ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ወትሩ ኣብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ኣዝዩ ቅቡል ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። እቶም ናይ እምነት መራሕትና ዝኾኑ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝበዝሐ ጸሎቶም ብንብዓትን ውሽጣዊ ስምዒትን
እናኣስተንተኑ ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ ነበሩ እሞ እቲ “ለምኑ ክወሃበኩም ድለዩ ክትረኽቡ፥ ማዕጾ ኳሕኩሑ ክረሓወልኩም” ዝበለ ሕያው እግዚኣብሔር ከኣ ንጸሎቶም መልሲ ንሕማሞም ፈውሲ ይህቦም ነበረ። ንኣብነት ሓና ሰበይቲ ሕልቃና ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ ኮይና እናበኸየት ንእግዚኣብሔር ብጸሎት ክትልምን ከላ ዝርእያ ዝነበረ ካህን ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ክሳብ ዝግረም ጭንቀታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተፍስስ ነበረት። ኣምላኽ ድማ ነቲ ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎታ ሰሚዑ ንልባ ዘሐጕስ ብሩኽ ወዲ ስለ ዝሃባ ካብ እግዚኣብሔር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ ኢላ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ። 1 ሳሙ 1፡10 - 20። ነቢይ እዝራውን እናጸለየን እናተናዘዘን እናበኸየን ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገጹ ተደፊኡ ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ናብ እግዚኣብሔር ከም ዘዕረገ ቅዱስ መጽሓፉ ይነግረና። እዝ 10፡1።
ኣብዚ ወርሒ ሚያዝያ ንልቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘሕዘነን ዘሰንበደን ሕማቕ ዜና እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ህልቂት ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ዓለም ቀንዲ መዛረቢ ዜና ኮይኑ ከም ዘሎ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ከምቲ “ኣውያት ንእዝኒ ሰማዒ ሕሱም” ዝበሃል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ነዞም ብሓደጋ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ መንእሰያት ደቅና ብጸሎተ-ፍትሓት ንምዝካር መደብ ታታሒዙ ኣብ ደብረ ግዕዛን መድኃኔ -ዓለም ኣትላንታ ፍሉይ ጸሎተ-ፍትሓት ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ኮይኖም ብልባዊ ሓዘን ጸሎተ ቅዳሴን ፍትሓትን ከም ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንና ጌሮም። ቀጺሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ኣገዳሲ ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ድማ ንሕዙናት ንስድራ ቤታትን ንልቢ ብዙሓት ኤርትራውያንን ዝተንከፈ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኮይኑ ኣምላኽ ንሕዙናት ጽንዓት፥ ንምውታት ዘለዓለማዊ ሕይወት፥ ንሃገርና ድማ ሰላምን ምሕረትን ክህበና ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ናብ ኣግዚኣብሔር ኣዕሪጎም።
እወ! ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከም መንፈሳዊ ኣቦን ኤርትራዊ ዜጋን መጠን ብጊዜ ሓጎስና ክሕጎሱ ብሞትናን ጥፍኣትናን ከኣ ብልቢ ክሓዝኑ ኣባታዊ ግዴታኦም እዮም። ከመይሲ መሪር ሞት ናይ መንእሰያት ደቅናን ኣሕዋትናን ክስማዕ ከሎ ንሥጋውያን ይኹኑ መንፈሳውያን ወለድና ከቢድ ሓዘንን ጓህን ክስምዖም ግድን ስለ ዘይኮነ። ቅድሚ ነዊሕ ዘመናትውን ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ዘመነ ደርጊ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ስደትን ሞትን ክወርድ ከሎ ብልቢ ሓዚኖም ሓቂ ካብ ምዝራብን ህዝብና ፍትሒ ምእንቲ ክረክብ ብዓቕሞምን ጸሎቶምን ካብ ምድጋፍን ዓዲ ኣይወዓሉን እዮም።ኣብ ዝኾነ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ድማ ንጽቡቕ ክትድግፍን ንሕማቕ ክትነቅፍን ብዝያዳ ከኣ ብሞት ወዲ ሰብ ክትሓዝንን ሕልናዊ ግዴታ ደቂ ሰባት ምዃኑ ኩልና ንስሕቶ ኣይኮነን።ብዛዕባ እዚ እቲ ርህሩህ ነቢይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ነቢይ ኤርምያስ “ነቶም ዝተቐትሉ ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበኽየሎምሲ ርእሰይ ዔላ ማይ፥ ኣዕይንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት እንተ ዝኾነኒ መን ምሃበኒ” ኢሉ ለመነ። ኤር 9፡1።
