![]()
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-
28 ታሕሳስ 2008 ግእዝ (7 ጥሪ 2016 ፈረንጂ) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት'ዚ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ይኹን (ሉቃ. 2፡14) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ሕይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ድሕሪ ትንሣኤ እዩ፡ ኣብዚ ዕለት ዝዝመር መዝሙር ከአ “አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት። አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት፡ ንጉሠ ነገሥት ወእግዚአ አጋእዝት።” ትርጉሙ ከኣ ኣርአየ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት። አርአየ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት። ናይ ጐይቶት ጐይታ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ንስኻ ኢኻ፡፡
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ። ተንሥአ ኵሎ ሙታነ፡ ወፈትሖሙ ለሙቁሐን። ተንሥአ፡ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ወአግዓዘ ነፍሰ ጻድቃን።ትርጉም ክርስቶስ ተንሲኡ ሙውታት ኩሎምውን አተሲኡ፡ንኩሎም እሱራት ፈትሐ ብዓቢ ሓይሊ ስልጣንን ነፍሲ ጻድቃን ሓራ አውጽኤ” ኣዚዩ መሳጢ ብዝኾነ ቃላት ጌሩ ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ብመንፈሳዊ ቃላት ጌሩ ካብ ዝገለጾ ሓረግ ዝተወስደ ቃላት እዩ።
ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ኣቆጻጽራ ግእዝ (July 9 to October 4) ዘሎ እዋን ቤተ ክርስትያን ዘመን ክረምቲ፣ ዘመን ኣፍላግ፣ ጥሉል ወርሓት፣ ወርሓት ደበና፣ ወርሓት ነጎዳን መብረቕን ... እናበለት ትጽውዖ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊት በጽባሕ ኀበ መቃብር። እንዘ ዓዲ ጽልመት ወረከበት እብነ እቱተ እምአፈ መቃብር። ወበጽሐት ኀበ ስምዖን ጴጥሮስ ወኀበ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ወትቤሎሙ ነሥእዎ ለእግዚእየ እም ውስተ መቃብር፡ ወኢየአምር ኀበ ወሰድዎ፡ እንዘ ይረውፁ ክልኤሆሙ ኅቡረ። በደሮ ለጴጥሮስ ዝኩ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ትርጉም፡ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።
ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ፡ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። (ኤፌሶን 3:20-21)።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