S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይኣማኒ ኣይትኹን (መበል 33 ሰንበት: ቊ.፴፫/33, 2025 | 2017 ግዕዝ

 ድሕሪ ሸሚንተ መዓልቲ ኸኣ . . . መዓጹ ተሸጉሩ ኸሎ፡ ኢየሱስ መጸ። ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ሰላም ንኣኻትኩም ይኹንበሎም። ድሕሪ ኸኣ ንቶማስ፡ኣጻብዕካ (ኣብ ኣንብር) ነእዳወይውን ርኣይ፡ ኢድካ ናብ ኣምጽእሞ፡ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ። ኣማኒምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹንበሎ። ቶማስ ከኣ መሊሱ፡ጐይታይን ኣምላኸይንበሎ፡ ኢየሱስ ከኣሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣንዮምበሎ።  ዮሃ 2026-29 .

እንሆ ዕለት ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማዳግማይ ትንሳኤ” (ብግእዝዳግም ትንሣኤ”) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ንዅሎም ሃዋርያቱ ብእኩባቶም ኣብ ዕጹው ገዛ ኣብ ዝነበሩሉ ኣብ ማእከሎም ተጋሂዱ ንዅላቶም ዝተራእየሉ ዕለት ስለ ዝዀነምበር፡ ክርስቶስ ካብ ሞት ክልተ ጊዜ ስለ ዝተንስአ ኣይኰነን። ትማሊ ሰንበትውን ከም ዝተነግረና፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ሓምሳ መዓልታትዘመነ ትንሳኤተባሂሉ ዚጽዋዕ። እታ ኣብ ፋሲካ ለይቲ ምስ ካህናትና እናተኣዛዘልና (እናተቐባበልና) ኽንብላ ዝጀመርና፡ክርስቶስ ተንሥአ እም ሙታንክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ንሓድሕድና ኽንራኸብ ከለና፡ ኣብ ክንዲ ሰላምታ ኽንብሎ ዚግባእዩ። እዚ ተኣምኖ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንእመን ብቕዱሳን ኣቦታትና ዝተሰርዓልና ግሩም ምስጢርዩ። እንተ ዀነ፡ ብዘይካ ኣብ ናይ ትንሳኤ ለይቲ፡ ኣብ ድሕሪኡ ዘሎ ጊዜ ዚዝክራን ዜዘውትራን ሰብ የልቦን። ኣብ ናይ ትንሳኤ ለይቲውን፡ እቶም ካህናትዮም ንበይኖም ዚብልዎምበር፡ ንእኡ ፈሊጡስ ምስኣቶም እናተቐባበለ ንትንሳኤ መድሓኒኡ ብልሳኑ ዚእመን ወለዶ ኣለና ኽንብል ኣጸጋሚዩ። እዚ ኸኣ ንኽብርን ዕብየትን ትንሳኤኡ ዚምጥን መንፈሳውነት ከም ዘየጥረና ዜመልክት ኣሰካፊ ተርእዮዩ። ስለ ኣገልገልትን ምእመናንን ተገዲስና ብምስትውዓል ክንጥቀመሉን፡ ነዚ ናይ ትንሳኤኡ ቅዱስ ተኣምኖ ማለትና ዀይኑ ኸነዘውትሮን ይግባእ።

