“ድሕሪ ሸሚንተ መዓልቲ ኸኣ . . . መዓጹ ተሸጉሩ ኸሎ፡ ኢየሱስ መጸ። ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ’ውን፡ ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ በሎም። ድሕሪ’ዚ ኸኣ ንቶማስ፡ ‘ኣጻብዕካ (ኣብ’ዚ ኣንብር)፡ ነእዳወይ’ውን ርኣይ፡ ኢድካ ናብ’ዚ ኣምጽእ’ሞ፡ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ። ኣማኒ’ምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን’ በሎ። ቶማስ ከኣ መሊሱ፡ ‘ጐይታይን ኣምላኸይን’ በሎ፡ ኢየሱስ ከኣ ‘ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን’ዮም’ በሎ።” ዮሃ 20፡26-29 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ “ዳግማይ ትንሳኤ” (ብግእዝ “ዳግም ትንሣኤ”) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ንዅሎም ሃዋርያቱ ብእኩባቶም ኣብ ዕጹው ገዛ ኣብ ዝነበሩሉ ኣብ ማእከሎም ተጋሂዱ ንዅላቶም ዝተራእየሉ ዕለት ስለ ዝዀነ’ምበር፡ ክርስቶስ ካብ ሞት ክልተ ጊዜ ስለ ዝተንስአ ኣይኰነን። ትማሊ ሰንበት’ውን ከም ዝተነግረና፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ሓምሳ መዓልታት “ዘመነ ትንሳኤ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። እታ ኣብ ፋሲካ ለይቲ ምስ ካህናትና እናተኣዛዘልና (እናተቐባበልና) ኽንብላ ዝጀመርና፡ “ክርስቶስ ተንሥአ እም ሙታን” ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ንሓድሕድና ኽንራኸብ ከለና፡ ኣብ ክንዲ ሰላምታ ኽንብሎ ዚግባእ’ዩ። እዚ ተኣምኖ’ዚ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንእመን ብቕዱሳን ኣቦታትና ዝተሰርዓልና ግሩም ምስጢር’ዩ። እንተ ዀነ፡ ብዘይካ ኣብ’ታ ናይ ትንሳኤ ለይቲ፡ ኣብ’ቲ ድሕሪኡ ዘሎ ጊዜ ዚዝክራን ዜዘውትራን ሰብ የልቦን። ኣብ’ታ ናይ ትንሳኤ ለይቲ’ውን፡ እቶም ካህናት’ዮም ንበይኖም ዚብልዎ’ምበር፡ ንእኡ ፈሊጡስ ምስኣቶም እናተቐባበለ ንትንሳኤ መድሓኒኡ ብልሳኑ ዚእመን ወለዶ ኣለና ኽንብል ኣጸጋሚ’ዩ። እዚ ኸኣ ንኽብርን ዕብየትን ትንሳኤኡ ዚምጥን መንፈሳውነት ከም ዘየጥረና ዜመልክት ኣሰካፊ ተርእዮ’ዩ። ስለ’ዚ ኣገልገልትን ምእመናንን ተገዲስና ብምስትውዓል ክንጥቀመሉን፡ ነዚ ናይ ትንሳኤኡ ቅዱስ ተኣምኖ ማለትና ዀይኑ ኸነዘውትሮን ይግባእ።
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ ጽባሕ በዓለ ትንሳኤ ክሳዕ’ዛ ዘለናያ ዕለት ዘለዋ ሾብዓተ መዓልታት ዚጽውዓሉ ነናተን ስማት ኣለወን። ሰኑይ፡ ማዕዶት (ፀአተ ሲኦል)፡ ሰሉስ ቶማስ፡ ረቡዕ ኣልኣዛር፡ ሓሙስ ኣዳም፡ ዓርቢ ቤተ ክርስትያን፡ ቀዳም ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ሰንበት ከኣ ዳግማይ ትንሳኤ ይብሃላ። እዘን መዓልትታት’ዚኣተን ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ትንሳኤ ሙታንን ብዕምቈት ክንመሃረለን ዝተሰርዓልና መዓልታት’የን። በበቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ስምን ኣርእስትን ሰፊሕ ትምህርቲ ኺወሃበሉ ይግባእ። እዚ ሻምናይ መዓልቲ’ዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ጐይታና ንዅሎም ሃዋርያቱ ዝተራእዮምን ዝተዛረቦምን ኵሉ፡ ክንመሃረሉ ዝተሰርዐ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ናይ ትንሳኤኡ እሙናት ምስክር ኪዀኑ ዝተሓርዩን ዝተመልመሉን ስለ ዝዀኑ፡ ደጋጊሙን ብዝተፈላለየ መገድን ኪረኣዮም ናይ ግድን ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ኪምልኡን ሓይሊ ኣምላኽ ኪለብሱን ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሮም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ትንሳኤኡ ምእንቲ ኪዀንዎ ምዃኑ፡ ጐይታና ነጊርዎም’ዩ (ግብ 1፡8)። ካብ ዕለተ ትንሳኤኡ ጀሚሩ ድማ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ተራእዮም (ግብ 1፡3 ፣ 1ቈረ 15፡4-7)። ኣብ ኵሉ ዘረባኦምን ስብከቶምን ድማ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ከም ዝዀኑ ብዝተፈላለየ መገድታት ይእመኑ ነበሩ (ግብ 1፡21,22 ፣ 2፡32 ፣ 3፡15 ፣ 4፡10,19,20 ፣ 5፡30-32 ፣ 10፡38-41 ፣ 13፡29-31 ፣ 17፡18-20 ፣ 22፡14,15 ፣ 24፡14,15,20,21,25 ፣ 26፡6,7,22,23 ፣ 28፡20)። ቅዱሳን ሃዋርያት በዚ ናይ ምስክር ኣገልግሎቶም ኣዝዮም ኪሕይሉን ኪጸንዑን ዘኽኣሎም፡ ከም’ዚ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ደጋጊሙ ብኣካል ስለ ዝተራእዮም’ዩ። ደጋጊሙ እንተ ዘይረኣዮም፡ ንሳቶም ተባዓትን ብቑዓትን መሰኻኽር ኪዀኑ ኣይምኸኣሉን፡ እምነት ክርስትና ድማ ናባናን ናብ ምልእቲ ዓለምን ኪበጽሕ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ስለ’ዚ ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ከም ዝተሃንጸ ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ ዳግማይ ትንሳኤ ኻብ በዓለ ትንሳኤ ዘይንእስ ኣገዳስነትት ከም ዘለዎ ዜርእየና’ዩ።
ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ክልተ’ዩ። ቐዳማይ እቲ ኣብ በዓለ ትንሳኤ’ውን ዚዝመር “ይትፌሣሕ ሰማይ” ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ “ግብረ ዘወሃብከኒ ፈጺምኩ” ዘርእስቱ፡ ኣብ’ቲ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ዘሎ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎት መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ። እዚ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ ታሪኽ ኣብ ዮሃ 20፡19-22 መሰረት ዝገበረ’ዩ። ኣብ’ዚ ኽፍሊ ወንጌል’ዚ፡ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ጊዜ ተራእይዎም ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ኣብ’ታ ዝተንስኣላ መዓልቲ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ዘይብሉ ነቶም 10 ሃዋርያት ዝተራእየሉ ኪኸውን ከሎ (ዮሃ 20፡19-25)፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ሻምናይ መዓልቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ዝተረኽበሉ’ዩ (ዮሃ 20፡26-29)። ቅዱስ ቶማስ፡ ሓደ ኻብ’ቶም ምስክር ትንሳኤኡ ኪዀኑ ዝተሓርዩ ሃዋርያት’ዩ። ስለ’ዚ ብቑዕ ምስክር ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ንጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ በዒንቱ ኺርእዮ ናይ ግድን’ዩ። “በዒንተይ ከይረኣኹ ኣይኣምንን’የ” እንተ ዘይብል’ውን፡ ጐይታና ብርግጽ ምተራእዮ ነይሩ። ምኽንያቱ በዒንቱ ኸይረኣየን በእዛኑ ኸይሰምዐን፡ ይትረፍ ናይ ትንሳኤ ዚኣክል ዓብይ መለኮታዊ ጒዳይ፡ ናይ ተራ ሰብኣዊ ጒዳይ ምስክር ኪኸውን’ኳ ኣይበቅዕን’ዩ። እቲ ፈላጥ-ኵሉ ዝዀነ ጐይታ ድማ፡ ሃዋርያ ቶማስ ከም ዘየለን፡ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን’የ” ኢሉ ኸም ዚዛረብን ገና ኸይንኰነን ከይተባህለን ከሎ ይፈልጥ’ዩ (መዝ 139፡1-4,7-12)። በዛ ፍጻመ’ዚኣ ገይሩ ግን፡ ብዛዕባ ርኢኻን ከይረኣኻን ምእማን ንደቀ መዛሙርቱ ዀነ ንዅላትና ወለዶታት ደቂ ኣዳም ኬመሓላልፎ ዝደለየ ዓብይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ስለ ዝነበሮ፡ ነዚ ዅነታት’ዚ ኪኽሰት ፈቐደ። ምኽንያቱ ድሕሪ’ቶም ደቀ መዛሙርቲ ዚመጽእ ኵሉ ወለዶታት ብምርኣይ ዘይኰነስ ከይረኣየ ዚኣምን ስለ ዝዀነ፡ እዚ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ ታሪኽ፡ ናይ እምነት ክርስትና እምኒ-መኣዝን ዝዀነ ትምህርቲ ዘቕሰመ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እንሆ ሎሚ’ውን ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትና ዀይኑልና ኣሎ።
“ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ዚብል መለኮታዊ ስምዕታን ምዕዶን ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ብመሰረቱ እምነት እንታይ ማለት’ዩ፧ ይትረፍ ሃዋርያ ኽትከውን፡ ተራ ክርስትያን ክትከውን’ውን እምነት ይሓትት’ዩ። ምሉእ ሓድሽ ኪዳን፡ ብዛዕባ ብክርስቶስ ናይ ምእማን ኣገዳስነትን ረብሓን፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ብክርስቶስ ናይ ዘይምእማን ሓደገኛነትን ወጽዓን’ዩ ዚዛረብ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ’ዛ ናይ ዮሃ 3፡36 ጥቕሲ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።
“ብወልድ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር’ምበር፡ ንህይወት (ዘለኣለም) ኣይኪርእያን’ዩ።”
እዛ ቓል’ዚኣ ንበይና፡ ናይ’ዛ “ኣማኒ’ምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን” እትብል ሓጻር ስምዕታ ኣገዳስነት ኣጕሊሓ እተርእይ’ያ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ካብ’ቲ ከቶ ኪጽወር ዘይክእል ቍጥዓ ኣምላኽ ርእስኻ ኣድሕን” ዚብል ጠቓምን ሃናጽን መልእኽቲ እተስንቕ’ያ። ምኽንያቱ ኣብ ኢድ ናይ’ቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምውዳቕ ኣዝዩ ዜሰክሕ ምዃኑ ተነጊሩና’ዩ (እብ 10፡30,31)። ነቲ ሕሩይ ሃዋርያ ዝነበረ፡ ግናኸ ብስሰዐ ተዓንቂፉ ካብ እምነት ርሒቑ ካብ ጸጋ ዝወደቐ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ጐይታና (ብመሰረቱ) እንተ ዘይውለድ ምሐሾ ነይሩ” ኸም ዝበሎ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ’ዩ (ማቴ 26፡24)። ስለ’ዚ ጐይታ “ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኪብለና ኸሎ፡ ንርእሱ ዚጐድሎ ኣልይዎ ብመንጽር ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሳዕቤኑ ኣጸቢቝ ስለ ዚፈልጦ፡ ብመንጽር ዘለኣለማዊ መጻኢና ብዛዕባና ስለ ዝሓለየ ምዃኑ ብምልኣት ክንርድኦ ይግብኣና።
ንዘይምእማን ዝኸበደ ዚገብሮ ኸኣ “ዘይኣምን ኣማኒ” ምዃን’ዩ ብወግዒ “ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያን’የ” ዚብል ሰብ፡ እምነት ጐዲልዎን ተሳኢንዎን ዘይኣምን ኰይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ብዘይ ቃልዓለም ከቢድን ስግንጢርን (paradoxic)’ዩ። ሃዋርያ ቶማስ፡ ኣማኒ ኻብ ምዃን ሓሊፉስ፡ ኣብ ካልኦት ሰባት እምነት ክርስቶስ ናይ ምትካል ተልእኾን ሓላፍነትን ዝተቐበለ ሰብ’ዩ ዝነበረ። ጐይታና ከም ዚመውትን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ከም ዚትንስእን፡ ካብ ልሳን መምህሩን ጐይታኡን ብተደጋጋሚ ዝሰምዐ ሰብ’ዩ (ማቴ 6፡21-23 ፣ 17፡22,23 ፣ 20፡17-19)። ጐይታ ኸም ዝተንስአን ከም ዝተራእዮምን፡ ሓደ ጥራሕ ዘይኰነስ 10 ሃዋርያት ብሓንሳእ ኰይኖም እንተ ኣበሰርዎ ግን “ከይረኣኹን ከይዳህሰስኩን ኣይኣምንን’የ” ኢሉ ኣቕበጸ። እዚ ኸኣ ነቲ ዘረባ ናይ ብጾቱን ኣሕዋቱን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ ነቲ ጐይታ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ’የ” ዝበሎ ቓል ከም ዘይኣመኖ’ዩ ዜመልክት ንትንሳኤ ዘይኣመነ ደኣ ንምንታይ ኪኣምን’ዩ፧ እቲ ተኻል እምነት ኪኸውን ዝተቐብአ ሰብ ኣብ ምእማን እንተ ተሸጊሩ፡ እዞም ኣብ ኵሉ ዘይነበርናን ዘየለናንከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክንሽገር ኢና ማለት’ዩ፧ ናይ’ዛ “ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ‘ትብል፡ መንፈሳዊ ልቦና ‘ተጐናጽፍ ቃል ኣገዳስነት’ምበኣር ኣዝዩ ዕዙዝ’ዩ።
ናይ እምነት ትርጕም ድማ ንኣገዳስነት ናይ’ዚ ቓል’ዚ ኣጕሊሑ ዜርእየና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እምነት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“እምነት ግና፡ ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይ’ቲ ዘይረኣየ ነገር ከም ምርዳእ’ያ።” እብ 11፡1
ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ መግለጺ (Definition)’ዚ፡ እምነት ምስ ገና ዘይተኸስተ ግን ከኣ “ኪኽሰት’ዩ” ኢልና እንትስፈዎ፡ ከምኡ ድማ ብዓይኒ ዘይረኣይ ግን ከኣ ከም ዝረኣናዮ ዄንና ምሉእ ብምሉእ እንርድኦ ጒዳያት ወይ ኵነታት ዚዛመድ’ዩ። ንኣምላኽ ብዓይኑ ዝረኣዮ ሓደ’ኳ የልቦን። ምኽንያቱ ብዓይኒ ዘይረኣይ ረቂቕ መንፈስ’ዩ (ዮሃ 4፡23,24)። ረቂቕ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከም ዚባላዕ ሓዊ ስለ ዝዀነ፡ ብዓይኑ ርእይዎስ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን (ዘጸ 33፡20 ፣ ዮሃ 1፡18 ፣ 6፡46 ፣ 14፡8,9 ፣ ማቴ 11፡27 ፣ 1ጢሞ 6፡15,16)። ስለ’ዚ “ንኣምላኽ ከይረኣኽዎ ከም ዘሎ ኣይኣምንን’የ” ዚብል ሰብ፡ ናብ እምነት ኪበጽሕ ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ዘይረኣዮ ኸም ዝረኣዮ ዀይኑ ኺርድኦን ኪቕበሎን ዝኸኣለ ጥራሕ’ዩ እምነት ‘ትህልዎ። ተስፋ ኺወሃበና ኸሎ ድማ፡ እቲ ተስፋ ኺፍጸም ዘለዎ ተኽእሎ ዜርእይ ኵነታት እንተ ዘየሎ’ኳ፡ እቲ ተስፋ ተዋሂቡሉ ዘሎ ጕዳይ፡ ርጉጽ ከም ዝዀነ ከይተፈጸመ ዘይተርፍ ምዃኑ ምሉእ ርጉጽነት ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ” እምነት ኣለዎ” ዚበሃል (ሮሜ 4፡18-20)። ናብ’ዛ ናይ ሃዋርያ ቶማስ ጕዳይ እንተ ተመለስና፡ ሃዋርያ ቶማስ ኣብ ክልቲአን’ዩ ኻብ እምነት በዅሩ። ነቲ “ሞይተ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ኽትንስእ’የ” ዚብል ቃል ተስፋ፡ ከም ኵሎም ካልኦት ሃዋርያት፡ ከም ርጉጽን ውዱእን ነገር ገይሩ ስለ ዘይተቐበሎ ኣይኣመነን (ማር 16፡9-14 ፣ ሉቃ 24፡5-11)። ካልኣይ ድማ እቲ ተስፋ ትንሳኤኡ ተፈጺሙ፡ ዓሰርተ ሃዋርያትን ካልኦት ብዙሓት ደቀ መዛሙርትን ብዓይኖም ርእዮም ኣረጋጊጾም ዝነገርዎ ሓቂ ኸኣ ከም ዝረኣዮ ዀይኑ ኪርድኦ ስለ ዘይከኣለ “ኣይኣምንን’የ” ኢሉ ኣቕበጸ። ጐይታ እንደገና ተገሊጹ ኺረኣዮ እንተ ዘይፈቅድሲ፡ ብእኡ ኣቢሉ ንሓዋሩ ዘይኣማኒ ዀይኑ ኺተርፍ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ “ኣብ እምነት ኣለኹ” ዚብል ኵሉ ክርስትያን ዘይኣማኒ ዀይኑ ንኸይርከብ ኪጥንቀቕ፡ ነቲ ሓቀኛ ትርጕም ናይ እምነት እንታይ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ብግብሪ ኺነብሮ ይግባእ።
