ጐይታና ነዚ መሪሕ ቃል’ዚ ዝተዛረበ፡ ንህዝቢ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ይህበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪረክብዎን ኬዛርብዎን ኢሎም ናብኡ መጹ። ኣብ ምልእቲ እስራኤል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናዞረ ይምህር ስለ ዝነበረ ምስ ስድራ ቤቱ ዜሕልፎ ጊዜ ነይርዎ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። መብዛሕትኦም ኣዝማዱ ብእኡን ብትምህርቱን ስለ ዘይኣመኑ፡ “ተጸሊሉ’ዩ” ዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ካብቲ ዚምህረሉ ቦታ ሒዞም ኪወስድዎ ኸም ዝመጹ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣዘንትዩልና ኣሎ (ማር 3፡21)። ሃዋርያ ዮሃንስ’ውን ኣብቲ ጊዜ እቲ እቶም ደቂ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ነጊሩና ኣሎ (ዮሃ 7፡3-5)። ኣብዛ እዋን’ዚኣ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝመጹ ግና ኣይተገልጸን። ስድራኡ ከም ዝመጹ ኺንገሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ (ማቴ 12፡9)።
ዋላ እቶም ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ደኣ ብእኡ ኣይእመኑ እምበር፡ ቅድስቲ ድንግል ግና በቲ ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ዝተነግራ ቓል ብስራት ኣሚናስ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፡ “ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ከርስኺ’ውን ብሩኽ እዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ኽትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ . . . እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ’ሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።” ኢሉ መስኪሩላ እዩ። እግዚኣብሄር ካብዘን ኵላተን ኣብ ዓለም ዝነበራ ደናግል ንእኣ ፈልዩ ዝመረጻ፡ ወላዲተ-ኣምላክ ክትከውን ዝሓረያ፡ ፍቓድ ኣምላኽ መሊኣ እትኸይድ ቅድስቲ ስለ ዝነበረት እዩ። ስለዚ ድማ እቲ ቕዱስ መልኣኽ፡ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ’ሞ ባህ ይበልኪ፡ ካብ (ኵለን) ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ” በላ (ሉቃ 1፡28)። ፍቓድ ኣምላኽ እትፍጽም ቅድስቲ እንተ ዘይትኸውን ነይራ፡ ኣደ ክርስቶስ፡ ማሕደር መለኮት ክትከውን ፈጺማ ኣይምበቕዐትን ነይራ።
ስለዚ ድማ ጐይታና ንምምጻእ እታ ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻም ብጸጋ ክትመልእን ካብ ኵላተን ኣንስቲ ዝተባረኸት ክትከውን ዝበቅዐትን ቅድስቲ ድንግል ወላዲቱ ተጠቒሙ፡ ሓደ ዓብይ መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ደለየ። ስለዚ ድማ ሓደ ሰብ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኬዛርብዎ፡ ካብቲ ቤት ጸሎት ወጻኢ ዀይኖም ይጽበዩ ኸም ዘለው ምስ ነገሮ፡ ነተን ኣብኡ ዝነበራ ኣንስትዮን፡ ኣብኡ ዝነበሩ ተባዕትዮን ኵሎም፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” በሎም። ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ኣደ ኽትህልዎ ኣይትኽእልን እያ። እንተ ዀነ ንሱ ኣብቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ዅሎም ስለ ዚሓድር ነተን ፍቓዱ ዚፍጽማ ዅለን ከም ኣሓቱን ኣዴታቱን ይቕበለን ማለት እዩ። እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻሞም ኣብ ውሽጦም ዜሕድርዎ ድማ፡ ኣሕዋቱ ይዀኑ። ንፍቓድ ኣምላኽ ድማ ካብ ትእዛዛቱ ኢና እንረኽቦ። ስለዚ እቲ ንትእዛዛቱ ዚሕልው ንሱ እዩ እቲ ንፍቓዱ ዚፍጸም።
ሓደ እዋን ጐይታ፡ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ፡ ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን አፍቅሮ፡ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።” ኢሉ ምስ ተዛረበ እቲ ዘይኣስቆሮታዊ ይሁዳ፡ “ጐይታይ፡ እቲ ርእስካ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታ ድማ፡ “ዜፍቅረኒ እንተሎ ቓለይ ይሕልው’ዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ኢሉ መለሰሉ (ዮሃ 14፡21-23)። ስለዚ ትእዛዛቱ ምሕላው (ፍቓዱ ምግባር) ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ዜጐናጽፍ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነቶም ፍቓዱ ብምፍጻም ዘኽበርዎ ደቀ መዛሙርቱ፡ ኢዱ ናባታቶም ዘርጊሑ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነው” ኢሉ መስከረሎም።
