“ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” 1ቈረ 15፡19።
እዚ ሰንበት’ዚ ድሕሪ ትንሳኤ ሳልሳይ ሰንበት’ዩ። ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ 50 መዓልታት ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስን ብዛዕባ ናትና ተስፋ ትንሳኤን እነስተንትነሉ፡ እንመሃረሉ፡ ንተስፋ ትንሳኤና ድማ እነዕብየሉን እነጽንዓሉን ሾብዓተ ሰሙናት’ዩ። ዳርጋ ዅሎም ተሰሪዖምልና ዘለዉ ንባባት ኸኣ ትንሳኤ-ጠቀስ ንባባት’ዮም። ናይ ሎሚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ናይ ትምህርትና ኸኣ፡ ካብ’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስን ትንሳኤ ሙታንን ሰፊሕ ምጒትን ዓሚቝ ኣስተምህሮን ዝሃበሉ ምዕራፍ ዝተወስደ’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ “ትንሳኤ ሙታን የልቦን” ዚብል ስሑት ትምህርቲ ተኣታትዩ የስፋሕፍሕን፡ ንእምነት ብዙሓት ከኣ ይገላብጥን ስለ ዝነበረ ዝጸሓፎ መልእኽቲ’ዩ። ኣብ ዘመንና’ውን ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ዚለዓል ስሑት ትምህርቲ ስለ ዘሎ፡ ገና’ውን ክሳዕ ምጽኣት ጐይታና ኪቕጽል ስለ ዝዀነ፡ እዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ትምህርቲ ብዕምቈት ክንርድኦን እምነትና ኽንሃንጸሉን ከነጽንዓሉን ይግብኣና’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣገዳስነት ናይ’ዚ ትምህርቲ ብምግንዛብ፡ ሓደ ኻብቶም “ኣዕማደ ምስጢር” (ኣዕኑድ ምስጢራት) ኢላ ዝሰመየቶም፡ ንመሰረተ እምነታ ዜቝሙ ሓሙሽተ ምስጢራት፡ “ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን” ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኸም ዚኸውን ገበረት።
እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ ገና ኣብ ስሑት ትምህርቲ ኸይተበጽሐ’ኳ፡ ናይ ትንሳኤ ተስፋና እናተዳኸመ ይኸይድ ምህላዉ’ዩ። ኣብ ቅንያት ዓብይ ጾምን (ጾመ ኣርብዓ) በዓለ ትንሳኤን እንተ ዘይኰይኑ፡ “ብዛዕባ ትንሳኤ እንሓስበሉ፡ ብመንጽር ትንሳኤ መገድናን ኣካይዳናን እነማእዝነሉን ጊዜ ኣሎ” ኽንብል እንኽእል ሰባት፡ ካብ ቍጽሪ ኣጻብዕና ኸም ዘይንበዝሕ ርዱእ’ዩ። ናብ’ዚ ድኻም’ዚ ዜቃልዓና ዘሎ ኸኣ እቲ እንነብሮ ዘለና ዓይነት ናብራን ህይወትን’ዩ። መጀመርታናን መፈጸምታናን ኣብ’ዛ ዘለናያ ዓለም’ምበር፡ ካልእ ዓለምን ካልእ ናብራን ይጽበየና ኸም ዘሎ ዄንና ንነብር የለናን። ድሕሪ ሞት ብትንሳኤ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ቌምና፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኴንና ናይ ዝገበርናዮ ዅሉ ግብሪ፡ ዓስቢ ኽንቅበል ምዃንና ንሓስብ እንተ ንኸውን፡ እዚ ሎሚ እነዘውትሮ ዘለና ሓጢኣት ኣይምገበርናዮን፡ ብዛዕባ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ድማ ኣብ ዘየቋርጽ ንስሓ ምነበርና ኔርና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቲ ተስፋ ናይ’ዛ ሓላፊት ዓለም’ምበር፡ ተስፋ ትንሳኤን ዘለኣለማዊ ህይወትን ዘይብሉ ሰብ፡ ኣዝዩ ዜደንግጽ ክርስትያን ከም ዝዀነ ዝጸሓፈ ኸኣ፡ ካብ’ዚ ድንዛዘና’ዚ ምእንቲ ኼበራብረና’ዩ። መወዳእታ መዓልቲ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ተዳልዩልካ ኸም ዘሎ እናተነግረካ፡ ንእኡ ሸለል ኢልካ፡ ብዛዕባ’ዘን 70 ወይ 80 ዓመት ዘይመልኣ ምድራዊ ዕድመኻ ምግዳስ ንጊዜኡ ዜደንግጽ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ዜፍርድን ዜዀንንን ተግባር ምዃኑ ኪዝንጋእ ዘይግብኦ’ዩ።