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ ጽባሕ በዓለ ትንሳኤ ክሳዕ ዘለናያ ዕለት ዘለዋ ሾብዓተ መዓልታት ዚጽውዓሉ ነናተን ስማት ኣለወን። ሰኑይ፡ ማዕዶት (ፀአተ ሲኦል) ሰሉስ ቶማስ፡ ረቡዕ ኣልኣዛር፡ ሓሙስ ኣዳም፡ ዓርቢ ቤተ ክርስትያን፡ ቀዳም ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ሰንበት ከኣ ዳግማይ ትንሳኤ ይብሃላ። እዘን መዓልትታትዚኣተን ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ትንሳኤ ሙታንን ብዕምቈት ክንመሃረለን ዝተሰርዓልና መዓልታትየን። በበቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ስምን ኣርእስትን ሰፊሕ ትምህርቲ ኺወሃበሉ ይግባእ። እዚ ሻምናይ መዓልቲ ኸኣ፡ ብዛዕባ ጐይታና ንዅሎም ሃዋርያቱ ዝተራእዮምን ዝተዛረቦምን ኵሉ፡ ክንመሃረሉ ዝተሰርዐዩ። ምኽንያቱ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ናይ ትንሳኤኡ እሙናት ምስክር ኪዀኑ ዝተሓርዩን ዝተመልመሉን ስለ ዝዀኑ፡ ደጋጊሙን ብዝተፈላለየ መገድን ኪረኣዮም ናይ ግድን ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ኪምልኡን ሓይሊ ኣምላኽ ኪለብሱን ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሮም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ትንሳኤኡ ምእንቲ ኪዀንዎ ምዃኑ፡ ጐይታና ነጊርዎም (ግብ 18) ካብ ዕለተ ትንሳኤኡ ጀሚሩ ድማ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ተራእዮም (ግብ 13 1ቈረ 154-7) ኣብ ኵሉ ዘረባኦምን ስብከቶምን ድማ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ከም ዝዀኑ ብዝተፈላለየ መገድታት ይእመኑ ነበሩ (ግብ 121,22 232 315 410,19,20 530-32 1038-41 1329-31 1718-20 2214,15 2414,15,20,21,25 266,7,22,23 2820) ቅዱሳን ሃዋርያት በዚ ናይ ምስክር ኣገልግሎቶም ኣዝዮም ኪሕይሉን ኪጸንዑን ዘኽኣሎም፡ ከም ናይ ዳግማይ ትንሳኤ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ደጋጊሙ ብኣካል ስለ ዝተራእዮምዩ። ደጋጊሙ እንተ ዘይረኣዮም፡ ንሳቶም ተባዓትን ብቑዓትን መሰኻኽር ኪዀኑ ኣይምኸኣሉን፡ እምነት ክርስትና ድማ ናባናን ናብ ምልእቲ ዓለምን ኪበጽሕ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ስለ ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ከም ዝተሃንጸ ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ ዳግማይ ትንሳኤ ኻብ በዓለ ትንሳኤ ዘይንእስ ኣገዳስነትት ከም ዘለዎ ዜርእየናዩ።

ነዚ ቕዱስ ዕለት ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ክልተዩ። ቐዳማይ እቲ ኣብ በዓለ ትንሳኤውን ዚዝመርይትፌሣሕ ሰማይኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማግብረ ዘወሃብከኒ ፈጺምኩዘርእስቱ፡ ኣብ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ዘሎ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎት መሰረት ገይሩ  ዝተደርሰ መዝሙርዩ። እዚ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ ታሪኽ ኣብ ዮሃ 2019-22 መሰረት ዝገበረዩ። ኣብ ኽፍሊ ወንጌልዚ፡ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ጊዜ ተራእይዎም ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ኣብ ዝተንስኣላ መዓልቲ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ዘይብሉ ነቶም 10 ሃዋርያት ዝተራእየሉ ኪኸውን ከሎ (ዮሃ 2019-25) እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ሻምናይ መዓልቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ዝተረኽበሉ (ዮሃ 2026-29) ቅዱስ ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ምስክር ትንሳኤኡ ኪዀኑ ዝተሓርዩ ሃዋርያትዩ። ስለ ብቑዕ ምስክር ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ንጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ በዒንቱ ኺርእዮ ናይ ግድንዩ።በዒንተይ ከይረኣኹ ኣይኣምንንእንተ ዘይብልውን፡ ጐይታና ብርግጽ ምተራእዮ ነይሩ። ምኽንያቱ በዒንቱ ኸይረኣየን በእዛኑ ኸይሰምዐን፡ ይትረፍ ናይ ትንሳኤ ዚኣክል ዓብይ መለኮታዊ ጒዳይ፡ ናይ ተራ ሰብኣዊ ጒዳይ ምስክር ኪኸውን ኣይበቅዕንዩ። እቲ ፈላጥ-ኵሉ ዝዀነ ጐይታ ድማ፡ ሃዋርያ ቶማስ ከም ዘየለን፡ከይረኣኹ ኣይኣምንንኢሉ ኸም ዚዛረብን ገና ኸይንኰነን ከይተባህለን ከሎ ይፈልጥ (መዝ 1391-4,7-12) በዛ ፍጻመዚኣ ገይሩ ግን፡ ብዛዕባ ርኢኻን ከይረኣኻን ምእማን ንደቀ መዛሙርቱ ዀነ ንዅላትና ወለዶታት ደቂ ኣዳም ኬመሓላልፎ ዝደለየ ዓብይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ስለ ዝነበሮ፡ ነዚ ዅነታት ኪኽሰት ፈቐደ። ምኽንያቱ ድሕሪቶም ደቀ መዛሙርቲ ዚመጽእ ኵሉ ወለዶታት ብምርኣይ ዘይኰነስ ከይረኣየ ዚኣምን ስለ ዝዀነ፡ እዚ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ ታሪኽ፡ ናይ እምነት ክርስትና እምኒ-መኣዝን ዝዀነ ትምህርቲ ዘቕሰመዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እንሆ ሎሚውን ናይ ዕለት ኣርእስትናን ትምህርትና ዀይኑልና ኣሎ።

