“ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ።ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶምን።” ሉቃ 2፡38 ከምቲ ሕጊ-ሙሴ ዚእዝዞ፡ ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም መዓልታት ምንጻሃ (40 መዓልታት) ምስ መልአት፡ ነቲ እንኮን በዅርን ውሉዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቝማ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ኽትገብሮ፡ እቲ ንምንጻሃ ዚግባእ መስዋእቲ ኽትውፍይ ምስ ዮሴፍን ወዳ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናብ ቤት መቕደስ ከደት (ዘጸ 13፡2 ዘሌ 12፡4,6,8)። ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ተኣዚዞም እናፈጸምዎ ኸለው ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክልተ ነብያት ናባታቶም መጹ። እቲ ቐዳማይ፣ ስምኦን ኪኸውን ከሎ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ ከኣ ብዛዕባ ሃና ጓል ፋኑኤል ዜዘንትው እዩ።
ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ …ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ (ኤፌሶን 6. 10-18) More...
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” (ሉቃ 4፡52)
ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብታ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ ከም ኵሉ ኣተዓብያ ሰብ፡ ብኣካል ስጋን በእምሮን ዓበየ፡። ኣብ ሉቃ 2፡40፡ “እቲ ህጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽ’ውን ምስኡ ነበረ።” ብዚብል ቃል እቲ ዂለንተናዊ ዕብየቱ ተገሊጹ ኣሎ። ብኣካል ስጋ ጥራይ ዓብዩ፡ ብመንፈስ እንተ ዘይዓብይ ነይሩ፡ ዕብየቱ ንዕብየት መብዛሕትና መሲሉ ምተረፈ ነይሩ። ኣብቲ ናትና ኣተሓሳባ፡ ዝዀነ ህጻን ተወሊዱ ብስጋ ኺዓብየልና እምበር ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየት ውላዱ ዚሓስብ ዳርጋ የብልናን። ነዚ መንፈሳዊ ዕብየት ፈጺምና ኻብ ኣእምሮና ስለ ዘዋደቕናዮ፡ ዋላ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን በጺሕና ኽሳዕ ሽምግልና’ውን በቒዕና ኽነስና ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ተደሪትና ክንነብርን ክንመውትን ንረኣይ ኣሎና። ጐይታና ግና እቲ ኽንዓብዮ ዚግባና ዓይነታዊ (ideal) ማለት መንቅብ ኣልቦ፡ ምሉእ ፍጹም፡ ዚወጾ ዘይብሉ ዓይነት ኣተዓባብያ እንታይ ከም ዚመስል ብግብሪ ኣርእዩና እዩ።
ናብ ኣዳለውቲ መጽሄት ብሥራት ኅብረት ወንጌላውያን።
መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቕዳም፣
ኣስዒብና ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011, ዝተሓትመት መጽሄት ብሥራት፣ ቁጽሪ 60 ኣብ ገጽ 22, ብመምህር ስብሓት ዘርኤ፣ እተጻሕፈት ዝምልከት ክንጽሕፍ ተገዲድና ኣሎና።
እቲ ጸሓፊ ንቅዱሳን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣመልኪቱ፣ “ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢይ ክብርታትን ኣምልኾን ዝግበረሎም ዝትረኸሎምን ቅዱሳን መዓርግ ዝለበሱ ልዕሊ ኣምላኽ ዝምለኹን ዝኸብሩን ዝፍርሑን እውን ሰባት እዮም። ካብቲ ናይ ፈጠራ ልቢወለድ ታሪኽ ዝደረስዎን ዝሰኣልዎ ስእሊ እስከ ገለ ንጥቀስ፣” ድሕሪ ምባል ቅዱስ ጊዮርጊስ፣ ኣቡነ ኣረጋዊ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቂርቆስ፣ ዘይኮነን ዘይመስልን ታሪኾም ሰኒዑ፣ ኣስፊርዎ ይርከብ።
