S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ወዲ ሰብ ክቡር እዩ!

“ኣምላኽ ክኣ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር።” ዘፍ 1፡26

 ወዲ ሰብ ብምስሊ ሥላሴ እዩ ተፈጢሩ ኢሉ ቅዱስ ጽሑፍ ይሕብረና! እቲ ፈጣሪ ኣምላኽ ማሕተም ዝሓተሞ ትንፋስ ዝሃቦ ድኣ እሞ ብዛዕባ እዚ እንታይ ክንብል ኢና? ስለዚ ክብረት ወዲ ሰብ: ካብ መንግስቲ ዓለም ዶ ማሕበራት ወይስ ስርዓታት ዓለም መሳሊ ሓይልታት ዝተቶኽበ ኣይኮነን። ወይ ውን ብዝውንኖ ብዝሒ ሃብቲ ይኹን ብዝፈልጦ ፍልጠት ወይስ ብዝሰርሖ ስራሕን ሞያን ኣይኮነን። ወይውን  ክንዕድጎዶ ይኹን ክንሸጦ ዘይንኽእል ማሕተም ሥላሴ ዘለዎ ፍጥረት እዩ ጥራሕ ኢና ክንብል።

ብኸመይ’ኸ እዩ ወዲ ሰብ  ምስሊ  ኣምላኽ  ዘለዎ?

1)  ብመጀመርያ ዘልዓለማዊት ዘይትመዉት ትንፋስ ካብ ኣምላኽ ዝተዋሃበትና ብምህላው ምስ ኣምላኽ ዘልዓለማዊ ምኻኑ እዩ።

2)  ከምቲ ኣምላኽ ቅዱስ ዝኾነ ቅዱሳን ንኽንከውን ድማ ንደቂ ሰብ ይእዘዘና፡

3)  ናይ ምሕሳብ ክእለት ተዋሂቡና።

4)  ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ ከነፍቅር ትእዛዝ ተዋሂቡና ኣሎ… እዚን ከምዝን መሳልን እዩም ብምስሊ ሥላሴ ምፍጣርና ዘረጋግጹልና።

ኣርባዕተ ነገራት ክንሓተን ዘለና፡

1)  ናይ ሰብ ምንጪ ወይ መሰረት ካበይ እዩ?

ካብ ሥላሴ…“ኣምላኽ ክኣ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር።” ዘፍ 1፡26

2)  ሰብ ናይ ሕልና/ሞራል ክኸውን ኣለዎዶ? ኣምላኽ ናይ ነጻ ሕልና ጌሩ ንሰብ ፈጠሮ…

ህይወት ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። ዘዳ. 30፡19

3)  ትርጉም ምንባርከ ንወዲ ሰብ እንታይ እዩ?

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ሮሜ 12፡1-2

 

4)  መጨረስታ ወዲ ሰብ ወይ ናይ ህይወት ጉዕዞ ናበይ እዩ? ራእ 21፡7-8

ሀ) “እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኽ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ።”

ለ) “እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፋናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን  

     ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።”

 “ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ ኢዩ እሞ እቲ ደም ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ። ንሳትኩም ፍረዩን ተባዝሑን፡ ኣብ ምድሪ ሰስኑ፡ ኣብኣ ድማ ተባዝሑ።” ዘፍ 9፡ 6-7 

“ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ወ.ዮሓ 3፡16   መ. ኢ. ክርስቶስ ንወዲ ሰብ ኣኽቢርዎስ ናብ ዘልዓለም  ህይወት ንኽረክብ ኢሉ እዩ ደሙ ኣፍሲሱ።   ብሕጽር ዝበለ “ሰብ ክቡር እዩ! ኣምላኽ ስለ ዘኽበሮ!  

ዲያ. ጸሃየ መንግስትኣብ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div