ዘይኣማኒ ኣይትኹንዚብል መለኮታዊ ስምዕታን ምዕዶን ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ብመሰረቱ እምነት እንታይ ማለትዩ፧  ይትረፍ ሃዋርያ ኽትከውን፡ ተራ ክርስትያን ክትከውንውን እምነት ይሓትትዩ። ምሉእ ሓድሽ ኪዳን፡ ብዛዕባ ብክርስቶስ ናይ ምእማን ኣገዳስነትን ረብሓን፡ ከምኡውን ብዛዕባ ብክርስቶስ ናይ ዘይምእማን ሓደገኛነትን ወጽዓን ዚዛረብ። እዚ ሓቂ ኣብ ናይ ዮሃ 336 ጥቕሲ፡ ብኸም ዚስዕብ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

ብወልድ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብርምበር፡ ንህይወት (ዘለኣለም) ኣይኪርእያንዩ።

እዛ ቓልዚኣ ንበይና፡ ናይኣማኒምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹንእትብል ሓጻር ስምዕታ ኣገዳስነት ኣጕሊሓ እተርእይያ። ብኻልእ ኣዘራርባካብ ከቶ ኪጽወር ዘይክእል ቍጥዓ ኣምላኽ ርእስኻ ኣድሕንዚብል ጠቓምን ሃናጽን መልእኽቲ እተስንቕያ። ምኽንያቱ ኣብ ኢድ ናይ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምውዳቕ ኣዝዩ ዜሰክሕ ምዃኑ ተነጊሩና (እብ 1030,31) ነቲ ሕሩይ ሃዋርያ ዝነበረ፡ ግናኸ ብስሰዐ ተዓንቂፉ ካብ እምነት ርሒቑ ካብ ጸጋ ዝወደቐ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ጐይታና (ብመሰረቱ) እንተ ዘይውለድ ምሐሾ ነይሩኸም ዝበሎ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ (ማቴ 2624) ስለ ጐይታዘይኣማኒ ኣይትኹንኪብለና ኸሎ፡ ንርእሱ ዚጐድሎ ኣልይዎ ብመንጽር ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሳዕቤኑ ኣጸቢቝ ስለ ዚፈልጦ፡ ብመንጽር ዘለኣለማዊ መጻኢና ብዛዕባና ስለ ዝሓለየ ምዃኑ ብምልኣት ክንርድኦ ይግብኣና።

ንዘይምእማን ዝኸበደ ዚገብሮ ኸኣዘይኣምን ኣማኒምዃን ብወግዒብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያንዚብል ሰብ፡ እምነት ጐዲልዎን ተሳኢንዎን ዘይኣምን ኰይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ብዘይ ቃልዓለም ከቢድን ስግንጢርን (paradoxic)’ዩ። ሃዋርያ ቶማስ፡ ኣማኒ ኻብ ምዃን ሓሊፉስ፡ ኣብ ካልኦት ሰባት እምነት ክርስቶስ ናይ ምትካል ተልእኾን ሓላፍነትን ዝተቐበለ ሰብ ዝነበረ። ጐይታና ከም ዚመውትን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ከም ዚትንስእን፡ ካብ ልሳን መምህሩን ጐይታኡን ብተደጋጋሚ ዝሰምዐ ሰብ (ማቴ 621-23 1722,23 2017-19) ጐይታ ኸም ዝተንስአን ከም ዝተራእዮምን፡ ሓደ ጥራሕ ዘይኰነስ 10 ሃዋርያት ብሓንሳእ ኰይኖም እንተ ኣበሰርዎ ግንከይረኣኹን ከይዳህሰስኩን ኣይኣምንንኢሉ ኣቕበጸ። እዚ ኸኣ ነቲ ዘረባ ናይ ብጾቱን ኣሕዋቱን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ ነቲ ጐይታድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእዝበሎ ቓል ከም ዘይኣመኖ ዜመልክት ንትንሳኤ ዘይኣመነ ደኣ ንምንታይ ኪኣምንዩ፧ እቲ ተኻል እምነት ኪኸውን ዝተቐብአ ሰብ ኣብ ምእማን እንተ ተሸጊሩ፡ እዞም ኣብ ኵሉ ዘይነበርናን ዘየለናንከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክንሽገር ኢና ማለትዩ፧ ናይዘይኣማኒ ኣይትኹን” ‘ትብል፡ መንፈሳዊ ልቦናተጐናጽፍ ቃል ኣገዳስነትምበኣር ኣዝዩ ዕዙዝዩ።