ተስፋና እንታይ’ዩ፧ ተስፋና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ። እዚ ተስፋ’ዚ፡ እግዚኣብሄር ገና ኺፈጥረና ኸሎ፡ ኣብ ውሽጥና ዘንበሮ’ዩ (መክ 3፡10-14)። ንሞት ኣዚና ኽንፈርሆን ክንጸልኦን ዚገብረና፡ እቲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጥና ዘሕደሮ ናይ ዘለኣለማውነት ተስፋ’ዩ። ሞት ብሰሪ ሓጢኣትና ዘምጻእናዮ ወደቓ’ምበር፡ ኣካል ተፈጥሮና ኣይኰነን። ሓጢኣት፡ ኣብ ውሽጥና ናይ መንነት ቅልውላው’ዩ ኣእትዩልና፡ ዘይሙማት እንደልይ፡ ግን ከኣ ንሞት ኣሕሊፉ ዚህበና ግብሪ እንገብር ሰባት ክአም ‘ንኸውን ገይሩ ኣበላሸወና። ኣቦና እዮብ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝተሰብከሉ ተስፋ እንተ ዘይነበረ’ኳ ኣዝዩ ሓያል ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዝነበሮ፡ ኣብ እዋን መከራኡ ጽንዓት ዝሃቦ ንሱ ምዃኑ ብቓሉ ተኣሚኑ ኣሎ (እዮ 19፡25-27)። ኣቦና ኣብርሃምን ካልኦት ዅላቶም ቅዱሳንን ነዛ ምድራዊት ህይወቶም ብዓወት ኪስዕርዋ ዝኸኣሉ፡ ብትንሳኤ ሙታን ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ስለ ዝነበሮምን፡ ኣብ’ታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም (መንግስተ ሰማያት) ኪነብሩ ይትስፈዉ ኸም ዝነበሩን ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (እብ 11፡8-10,13-19 ካ.ት)። ጐይታና ኣብ ዘመን ኣገልግሎቱ ዳርጋ ዅሉ ትምህርቱ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወትን መንግስተ ሰማያትን’ዩ ዝነበረ (ዮሃ 3፡15፣ 5፡39፣ 10፡28፣17፡2)። ንምሉእ ምድራውን ሰማያውን ተልእኾኡ ኸኣ፡ በታ፦ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” እትብል ቃሉ ኣጠቓሊልዎዩ (ዮሃ 3፡16)። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን፡ ልክዕ ከም ጐይታኦም፡ ሕመረት መልእኽቶም ዘለኣለማዊ ህይወት’ዩ ዝነበረ (ሮሜ 2፡7፣ 5፡21፣ 6፡23፣ 2 ቈረ 4፡17፣ 5፡1፣ 1ዮሃ 1፡2፣ 3፡15፣ 5፡11፣ ይሁ 1፡21)። እቲ ብክርስቶስ ምስ ኣመንናን ምስ ተጠመቕናን ዚወሃበና ህይወት፡ ኣካል ናይ’ዚ ዘለኣለማዊ ህይወት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ገና ቕድሚ ምጽኣት “ንዘለኣለም ህይወት ርኢናያ” ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (1ዮሃ 1፡2)። ነቲ ዝኣመነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ድሮ ተዋሂባቶ’ያ (ዮሃ 6፡47,51,54፣ 1ዮሃ 5፡11-13)። እዛ ዘለኣለማዊት ህይወት ብርግጽ ኣባና ኸም ዘላ እንፈልጥ፡ በቲ እንነብሮ ዓይነት ናብራ’ዩ። እቲ ብፍቕሪ ዚነብር ነታ ኣብ ውሽጡ ዘላ ዘለኣለማዊት ህይወት ይነብራ። ብኣንጻሩ ግን እቲ ብጽልኢ ዚነብር ኣብ ሞት ከም ዚነብር ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣረጋጊጹልና’ዩ (1ዮሃ 3፡15)። ጊዜ ምጽኣት፡ እታ ድሮ ዝተቐበልናያን ኣብ ውሽጥና ዘላን ናይ ዘለኣለም ህይወት እትግለጸሉ ጊዜ’ዩ (ቈሎ 3፡4)። እዛ ተስፋ’ዚኣ ኣብ ውሽጥና እንተ’ልያን ንነብራ እንተ’ሊናን፡ ዜደንግጽ ክርስትያን ዘይኰነስ፡ ኣምላኽን ቤተ ክርስቲያንን ዚሕበኑሉ ክርስትያን ኢና ንኸውን።
