S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ምድረ በዳ፡ ዘላ ጽጌረዳ!

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ቅድስት ማርያም ከተማ ቴል-ኣቪቭ ሃገረ እስራኤል

ከምቲ ዕንበባ ጽጌረዳ ብእሾኽ ተኸቢባ ከላ፡ ጥዑም ሽታን፡ ዘብህግ ጽቡቕ ትርኢትን ዘለዋ፡ ኣብ ሃገረ እስራኤል ከተማ ቴል-ኣቪቭ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅድስት ማርያም ዎልፍሶን ድማ ብኹሉ ዕዮ ወንጌል መንፈሳዊ መኣዛ ክርስቶስ እትፍልፍል ዓይኒ ማይ ብምዃን፡ ንኣገልገልታ ሠናይ ናይ ዕረፍቲ ቦታ፥ ንምእመናን ከኣ ጥዑም ሽታ፥ ኮይና ተስፋ እተስንቕን ሓቂ እተዕጥቕን ኣብነታዊት ቤተ ክርስቲያን እያ።

ንዝኾነ ሰብ ካብ ኣብ ሓጎሱ: ኣብ ሓዘኑ ክትዕጠቐሉ፥ ካብ ኣብ እዋን ራህዋ ኣብ እዋን ጸበባ ክትቀርቦ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ከም ዝገለጾ፡ “ጠምየ ኣብላዕኩምኒ፥ ጸሚአ ኣስቴኹምኒ፥ ጋሻ ኮይነ ተቐበልኩምኒ፥ ሓሚመ በጻሕኩምኒ” (ማቴ 25፡35) ዝብል ዓስቢ ዘለዎ ሠናይ ግብሪ ብምዃኑ፡ ንሰብ ብዝያዳ ኣብ እዋን ሕማሙን ጸገሙን ብዘሎካ ዓቕሚ ምሕጋዝን ምዕቋብን ኣዝዩ ዘሓጉስ መንፈሳዊ ዕዮ ኣምላኽ እዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ከተማ ቴል-ኣቪቭ ካብ ዝተመሥረተትሉ 2010 ኣ.ፈ ጀሚራ፡ ነቶም ኣብ ምድረ-በዳ ግብጺ ብጭካነ-በደዊን (ኣረማውያን) ተሳቕዮም ተስፋ ዝቖረጹን፡ ነተን ጽቡቓት ኣዋልድ ደቅና ዘይሰብኣዊ ዓመጽን ግፍዕን በጺሕወን ኣእምሮአን ዝሰሓታን፥  ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ብድነ-ሞት ሓሊፎም ናብ ሃገረ እስራኤል ዝኣተዉ መንእስያት ደቅና፡ ቤት-ኣምላኽ ከፊቶም ከም ርህሩህ ወላዲ ሓቝፎም፡ ቁስሎም ክዝንኑን ሓዘኖም ክካፈሉን ክትርኢ ከሎኻ ብዙሕ ዘሐጉስ ሠናይ ግብሪ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ንኹሎም ባህጊ ልቦም ኣሥሚሩ ጻምኦም ክኸፍሎም ንጎይታ እልምን።

ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ መብዝሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገር ግዝኣተ-ሕጊ፥ ኣማኒ ህዝቢ ተዋሕዶ ከኣ ኣብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያኑ ሓቂ፥ ስኢኑ ከም ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ፋሕ-ብትን ኢሉ ናብ ፈቐዶ ሃገራት ብመሪር ጉዕዞ-ስደት ኣብ ዝበታተነሉ ዘሎ ናይ ፈተና እዋን፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምእንቲ ኦርቶዶክሳዊ እምነቶም ዝእሰሩ፥ ኣብ ሃገረ-ስደት ከኣ መከራ መስቀል ተሰኪሞም ንምእመናን ብተወፋይነት ዝጓስዩ፡ መንፈሳውያን መራሕቲ ምርካብ ብሓቂ ቀሊል ኣይኮነን። በዚ ከኣ ከምቲ ነቢይ ኤርምያስ “ጥራስ ዘይጠፋእናስ ሳላ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እዩ!” ዝበሎ፡ ኣብዚ ጊዜ ፈተና እሙናት ኣቦታት ዝሃበና ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሔር ይኹን! ኢልና ከነመስግንን ውዕለቶም ክነግርን ይግባእ እዩ። ደ.ኤር 3፡22።

