S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳብ 15 ዘሎ ሳምንቲ “ፍረ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተስሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ኵሉ’ውን ፍረ ጠቀስ እዩ። አብ ዝሓለፉ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን፡” ከምኡ ድማ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ።

እዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ’ቲ ኣኽሊል ምስጢራት ዝዀነ “ምስጢረ ቍርባን” ሰፊሕን ዓሚቝን ትምህርታዊ መሰረት ዘንበረሉኽፍሊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ እቲ ዚግባእ ርድኢት ኪህልዎን እቲ ዚግባእ ስጕምትን ኪወስድ ዘይከኣለ ክርስትያን፡ እቲ ንርእሱ ንሓደጋ ዝመጠወ ዓሻ ክርስትያን እዩ። ብዛዕባ ኻልኦት ኣብያተ እምነታት ክንዛረብ እኳ እንተ ዘይደፈርና፡ ኣብዚ ናይ ሓበሻና ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በዚ ምስጢር እዚ ዚምልከት ኣዚና ድሒርናን ካብ ጸጋ ጐዲልናን ከም ዘሎና ነጋሪ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ።

ምኽንያት ፈተና

1.“ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ንኣሽቱ ንሓደ ዜስሕት”

ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝተጠቕሰ ዓብዪ ሃይለ-ቃል ዝተዛረበ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንጎ ትምህርቱ ኣትዩ “መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ ተዛረበለይ፡” ምስ በሎ እዩ። ጐይታ ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሲቪላዊ ጕዳያት ኪጽመድ ስለ ዘይመጸ፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” ኢሉ መለሰሉ። ዋላ ነቲ ሓዉ እንተ ተዛረቦ’ውን ሕራይ ኢሉ ኸይመቕሎ ይኽእል እዩ። ብእኡ ዝኣመነ ወደ መዝሙሩ እንተ ዀነ ጥራይ እዩ ዚስምዖ። ስለዚ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብቶም ብይን ሂቦም ፈጺሚ ኺገብሩ ዚኽእሉ ምድራውያን ሹማምንቲ- ሕጊ ኪኸይድ ነበሮ።

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ መጺኡ፡ ወንጌል መንግሥቱ ከምዝመሃረን ዓበይቲ ተኣምራት ከምዝገበረን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣደልዲሎምን ኣነጺሮምን ይነግሩና እዮም። ካብ መንጎ’ቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ

ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ ናይ ክርስትና፡ ንስሓ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ፡ እንኮ መልእኽቱ፡” መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ዚብል ነበረ (ማቴ 3፡1.2)። እቲ ጥምቀቱ ድማ “ጥምቀት ንስሓ” ይበሃል ነበረ (ግብ 19፡4)። ጐይታና ድማ ተጠሚቝን ንኣርብዓ መዓልታት ኣብ ምድረ በዳ ብዲያብሎስ ተፈቲኑ ምስ ተመልሰ፡ ንሱ’ውን መልእኽቱ፡ ልክዕ ከም ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ተነስሑ” ዚብል ኰነ። እቲ ዜገርም ኸኣ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱን ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱን ኺልእኮም ከሎ’ውን ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣዕጢቝ ምልኣኹ እዩ።

ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ወላዲት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዓለማዊት ድንግልን ንጽሕትን እያ። ብኽብርን ግርማን ካብ ኪሩቤል ትዓቢ። ድንግል ብሕሊና ድንግል ብሥጋ ስለ ዝኾነት ድማ ድንግል በክልኤ

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1 ክሳዕ 8 ንዘሎ መዓልታት “ዮሃንስ” ኢላ’ያ እትሰምዮ። ነቲ ነብያት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተነብዩሉ፡ ካብ ኣረጋውያን ወለዲ ብተኣምር ዝተወልደ፡ ብስራታዊ ገብርኤል ብዛዕባ ልደቱ ዝተዛረበሉ፡ ብልደቱ ብዙሓት ዝተሓጐስሉ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ኪእውጅን መገዱ ኺጸርግን ዝተሓርየ፡ ልዑል ትጽቢትን ክቱር ትሕትናን ዝተዓደለ፡ ንመለኮት ኬጥምቕ ጸጋን ክብርን ዝተዓደለ፡ እቲ ስጉው መለኮት ብልሳኑ “ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ኣይተንሰአን” ኢሉ ዝመስከረሉ ቕዱስ ዮሃንስ ንምዝካር ዝዓለመ ሳምንቲ ድማ እዩ (ማቴ 11፡7-13)።

1.ቁርባን
ቁርባን ማለት ሰብ ንኣምላኹ ዘቕርቦ መስዋእቲ (ሓጢኣት/ምስጋና/መብጽዓ) ማለትዩ።

ጐይታና ነዚ መሪሕ ቃል’ዚ ዝተዛረበ፡ ንህዝቢ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ይህበሉ ኣብ ዝነበረ  እዋን፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪረክብዎን ኬዛርብዎን ኢሎም  ናብኡ መጹ። ኣብ ምልእቲ እስራኤል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናዞረ ይምህር ስለ ዝነበረ ምስ ስድራ ቤቱ ዜሕልፎ ጊዜ ነይርዎ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። መብዛሕትኦም ኣዝማዱ ብእኡን ብትምህርቱን ስለ ዘይኣመኑ፡ “ተጸሊሉ’ዩ” ዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ካብቲ ዚምህረሉ ቦታ ሒዞም ኪወስድዎ ኸም ዝመጹ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣዘንትዩልና ኣሎ (ማር 3፡21)። ሃዋርያ ዮሃንስ’ውን ኣብቲ ጊዜ እቲ እቶም ደቂ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ነጊሩና ኣሎ (ዮሃ 7፡3-5)። ኣብዛ እዋን’ዚኣ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝመጹ ግና ኣይተገልጸን። ስድራኡ ከም ዝመጹ ኺንገሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ (ማቴ 12፡9)።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div