ጐይታና ደጊሙ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብ ምግፋፍ ሰብ ምስ መለሶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ረቝሑ ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ሓተቶ። ነቲ ሕቶ ብውክልና ናይ ኵላቶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈልዩ እንተ ኣቕረበሉ እኳ፡ ንዅላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብድሕሪኦም ንዝመጹ ዅላቶም ወለዶታትን ዚምልከት እዩ ዝነበረ። በእምሮና፡ “እዚ ሕቶ’ዚ ንጴጥሮስ ጥራይ ዝተሓትተ ሕቶ እዩ” ኢልና ዘይንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ ብግብሪ ግና መዓልታውን ምሉእ ዕድሜናን ኸም ዘይምልከተና ጌርና ኸም እንርእዮ ኣሉ ኺበሃል ዘይከኣል ሓቂ እዩ።
እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን’ዚ ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም’ዩ ዝነበረ። በቲ፡ “ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” ዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ።
ጐይታና፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሃት ተዋሒጦም፡ ነቲ ዝነበሩሉ ገዛ ኣጽንዖም ሸጒሮም ይነብሩ ኸም ዘለው ምስ ረኣየ፡ ካብዚ ሳቓዪ ፍርሃትን ዘይምእማንን ምእንቲ ኼናግፎም ኪረኣዮም ወሰነ። ከምቲ ዝነበሮም ፍርሃትን ምጥርጣርን፡ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ ደዉ ኢሉ ብምዅሕኳሕ ኪኸፍትዎ እንተ ዚሓትቶም ኪኸፍትዎ ምተጸገሙ ነይሮም።
እዚ ናይዚ ዕለት ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ ናብ ኤማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርትን ጐይታን መድሃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ ዝርርብ ዚገልጽ እዩ። ካብዞም ክልተ እቲ ሓደ ቀለዮጳ እዩ ዚበሃል። ናብ ኣማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዘለዉ ድማ ምስክርነት ናይተን መላእኽቲ ዝተራእይወን ቅዱሳን ኣንስትን፡ ናይቶም ናብ መቓብር ከይዶም ስጋ ክርስቶስ ዝሳኣኑ ክልተ ሃዋርያትን ድሕሪ ምስምዖም እዩ። ነቲ ክርስቶስ ዝነገሮም ቃል ምዝካር፡ ነቲ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ድማ ምእማን ሓዲጎም ኪዘራረቡን ኪመራመሩን ዝመረጹ ሰባት ነበሩ።
እዚ “ዳግማይ ትንሳኤ” ኢልና ነብዕሎ ዘሎና መዓልቲ እቶም ደቂ መዛሙርቱ ብሓደ ኣብ ሓንቲ ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጋህደሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝዓለመ በዓል እዩ። ቅድሚ ንኣታቶም ምርኣዩ፡ ንሒደት ቅዱሳት ኣንስትን ንሰብ ኤማሁስን ተራእይዎም እዩ። እተን ኣንስቲ መጺአን ከም ዝረኣያኦ ምስ ነገራኦም፡ እቲ ዘረባ’ቲ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ፈጺሞም ኣይኣመንወንን ነበሩ። ጐይታ ድማ ነዚ ዘይምእማኖም እዚ ምእንቲ ኺፍውስ፡ ንዅሎም ኪረኣዮም መረጸ። ምኽንያቱ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኰይኖም ንምልእቲ ዓለም ዚሰብክዋ ንሳቶም እዮም።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