እወ! እዞም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ቴል-ኣቪቭ፡ ወትሩ ብጸሎትን ብተወፋይነትን ንህዝቦም ዘገልግሉ ውሉደ-ክህነት ንባዕሎም ብጊዜ ዘምጽኦ መሪር ሽግር፡ ዝሓለፉ ብምዃኖም፡ “ተስፋ ኣብ ዘይረኣየሉ ቦታ፡ ተስፋ ምስናቕ” ብዝብል ክርስቲያናዊ ዕላማ ስለ ዝተበገሱ እዮም ነዛ ሎሚ ብብዝሒ ካህናት፥ ዲያቆናት፥ መዘምራንን ምእመናንን ልዕሊ ዓቕማ ጠርኒፋን ሓቝፋን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ከተማ ቴል-ኣቪቭ ብቡራኬ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ብወግዒ ዝመሥረትዋ። ኩልና ከም ንፈልጦ ኣብ ዝኾነ ቦታ ቤት ኣምላኽ ክኽፈት ከሎ፡ ጸላኤ-ሠናያት ሰይጣን ብዙሕ ዕግርግርን ሁከትን ከም ዘምጽእ ርዱእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣብ ከተማ ቴል-ኣቪቭውን ነቶም ኣብ መጀመርታ ውሑዳት ዝነበሩ ጠርነፍትን ኣወሃሃድትን ኣቦታት ካህናት ብዙሕን ዝተፈላለየን ናይ ሰይጣን ተጻብኦ ገጢምዎም እዩ። ግናኸ ከምቲ “ኣምላኽ ምሳና ካብ ኮነኸ መን እዩ ዝቃወመና”? ሮሜ 8፡31 ዝብል ጽሑፍ ዘሎና ኣምላኽ ዝተኸሎ ትኹል ብምዃኑ፡ እንሆ ሎሚ ብፍረ-ጻዕሮም ሕጻናት ብጸጋ-ጥምቀት፥ መንእሰያት ብትህምርቲ ሃይማኖት፡ ንዝምርዓዉ ብተኽሊል፥ ምእመናን ብቅዱስ ቍርባን ዝግልገልሉ፡ ብጥንታዊ ሕጊ ሓዋርያት ተኸቲሉ ዕዮ ወንጌል ዘስፍሕ፡  ብቅድስና ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመሓደር ግሩም ቤት ኣምላኽ ኮይኑ ንረኽቦ።

ወላኳ እዞም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ከተማ ቴል-ኣቪቭ ዝርከቡ ኣሽሓት ህዝብና ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ይኹን ናይ ስደተኛታት ምሉእ መሰል ኣብ ሃገረ እስራኤል ዘይብሎም እንተኾኑ፥  ኣቦታት ካህናት ብስኒት፥ ዲያቆናት ብትግሃት፥ መዘምራን ብጥዑም መዝሙራት፥ ምእመናን ብጽኑዕ እምነት፡ ሓቅን ሕግን ሒዞም ተሰማሚዖም ብፍቕሪ ከገልግሉ ትዕዘብ፥  ኣብ ዓበይቲ ክብረ-በዓላትውን ኣውቶቡሳት ኣዳልዮም ናብ ቅዱስ ታሪኻዊ ቦታታት ናይ ዑደት መደባት ብምድላው ንልቢ ኣማኒ ህዝቢ ብምንቕቓሕ ሓያል ሓዋርያዊ ስራሕ ክፍጽሙ ይርከቡ ኣለዉ። ብኣንጻር እዚ ከኣ እቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝነብሩ ገለ ውሉደ-ክህነት ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ፥ ሰብኣዊ ክብርን ሃይማኖታዊ መሰልን ሒዞም ከለዉ ንህዝቦም እሙናት ኮይኖም ክርስቲያናዊ ግብኦም ኣብ ክንዲ ዝፍጽሙ ብዕባራ ምኽንያታት ምስቶም ሕጊ-ኣልቦ ዝኾኑ ሰብ ጊዜ ክውግኑ ምርኣይ ብሓቂ ዘስደምም ሕማቕ ታሪኽ ብምዃኑ የሕዝነካ።

