ ኸሎ፡ መቕደሱን ማሕደሩን ኪዀኖ ኢሉ ዝፈጠሮ። ህያው ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግኡዝ ዘይኰነስ ኣብ ህያው መቕደስ ዚሓድርን ዚቕደስን። ህያው መቕደስ ኰይኑ ኺነብረሉን ኪግልገለሉን ዝመረጾ ኸኣ፡ እቲ ብመልክዑን ብምስሉን ዝተፈጥረ ሰብዩ። ህንጻ መለኮት ምዃንና ንኼረጋግጸልና ኸኣ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦ "ንሕና (ሃዋርያት) መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 39) ኣብ ኤፌ 219-22 (. + .)

"እምበኣርሲ ንስኻትኩም ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራቤቱ ንኣምላኽን ኢኹምምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። እቲ ህንጻ ብምሉኡ ዝተቐደሰ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብጐይታ እናተኣሳሰረ ዚዓብይ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ (ኣብ መሰረት) ብመንፈስ ማሕደር (መቕደስ) ኣምላኽ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ሓቢርኩ ትህነጹ ኣለኹም።" ብምባል ደጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ህያዋን መቕደስ ክንከውን ዚድለየሉ ምኽንያት፡ ባዕላትና ፈቲና ኸነገልግሎን ከነኽብሮን ስለ ዝደለየዩ። ግኡዝ ህንጻ፡ ሰባት ደኣ ናብኡ መጺኦም ዝደለይዎ ይገብሩምበር፡ ባዕሉ ዚገብሮ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን። ኣብ መቕደስ-ስጋና ግና ባዕላትና ኢና ንኣምላኽ እነገልግሎምበር፡ ካልእ ኣካል ኣትዩ ኼገልግል ኣይክእልንዩ። ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ንኣምላኽ ከነገልግል ዚረድኣናን ዚመርሓናን፡ መንፈስ ቅዱስዩ። ንሰይጣን ከነገልግል ዜስሕተና ድማ ርኹስ መንፈስዩ። እዞም መናፍስቲዚኣቶም ይድግፉና ወይ የስሕቱናምበር፡ እቲ ወሳኒ ኣካል፡ እቲ ማሕደር ዝዀነ ውልቀ ሰብዩ። እቲ ንኣምላኽ፡ ነቲ ሓቀኛ ፈጣሪኡ ኪግዝኦ ዝመረጸ ሰብ ንመንፈስ ቅዱስ ይእዘዞ። እቲ ንኣምላኽ ኣብ ገዛእ ህንጻኡ ኼዋርዶ፡ ነቲ ጒሒላ ሰይጣን ከኣ ኬኽብሮ ዝመረጸ ሰብ ከኣ፡ ነቶም ዝሓደርዎ ርኹሳት መናፍስቲ ይእዘዝ። ስለ ካብ ሓቂዚ፡ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንና ምስ ተገዛእነትና ቀጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ዜረጋግጸልናዩ።

መቕደስ ኣምላኽ ክነስኻስ ንኣምላኽ ዘይትግዝኦ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎ ድዩ፧ ብምሕረቱ ደኣ ከምኡ ኻብ ምዃን ይሰውረናምበር፡ ኣሎወ። ግደ ሓቂ ኽንዛረብ እንተ ዄንና ደኣ፡ እቲ መቕደስ ኣምላኽ ክነሱስ፡ ንሰይጣንምበር ንኣምላኽ ዘይግብኦ ሰብ ይበዝሕ። ካብዞም ኣብ ዘለናያ ናይ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ተቐሚጥና ዘለና ሰባት፡ መብዛሕትና ኻብቶም መቕደስ ኣምላኽ ክነሶም ግን ከኣ ንኣምላኽ ከም ዚግብኦ ዘይግዝእዎ ሰባት ምዃንና በብውሽጥና ንፈልጦ ኢና። ጐይታናውንጽውዓትሲ ብዙሓትዮም፡ ሕሩያት ግን ሒደትዮምብምባል ነቲ ሓቂ ኣግሂዱልና (ማቴ 2016 2214) ሓደ እዋን ጐይታና ናብ ኢየሩሳሌም ገጹ እናተጓዕዘ ኸሎ፡ ሓደ መስተውዓሊ ሰብኣይ ቅርብ ኢሉ፡ጐይታና፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧ኢሉ ሓተቶ። ጐይታና ድማ፡ብዙሓት (ናብ መንግስተ ሰማያት) ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣለኹሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።ኢሉ መለሰሉ (ሉቃ 1322-27 ማቴ 720-23) ነቲ ናብ ሰማያዊት መቕደስ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታው ኵላትና ኢና ንደልዮ። ነቲ ናብኣ ንኽንኣትው ኸነማልኦ ዚግብኣና ረቛሒታት ከነማልኦ ግን ኣይንደልን ኢና። እቲ ንኸነማልኦ ትጽቢት ዚግበረልና መሰረታዊ ረቛሒ ድማ፡ ንኣምላኽ ክንግዛእን ክንእዘዝንዩ። ነዚ ሓቂ ጐይታና፡ "ፍቓድ ናይ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣምበር፡ጐይታይ፡ ጐይታይዚብለኒ ዅሉ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣትውንዩ። " ብምባል ኣረጋጊጹልና (ማቴ 720-23 .) ፍቓድና ሓዲግና ንፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ክንእዘዝ እንተ ዘይመሪጽና፡ ምስቶም ንድሕነት እናደለይዋስ ዘይረኽብዋን ዘይትዀነሎምን ሰባት ኢናንምደብ። ንኣምላኽ ዘይትግዛእ ምዃን ናይ ዓመጻ ተግባርዩ። ስለ ኸኣ ብቝጥዓ ዚፈርዶን ዚብቀሎን (ሮሜ 118 28,9) ንኣምላኽ ዘይምግዛእ ናይ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘሎካ ዕዙዝን ስዉርን ጽልኢ ግሁድ መርኣያ (ዮሃ 1415,21,23,24 1518,23,24 ያእ 44 1ዮሃ 215-17)

እቲብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያንየ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደስኩ መቕደስ ኣምላኽዚብል ሰብ፡ እቲ ንኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዚግዝኦን ብእምነት ዝተገዝኦን ሰብ ጥራሕ ጐይታ ኣብ እምነትና ጥራሕ ዚገዝእ፡ ኣብ ናብራና ግና ሰይጣን ጥራሕ ዚገዝእ እንተ ዀይኑ፡ እምነትና ንኣና ኻብ ምጥባር ሓሊፋ እተበርክቶ ረብሓን ኣገልግሎትን የብላን ማለትዩ። ናይ እምነት ረብሓ፡ ንኣምላኽ ክንግዛእን ክንእዘዝን እተኽእል ምዃናዩ። እታ ዘላትና እምነት ንኣምላኽ ብግብራዊ መገዲ ኽንግዝኦ እንተ ዘየኽኢላትና፡ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይህባ ዘይትጠቅም ከንቱን ምውትትን ምዃና ዜረጋግጸልና። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዚ ሓቂ ግሩም ገይሮም ኣብሪሆምልናዮም።

 "ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ (ከም ዚኣምንዎ) ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ። " ቲቶ 116

ስለ ጥዑይን ሓቀኛን እምነት ከም ዘሎና እነረጋግጸሉ እንኮ መገዲ፡ ብዘይ ዝዀነ ደረትን ዕቃበን ንኣምላኽ ክንግዛእ ምስ ዜኽእለናዩ።

ብኸመይ ኢና ንኣምላኽ ክንግዝኦ እንኽእል፧ ንግዝኦ ምህላውናኸ ብኸመይ ኢና እነረጋግጽ፧ መልሲ ናይ ሕቶ ኣብ ልዕል ኢልና ዝገለጽናዮ ሓሳባት ድሮ ተኣንፊቱዩ። እግዚአብሔር፡ ጐይታ-ጐይቶትን ንጉስ-ነገስታትን ኣምላኽ ኣማልኽትንዩ። እዚ መለኮታዊ መንነቱን ስልጣኑን ድማ ኵሉ ፍጥረት ኪግዝኦ ዚገብርዩ። ኣሽንኳይ ንመለኮት፡ ስልጣን ንዘለዎ ምድራዊ ንጉስን ጐይታን ኽትግዝኦ ናይ ግድንዩ። እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ ግዝኣቱ ለቒቕካ ኽትወጽእ ይግባእ። ንእግዚአብሔርኣይግዛእንእንተ በልና ግና ናብ እንወጻሉ ቦታ የብልናን። ዋላ ኣብ መዓሙቝ ሲኦል እንተ ተሓባእና፡ ብህልውናኡ ኣብ ኵሉ ምሉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብኡ ኽንርሕቅን ክንክወልን ኣይከኣልንዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ሓቂ ኣረጋጊጹልናዩ።

 "ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድየ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድምየ፡ ናብ ሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። " መዝ 1397,8