ተስፋና ብኸመይን ኣበይን’ዩ ዚፍጸም፧ ተስፋና ብትንሳኤ ሙታን’ዩ ዚፍጸም። ብምልኣት ዚግለጸሉ ድማ ኣብ ሰማያት’ዩ። ጐይታ ደጋጊሙ ኻብ ዝሃቦ ተስፋ፡ ናብ ሰማያት ድሕሪ ምዕራጉ፡ ተመሊሱ ብኽብሪ ኸም ዚምለስን፡ ናብ’ቲ ናይ ክብሪ ቦታኡ ኸም ዚወስደናን ዚገልጽ’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ እንነብሮ ናብራ፡ ናይ ዝኽትምናን ናይ ጓህን ጊዜ’ዩ (ዮሃ 14፡1-3 ፣ 16፡5,6,20-22)። ጓሂና ብምጽንናዕን ሓጐስን ዚትካእ ድማ ኣብኡ ኣብ’ቲ ዘለኣለማዊ ህይወት’ዩ። ጐይታና ብምስላታትን ብቐጥታዊ ትምህርትን ገይሩ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ዓይንና ኸም ዚረኣየና ገይሩ ገሊጹልና’ዩ (ማቴ 5:4 ፣ 2ቈረ 6፡10 ፣ 13;31-50)። ጐይታ ጥራሕ ዘይኰነ ቅዱሳት ሃዋርያት’ውን፡ ነዛ ተስፋ’ዚኣ ኼበስሩ’ዮም ዝተቐብኡን ዝተላእኩን። ሃዋርያ ምዃን ማለት “ምስክር ትንሳኤ” ምዃን ማለት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ መተካእታ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚኸውን ሃዋርያ ንምምራጽ ክልተ ሕጹያት ድሕሪ ምቕራብ፦
“ካብ’ዚኣቶም ሓደ፡ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ’ዩ።”
ብምባል፡ ተልእኾ ሃዋርያነት እንታይ ከም ዝዀነ ኣመልኪቱና ኣሎ (ግብ 1፡21,22)። ጐይታና ምስክር ትንሳኤኡ ኪዀኑ ኸም ዝሓረዮም ደጋጊሙ ገሊጹ’ዩ (ሉቃ 24፡46-48፣ ዮሃ 15፡26,27፣ ግብ 1፡8)። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ምስክር ትንሳኤኡ ምዃኖም ተኣሚኖም ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ’ውን ፈጺሞምዎን ተሰዊኦምሉን’ዮም (ግብ 2፡32,36፣ 3፡13-15፣ 4፡19,20፣ 5፡29-32፣ 24፡15፣ 26፡8,16፣ 22፡14,15፣ 23፡6)።
ተስፋና መን’ዩ፧ ሃዋርያት ደጋጊሞም ከም ዘረጋገጹልና ተስፋ ክርስትያን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ።
“ኣምላኽ ነዚኣቶም፡ እዚ ምስጢር’ዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክሳዕ ክንደይ ክቡርን ሃብታምን ከም ዝዀነ ኬፍልጦም መረጸ። እዚ ኸኣ እቲ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝዀነ ኣባኻትኩም ዘሎ ክርስቶስ’ዩ።” ቈሎ 1፡26,27 ካ.ት።
“ካብ ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ናይ’ቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽን ተስፋና ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ሃዋርያ ዝዀነ፡” 1ጢሞ 1፡1።
ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ናይ ክብሪ ህይወት’ዩ። እዚ ናይ ውርደት ስጋና ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ምስ ተለወጠ፡ ሽዑ ተስፋና ብምልኣት ኪፍጸም’ዩ። ጐይታና ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ከሎ፡ ሽዑ’ውን ካብ’ቲ መለኮታዊ ኽብሩ ከም ዝሃቦም ኣብ ጸሎቱ ተኣሚኑ’ዩ። “ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ንሳቶም’ውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።” ዮሃ 17፡22 ካ.ት
ጐይታና ኢየሱስ፡ ንኣና ናይ ክብሪ ተስፋ ኸም ዝዀነ ባዕሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እዚ ኽብሪ’ዚ ብኸመይ እናዓዘዘ ኸም ዚኸይድ ከኣ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ንሕና ዅልና ኸኣ ብቕሉዕ ገጽ፡ ክብሪ ጐይታ ኢና እነንጸባርቕ፡ (በዚ) ኻብ’ቲ መንፈስ ዝዀነ ጐይታ ዝመጸ ኽብሪ ኸኣ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ እናተለወጥና፡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ንሓልፍ።”
“ብእኡ ኸኣ ናብ’ዚ ሕጂ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ኣተና፡ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና’ውን ንምካሕ ኣለና።”
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (2ቈረ 3፡8 ካ.ት ሮሜ 5፡2 ካ.ት)። ንጐይታ ብቕሉዕ ገጽ እንርእዮ ድሕሪ ምጽኣቱ ናብ መንግስቱ ኣቲና፡ ብዘለኣለማዊ ህይወት ክንነብር ከለና’ዩ። እቲ ኽብሩ ኣባና ስለ ዚሓድር ከኣ፡ ነቲ ኽብሩ እና’ንጸባረቕና ኢና እንነብር። ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እናተሰጋገርና ኸኣ፡ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ። እቲ ንክርስቶስን ንዘለኣለማዊ ህይወትን ተስፋኡ ዘይገበረ ሰብ ግን፡ ነዚ ኽብሪ’ዚ ኣይረኽቦን’ዩ። እተን ዝርካበን ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዜሕልፈን ህይወቱ፡ ዋላ ነጊሱ እንተ ሃለወ’ውን፡ ናይ ውርደት ናብራ’ዩ ዚነብር። ድሕሪ ትንሳኤ እንተ ዀነ’ውን ናብ’ቲ ዕረፍትን መለሳን ዘይብሉ ናይ ዘለኣለማዊ ውርደትን ስቓይን ቦታ’ዩ ዚኣትው። እቲ ብተስፋ ክርስቶስ ርእሱን ኣምላኹን ዘኽበረ ብልሂ ክርስትያን ግን፡ በቲ፦ “ትንሳኤ ሙታን’ውን ከምኡ’ዩ፡ ብዚብስብስ (ስጋ) ይዝራእ፡ ብዘይብስብስ (ስጋ) ኸኣ ይትንስእ፡ ብውርደት ይዝራእ ብኽብሪ ይትንስእ፡ ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ፣ ባህርያዊ ሰብነት ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ሰብነት ይትንስእ። .... እቶም መሬታውያን (ሰባት) ከም’ቲ መሬታዊ (ኣዳም)’ዮም፡ እቶም ሰማያውያን (ሰባት) ድማ ከም’ቲ ሰማያዊ (ክርስቶስ)’ዮም። ከም’ቲ ምስሊ ናይ’ቲ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ ናይ’ቲ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና።” ዚብል ተስፋ ትንሳኤ መሰረት፡ ናብ ዘለኣለማዊ ክብርን ሓጐስን ኪኣትው’ዩ (1ቈረ 15፡42-45,48,49 ካ.ት)። እቲ ነዚ ኽቡር ተስፋ’ዚ ንዒቑ፡ ነዛ ናይ ውርደት ዘመኑ ኼስተማቕር ዚመርጽ ዓሻ ሰብ ግና፡ ልክዕ ከም’ቲ ወርቂ ደርብዩስ ጐሓፍ ዜልዕል ሰብ’ዩ። ከም’ዚ ገይሩ ርእሱ ዘሕሰረ ሰብ ዘየደንገጸ ደኣ መን ካልእ ኬደንግጽ’ዩ!!
