እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 25, 2017)፡ ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ምስቲ በጺሕናዮ ዘሎና ምስ ውህበትን መንፈስ ቅዱስ ብዝተኣሳሰር፡ ጐይታ ዝኣዘዘና፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ዝዓበየ መገዲ ኢሉ ዝመሃረና መሰረታዊ ናይ ፍቕሪ መገዲ ክንርኢ ኢና።
እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 18, 2017): ሳልሳይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ እንከታተሎ ዘሎና ንመንነትን ስራሕን እቲ መጸናንዕን ወሃቢ ህይወትን ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
ዘመናዊ ሰብ ኣብ ሃዋህው ገለ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር እንተሎ ክረኽብ ኢሉ፥ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ እናኣጥፍኤ፥ ናብ ጠፈራት ደይቡ ሃለው ክብል ይውዕል ኣሎ። እሞኸ ብሓቒዶ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ክርከብ እዩ፧ ወይስ ንገበርና እዩ፧
እዚ ካልኣይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ ዝጀመርናዮ ተራን ስራሕን መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድሕነትና ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
ሕይወት ወዲ ሰብ ኣብዚ ዓለም ብጻዕሪ እያ እትጅምር። ብብዙሕ ፈተናን ክፉእ ነገራትን ከኣ ትስነ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብቓንዛን በቲ ጸላኢና ዝኾነ ሞትን
እዚ ሳምናይ ሰንበት (ሰነ 4, 2017) በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ)፡ በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ በዚ መዓልቲ እዚ፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንመሃረሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ(ግንቦት 28, 2017): ሳብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘሎናዮ ቅነ (ዘመነ) ትንሳኤ እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ቀዳማይ ሰንበት ብምዃኑ ድማ፡ ንዕርገት ኣመልኪትና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን መዓልቲ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ
እዚ ሰንበት እዚ (ግንቦት 21, 2017) ሳድሳይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያን ዓውደ ኣዋርሕ (Calendar) “ኣርኣየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት” ዝብል ስያመ ኣለዎ። ነቲ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣብ ልዕሊ ሞትን ሓጢኣትን ዘርኣዮ ስልጣን እነስተንትነሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