S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

4ይ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም!

መንፈሳዊ ሰላምታ ብምቕዳም፥ ኣብ ዕዮኹም ኣሳልጦ፥ ኣብ ሕይወትኩም ሰላምን ጥዕናን ኣምላኽ ክህበኩም ንልምን።

እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲ ሞት ኣላ ፍልሰት! (ኦ ጎይታ ንኣገልገልትኻ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን) ዝብል ናይ ዘለዓለማዊ ተስፋ ቃል፥ ኣብ ጸሎተ-ፍትሓት (እግዚኣ‐ሕይዋን) በቶም መንፈሳውያን ኣቦታትና ተጻሒፉ እንረኽቦ፥ ጸሎት ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

በዚ ምኽንያት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣሕጉረ ስብከታትና፥ መበል 4ይ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣቦና፥ ብጸሎተ ቅዳሴን መዝሙርን ብዓቢይ ክብርን ዝኽርን ንኽበዓል፥ ንሰንበት ዕለት ፩ የካቲት ፳፻፲፰ ግእዝ ( 8, 2026 ዓ/ፈ) ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያን ንቅድስና ሰማዕት እንበለ-ደም ኣቡነ እንጦንዮስ ዝቕበላን፥ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝመሓደራን ሓባራዊ ጸሎተ-ፍትሓት ክግበር ንኹሎም ውሉደ ክህነትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ደቂቀ እንጦንዮስ ንሕብር።

 

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞት ቅዱሳኑ ክቡር እዩ። መዝ 116፡15

ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት፥ ጽንዓት እምነቶም የሕድረልና።

ላዕለዋይ ምምሕዳር መንበረ ጵጵስና ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div