S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትርጉም ልደት-ክርስቶስ

  1. ልደት ድሕነት ዝተኣወጀሉ ዕለት'ዩ:- "እንሆ ሎሚ መድሓኒ ተወሊድልኩም ኣሎ... "(ሉቃ 2:10-11)
  2. ልደት መዓልቲ ሓጎስ'ዩ:- "ንኹሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢዪ ሓጎስ አበስረኩም ኣለኹ... "(ሉቃ 2:10-11 )
  3. ልደት መዓልቲ ምስጋና'ዩ:- “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት...እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ” (ሉቃ. 2፡14)
  4. ልደት መዓልቲ ሓድነትን ሕብረትን'ዩ:- መላእኽትን ደቂ-ሰባትን ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ።... (ሉቃ 2:12-13)
  5. ልደት መዓልቲ ሰላም'ዩ:- "ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” (ሉቃ. 2፡14)
  6. ልደት ትንቢት ግህዶ ዝኾነሉ ዕለት እዩ (ኢሳ 7:14፤ ገላ 4:4-5) “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ተሻይጡ ምእንቲ ኬውጽኦም: ንሕናውን  ውሉድነት ምእንቲ  ክንረክብሲ ኣምላኽ ነዚ ካብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝኾነ ወዱ ለኣኾ” (ገላ 4:4-5; ሉቃ 2:12-13)
  7. ልደት ፍሉይ ዕለት'ዩ:- ንእምነት ክርስትና ካብ ዝኾነ ካልእ ሃይማኖት ዝፈልዮ ሓደ ልደት ክርስቶስ እዩ:: ኣብ ዝኾነ እምነት ብድንግልና ብዘይ ጾታዊ ርክብ ዝተወልደ ዝኾነ መራሒ ሃይማኖት ይኹን ሰብ የለን:: ክርስቶስ ግና ብድንግልና ብዘይ ኣቦ ተወሊዱ:: (እቲ ካልኣይ ንእምነት ክርስትና ካብ ዝኾነ ካልእ ሃይማኖት ዝፈልዮ ትንሳኤ እዩ:: ንሞት ስዒሩ ዝተንሰአ ብዘይካ ክርስቶስ ዝኾነ ኣካል ካልእ የለን)

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ

  1. ውሉድ ኣምላኽ ንኽንከውን (ገላ 4:4-5)
  2. ተማቐልቲ ክብሩ ምእንቲ ክንከውን (እብ 6.4)
  3. ዝነበረና ክብሪ ምእንቲ ክመልስን ክንባረኽን (ቆለ 3.9; ግ.ሃዋ 1.8) 
  4. ኣምላኽ ምሳናን ቀረባን ምዃኑ ከነስተውዕል (1ይ ዮሃ 1.1)
  5. ሰላም ኣብ ምድሪ ምእንቲ ክሰፍን (ሉቃ 2:13-14) እዩ::
posted on 1/6/2009

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div