እምነት ብምርኣይ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ ብምንታይ’ዩ፧ ንምንታይ’ዩኸ ንእምነት ብምርኣይ ኪኸውን ዘይደለዮ፧ ምኽንያቱ ኣብ ምርኣይ እንተ በጺሕካ፡ ምእማን ፈጺሙ ኣየድልየካን’ዩ። እምነት’ኮ፡ ናብ ምርኣይ ክሳዕ ‘ንበጽሕ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ኰይና ምእንቲ ኸተገልግለና’ያ እተድልየና። እምነት ኣብ ምድሪ’ምበር፡ ኣብ ሰማይ ኣይተድልይን’ያ። ምኽንያቱ ናብ ሰማይ እንተ በጺሕና ንኣምላኽ በዒንትና ንርእዮ ስለ ዘለና፡ “ኣምላኽ ከም ዘሎ እኣምን’የ” ኽንብል ኣየድልየናን’ዩ። እምነት ዘድለየትና ነቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ ከም ዝረኣናዮ ዄንና ኽንርድኦን ክንዋስኦን ምእንቲ ኸተኽእለና’ዩ። ተስፋ’ውን ልክዕ ከምኡ’ያ። ነቲ እንደልዮን ከም ‘ንረኽቦ ዝተነግረናን ነገር ብተስፋ ኸነማዕድዎ ንጸንሕ። ኣብኡ በጺሕና ነቲ እንደልዮ ምስ ረኸብናዮ ግን፡ ብድሕሪኡ ናይ ተስፋ ነገር ኣብቂዑ’ዩ። ትንሳኤ ሙታን ብተስፋን ብእምነትን እንጽበዮ ዓብይ ምስጢር’ዩ። ንሓደ ክርስትያን ነዛ ዓለም’ዚኣ ንዒቑ ብጽድቅን ቅድስናን ኬንብሮ ዚኽእል፡ ተስፋን እምነትን ናይ ትንሳኤ ሙታን’ዩ። ሞይቱን በስቢሱን ፈሪሱን ናብ ሓመድ ዝተቐየረ ሰብነትን ነቒጹ ፋሕ ፋሕ ዝበለ ኣዕጽምትን ተንሲኡን ህያውን ፍጹም ሰብ ኰይኑ ዳግማይ ኪነብር’ዩ ኢልካ ምእማን ቀልል ኣይኰነን። ቓል ጐይታ ተስፋ ብምግባር ጥራሕ ዚብጻሕ እምነት’ዩ። ኰይኑን ተፈጺሙን ምርኣይና’ኳ ዘይተርፍ’ዩ። “ምስ ኰነ’የ ዝኣምን” እንተ በልና ግን፡ ትንሳኤ ምስ ኰነ ዋላ ኽንክሕድ እንተ ደለና’ውን ኣይክንኽእልን ኢና። መቓብርና ጠፊኡና ብህይወት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ምስ በልና ደኣ፡ ከመይ ጌርና “ትንሳኤ ኣሎ፡ ትንሳኤ የለን” ክንብል ንኽእል ስለ’ዚ’ዩ ጐይታ ። “ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ዚብለና። “ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን’ዮም” ዝበለና’ውን ብእእኡ ምኽንያት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ እምነት ብምንታይ ምዃኑ፦ “ግናኸ ብእኡ ኸይኣመኑ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ’ዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ’ዮም፧ ብዘይ ሰባኺኸ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ’ዮም፧ . . . ሰበኽቲ እንተ ዘይተላእኩኸ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ`ዮም፧ . . . እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ’ያ፡ እቲ ዚስማዕ’ውን ቃል ክርስቶስ’ዩ።” ብምባል ነቲ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 10፡14,15,17 ካ.ት)። ንእምነት ዚወልዳ ቓል ክርስቶስ’ዩ። ስለ’ዚ “እምነት ኣሎኒ” ኺብል ዚኽእል እቲ ብምስማዕ ዝኣመነ ጥራሕ’ዩ። እቲ ኸይረኣየ ዘይኣምን ግን ወይ ናብ ጹም ክሕደት’ዩ ዚወድቕ፡ ወይ ከኣ ምስ እምነት ክትሰርዓ እተጸግም እምብዛ ድኽምቲ እምነት’ያ ‘ትህልዎ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ’ቲ ብዓይኒ ስጋ ዚረኣይ ዘይኰነስ ኣብ’ቲ ብዓይኒ እምነት ጥራሕ ዚረኣይ ነገራት ተስፋን እምነትን ክንገብር ከም ዚግብኣና ዚገልጸልና።
“ነቲ ዚረኣይ ተስፋ ምግባር፡ (ፈጺሙ) ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዚርእዮ ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ። ነቲ ዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ (ኢና)። . . . ስለዚ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና። ብዳግም`ኳ እንተ ማህመንና ብውሽጥናስ ኣብ ጸጽባሕ ኢና እንሕደስ። እዚ ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኵሽ ዝዀነ ጸበባናን ከኣ፡ ካብ ኵሉ ዚበልጽን መዘና ዘይብሉን ዘለኣለማዊ ኽብሪ የጥርየልና ኣሎ። እቲ (በዒንቲ) ዚረኣይ (ኵሉ) ሓላፋይ’ዩ፡ እቲ ዘይረኣይ ግና ዘለኣለማ’ዩ፡ ንሕና ኸኣ ኣብ’ቲ ዚረኣይ (መከራ) ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ (ሕጂ) ዘይረኣይ (ክብሪ) ኢና ‘ንጥምት ዘለና።” ሮሜ 8፡24,25 ካ.ት ፣ 2ቈረ 4፡16-18 ካ.ት
ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተገንዘብና’ውን፡ እቶም ብእምነት ንኺገብሩ ገለ ዚረኣይ ምልክታት ዚደልዩ ኵሉ ጊዜ ኻብ ዕዮኦም ከም ዚዕንቀፉ ኢና ‘ንግንዘብ (2ነገር 6፡14-17 ፣ 3፡16-18 ፣ መክ 11፡1-6)። ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ናይ ሓቂ ኣመንቲ ኣብ ዝጸሓፎ ኣተባባዒ መልእኽቲ፡ ብእምነቶም ጻማ ዚረኽቡ ኣየኖት ምዃኖም ዚገልጽ ኣዝዩ ሃናጺ ቓል ጽሒፉልና ኣሎ።
“እምነትኩም ምስ ተፈተነት ግና፡ ኣዝዩ ዝበለጸ ዋጋ ኣለዋ፡ (ምኽንያቱ) ኢየሱስ ኪግለጽ ከሎ፡ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ከተምጽኣልኩም’ያ። ከይረኣኹምዎ ተፍቅርዎ፡ ሕጂ’ውን ከይረኣኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣለኹም። (ጐይታና ተገሊጹ) ነቲ ናይ እምነትኩም መደምደምታ ዝዀነ ድሕነት ነፍስኹም ምስ ተቐበልኩም ከኣ ኪንገር (ብቓላት ኪግለጽ) ብዘይክእል ሓጐስ (ኽትሕጐሱ ኢኹም)።” 1ጴጥ 1፡7-9 ካ.ት
ስለ’ዚ ነዚ ኽብርን ሓጐስን’ዚ ኽንበቅዕ እንተ ዄንና፡ ነታ ብምርኣይ እትመጽእን ብጽእና እተኽልእን ጠባሪ እምነት ሓዲግና፡ ነታ ጐይታ ዚቕበላን ዚኸብረላን ናይ ምስማዕ እምነት ከነጥርይ ይግብኣና።
እምነትና ኽትዓብይን ክትጸንዕን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ፈራዪት እምነትን ኽትከውን እንታይ ንግበር፧ እምነትና ካብ ምስማዕ ካብ ኰነት፡ ክትዓብይን ክትጸንዕን’ውን መጠንን ዓይነትን ናይ ኣሰማምዓና ኺዓብይ ይግብኦ። ዘራእቲ ብማይ ብቝሉ ብማይ ዓብዪ ብማይ ከም ዚፈርይ፡ እምነት’ውን ብምስማዕ ብቝላ፡ ብምስማዕ ዓብያ፡ ብምስማዕ’ያ ‘ትፈርይ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቓል እግዚኣብሄር ዜስምዑ ሰበኽትን መምህራን ዘድለዩ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣኼባታት (ጉባኤታት) ከኣ ዚስራዕ። እምነት ካብ ቃል ክርስቶስ ስለ ዝዀነት፡ ቃል ክርስቶስ ብዕምቈትን ብስፍሓትን ኪስበኽ ይግባእ። እቲ እምነቱ ኼዕብይ ዚግደስ ኵሉ ኸኣ ነዚ ናይ ቃል ክርስቶስ ትምህርቲ፡ ንእምነት ብዚበቅዕ ኣሰማምዓ ተገዲሱ ብልዑል ጥንቃቐ ኪሰምዕ ይግብኦ። እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ኣብ ምዕቡል ዘመን ስለ ዝተፈጠርና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃል ክርስቶስ፡ ኣብ ኵሉ ኣባይትን ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብን ኣሎ። መጻሕፍቲ ድማ ቃል ክርስቶስ የስምዑ’ዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና ‘ኮ፡ ንመልእኽቲ ናይ’ቲ መጽሓፍ ንሰንዕ ኣለና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ንመጽሓፍ ቅዱስና ዕለታዊ ብምንባብን ብምጽናዕን፡ ቃል ክርስቶስ ክንሰምዕ ይግባእ። ኣብ’ቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያን እተዳልዎ ናይ ቃል ክርስቶስ መኣዲ እናተሳተፍና ድማ ክንሰምዕን ንእምነትና ኽንምግብን ይግብኣና። ሳላ ዘመን-ኣምጽኦ ምዕባለ ድማ፡ ኣብ ዘለና ሃሊና፡ ኣብ ዝደለናዮ እዋን ቃል ክርስቶስ ናይ ምስማዕ ዕድልና በሽሓት ዕጽፍታት ዓብዩን ሰፊሑን ኣሎ። ኣብ ክንዲ መምህራን ኰይኖም ንቓል ክርስቶስ ኣብሪሆም ዜረድኡና ማእለያ ዘይብሎም ሃነጽቲ መጻሕፍቲ’ውን ስለ ዘለዉ፡ ምርጫና ኣጸቢቕና፡ ብእኡ ቓል ክርስቶስ ክንሰምዕ’ውን ይግብኣና’ዩ። ክንጥንቀቐሉ ዚግብኣና፡ ምህሮ ኣጋንንቲ’ውን ቃል ክርስቶስ ኣምሲልካ ይስበኽን ይጽሓፍን ስለ ዘሎ ነቲ ኽንሰምዖን ከነንብቦን ዚግብኣና ብጥንቃቐ ምምራጽ ጥራሕ’ዩ።