ልባዊ ጸሎት ምስ ኣምላኽ ንራኸበሉ ቀንዲ ድልድል ናይ እምነትና ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ ብግዜ ጸበባ ብንብዓትን ጭንቀትን ዝግበር ጸሎት ቅልጡፍ ምሕረትን ረድኤትን ካብ ኣምላኽ ዘውርድ መንፈሳዊ ጻውዒት ንኣምላኽ እዩ። ልዑል እግዚኣብሔር ድማ “ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካ፥ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ስዉርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ” ኢሉ መብጽዓ ሂቡና ኣሎ። ኤር 33፡3። ልዕሊ ዝኾነ ግና እቶም መንፈሳውያን መራሕቲ ዝበሃሉ እዋኑ ብዘየገድ ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ከዕርጉን ምሕረት ኣምላኽ ክልምኑን ንህዝቦም ብተስፋ ከጸናንዑን ሓላፍነታዊ ግዴታኦም ምዃኑ ኣይንዘግዕ። ንኣብነት 1ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ገና ናይ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣበ-ምኔት ከለዉ፡ በቲ ብሥርዓት ደርግ ኣብ ሽዕብን ካልእ ከባቢታት ሃገርናን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሕጻናትን ሰለማዊ ህዝብን ዝወርድ ዝነበረ ዘስካሕክሕ መቕዘፍቲ-ሞትን ግፍዕን ብልቢ ስለ ዘሕዘኖም፥ እቲ ማንም ሰብ ኣፉ መሊኡ ክዛረቦ ዘይክእል ዝነበረ ኃይለ-ቃል ኣብ “ኣደባባይ” ማእከል ከተማ ኣስመራ ናይ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ደው ኢሎም ንሕጊ-ኣልቦ ዝኾነ ሥርዓት ደርግ “እዚ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ትገብሮ ዘሎኻ ግፍዕን መቕተልትን ብምድሪ ፍርዲ፥ ብሰማይ ድማ ኵነኔ ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ” እዚ ዓገብ እዩ! ክብሉ ብትሪ ምስ ኮነንዎ፡ ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎቶም ናይ ልዑል ኣምላኾም እዮም ኣዕሪጎም።
ኣብ 2005 ኣ.ፈ ድማ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ከቢድ ዕንወትን ግህሰት ሕግን ምስ ኣጋጠመ እቶም “ኃይል ካለ ሥርዓት ምን ኣባቱ” ማለት “ኃይሊ እንተሎካ ሥርዓት እንታይ ኣድለየካ” ዝብል ዓሻ ጭርሖ ናይ ጎነጽ መገዲ ዝሓዙ ሰባት ን3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣገዲዶም ንልዕሊ 3000 ዝኾኑ መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ክስጎጉን መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ክዕጾን ትእዛዝ ኣመሓላልፉ ምስ ተባህሉ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና “ኣነ ዝተዓጽወ ቤተ ክርስቲያን ክኽፈት እምበር ቤት ኣምላኽ ክዓጹ ሕልናይ ኣይፈቕዶን እዩ” ኢሎም ኣቕበጹ። በቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ቤተ ክርስቲያንን ዝግበር ዝነበረ ግፍዕን ምብትታን መንእሰያትን ድማ ዓገብ! እዚ ክግበር ዘይግብኦ እዩ! ብምባል ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ናብ ልዑል ፈጣሪ ኣዕረጉ። ብሓፈሻ እዚ ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከም ዝዓርግን መልሲ ናይ ከምዚ ዝበለ ጸሎት ድማ ወዓል-ሕደር ከም ዘይብሉን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ተራእዩ እዩ። እምበኣር ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና በብእዋኑ ከም ነቢይ ኤርምያስ ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘዕርጉ መንፈሳውያን መራሕቲ ስለ ዘለዉዋ፡ ምሉእ ተስፋና ኣብ ልዑል እግዚኣብሔር ጥራይ ክንገብር ሠናይ ነገር እዩ። ኣምላኽ ድማ ጎይታ ሰማይን ምድርን ባሕርን ጠፈርን ብምዃኑ ኣብ ስደት በረኸት፥ ኣብ ልዕሊ ሞት ሕይወት፥ ንሓዘንን ንብዓትን ድማ ብሓጎስን በረኸትን ዝልውጥ ርህሩህ ፈጣሪ ምዃኑ ኣሚንና ወትሩ ብጸሎት ንንቃሕ!
ዕዝራ ጸሓፊ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