ብዓቢኡ ነቲ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተጠምቀን ብድኅነት ክርስቶስ ንዝኣምንን ዘምልኽን ብጀካ ሓደ ኣምላኽ ካልእ ንዘየምልኽን ሕዝቢ ከምዚ ዓይነት ድፍረትን ጣዖትን ሰባትን ከም ዘምልኹ ገርካ ኣብ ጽሑፍ ብመጽሄት ጽሑፋት ምዝርጋሕ፣ ብሓቂ ዘሕዝንን፣ ንዕቀት ነቲ ቅዱስ ሕዝቢን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ ሓድሕድ ክርስቲያናት ህውከትን ጽልእን ዝጽሕትር ባእሲ ንምትካል ዝዓለመ ሓደገኛ እዩ።
ስለዚ ኣዳለውቲ እዚ መጽሄትን፣ ብፍላይ ድማ ጸሓፊ እዚ ምስናይ ይቕረታ ክእርሞን ኣብ ቀጻሊ መጽሄት ብግልጺ ምስናይ ይቕሬታኡ ብፍላይ ነቶም ብቅዱሳን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢልና ዝተቐበልናዮም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ምእመናን ይቕረታ ክሓትትን ጌጋኡ ክእርምን ብመንፈሳውን ኅውነታውን ፍቕሪ ብትሕትና እናሓተትና፣
እዚ ጽሑፍ እዚ ተኣሪሙ ምስ ዘይወጽእ ግን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ክርስቲያናት ንዝፍጠር ጽልኢ ተሓተቲ ኣዳለውቲ እዚ ጽሑፍ እዚ ምዃንኩም እናገለጽና፣ ብወገናውን ሓላፍነት ናይ ሃይማኖትና ስለ ዘሎና ዘይንደልዮን ዘይንምነዮን እኳ እንተ ኾንና፣ ናብ ምእመናንና ክንዝርግሕን ብጽሑፋትና ድማ መልሲ ክንህበሉ ምዃንና ኣቐዲምና ነዘኻኽር።
እግዚኣብሔር ሰላሙን ምሕረቱን የብዝሓልና።
እዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሄር ወልድ ብኣካል ስጋ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ ቐዳመይቲ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ፡ ኽብሩ ድማ ዝገለጸላ መዓልቲ እንዝክረላ መዓልቲ እያ። እቲ ስጉው ቃል፡ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ስጋዊ ህይወቱ ዀነ ኣብ ማሕበራዊ ሓላፍነታቱ፡ ብዘይካ ብሓጢኣት ብዅሉ ነገር ከምዚ ኸማና ዀይኑ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ መርዓ እንተ ዓድምዎ ይኸይድ፡ እንዳ ፈተውቱ፡ እንዳ ጸላእቱ ከይተረፈ፡ ብቓላቱ ኼፈንጥርዎ ኢሎም ኣብ ዝዓደምዎ ዕድመ ኸይተረፈ ይኸይድ ነበረ። ዝዀነት ትኹን ዓይነት መድረኽ ወንጌል ንምስባኽ ይጥቀመሉ ነበረ። ነዛ ተዓዲሙላ ዝነበረ መርዓ ድማ፡ መለኮታዊ ኽብሩ ንምግላጽ ዝመረጻ መድረኽ ነበረት። ናብቲ መርዓ ምስናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲቱን ምስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ ኸደ። ምናልባት ብስጋ ብዝምድና ናይ ዚብጽሕዎም ሰባት መርዓ ነይሩ ኪኸውን ይክእል እዩ።
“የሱስ ከአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን አፍቅሮ:: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ:: እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ::” እያ (ማቴዎስ 22:37-39)።
ኣብ ቅንያት ልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐሊሖም ካብ ዝተራእዩ ባህርያት ኣምላኽ ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምምራሕ ባህርይ እዩ። ብዓብዩ ንሰብ-ጥበብ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ናብታ ጐይታና ዝነበራ መብልዕ ማል መሪሑ ኸም ዘምጽኦም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተማሂርና ኢና። ነቲ ቕዱስ ህጻን ስግደትን ገጸ በረኸትን ኣበርኪቶም ናብ ሄሮድስ ኪምለሱ ምስ ሓሰቡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብራእይ ለይቲ ተገሊጹ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ዓዶም ኪምለሱ እምበር ናብ ሄሮድስ ከየላግሱ ነጊሩ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም፡።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ 2፡17።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