በዚ ተስፋ’ዚ ናይ ምንባርና ረብሓ እንታይ’ዩ፧ እዚ ተስፋ’ዚ ንስለ ትስፍዋት ምዃን ኢልና እነልዕሎ ምርጫ ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ህልዊ ዀነ ናይ መጻኢ ናብራና ወሳኒ ግደ ዘለዎ ተስፋ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “ክብርትን ዓባይን ተስፋ” ብምባል ሰምይዋ ኣሎ (ጴጥ 1፡4)፡፡ እግዚአብሔር ኣቦ ብእምነት ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዳግማይ ዝወለደና ነዛ “ህያው ተስፋ”’ዚኣ ምእንቲ ኽንበቅዕ’ዩ (1ጴጥ 1፡3,4)። ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ልደት ዘይረኸበ ሰብ፡ እዛ ህያው ተስፋ’ዚኣ ኽትህልዎ ኣይትኽእልን’ያ። ዳግማይ ዘይተወልደ ሰብ ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትውን ዘለኣለማዊ ህይወት ኪቕበልን ከም ዘይክእል ጐይታና ብዘየማትእ መገዲ ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ (ዮሃ 3፡3-7)። ረብሓታት ተስፋና ኸኣ ብዙሕ’ዩ፦
1ይ. እተድሕን ተስፋ’ያ፦ ናይ’ዛ ተስፋ’ዚኣ ህላወ፡ ናይ ምድሓንና ዓብይ መርትዖ’ዩ። ካብ’ዛ ተስፋ’ዚኣ እናረሓቕና ብዝኸድና መጠን፡ ናብ ጥፍኣት እናቐረብና፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝተቐበልናዮ ድሕነት እና’ጥፋእናዮ ንኸይድ። ድሕነትና ብተስፋ ኸም ዝዀነ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“.....ብተስፋ ኢና ዝደሓንና። ነቲ ዚርአ ተስፋ ምግባር ተስፋ ኣይኰነን፡ ነቲ ዚርእዮ ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ፧ ነቲ ዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና።”
ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ሮሜ 8፡24,25 ካ.ት)። ተስፋና፡ እታ ሰማያዊት ህይወት-ዘለኣለም እንተ ዀይና፡ ሓሳብናን ሓልዮትናን ከኣ ብዛዕባኣ’ዩ ዚኸውን። ሓልዮት ሓዳርን ፍትወት ስጋን እናዓዘዘ ዚኸይድ፡ ሰማያዊ ተስፋና ኻብ ልብናን ኣእምሮናን እናሃሰሰ ምስ ዚኸይድ’ዩ። ኻብ ከም’ዚ ዘመሰለ ናብ ገሃነም ዚነቍት መንፈሳዊ ድኻም ምእንቲ ኽንድሕን ድማ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ፣ ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። እቲ ህይወትኩም ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፡ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።” ብምባል ምዒዱና ኣሎ (ቈሎ 3፡1-4 ካ.ት)። እቲ ምድራዊ ሓልዮትን ፍትወትን ንቐልብኻን ህይወትካን ከም ታኼላ ውሒጥዎ እንተ’ልዩ፡ እቲ ብምስጢረ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝሞትካዮን ዝተንሳእካዮን ቅዱስ ታሪኽ ደምሲስካ፡ ንዓለምን ንሓጢኣትን ህያው፡ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንጽድቅን ግን ምዉት ኢኻ እትኸውን። ስለ’ዚ’ዩ ጐይታና፦