ስለ ብዘይካ ንኣምላኽ ምግዛእ ካልእ ኣማራጺ ዘይብልና ፍጡራት ኢና።  "ኣይፋለይ " ኢልና ንእኡ ዘይምግዛእ እንተ መሪጽና ግና፡ ኣብ ዜሰክሕ ኢዱን ፍርዱን ክንወድቕ መሪጽና ኣለና ማለትዩ። ክንግዝኦ ናይ ግድን ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብና፡ ብኸመይ ከም እንግዝኦ ኽንፈልጥ ዜድልይ። ብኸመይ ክንግዝኦ ኸም ዚደልይ ከኣ ጐይታና ኣፍሊጡናዩ።

 "እምበኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ ናይ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣምበር፡ጐይታይ፡ ጐይታይ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን። " ማቴ 720,21

 "ጐይታይ " ዚብል ኣጸዋውዓ ናይ ተገዛእነት ቃና ወይ ነጸብራቕ ዘለዎ ቓልዩ።  "ናተይ ጐይታ " እንተ ኢልና፡  "ናትካ ባርያ ወይ ግዙእ " ንብል ኣለና ማለትዩ። ናይ ጐይታን ግዙእን ዝምድና እንተ ድማ፡ ናይ ግድን ሓደ ፍቓድ ጥራሕ ዚገዝእ። ክልተ በበይኑ ዝዀነ ፍቓድ እንተልዩ፡ ተገዛእነት ኪህልው ኣይከኣልንዩ። ምኽንያቱ ናይ ክልተ ፍቓድ ተገዛኢ ምዃን ዘይከኣል ነገርዩ። ስለ ኸኣዩ "ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን፡ ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ።... " ዝተባህለልና (ማቴ 624)

ስለ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኪግዛእ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ናይ ስጋኡ ፍቓድ ኪንዕቆን ኪጸልኦን ናይ ግድንዩ።  "ንፍቓዱ ምግባር፡ ነዚ ፍቓድና ኸኣ ዘይምሕዳግ " ዚብል መርገጺ ሒዝና፡ ንኽልቲኡ ተጻራሪ ፍቓድ ከነአንግድ እንተ መረጽና፡ ከም ንፍትወት ብዙሓት እትግዛእ፡ ኪዳን ዘይብላ ኣመንዝራ ኽንከውን መሪጽና ኣለና ማለትዩ። እግዚአብሔር ከኣ ንእሙን ብዓል ኪዳንምበር፡ ናይ ምንዝርና ዝንባለ ንዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ዚፍንፍኖ። ፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ብምግባር ንኣምላኹ ኬስምር ዝመረጸ ሰብምበኣር፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ ኪጸልኦ፡ ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ኬግዝኦ ይግባእ። ኣብ ሰብኣዊ ስርዓት፡ ባርያ፡ ፍቓድ ናይ ጐይታኡ ጥራሕ ዚፍጽም። ዋላ ኣብ ዘለናዮ ዘመናዊ ናይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምድናውን፡ እቲ ሰራሕተኛ ፍቓድ ናይ ኣስራሒኡ ጥራሕ ዚፍጽም። ጐይታኡ ዝበሎ ገዲፉ ብናቱ ፍቓድን ምርጫን ኪሰርሕ እንተ መሪጹ፡ ነታ ስራሕ ኪስእና ምዃኑ ዘየጠራጥርዩ። እምበኣር ንኣምላኽ ንግዝኦ ምህላውና ንኸነረጋግጽ ማዕረ ኽንደይ ንፍቓድና ኽሒድና ንፍቓድ ጐይታ ንግዛእ ከም ዘለና ንህይወትና መርሚርና ምርግጋጽዩ።

