ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓደሩ መዝሙር፡ “ወመኑ መሓሪ ዘከማከ” ዚብል እዩ። “ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ።ጐይታና’ውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ውንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ “ ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን” ዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ።
(ወንጌላዊ ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ 2፡1 16) “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት" ንወንጌል ሉቃስ ጸሓፊኡ፡ እቲ ሓኪምን ወንጌላውን ዝነበረ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ሉቃስ ዝተባህለ ወደ መዝሙር፥ ናብ ሓደ ቴዎፍሎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፥ ታሪኽ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያንን ንግሪኻውያንን ጥራይ ዘይኰነስ ንምልእቲ ዓለም ከም ዝምልከታ ክፈልጥ ምእንቲ ኢሉ፥ ብ65 ዓ.ም. ጸሓፈሉ። እዚ፥ እቲ ሕጂ ወንጌል ኢልና ነንብቦን ንመሃረሉን ዘለና ጥዑም ዜና-ወንጌል እዩ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዕለት ጥቅምቲ 7, 2018 “ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ኣብ ማቴ 6፡25-34 መሰረት ብምግባር ከም ዝተመሃርናን፡ ናይ ጭንቀት ዓብይ መድሓኒት ድማ፡ “ቀዳምነት ሂብካ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ” ምዃኑ ምድምዳምናን ዝዝከር እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸመይ ኢኻ እትደልያ፧ ዝጠፍአት ዕንቁ ምድረ-ቤት ገዛኻ ኰስቲርካ፡ ዝጠፍአት በጊዕ ኣብ ሩባን ኵርባን ኰሊልካ ኢኻ ትደልያ። ድልያ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸምዚ ዝተጠቕሰ መገዲ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
ሓደ ክርስቲያን ጸሓፋይ ንገዛእ ርእሱ መን ምኳኑ ክመዝና ምስ ፈተነ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ጥቅስታታ እናመረጸ ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ። ኣነን ንስኻትኩምንከ ነዚ ጸሓፋይ እዚ፡ እወ ረኸብካያ ልበይ፡ ኣነ’ውን ንነፍሰይ ብኸምኡ እያ ዝፈልጣ ንብልዶ ንኸውን።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ንዘሎ ቕንያት “ዘውእቱ ኣባ ዮሐኒ ዘጽጌ” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ንሎሚ እምበኣር ከም ፍቃድ ኣምላኽ ካብዚ ናይ ቅዳሴ ንባብ ወንጌል ማቴ 6፡33,34 ተበጊስና ክንመሃር ኢና። ጐይታ ኣብ ወንጌል ካብ ዝመሃሮ ማእለያ ዘይብሉን ዓበይትን ትምህርትታት፡ ንዕለታዊ ናብራን ኵለንተናዊ ዅነታትን ናይ ወዲ ሰብ ዚጸልው ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዚዳረግ ኣሎ ኽትብል ኣጸጋሚ እዩ።
ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን:
ዝሓለፈ ሰሙን ‘’ዓብይ ብስራት’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ኣዝዩ ዘሕጉስን ባህ ዘብልን ጥዑም ዜና ኣስሚዕኩሙና። ንሱ ከኣ ነታ ዓቢ ስምን ጽቡቕ ታሪኽን ዘለዋ ልሳን ተዋህዶ ዝነበረት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዳግማይ ክትጅምርን ክትበራበርን ምዃና ኣበሲርኩሙና። እዚ ንኣመንቲ ተዋህዶ ተስፋ ዘስንቕን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎን ሰፊሕ ኣገልግሎት ስብከት-ወንጌል ብምዃኑ፡ ነዚ ክትገብሩ ልብኹም ዘነቓቕሐን ሓሳብኩም ዘስመረን እግዚኣብሔር ስብሓት ይኹኖ!።
“...፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።” ማር 8፡34
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳብ 25 ንዘሎ ቕንያት “መስቀል” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና አዕሚቘም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል አብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ኽንምርምርን ዝተሰርዓላና ቕንያት ድማ እዩ።
“ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ኵልኹም በርትዑ ልብኹምውን ይጽናዕ“ (መዝ 31፡24)
እዚ ሰንበት በዓል ደብረ ታቦር እንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ደብረ ታቦር ጐይታና ካብቲ ኣዘውቲሩ ዝኸዶ ዝነበረ ኣኽራናት ሓደ እዩ። ኣብ ሳድሳይ መዓልቲ ናይቲ ኢየሱስ ንሱ እቲ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ ርእሱ ዝገለጸሉ መዓልቲ (ማቴ 16፡16)፡ ንሰለስተ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንጴጥሮስ፡ ያእቆብን ዮሃንስ ሒዙ ናብዚ ኸረን እዚ ደየበ። ኣብኡ ድማ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ትርኢት ረኣዩ። ጐይታኦም ዘንጸባርቕ ግርማን ክብሪን ለቢሱ ምስቶም ዓብይቲ ዝሓለፉ ነብያት ሙሴን ኤልያስን ክዘራረብ፡ ካብ ሰማይ ድማ ብእኡ ዝሰመርኹ ፍቁር ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ ኢሉ ዝምስኽር ድምጺ ሰምዑ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