ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይኄሉ! መዝ ፻፲፩፡፮
ኣብ ዓለም አብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘይቋርጽ ሓያል ረጽሚ አሎ። መጽሓፈ ስንክሳር ከምዝምህረና እቶም አብ ሓቂ ጸኒዖም ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ፡ በቲ “ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ዮሓ. 14፡6 ዝበለና መድኃኔ ዓለም ረዚን ዓስቢ፡ ብታሪኽውን ሰናይ ዝኽሪ ይረኽቡ። ጻማ ሰማእታት ንሱ እዩ። በዚ መሠረት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርት ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።
“እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲ ሞት ኣላ ፍልሰት!” ኦ ጎይታ! ንኣገልገልትኻ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን፥ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል፥ ኣብ ጸሎተ-ፍትሓት (እግዚኣ ሕያዋን) ብመንፈሳውያን ኣቦታትና ተጻሒፉ እንረኽቦ ጸሎት ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና እዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣኅጉረ ስበከታት፡ መበል 3ይ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቶም፥ ብጸሎተ ቅዳሴን መዝሙርን ብዓቢይ ክብርን ዝኽርን ንኽበዓል፡ ንሰንበት ዕለት 9 የካቲት 2025 ዓ/ፈ (፪ የካቲት ፪፻፲፯ ዓ/ም ግእዝ) ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያን ብቅድስና ሰማዕት እንበለ-ደም ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምርሓን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝመሓደራ ኣሕጉረ-ስብከታት፡-
1. ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ (ኣሜሪካን ካናዳን)፥
2. ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፥
3. ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ (እስራኤልን ኣፍሪቃን)፥
4. ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን፥
ሓባራዊ ጸሎተ-ፍትሓት ክግበር ንኹሎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ውሉደ-ክህነትን ደቂቀ-እንጦንዮስ ንሕብር።
ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ፥ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፥ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም ኣሰኣሰር እምነቶም ሰዓቡ። (ዕብ 13፡7) ዝበሎ፥ ጽንዓት እምነቶም ክሓድረናን መንፈሳዊ ሕድሪ ለበዋኦም ከፈጽመናን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ዕለት፥ ኩልኹም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ኣብ መበል 3ይ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም ጊዜ ኣወፊኹም ክትሳተፉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ነዘኻኽር።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞት ቅዱሳኑ ክቡር እዩ! (መዝ 116፡15)
ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት፥ ጽንዓት እምነቶም የሕድረልና።
ጥሪ ፳፰ ፪፻፲፯ ዓመተ ምሕረት (Feb. 5, 2025)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