S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሳምናይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቲ ጐይታና ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ መንፈሳዊ ትርጉሙን መልእኽቱን እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ።

ሕሊና ማለት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመለኮታዊ ጥበቡ ጌሩ ኣብ ሕይወትና ዘቐመጦ: ሕማቕ ስርሓትን ዘይሕጋዊ ነገራትን ክንፍጽም ከሎና ኣንጻርና ኮይኑ ዝቃወመናን ናብ ኣምላኽ ዝጠርዕን ድምጺ ውሽጣዊ ነፍስና እዩ። ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ጽሩይ ኣእምሮን ዘይተበላሸወ ሕይወትን ሂቡ፡ ብቕንዕና ሠናይ ክንገብርን ሠናይ ድማ ክንረክብን ኢሉ ፈጠረና። ንሕና ግና ዓመታት እንዳወሰኽና ክንዓቢ ከሎና ብተንኮል ሰይጣን ተታሊልና ብዙሕ ጌጋታት ብምፍጻም ንፈጣሪና ነሕዝኖ ኢና። ስለዝኾነ ድማ እዩ ብዙሕ ግዜ ዘይግባእ ስራሕ እንተ ገበርና ሚዛን ሕሊናና ዝነቕፈናን፡ ውሽጣዊ ልብና ከኣ ጣዕሳ ዝስምዓናን።1 ጴጥ 3፡16.

እዚ ሳብዓይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ብስያሜ ቤተ ክርስትያን ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኒቆዲሞስ እዚ እቲ ብስውር ወደ መዝሙር ጐይታ ዝነበረ ሓለቃ ኣይሁድ ፈሪሳዊ እዩ። ነቲ ጐይታ ምስኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ዝገለጾ ምስጢር ሰማያዊ ልደት እነስተንትነሉ ሰሙን ድማ እዩ።

ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ
ፍቕረይ ደሪኽዎ!
ኣየ ፍቕሪ!

እዚ ሳድሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 26) ገብር ኄር ይስመ። እዚ ክፍሊ፡ ካብቲ ብዛዕባ እቶም መኽሊት ተቀቢሎም ከሽርፉ ዝወጹ ባሮት፡ ጐይትኦም ምስ ተመልሰ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦም መኽሊት ከም ዝተጸባጸቦም ዝምህር ክፍሊ ወንጌል ዝተወስደ እዩ።

ትምህርቲ መሠረተ-እምነት ቤተክርስትያን-ጸሎተ ኃይማኖት

እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 19) ደብረ ዘይት ይስመ። ጐይታና ኢየሱሰ ዝበዝሐ ትምህርቱ ኣብ ከረን ደይቡ እዩ ዝመሃሮ። ኣብ መጀመሪ ስብከቱ ኣንቐጸ ብጹኣን ተባሂሉ ዝፍለጥ (ማቴ 5-7)። ካብቲ ናይ መወዳእታ ትምህርታት፡ ማለት

መምህር ዓምደብርሃን ሞይቶም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ንዓይ ብውልቂ ዝስመዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን። ከመይሲ ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎም ሓደ ስለ ዝኾንኩ እየ። ነታ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና’ውን እዚ ናቶም ሞት ዓቢይ ማህሰይቲ እዩ።

እዛ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 12, 2017) መጻጒዕ ተባሂላ ትስመ። መበገሲ ሓሳቡ ካብቲ ወንጌላዊ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ምዕራፍ 5 ኣስፊርዎ ዘሎ ምሕዋይ ናይቲ 38 ዓመት ዝተደነስ ሰብኣይ እዩ። ናይ ኣስተንትኖና ኣርእስቲ ነዚ ሰሙን ድማ፡ እታ ጐይታ መግለጺ ክብሩ ንኽትከውን ክሓድራ ዝብሃጋ፡ ዘጽረያ፡ ዝቐደሳ ህይወትና፡ ድሕርቲ ኵሉ ዝተገብረክላ ዓብዪ ስራሕ ኣምላኽ፡ ደጊማ ከይትብድል ክትጥንቀቕ ትምዓድ ዝብል እዩ። 

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div