እምበኣር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር፡ ምስ ክርስቶስ፡ ምስቲ ስጉው መለኮት፡ ናይ ኣደን ውሉድን፡ ናይ ሓውን ሓብትን ዚኣክል ጥቡቕ ዝምድና ዚፈጥር ኣዝዩ ኣገዳሲ ተግባር እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ክንድዚ ዚኣክል ክቡር ዝምድና ዜውሕሰልካ እንተ ዀይኑ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምፍጻም ድማ ብኣንጻሩ፡ ምስ ኣምላኽ ናብ ብርቱዕ ጽልኢ የእትወካ ማለት እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንዘይምፍጻምን ንምጽራርን ዝተዓጥቀ ጸላኢ፡ ሰይጣን እዩ። ስለዚ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍራስ ዚሓብርዎ ዘበሉ ዅላቶም፡ ውሉድ ዲያብሎስን ጸላእቲ ኣምላኽን እዮም። እቲ ሓቂ ኸምዚ ኻብ ኰነ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻምን ዘይምፍጻምን መንነት ናይ ሓደ ሰብ ዚገልጽ እዩ። ሰማያዊ ዲኻ ምድራዊ፡ ክርስቶሳዊ ዲኻ ሰይጣናዊ፡ መንፈሳዊ ዲኻ ዓለማዊ፡ ውሉድ ብርሃን ዲኻ ውሉድ ጸልማት፡ ብመንጽር ፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚንጽር። ከምቲ ፈሪሳውያን፡ “ዘርኢ ኣብርሃም” ብምዃኖም ጥራይ ኪድሕኑ ዘይከኣሉ፡ ንሕናውን “ደቂ እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ሃይማኖት ተዋህዶ” ብምዃንና ጥራይ ክንድሕንን ደቂ ኣምላኽ ክንከውንን ኣይንኽእልን ኢና።
ጐይታና ኣይሁድ፡ “ንስኻትኩም (ብስጋ) ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣለኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ኸኣ ካብ ኣቦኹም ዝረኣኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም።” ምስ በሎም፡ “ኣቦናስ ኣብርሃም’ዩ” ዚብል ህልኸኛ መልሲ ሃብዎ። ጐይታ ድማ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም” በሎም (ዮሃ 8፡37-39)። ተዋህዶ ማለት ድማ ክርስቶስ ማለት እዩ። መለኮትን ስጋን ዘዋሃደ ንሱ እዩ። ስለዚ እቲ “ኣካል እምነት ተዋህደ እየ” ዚብል ሰብ፡ “ኣካል ክርስቶስ’የ” ይብል ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግብኦ። ብዛዕባ እቲ ብናይ ስጋን መለኮትን ተዋህዶ ዘድሓንና ክርስቶስ፡ “ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኺስልጥ እዩ” ከም ዝተባህለ ተጻሒፉልና ኣሎ (ኢሳ 53፡10)። ባዕሉውን “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣለኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።” . . . (ኣነ) ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ኣይደልን እየ፡ . . . ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ።” ኸም ዝበለ ወርትግ ንዘክር (ዮሃ 4፡34፣ 5፡30፣ 6፡38)። ዋላ ነታ ሓጢኣት ዅላ ዓለም ጼርካ ናይ ሞት ጽዋእ ምስታይ ኣመልኪቱ’ውን “ኣቦይ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽምዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን . . .” ኣቦይ እዚ (ጽዋእ’ዚ) ኸይስቴኽዎ ኪሓልፍ ዘይከኣል እንተ ዀይሙስ፡ ፍቓድካ ይኹን።” ኢሉ ብምጽላይ ንፍቓድ ኣምላኽ ብኸመይ ብጸጋ ከም እትቕበሎን እትፍጽሞን ኣርእዩና እዩ (ማቴ 26፡39,42)።