ናይ እምነት ትርጕም ድማ ንኣገዳስነት ናይ ቓል ኣጕሊሑ ዜርእየናዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እምነት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

እምነት ግና፡ ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይ ዘይረኣየ ነገር ከም ምርዳእያ።እብ 111

ብመሰረት ሃዋርያዊ መግለጺ (Definition)’ዚ፡ እምነት ምስ ገና ዘይተኸስተ ግን ከኣኪኽሰትኢልና እንትስፈዎ፡ ከምኡ ድማ ብዓይኒ ዘይረኣይ ግን ከኣ ከም ዝረኣናዮ ዄንና ምሉእ ብምሉእ እንርድኦ ጒዳያት ወይ ኵነታት ዚዛመድዩ። ንኣምላኽ ብዓይኑ ዝረኣዮ ሓደ የልቦን። ምኽንያቱ ብዓይኒ ዘይረኣይ ረቂቕ መንፈስ (ዮሃ 423,24) ረቂቕ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከም ዚባላዕ ሓዊ ስለ ዝዀነ፡ ብዓይኑ ርእይዎስ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን (ዘጸ 3320 ዮሃ 118 646 148,9 ማቴ 1127 1ጢሞ 615,16) ስለንኣምላኽ ከይረኣኽዎ ከም ዘሎ ኣይኣምንንዚብል ሰብ፡ ናብ እምነት ኪበጽሕ ኣይክእልንዩ። ነቲ ዘይረኣዮ ኸም ዝረኣዮ ዀይኑ ኺርድኦን ኪቕበሎን ዝኸኣለ ጥራሕ እምነትትህልዎ። ተስፋ ኺወሃበና ኸሎ ድማ፡ እቲ ተስፋ ኺፍጸም ዘለዎ ተኽእሎ ዜርእይ ኵነታት እንተ ዘየሎኳ፡ እቲ ተስፋ ተዋሂቡሉ ዘሎ ጕዳይ፡ ርጉጽ ከም ዝዀነ ከይተፈጸመ ዘይተርፍ ምዃኑ ምሉእ ርጉጽነት ዘለዎ ሰብ ጥራሕእምነት ኣለዎዚበሃል (ሮሜ 418-20) ናብ ናይ ሃዋርያ ቶማስ ጕዳይ እንተ ተመለስና፡ ሃዋርያ ቶማስ ኣብ ክልቲአን ኻብ እምነት በዅሩ። ነቲሞይተ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ኽትንስእዚብል ቃል ተስፋ፡ ከም ኵሎም ካልኦት ሃዋርያት፡ ከም ርጉጽን ውዱእን ነገር ገይሩ ስለ ዘይተቐበሎ ኣይኣመነን (ማር 169-14 ሉቃ 245-11) ካልኣይ ድማ እቲ ተስፋ ትንሳኤኡ ተፈጺሙ፡ ዓሰርተ ሃዋርያትን ካልኦት ብዙሓት ደቀ መዛሙርትን ብዓይኖም ርእዮም ኣረጋጊጾም ዝነገርዎ ሓቂ ኸኣ ከም ዝረኣዮ ዀይኑ ኪርድኦ ስለ ዘይከኣለኣይኣምንንኢሉ ኣቕበጸ። ጐይታ እንደገና ተገሊጹ ኺረኣዮ እንተ ዘይፈቅድሲ፡ ብእኡ ኣቢሉ ንሓዋሩ ዘይኣማኒ ዀይኑ ኺተርፍ ማለትዩ። ስለ እቲኣብ እምነት ኣለኹዚብል ኵሉ ክርስትያን ዘይኣማኒ ዀይኑ ንኸይርከብ ኪጥንቀቕ፡ ነቲ ሓቀኛ ትርጕም ናይ እምነት እንታይ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ብግብሪ ኺነብሮ ይግባእ።