“እቲ (ንምድራዊት) ህይወቱ ዚፈትዋ፡ (ንዘለኣለም) ኬጥፍኣ’ዩ። እቲ (ንምድራዊት) ህይወቱ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚጸልኣ ግና፡ ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ’ዩ።” ብምባል ዘለበመና (ዮሃ 12፡25 ካ.ት)። እዚ ዚመስል ሰማያዊ ቓል እናተነግረና፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ከም ጐሓፍን ወጽዓን ንዝረኣይዋ ምድራዊት ህይወት፡ ከም ክብርቲ ቘጺርና ምስኣ ንቘማጣዕ እንተ’ሊና ግን፡ ብሓቂ ኣዚና እነደንግጽ “ክርስትያን” ኢና ማለት’ዩ። እምበኣር ነዚ ናይ ሞት ምርጫና ደርቢና፡ ነቲ ኣምላኽ ዜኽብሮን ዚጻምዎን ናይ ህይወት ምርጫ ነልዕል።
2ይ. ናብ ኣምላኽ እተቕርበና ተስፋ’ያ፦ ቅዱሳን ሃዋርያት ደጋጊሞም ከም ዜረጋግጽዎ፡ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱን ተንሲኡን፡ ናብ የማን ኣቦ ዓሪጉን ክሳዕ ዜድሕነና፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቕና ጥፉኣት ፍጥረት ኢና ዝነበርና (ኢሳ 59፡1-3)። ሳላ መስዋእቲ ክርስቶስ ኢና ናብ ኣምላኽ ክንምለስን ክንቀርብን ዝኸኣልና።
“በቲ ዘመን’ቲ ኻብ ክርስቶስ ዝረሓቕኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ፡ ተስፋ ዘይብሎም ኸም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዞም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢልኩም፡ ማለት ብምፍሳስ ደሙ ቐረብኩም። .... ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምስሶ፡ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። መጺኡ ኸኣ ንኣኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ኸኣ ሰላም ኣበሰሮም።” ኤፌ 2፡12,13,16,17 ካ.ት
“ኣምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ኸኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ። .....” ቈሎ 1፡20-22 ካ.ት
“ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምእንቲ ሓጢኣት ሞተ። ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ጻድቕ ከሎ ምእንቲ፡ቶም ሓጥኣን ሞተ። ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 3፡18
ነዚ ምቕራብ’ዚ ኸኣ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ልብና ብምፍሳስ’ዩ ዝገበሮ (ሮሜ 5፡2-5)። እዛ ተስፋ’ዚኣ ናብ ኣምላኽ ንኽንቀርብ እተበርክቶ ግደ’ውን ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ እቲ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኣረጋጊጹልና’ዩ።
“ከመይ ሕጊ ሙሴ ንሓደ’ኳ ናብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ ሕጂ ግና ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ መጺኡልና ኣሎ።” እብ 7፡19 ካ.ት
ብጸሎት ከይንተግህ፡ ብምስጢረ ቍርባንን ብምስጢረ ንስሓን ናብ ኣምላኽ ከይንቐርብ ዓቐብ ኰይኑና ዘሎ፡ እዛ ናብ ኣምላኽ እተቕርብ ተስፋ ኣብ ልብና ስለ ዘየላ’ዩ።