ኵሎም እቶም ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳን ንፍቓድ ኣምላኽ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ዕቃበታት ብምእዛዝ እዮም ንኽብሪ ኣምላኽ ዝበቕዑ። ኣቦና ኣብርሃም፡ እቲ ኣቦ እምነት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትፍጸም ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ኣብ ዓድኻ ኣብ ማእከል ቤት ኣቦኻን ኣዝማድካን ምንባር ሓጢኣት ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ካባታቶም ተፈልዩ ኺወጽእ ምስ ኣዘዞ ግና ናቱ ስነ-መጎት ኣልዒሉ ንእግዚኣብሄር ኣይመጐቶን። ይረድኣዮ ኣይረድኣዮ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘበለ ዅሉ ኺፍጸም ስለ ዘለዎ፡ ከይተወላወለን ዓይኑ ኸይሓሰየን ናብታ እግዚኣብሄር ዝመርሖ ቦታ ወጸ። ወድኻ ብኻራ ሓሪድካ ብሓዊ መስዋእቲ ጌርካ ምቕራብ ናይቶም ኣረማውያን ኣማልኽቲ እምበር፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላከ-ሰማይ ስርዓት ኣይነበረን። ነቲ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ተጸብዩ ኣብ መበል ሚእቲ ዓመቱ ዝወለዶ እንኮን ዜፍቅሮን ወዱ፡ መገዲ ስለስተ መዓልቲ ተጓዒዙ ኺስውኣሉ ምስ ሓተቶ፡ ካብ ይስሃቅ ንላዕሊ ኣምላኽ ስለ ዚዓብዮ ፈጺሙ ኣይተማትአን። እቲ ንሓጢኣትን ንጽድቅን ዚምልከት ትእዛዛት እሞ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትሓትተሉ እኳ ኣየድልየካን እዩ። ምኽንያቱ ብ “ግበርን ኣይትግበርን” ዚብሉ ትእዛዛት ብንጹር ተገሊጹ እዩ። ንሕና ግና ይትረፍ ነቶም ከም ናይ ኣብርሃም ዝበሉ ፍሉይ ምግላጽ ዚሓትቱ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ፡ ነቲ ኣብ ቃሉ ብንጹር ዝተነግረና ፍቓዱ ንምፍጻም እኳ እነዕለብጥ ወለዶ ኢና። ስለዚ ኸምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ናይ ክርስቶስ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ምዃን ርሒቕና ንነብር ከም ዘሎና ኣካይዳና ግሁድ መርትዖ እዩ። ክርስትያን ተሰሚኻን ፍቓድ ኣምላኽ ተሓሲምካን ነዛ ቐጣንን ነዋሕን መገዲ ኽትዘልቃ ኣይከኣልን እዩ።
ስለዚ ኸም ኵሎም ቅዱሳንን ከም ቅዱስ ዳዊትን፡ “ጐይታየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡ . . . ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ መሃረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይመርሓኒ” ንበል (መዝ 40፡ 7, 8፣ 143፡10)። እቲ ሃዋርያዊ ቓል’ውን፡ “ምእንት’ዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ። . . . እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምስልዋ” ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ (ኤፌ 5፡17፣ ሮሜ 12፡2)። ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ዄንና ኽንመላለስ ክርስትያዊ ጽውዓና እዩ (ቈሎ 4፡12)። ከምቶም ፍቓድ ርእሶም ምእንቲ ኺፍጽሙ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ መስዋእቲ ዚገብሩን ዚረግጹን ዓለወኛታት ኣይንኹን። እግዚኣብሄር ከም ልቡን ከም ነፍሱን ዚገብር ሰብ እዩ ዚደልይ (1ሳሙ 2፡35፣ 13፡14)። ከምቲ “ዝኸም ልበይ” ዝተሰምየ ቕዱስ ዳዊት፡ ኣብዛ ሓጻር ምድራዊት ዕድሜና ንፍቓድ ኣምላኽ ኣገልጊልና ንሕለፍ (ግብ 13፡22,36)። ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ውልድነት ዝተዋህበና፡ ኣሕዋትን መዋርስትን ክርስቶስ ክንከውን ዝተዓደልና፡ ንኣምላኽ ፍቓዱ ብምፍጻም ምእንቲ ኸነገልግሎ እዩ’ሞ፡ ነዚ ኣገልገልቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ክርስቶስ ናይ ምዃን ክብሪ ኣይንተሓሰሞን ኣይንኽሰሮን። ኣብዚ ናይ ፍልሰታ ጾምን ጸሎትን ዘሎናዮ እዋን እግዚአብሔር ክረድኣና ኣጸቢቕና ንለምኖ። እግዚአብሔር ይሓግዘና። ኣሜን
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 12, 2018 (ነሓሰ 6, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 87፡5 እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ። ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ። ወውእቱ ልዑል ሣረራ። “ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፡ ኪበሃል እዩ፡ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ቈረ 8፡1-ፍጻ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ማቴ 12፡38-ፍጻ |
1ጴጥ 4፡1-6 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ) |
ግብ 26፡1-24 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