በዚ ኣርእስቲ ኣርኣያ ክርስቶስ እንታይ ይመስል፧ ኣብ ምድሪዚኣ ዝተራእየ ዝለዓለ ናይ ተገዛእነት ኣርኣያ እንተልዩ፡ እቲ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣቦኡ ዘርኣዮ ተገዛእነትዩ። ካብ ሰማያት ወሪዱ ስጋና ኺለብስን ኣብ ማእከልና ኺነብርን ካብ ዘድለዮ መሰረታዊ ዕላማታት ሓደ ድማ፡ ነዚ ናይ ተገዛእነት ኣርኣያ ምእንቲ ኼጸግወናዩ። ኣብ ምስጢረ-ስላሴ ብዕምቈት ከም እንመሃሮ፡ እግዚአብሔር ወልድ (ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ምስ እግዚአብሔር ኣቦ ማዕረን ሓደን (ዮሃ 1030 149) እንተ ዀነ ስጋ ቕድሚ ምልባሱ ዀነ ድሕሪ ምልባሱ ርእሱ ንፍቓድ ኣቦኡ የግዝእ ነበረ። ኵሉ ናቱ ኽነሱ፡ ናይ ኣቦኡ ኸም ዝዀነን ካብኡ ኸም ዝተቐበሎን ይዛረብ ነበረ (ዮሃ 1710) ንሱ ዋላ ሓንቲ ዘይክእል ክሳዕ ዚመስል፡ ንዅሉ ተግባር ካብ ኣቦኡ ኸም ዝተማህሮ ገይሩ ይእመን ነበረ (ዮሃ 828) ብስልጣን ማዕሪኡ ኽነሱ ብእኡ ኸም ዝተላእከ መልእኽተኛ ገይሩ ንርእሱ ይገልጻ ነበረ (ዮሃ 829) በቲ ስጋ ምልባሱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዅሉ ዘረባኡን ተግባሩን፡ ብዛዕባ ርእሱ ከም ባርያ ናይ ኣቦምበር ከም ማዕሪኡ ገይሩ ይዛረብ ኣይነበረን። እዚ ብምግባሩ ድማ ኣምላኽነቱ ኸም ዝተመንዝዐ ወይ ዝጐደለ፡ ወይ ከም ዝተዋረደ ገይሩ ኣይርእይን ከምኡውን ዘይስምዖ ምዃኑ ኣዝዩ ዜገርምዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብዜገርም ኣገላልጻ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

 "እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ ይሃሉኹም። ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እንተ ኾነ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነትኣይገድፍንኢሉ ኣይተኸራኸረን። እንተ ዀነ ሰብ ብምዃን፡ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፡ አረ ደኣ ክሳዕ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ። "  ፊሊ 25-8 .

እዛ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝነበረት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኣባና እንተ ዘየልያ፡ንኣምላኽ ተገዝእዎዚብል ትእዛዝ ኰነ ምዕዶ፡ ክትድይቦ ዘይከኣል ተሪር ዓቐበት፡ ኪጽወር ዘይክእል ግዙፍን ከቢድን ጾር ከም ዚዀነና ርዱእዩ። እቲ ፍቓድና ሓዲግና ንፍቓድ ኣምላኽ ምግዛእና ሰብኣዊ ኽብርናን መንነትናን ከም ዝተመንዛዕናን ከም ዝተዋረድናን ዄንና ኸም ዚስምዓና ዚገብረና እንተ ዀይኑ፡ ኣሽንኳይ ክንፍጽሞ ነዛ ኽንሰምዖ ኸም ዘይንፈትው ርጉጽ ሓቂዩ። እግዚአብሔር ኣቦ፡ ብዛዕባ ሓደ ወዱ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ዝሃቦ ቓል፦

 "እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዝብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፡.... "

 "እንሆ፡ ዝሓረኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድርየ፡ .... "ብምባል፡ እቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ ኸም ባርያ ኸም ጊልያ ዀይኑ ኸም ዝተገዝኦን ከም ዘስመሮን መስኪሩሉ ኣሎ (ኢሳ 421-4)

ንምልኣት ተገዛእነቱ ኣዝዩ ዘጉልሐ ድማ ንፍቓዱ ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣቦኡ ኼግዝእ ብምኽኣሉዩ። ነዚ ድማ ደጋጊሙ ይዛረበሉን ብግብሪ ይፍጽሞን ነበረ።

 " ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ብልዒ ኣሎኒ። . . ብልዐይሲ ፍቓድ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡውን ክፍጽምዩ። . . . ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንየ። ፍቓድ ናይ ዝለኣኸኒምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልንየ፡ ..... ኣነ ፍቓድ ናይ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ። ....ኣነስ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን .... እምበኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከም ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ ዝዛረብ ዘለኹ።  . . . " ዮሃ 432,34 530 638 1248-50