3ይ. ተስፋና፡ እተንጽህ ተስፋ’ያ፦ ዝዀነ ክርስትያን ገጽ ኣምላኽ ኪርእይ ዚበቅዕ ብንጽህናን ብቕድስናን ዚነብር እንተ ዀይኑ’ዩ (መዝ 24፡3-6 ካ.ት፣ ኢሳ 33፡14-16 ካ.ት፣ እብ 12፡14፣ 2ቈረ 1፡12 ካ.ት)። ንጽህና ንዘይብሉ ሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዀነ መንግስተ ሰማያት ኣይምልከቶን፡ ኣይብጽሖን ከኣ’ዩ። ሓደ ሰብ ንጹህናኡ ሓልዩ ኺነብር እተኽእሎ ኸኣ፡ እታ ኣብ ውሽጡ ዘላ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ተስፋ’ያ።
“እምበኣርከ ኣቱም ፍቁራተይ እዚ ዅሉ ተስፋ’ዚ ካብ ዚህልወናስ ካብ’ቲ ንስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ። ንኣምላኽ እናፈራህና ኸኣ ብቕድስና ፍጹማት ንኹን።” 2ቈረ 7፡1 ካ.ት።
“ኣቱም ፍቁራተይ! ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ ገና ኣይተገልጸን። ክርስቶስ ምስ ዚግለጽ ግና ከም’ታ ዘለዋ ክንርእዮ ኢና’ሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና። ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ከም’ቲ፡ (ክርስቶስ) ንጹሕ ዝዀነ፡ ንገዛእ ርእሱ የንጽህ ኣሎ።” 1ዮሃ 3፡2,3 ካ.ት።
ናይ ክርስትና መቐረት፡ ጽድቅን ንጽህናን’ዩ። ናይ ምድራዊ ህይወት መቐረት ከኣ፡ ርኽሰትን ዕብዳንን’ዩ። ነዛ ሓጻር ምድራዊት ህይወቶም እምብዛ ኼስተማቕርዋ ዚደልዩ ሰባት፡ ኣብ ምንዝርናን፡ ስኽራንን ተድላን ተኣሊኾም ዚነብሩሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ምድራዊ ህይወት ፈቲኻን ርኽሰት ተጸዪፍካን ኪንበር ኣይከኣልን’ዩ። ኣብ ማይ በላ (Sewage system) ጥሒልካስ ከይተጸይቕካ ብንጹህካ ኽትወጽእ ምምናይ ወይ ምትስፋው ዝዓይነቱ ኸንቱን ሕልማውን ባህጊ’ዩ። ብንጽህና ኺነብር ዚኽእል፡ እቲ ኣእምሮኡን ናብራኡን ብተስፋ ዘለኣለም ህይወት ዝሓጸረን ዝቐጸረን ሰብ ጥራሕ’ዩ። ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ኣእምሮኡ ዘይብሉ ሰብን፡ ቍራዕ ርእሲ (Helmet) ከይገበረ ናብ ውግእ ዚኣትው ሰብን ሓደ’ዮም። ንጸላኢኦም ርእሶም ዚውፍዩሉ ዓያሱ’ዮም። ንናይ ምድሓን ተስፋ፡ ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ኽንጥቀመሉን ኣእምሮናን ኣተሓሳስባናን ብእኡ ኽንሕልውን ቅዱሳን ሃዋርያት ምዒዶም’ዮም (1ተሰ 5፡8 ፣ ኤፌ 6፡17)።
4ይ. ተስፋና፡ ድልድልትን ጽንዕትን መልሕቕ ነፍሲ’ያ፦ እዚ እንነብረሉ ዘለና ዓለምን ህይወትን ልክዕ ከም’ቲ ማዕበል ዘይበትከሉ ህውከተኛ ባሕሪ’ዩ። ተስፋ ዘለኣለም ህይወትን ትንሳኤ ሙታንን ዘይብሉ ክርስትያን ከኣ፡ መልሕቕ (Anchor) ዘይብላ መርከብ ሒዙ ኸም’ቲ ዚጐዓዝ ዓሻ ባሕረኛ’ዩ። መልሕቕ ዘይብላ መርከብ፡ ዝመጸ ዅሉ ንፋስ ናብ ዝደለዮ መኣዝን ከም ዝደለዮ ዚኽብክባ “ስዲ መርከብ’ያ” (ግብ 27፡15,17,40)። ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ክርስትያን ድማ “ስዲ ክርስትያን” ኰይኑ’ዩ ዚተርፍ። ተስፋ ትንሳኤ’ዩ ንነፍስና ጽኑዕን ድልዱልን መልሕቕ ኰይኑ ንዅሉ ማዕበላት ዜስግራ። ማዕበል መከራ፡ ማዕበል ስሑት ትምህርቲ (ኑፋቄ)፡ ማዕበል ፍትወት ስጋ ናብ ዝደለዮ ገፊዑ ኸይወስደና፡ ብመልሕቕ ተስፋ ኢና እንከላኸሎ(እብ 6፡13-15,17-20 ካ.ት)።