ጐይታና፡ በቲ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ዘርእስቱ ትምህርቱ ዓይነት ኣሰማምዓን ዓይነት ልብን’ውን ኣዝዩ ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሉቃ 8፡4-15 ፣ ማር 4፡1-20 ፣ ማቴ 13፡3-24)። ቃል ክርስቶስ ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ፡ ብምስምዑ ኣይጥቀምን`ዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ምስላ ብምስማዑ ዚጥቀምን ዘይጥቀምን መን ምዃኑ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ጐይታና ድማ፡ “ብዛዕባ እትሰምዕዎ ተጠንቀቑ ከመይ ጌርኩም ከም ‘ትሰምዑ ተጠንቀቑ” እናበለ ደጋጊሙ ዘጠንቀቐሉ ምኽንያቱ ከኣ ንሱ’ዩ። ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ዝተዛረቦ ቓላት ኣብ ምስማዕ ስለ ዘይተጠንቀቑ’ዮም ብሞቱ ዝተሰናበዱ፡ ብናይ ትንሳኤኡ ብስራት ድማ ኺኣምኑ ዝተጸገሙን ዝተዓንቀፉን (ማር 4፡23,24 ፣ ሉቃ 8፡18 ፣ 9፡42-45 ፣ 18፡31-34)። ኣሳምዓኻ እንተ ኣበላሺኻ፡ ጥዑይ እምነትን ብዙሕ ፍረን ኪህልወካ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ መምህራንን ሰበኽትን ናይ ወንጌል፡ ቃል-ክርስቶስ ብብቕዓት ኬስተምህሩ፡ እቶም ሰማዕቲ’ውን ብዛዕባ’ቲ ናብ እዝንናን ልብናን ዚውሕዝ ዘሎ ቃል ክርስቶስ ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ሓላፍነትና’ዩ። ምኽንያቱ እምነት በዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ’ያ ህላወ ረኺባ ኽትዓብይን ክትፈርይን ‘ትኽእል።
ንምንታይ’ዩ ዘይምእማን ከቢድ ሓጢኣት ዚኸውን፧ ናይ ዘይምእማንና መልእኽቲ እንታይ ድዩ፧ ብዘይምእማንና ፈጺሙና ኸም ዘይንስከፍን ከም ዘይንሰግእን ዚገብረና ዘሎ’ኮ፡ ንኽብደት ናይ’ቲ ብዘይምእማንና እነመሓላልፎ መልእኽቲ ስለ ዘይነስተውዕሎ’ዩ። ንቓል ክርስቶስ ሰሚዕና እንተ ዘይኣሚንናዮ፡ ንእመነሉ ንኽሓዶ ብዘየገድስ መልእኽቲ ናይ ዘይምእማንና፡ “ክርስቶስ ሓሳዊ’ዩ፡ ስለ’ዚ ክኣምኖ የጸግመኒ’ዩ” ዚብል’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ሰብ ዚህቦ ምስክር ንቕበል ኢና፡ ኣምላኽ ዚህቦ ምስክር ግና ካብኡ ይዓብይ’ዩ። እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ምስክር ከኣ ብዛዕባ ወዱ (ኢየሱስ ክርስቶስ)’ዩ። ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን እቲ (ኣቦ ብዛዕባ ወዱ ዚህቦ) ምስክር ኣብ ልቡ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ይገብሮ።” 1ዮሃ 5፡9,10 ካ.ት
ብኣንጻሩ ኸኣ፡ እቲ ንዝሰምዖ ምስክር ወይ ቃል ናይ ኣምላኽ ዝኣመነ ኸኣ፡ በታ እምነቱ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚህቦ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ፦
“ነቲ ምስክሩ ደኣ ዚቕበሎ የልቦን ‘ምበር፡ (ኢየሱስሲ) ነቲ (ኻብ ኣቦ) ዝረኣዮን ዝሰምዖን’ዩ ዚምስክር፡ እቲ ንምስክሩ ዝተቐበለ (ዝኣመነ) ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ የረጋግጽ” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 3፡32,33 ካ.ት)። ነዚ ቓል’ዚ እና’ንበብካ፡ ንምእማን ከም ቀሊል ጸጋ፡ ንዘይምእማን ከኣ ከም ቀሊል ሓጢኣት ጌርካ ምርኣይ፡ ብዘይ ቃል ዓለም ከቢድ መንፈሳዊ ዑረትን ገበንን’ዩ። ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ እነርእያ ዘይምእማን ኣብ ልዕሊ መንነትን ባህርይን ናይ ኣምላኽ እትስንዘር ሓደገኛ መጥቃዕቲ ምዃና ምዝንጋዕ፡ ክንውዕሎ ዘይግባእ ከቢድ ዕሽነት’ዩ። ብዛዕባ ፈዋስነቱ እንተ ዘይኣሚንና፡ “ነዚ ኺፍውስ ዜኽእሎ ዓቕሚ የብሉን፡ ድኹም’ዩ” ዚብል ኣዕናዊ መልእኽቲ ነመሓላልፍ። ገለ ነውሪ ኽንገብር ክንደልይ ከለና ኻብ ሰብ ክንሕባእ ዚከኣለና ዅሉ ንገብር። ብዛዕባ ኣምላኽ ግና፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ’ኳ ስኽፍታ ኸይተሰምዓና ድላይና ንገብር። እዚ ተግባርና’ዚ ነቲ “እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ይርከብ፡ ኵሉ ኸኣ ይፈልጥ” ዚብል ናይ መለኮታዊ ባህርዩ መግለጺ ኸም ዘይንኣምነሉ ዜረጋግጽ ክሕደታዊ ተግባር’ዩ። ክንደይ ኢልካ’ሞ ኺጸብጸብ’ዩ!! ዘይምእማን ማዕረ ኽንደይ ከቢድን ሃሳይን መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍ፡ በቲ ኣምላኽ ዚህቦ ፍርዲ ጥራሕ’ኳ ኽንርድኦ ይከኣል’ዩ። ኣቐዲምና ኸም ዘንበብናዮ (ዮሃ 3፡36)፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ’ቶም ዘይኣምኑ ሰባት’ዩ ዚነብር። ኣብ ራእ 21፡8 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ድማ ዘይኣምኑ ሰባት ናብ’ቲ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ዚድርበይዎ ቀላይ ሓዊ (ገሃነመ እሳት)’ዮም ዚድርበዩ (ራእ 20፡10)። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ብዘይምእማን ዘሐለልዎን ዘሰክሕዎን ህዝቢ’ዮም። ብዛዕባ ዘይምእማኖም ንዚሰምዖ ስምዒትን ዚህቦ ፍርድን ድማ፡
“እዚ ህዝቢ’ዚ ኽሳዕ መዓስ’ዩ ዚንዕቀኒ፧ በቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ኵሉ (ተኣምራትከ) ኽሳዕ መዓስ’ዮም ዘይኣምኑኒ፧ ብፌራ ክወቕዖምን ከጥፍኦምን’የ፡ . . . “ ብምባል ናይ ዘይምእማኖም መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ ኣፍለጠ (ዘሁ 14፡11,12)። በዚ ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ መሰረት፡ ዘይምእማን ርእሲ ዅሉን ምንጪ ዅሉን ሓጢኣት ምዃኑ ኢና ‘ንርዳእ። ስለ’ዚ ነዚ “ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ዚብል ናይ ጐይታና ጽኑዕ ትእዛዝን ምዕዶን ፈጺምካ ብሸለልትነት ኪረኣይ ዘይግብኦ’ዩ። ኣረሚን ሰብ እንተ ዘይኣመነ ኣየገርምን ይኸውን፡ ክርስትያን ሰብ እንተ ዘይኣመነ ግን፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ ትዕግስቲ ኣምላኽ’ኳ ዘይጾሮ ኸቢድ በደል’ዩ’ሞ፡ ንኣምላኽሲ ብእምነትና ደኣ ነስተንክሮ’ምበር፡ ብዘይ ምእማንና ኣይነሰክሓዮ (ማቴ 8፡10 ፣ ሉቃ 8፡18)። ንኣምላኽ ምእማን ማለት ንኣምላኽ ምኽባር፡ ንመለኮታዊ ባህርያቱ ልዑል ኣፍልጦ ምሃብ፡ ናይ ኣምላኽ እሙን ምስክር ምዃን ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ “ኣብ እምነት እንተ’ለኹም ርእስኹም መርምሩ” ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ተኣዚዝና ብዕቱን ምርመራ መንፈሳዊ ሃለዋትና ነረጋግጽ (2ቈረ 13፡5,6 ካ.ት) ምስቶም ብሰሪ ዘይምእማኖም ዚስበሩን ዚጠፍኡን ዘይኰነስ፡ ምስ’ቶም ብእምነቶም ዚድሕኑን ዚኸብሩን ንሰራዕ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
27 ሚያዝያ 2025 | ሚያዝያ 19, 2016 ግዕዝ (መበል 33 ሰንበት: ቊ.፴፫/33) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፲፪(፻፲፫)፡፫-፬ “እምሥራቀ ፀሐይ እስከ ነዓረብ።ይትአኩት ስሙ ለእግዚአብሔር።ልዑል እግዚአብሔር መልዕልተ ኵሉ አሕዛብ። ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯ (፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ።ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-37 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 17፡1-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