እምነት ብምርኣይ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ ብምንታይዩ፧ ንምንታይዩኸ ንእምነት ብምርኣይ ኪኸውን ዘይደለዮ፧ ምኽንያቱ ኣብ ምርኣይ እንተ በጺሕካ፡ ምእማን ፈጺሙ ኣየድልየካንዩ። እምነትኮ፡ ናብ ምርኣይ ክሳዕንበጽሕ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ኰይና ምእንቲ ኸተገልግለና እተድልየና። እምነት ኣብ ምድሪምበር፡ ኣብ ሰማይ ኣይተድልይንያ። ምኽንያቱ ናብ ሰማይ እንተ በጺሕና ንኣምላኽ በዒንትና ንርእዮ ስለ ዘለና፡ኣምላኽ ከም ዘሎ እኣምንኽንብል ኣየድልየናንዩ። እምነት ዘድለየትና ነቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ ከም ዝረኣናዮ ዄንና ኽንርድኦን ክንዋስኦን ምእንቲ ኸተኽእለናዩ። ተስፋውን ልክዕ ከምኡያ። ነቲ እንደልዮን ከምንረኽቦ ዝተነግረናን ነገር ብተስፋ ኸነማዕድዎ ንጸንሕ። ኣብኡ በጺሕና ነቲ እንደልዮ ምስ ረኸብናዮ ግን፡ ብድሕሪኡ ናይ ተስፋ ነገር ኣብቂዑዩ። ትንሳኤ ሙታን ብተስፋን ብእምነትን እንጽበዮ ዓብይ ምስጢርዩ። ንሓደ ክርስትያን ነዛ ዓለምዚኣ ንዒቑ ብጽድቅን ቅድስናን ኬንብሮ ዚኽእል፡ ተስፋን እምነትን ናይ ትንሳኤ ሙታንዩ። ሞይቱን በስቢሱን ፈሪሱን ናብ ሓመድ ዝተቐየረ ሰብነትን ነቒጹ ፋሕ ፋሕ ዝበለ ኣዕጽምትን ተንሲኡን ህያውን ፍጹም ሰብ ኰይኑ ዳግማይ ኪነብር ኢልካ ምእማን ቀልል ኣይኰነን። ቓል ጐይታ ተስፋ ብምግባር ጥራሕ ዚብጻሕ እምነትዩ። ኰይኑን ተፈጺሙን ምርኣይና ዘይተርፍዩ።ምስ ኰነ ዝኣምንእንተ በልና ግን፡ ትንሳኤ ምስ ኰነ ዋላ ኽንክሕድ እንተ ደለናውን ኣይክንኽእልን ኢና። መቓብርና ጠፊኡና ብህይወት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ምስ በልና ደኣ፡ ከመይ ጌርናትንሳኤ ኣሎ፡ ትንሳኤ የለንክንብል ንኽእል ስለ ጐይታ ዘይኣማኒ ኣይትኹንዚብለና።ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣንዮምዝበለናውን ብእእኡ ምኽንያትዩ። ቅዱስ ጳውሎስ እምነት ብምንታይ ምዃኑ፦ ግናኸ ብእኡ ኸይኣመኑ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑዮም፧ ብዘይ ሰባኺኸ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑዮም፧ . . . ሰበኽቲ እንተ ዘይተላእኩኸ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ`ዮም፧ . . . እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕያ፡ እቲ ዚስማዕውን ቃል ክርስቶስዩ።” ብምባል ነቲ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 1014,15,17 .) ንእምነት ዚወልዳ ቓል ክርስቶስዩ። ስለእምነት ኣሎኒኺብል ዚኽእል እቲ ብምስማዕ ዝኣመነ ጥራሕዩ። እቲ ኸይረኣየ ዘይኣምን ግን ወይ ናብ ጹም ክሕደት ዚወድቕ፡ ወይ ከኣ ምስ እምነት ክትሰርዓ እተጸግም እምብዛ ድኽምቲ እምነትትህልዎ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ብዓይኒ ስጋ ዚረኣይ ዘይኰነስ ኣብ ብዓይኒ እምነት ጥራሕ ዚረኣይ ነገራት ተስፋን እምነትን ክንገብር ከም ዚግብኣና ዚገልጸልና።

ነቲ ዚረኣይ ተስፋ ምግባር፡ (ፈጺሙ) ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዚርእዮ ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ።  ነቲ ዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ (ኢና) . . . ስለዚ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና። ብዳግም` እንተ ማህመንና ብውሽጥናስ ኣብ ጸጽባሕ ኢና እንሕደስ። እዚ ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኵሽ ዝዀነ ጸበባናን ከኣ፡ ካብ ኵሉ ዚበልጽን መዘና ዘይብሉን ዘለኣለማዊ ኽብሪ የጥርየልና ኣሎ።  እቲ (በዒንቲ) ዚረኣይ (ኵሉ) ሓላፋይዩ፡ እቲ ዘይረኣይ ግና ዘለኣለማዩ፡ ንሕና ኸኣ ኣብ ዚረኣይ (መከራ) ዘይኰነስ፡ ኣብ (ሕጂ) ዘይረኣይ (ክብሪ) ኢናንጥምት ዘለና።ሮሜ 824,25 . 2ቈረ 416-18 .

ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተገንዘብናውን፡ እቶም ብእምነት ንኺገብሩ ገለ ዚረኣይ ምልክታት ዚደልዩ ኵሉ ጊዜ ኻብ ዕዮኦም ከም ዚዕንቀፉ ኢናንግንዘብ (2ነገር 614-17 316-18 መክ 111-6) ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ናይ ሓቂ ኣመንቲ ኣብ ዝጸሓፎ ኣተባባዒ መልእኽቲ፡ ብእምነቶም ጻማ ዚረኽቡ ኣየኖት ምዃኖም ዚገልጽ ኣዝዩ ሃናጺ ቓል ጽሒፉልና ኣሎ።

እምነትኩም ምስ ተፈተነት ግና፡ ኣዝዩ ዝበለጸ ዋጋ ኣለዋ፡ (ምኽንያቱ) ኢየሱስ ኪግለጽ ከሎ፡ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ከተምጽኣልኩምያ። ከይረኣኹምዎ ተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይረኣኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣለኹም። (ጐይታና ተገሊጹ) ነቲ ናይ እምነትኩም መደምደምታ ዝዀነ ድሕነት ነፍስኹም ምስ ተቐበልኩም ከኣ ኪንገር (ብቓላት ኪግለጽ) ብዘይክእል ሓጐስ (ኽትሕጐሱ ኢኹም)” 1ጴጥ 17-9 .

ስለ ነዚ ኽብርን ሓጐስን ኽንበቅዕ እንተ ዄንና፡ ነታ ብምርኣይ እትመጽእን ብጽእና እተኽልእን ጠባሪ እምነት ሓዲግና፡ ነታ ጐይታ ዚቕበላን ዚኸብረላን ናይ ምስማዕ እምነት ከነጥርይ ይግብኣና።

እምነትና ኽትዓብይን ክትጸንዕን ካብኡ ሓሊፉውን ፈራዪት እምነትን ኽትከውን እንታይ ንግበር፧ እምነትና ካብ ምስማዕ ካብ ኰነት፡ ክትዓብይን ክትጸንዕንውን መጠንን ዓይነትን ናይ ኣሰማምዓና ኺዓብይ ይግብኦ። ዘራእቲ ብማይ ብቝሉ ብማይ ዓብዪ ብማይ ከም ዚፈርይ፡ እምነትውን ብምስማዕ ብቝላ፡ ብምስማዕ ዓብያ፡ ብምስማዕትፈርይ። ስለ ኸኣ ቓል እግዚኣብሄር ዜስምዑ ሰበኽትን መምህራን ዘድለዩ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣኼባታት (ጉባኤታት) ከኣ ዚስራዕ። እምነት ካብ ቃል ክርስቶስ ስለ ዝዀነት፡ ቃል ክርስቶስ ብዕምቈትን ብስፍሓትን ኪስበኽ ይግባእ። እቲ እምነቱ ኼዕብይ ዚግደስ ኵሉ ኸኣ ነዚ ናይ ቃል ክርስቶስ ትምህርቲ፡ ንእምነት ብዚበቅዕ ኣሰማምዓ ተገዲሱ ብልዑል ጥንቃቐ ኪሰምዕ ይግብኦ። እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ኣብ ምዕቡል ዘመን ስለ ዝተፈጠርና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃል ክርስቶስ፡ ኣብ ኵሉ ኣባይትን ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብን ኣሎ። መጻሕፍቲ ድማ ቃል ክርስቶስ የስምዑዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለናኮ፡ ንመልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ንሰንዕ ኣለና ማለትዩ። ስለ ንመጽሓፍ ቅዱስና ዕለታዊ ብምንባብን ብምጽናዕን፡ ቃል ክርስቶስ ክንሰምዕ ይግባእ። ኣብ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያን እተዳልዎ ናይ ቃል ክርስቶስ መኣዲ እናተሳተፍና ድማ ክንሰምዕን ንእምነትና ኽንምግብን ይግብኣና። ሳላ ዘመን-ኣምጽኦ ምዕባለ ድማ፡ ኣብ ዘለና ሃሊና፡ ኣብ ዝደለናዮ እዋን ቃል ክርስቶስ ናይ ምስማዕ ዕድልና በሽሓት ዕጽፍታት ዓብዩን ሰፊሑን ኣሎ። ኣብ ክንዲ መምህራን ኰይኖም ንቓል ክርስቶስ ኣብሪሆም ዜረድኡና ማእለያ ዘይብሎም ሃነጽቲ መጻሕፍቲውን ስለ ዘለዉ፡ ምርጫና ኣጸቢቕና፡ ብእኡ ቓል ክርስቶስ ክንሰምዕውን ይግብኣናዩ። ክንጥንቀቐሉ ዚግብኣና፡ ምህሮ ኣጋንንቲውን ቃል ክርስቶስ ኣምሲልካ ይስበኽን ይጽሓፍን ስለ ዘሎ ነቲ ኽንሰምዖን ከነንብቦን ዚግብኣና ብጥንቃቐ ምምራጽ ጥራሕዩ።