ብዛዕባ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ትምህርቲ ምምሃር ግደ ካህናት እዩ! (ሚል 2፡7) ዝብል ቅዱስ ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ ኣብዛ ቐናን ሓሳብን  ጠዋይ ግብርን ዝበዝሓ ናይ ዓመጽ ዓለም፡ ኩልና ውሉደ-ክህነት ጻዕዳ ስርናይን ጽሩይ ማይን ንመጓሰና እንምግብ፡ እሙናት ኣምባሳደር ክርስቶስ ብምዃን ፡ ነቶም ዝሓዘኑ ከነጸናንዕ፥ ነቶም ዝተኣስሩ ብቃል ኣምላኽ ከነበርትዕ፥ ንዝተበትኑ ክንእክብ፥ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣገልጋሊ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ሰማያዊ ዓስቢ ዘለዎ ግብሪ ቅዱሳን ምዃኑ ተረዲእና ግቡእና ንፈጽም። ብተወሳኺ ነዚ ብውሽጢ ከቢድ ናብራ ቅልውላው፥ ኣብ ደገ ከኣ ዘየድሊ ምፍልላይን ኣጋጢምዎ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ቁስሉ ተረዲእና ናብ ዕረፍትን ሕድሕዳዊ ምክብባርን ዘብጽሕ ቅኑዕ ማዕዳን መንፈሳዊ መኽርን ከም ዘድልዮ በብዘሎናዮ ክንስሕቶ ኣይግባእን።

ኣብ መደምደምታ ከምቲ ነቢይ ሙሴ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ቤተ መንግሥቲ ፈርዖን ክብረትን ጸባን፥ ምስ ህዝቢ እስራኤል ስደትን ጸበባን ዝመረጸ፥ ኹሎም ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰበኻ-ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሃገረ እስራኤልን ድማ፡ ነቲ ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ብርቱዕ ፈተናን ሽግርን ዝሕለፈ ህዝቦም ዘለዎም ልባዊ ፍቕርን መንፈሳዊ ሓልዮትን ብጊዜ ጸበባ ይኹን ብእዋን ራህዋ ብግብሪ ዝርአ ብምዃኑ፡ ኣብ ምድረ-በዳ፡ ዘላ ጽጌረዳ ኢልካ ምግላጹ ኣኻሊ ይመስለኒ። ብተወሳኺ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ነቶም ብጽቡቕ ዘገልግሉ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ምናዳ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩን ዝህምሩን ዕጽፊ ክብሪ ይግብኦም እዩ!” (1 ጢሞ 5፡17) ክብል ከም ዝገለጾ ኩሉ ኣማኒ  ህዝቢ ተዋሕዶ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ድማ ነቶም ቅኑዓት መንፈሳውያን መራሕቱ ክብሪ እንዳሃበ ክስዕቦም፡ ነቶም ንጥንታዊ ሕጊ ረጊጾም ኣብ ቤት ኣምላኽ ምፍልላይን ዓመጽን ዘእትዉ ተበለጽቲ መጋበርያ ዓለም ከኣ፡ ዓገብ ኢሉ ክቃወሞም ይግባእ። በብዘሎናዮ ንኣምላኽ ዝእዘዝ ልብን ኣብ ቤቱ ብፍቕሪ ከነገልግል ዘነቓቕሕ ኣእምሮን ይሃበና።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጎሰሎም ሰብ። ሉቃ 2፡14

 

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ቅዱስ ሚካኤል ከተማ ሻርሎት 

ሕቡራት ሃገራት ኣሜርካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div