ንሕናውን ንኣምላኽ ብተገዛእነትና ኸነስምሮ እንተ ዄንና ካብ ናይ ጐይታና ጥበብ ወጻኢ ኻልእ መገዲ ኺህልወና ኣይግባእንዩ። ስለ ናብ ኣእምሮና ዝዀነ ሓሳብ ህሩግ ኢሉ ምስ ዚኣትው፡እዛ ሕጂ ዝሓስባ ዘለኹ ሓሳብ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረት ሓሳብ ድያ፧ ክርስቶስ ነዛ ሓሳበይዚኣ ኣብ ኣእምሮኡ መአንገዳዶ፧ኢልና ኽንሓትት ይግባእ። ክርስቶስ ጐይታና ኼአንግዶ ዘይክእል ጽዩፍ ሓሳብ ምስ ዚኸውን፡ ካብ ኣእምሮና ሓኺኽና ኽንድርብዮ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦ ብዜኽብር ናይ ክርስቶስ ብዚመስል ሓሳብ ኽንትክኦ ይግብኣና። ከም ምስ እንገብር፡ ኣእምሮና ንኣምላኽ ኣግዚእና ማለት (ፊሊ 48,9 ኤፌ 417 ሮሜ 121 2ቈረ 104,5) ንዘረባና ብዚምልከት ድማ፡ ነቲ ንጉስ ሰለሞን፦"....ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ፡ ....ቃላትካ ሒደት ይኹን። ...ስጋኻ ሓጢኣት ከይገብርሲ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሃቦ፡ ...ዝበሎ ቓል፡ ወርትግ ክንዝክሮን ክንትግብሮን ይግባእ (መክ 52-7) ስለ ናብ ኣፍና ንዝመጸ ዅሉ ቓል ቅድሚ ምዝራብና፡  "ክርስቶስ ጐይታና ኣብ ኣነ ዘለኽዋ ዅነታትን ቦታን እንተ ዚህልው፡ እንታይ ኰን ምተዛረበ ነይሩ፧ ነዚ ሕጂ ኣብ ውሽጠይ ኰይኑ ዚህውጸኒ ዘሎ ቓላትሲ ምተዛረቦዶ፧ " ኢልና ኽንሓትትን ልሳንና ንፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ከነግዝእን ይግብኣና።  ድሮ ንዝተዘርበ ቓል ክትእርም ምግዳል ማለት፡ ድሮ ንዝተተኰሰ ጥይት ክትመልስ ወይ ከተቕንዕ ምፍታን ዝዓይነቱ ኸንቱ ፈተነ (ማቴ 1233-37 ኤፌ 439 54 ቈሎ 38)፡፡

እቲ ብሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፦ "ሓደ ብቓል ዘይስሕት (ሰብ) እንተሎ፡ ንሱ ንዅለንተናኡ ኺገትእ ዚኽእል ብቑዕ ሰብኣይዩ።ዝበሎ ምስክርነት ብዛዕባና ኽሳዕ ዚበሃል፡ ክንምርሓሉ ይግባእ (ያእ 32) ብዛዕባ ግብርናውን እንተ ዀነ፡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኽንወስድ ዚግባእ። ክርስቶስ ዘይገብሮ ግብሪ ንዘይምግባር እንተ ወሲንና፡ እግዚአብሔር ከም ብዛዕባ ወዱ፡  "ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ ዝሓረኽዎ ባርያይ " ዝበሎ፡ ብዛዕባናውን ኪብልዩ። ናይ ግብሪ ጽቡቕ ነገር፡ ዋላ ዅሉ ጊዜ ኣይኹን፡ ዘይከም ዘረባ ተሃዊኽካ ኽትገብሮ ዘየገድድን፡ ንኽትሓስብ ዜኽእል ቅሩብ ጊዜን ዕድልን ዚህብ ምዃኑዩ። ስለ ክርስቶስ ዚገብሮ ግብሪ ጥራሕ ብምዝውታር ንእግዚአብሔር ዘለና ምልኣት ተገዛእነት ከነርእይ ይግባእ። ከም ብዛዕባ ቕዱስ ዳዊት፡  "ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ (ምስ ተገዝአ) ዓረፈ። " ዝተባህለ ምስክርነት፡ ብዛዕባናውን ከም ዚበሃል ከነረጋግጽ ይግብኣና (ግብ 1336) ነቲ እኩይ ድያብሎስን ነዛ እክይቲ ዓለምን ዚስዕር ድማ እቲ ኸም ገይሩ ርእሱ ንኣምላኽ ዜግዝእዩ። እቲ  "ንድያብሎስ ተጻረርዎ " ዚብል ትእዛዝ፡ ነቲ  "ንኣምላኽ ተገዝእዎ" ዚብል ቃል ብምእዛዝ ኢና እንፍጽሞ። እምበኣር ብተገዛእነትና ንኣምላኽ ነኽብር፡ ንግብሪ ዲያብሎስ ድማ ነፍርስ ምህላውና ወርትግ ነረጋግጽ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

መጋቢት 2025 | የካቲት  29, 2016 ግዕዝ (መበል 26 ሰንበት: ቊ.፳፮/26)

ምስባክ

መዝ. ፷፰(፷፱)፡፱-፲ "እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ።  ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ።ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ። "

 "ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ’ውን ኣባይ ወዲቑ’ዩ’ሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይ’ውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።"

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 2፡16-ፍጻመ

ዲያቆን

ያእ 4፡1-12

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 5፡17-30

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 2፡12-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ  መዝሙር፦ ዘምኵራብ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div