ጐይታና፡ በቲምስላ ዘርእን ዘራእንዘርእስቱ ትምህርቱ ዓይነት ኣሰማምዓን ዓይነት ልብንውን ኣዝዩ ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሉቃ 84-15 ማር 41-20 ማቴ 133-24) ቃል ክርስቶስ ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ፡ ብምስምዑ ኣይጥቀምን`ዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ምስላ ብምስማዑ ዚጥቀምን ዘይጥቀምን መን ምዃኑ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ጐይታና ድማ፡ብዛዕባ እትሰምዕዎ ተጠንቀቑ ከመይ ጌርኩም ከምትሰምዑ ተጠንቀቑእናበለ ደጋጊሙ ዘጠንቀቐሉ ምኽንያቱ ከኣ ንሱዩ። ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ዝተዛረቦ ቓላት ኣብ ምስማዕ ስለ ዘይተጠንቀቑዮም ብሞቱ ዝተሰናበዱ፡ ብናይ ትንሳኤኡ ብስራት ድማ ኺኣምኑ ዝተጸገሙን ዝተዓንቀፉን (ማር 423,24 ሉቃ 818 942-45 1831-34) ኣሳምዓኻ እንተ ኣበላሺኻ፡ ጥዑይ እምነትን ብዙሕ ፍረን ኪህልወካ ኣይክእልንዩ። ስለ መምህራንን ሰበኽትን ናይ ወንጌል፡ ቃል-ክርስቶስ ብብቕዓት ኬስተምህሩ፡ እቶም ሰማዕቲውን ብዛዕባ ናብ እዝንናን ልብናን ዚውሕዝ ዘሎ ቃል ክርስቶስ ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ሓላፍነትናዩ። ምኽንያቱ እምነት በዚ ኣገባብ ጥራሕ ህላወ ረኺባ ኽትዓብይን ክትፈርይንትኽእል።

ንምንታይ ዘይምእማን ከቢድ ሓጢኣት ዚኸውን፧ ናይ ዘይምእማንና መልእኽቲ እንታይ ድዩ፧ ብዘይምእማንና ፈጺሙና ኸም ዘይንስከፍን ከም ዘይንሰግእን ዚገብረና ዘሎኮ፡ ንኽብደት ናይ ብዘይምእማንና እነመሓላልፎ መልእኽቲ ስለ ዘይነስተውዕሎዩ። ንቓል ክርስቶስ ሰሚዕና እንተ ዘይኣሚንናዮ፡ ንእመነሉ ንኽሓዶ ብዘየገድስ መልእኽቲ ናይ ዘይምእማንና፡ክርስቶስ ሓሳዊዩ፡ ስለ ክኣምኖ የጸግመኒዚብል ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ሰብ ዚህቦ ምስክር ንቕበል ኢና፡ ኣምላኽ ዚህቦ ምስክር ግና ካብኡ ይዓብይዩ። እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ምስክር ከኣ ብዛዕባ ወዱ (ኢየሱስ ክርስቶስ)’ዩ። ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን እቲ (ኣቦ ብዛዕባ ወዱ ዚህቦ) ምስክር ኣብ ልቡ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ይገብሮ።” 1ዮሃ 59,10 .

ብኣንጻሩ ኸኣ፡ እቲ ንዝሰምዖ ምስክር ወይ ቃል ናይ ኣምላኽ ዝኣመነ ኸኣ፡ በታ እምነቱ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚህቦ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ፦