እግዚአብሔር እሙንን ዘይሕስውን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ’ዩ፡ ተስፋና ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ጽንዕትን ድልድልትን ተስፋ ኽትከውን ዝኸኣለት (2ቈረ 1፡20፣ ቲቶ 1፡2፣ ሮሜ 5፡5፣ እብ 11፡11)። ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዝኣተዎ ተስፋ ከም ዚፍጽሞ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። እዚ ርድኢት’ዚ’ዩ ድማ፡ ዋላ ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ዅነታት ብተስፋ ኽንኣምን፡ ንምእማን ክንብርትዕ’ምበር ከይንደክም ዚገብረና። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ተስፋ ዝወለዳ እምነት’ያ፡ ጽድቂ ኣምላኽ እተልብሰና (ሮሜ 4፡17-21)። ነዛ ተስፋ’ዚኣ ብእምነትን ብትዕግስትን ኢና እንወርሳ። እዚ ምድራዊ ህይወት፡ ነዛ ዓባይን ክብርትን ህያውን ተስፋና’ዚኣ ኣጽኒዕና ንምሓዝ፡ ሰናይ ገድሊ እምነት እንጋደለሉ ናይ ገድሊ ዘመን’ዩ (እብ 6፡12,13 ካ.ት፣ ሮሜ 8፡24,25)። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፦ “ንስኻ ግና፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ (ካብ ፍቕሪ ገንዘብ) ህደም። ደድሕሪ ጽድቅን መንፈሳውነትን እምነትን ፍቕርን ትዕግስትን ሕያውነትን ሰዓብ። ጽቡቕ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል። ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር’ውን ጽቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ (ብትንሳኤ እትርከብ) ህይወት ዘለኣለም ሓዛ፡ ነዚ ትእዛዝ’ዚ፡ ብንጽህናን ብዘይ መንቅብን ክሳዕ ምግላጽ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ሓልዎ) .... “ ዚብል ጽኑዕ ሃዋርያዊ ትእዛዝ ተዋሂቡና’ሎ (1ጢሞ 6፡11-14 ካ.ት)። እምበኣር ብመንጽር’ዛ ተስፋ’ዚኣ ኸመይ ከም ዘለና ህይወትና ንመርምር። ንርእስና ዜርብሕ፡ ንኣምላኽ ከኣ ዜኽብርን ዜሐብንን’ምበር፡ ዜደንግጽን ዜሕፍርን ክርስትያን ዘይምዃንና ነረጋግጽ። ንህይወትና ብተስፋ ትንሳኤ ነማዕርጋ። ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት’ምበር፡ ናይ ዘለኣለማዊ ጥፍኣትን ስቓይን ሰባት ኣይንኹን። ሰኣን ተስፋ ትንሳኤ፡ ስዲ ክርስትያን ካብ ምዃን ርእስና ነድሕን። ነቲ ንጉስ ትንሳኤ ብተስፋ ትንሳኤ ነኽብሮ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
4 ግንቦት 2025 | ሚያዝያ 26, 2016 ግዕዝ (መበል 34 ሰንበት: ቊ.፴፬/34) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ። እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።” “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 1፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 2፡22-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡20-27 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡41-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