ነቲ ምስክሩ ደኣ ዚቕበሎ የልቦንምበር፡ (ኢየሱስሲ) ነቲ (ኻብ ኣቦ) ዝረኣዮን ዝሰምዖን ዚምስክር፡ እቲ ንምስክሩ ዝተቐበለ (ዝኣመነ) ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ የረጋግጽ” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 332,33 .) ነዚ ቓል እናንበብካ፡ ንምእማን ከም ቀሊል ጸጋ፡ ንዘይምእማን ከኣ ከም ቀሊል ሓጢኣት ጌርካ ምርኣይ፡ ብዘይ ቃል ዓለም ከቢድ መንፈሳዊ ዑረትን ገበንንዩ። ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ እነርእያ ዘይምእማን ኣብ ልዕሊ መንነትን ባህርይን ናይ ኣምላኽ እትስንዘር ሓደገኛ መጥቃዕቲ ምዃና ምዝንጋዕ፡ ክንውዕሎ ዘይግባእ ከቢድ ዕሽነትዩ። ብዛዕባ ፈዋስነቱ እንተ ዘይኣሚንና፡ነዚ ኺፍውስ ዜኽእሎ ዓቕሚ የብሉን፡ ድኹምዚብል ኣዕናዊ መልእኽቲ ነመሓላልፍ። ገለ ነውሪ ኽንገብር ክንደልይ ከለና ኻብ ሰብ ክንሕባእ ዚከኣለና ዅሉ ንገብር። ብዛዕባ ኣምላኽ ግና፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ስኽፍታ ኸይተሰምዓና ድላይና ንገብር። እዚ ተግባርና ነቲእግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ይርከብ፡ ኵሉ ኸኣ ይፈልጥዚብል ናይ መለኮታዊ ባህርዩ መግለጺ ኸም ዘይንኣምነሉ ዜረጋግጽ ክሕደታዊ ተግባርዩ። ክንደይ ኢልካ ኺጸብጸብ!! ዘይምእማን ማዕረ ኽንደይ ከቢድን ሃሳይን መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍ፡ በቲ ኣምላኽ ዚህቦ ፍርዲ ጥራሕ ኽንርድኦ ይከኣልዩ። ኣቐዲምና ኸም ዘንበብናዮ (ዮሃ 336) ቍጥዓ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብቶም ዘይኣምኑ ሰባት ዚነብር። ኣብ ራእ 218 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ድማ ዘይኣምኑ ሰባት ናብ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ዚድርበይዎ ቀላይ ሓዊ (ገሃነመ እሳት)’ዮም ዚድርበዩ (ራእ 2010) እስራኤላውያን ንኣምላኽ ብዘይምእማን ዘሐለልዎን ዘሰክሕዎን ህዝቢዮም። ብዛዕባ ዘይምእማኖም ንዚሰምዖ ስምዒትን ዚህቦ ፍርድን ድማ፡

እዚ ህዝቢ ኽሳዕ መዓስ ዚንዕቀኒ፧ በቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ኵሉ (ተኣምራትከ) ኽሳዕ መዓስዮም ዘይኣምኑኒ፧ ብፌራ ክወቕዖምን ከጥፍኦምንየ፡ . . . “  ብምባል ናይ ዘይምእማኖም መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ ኣፍለጠ (ዘሁ 1411,12) በዚ ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ መሰረት፡ ዘይምእማን ርእሲ ዅሉን ምንጪ ዅሉን ሓጢኣት ምዃኑ ኢናንርዳእ። ስለ ነዚዘይኣማኒ ኣይትኹንዚብል ናይ ጐይታና ጽኑዕ ትእዛዝን ምዕዶን ፈጺምካ ብሸለልትነት ኪረኣይ ዘይግብኦዩ። ኣረሚን ሰብ እንተ ዘይኣመነ ኣየገርምን ይኸውን፡ ክርስትያን ሰብ እንተ ዘይኣመነ ግን፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ ትዕግስቲ ኣምላኽ ዘይጾሮ ኸቢድ በደልሞ፡ ንኣምላኽሲ ብእምነትና ደኣ ነስተንክሮምበር፡ ብዘይ ምእማንና ኣይነሰክሓዮ (ማቴ 810 ሉቃ 818) ንኣምላኽ ምእማን ማለት ንኣምላኽ ምኽባር፡ ንመለኮታዊ ባህርያቱ ልዑል ኣፍልጦ ምሃብ፡ ናይ ኣምላኽ እሙን ምስክር ምዃን ማለትዩ። ስለ ነቲኣብ እምነት እንተለኹም ርእስኹም መርምሩዚብል ሃዋርያዊ ቓል ተኣዚዝና ብዕቱን ምርመራ መንፈሳዊ ሃለዋትና ነረጋግጽ (2ቈረ 135,6 .) ምስቶም ብሰሪ ዘይምእማኖም ዚስበሩን ዚጠፍኡን ዘይኰነስ፡ ምስቶም ብእምነቶም ዚድሕኑን ዚኸብሩን ንሰራዕ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

27 ሚያዝያ 2025 | ሚያዝያ 19, 2016 ግዕዝ (መበል 33 ሰንበት: ቊ.፴፫/33)

ምስባክ

መዝ፻፲፪(፻፲፫)፡፫-፬

“እምሥራቀ ፀሐይ እስከ ነዓረብ።ይትአኩት ስሙ ለእግዚአብሔር።ልዑል እግዚአብሔር መልዕልተ ኵሉ አሕዛብ።

ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯ (፻፲፰)፡፳፬,፳፭

“ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ።ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡20-41

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-37

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 17፡1-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div