“ንስኻትኩም ግና ዕብየት (ወይ ደግነት) ናይ’ቲ ኻብ ጸልማት ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸዉዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ ሕሩይ ወለዶ፡ (ንጉሳውያን ካህናት) (Royal Priesthood)፡ ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”1ጴጥ 2፡9 ካ.ት
እንሆ እዚ ዕለት’ዚ፡ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ “ኢየሩሳሌም ትቤ” ዘርእስቱ’ዩ። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ለካቲት 3 ክሳዕ ለካቲት 5 ዘሎ ዕለታት ኣብ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ እዚ ዝተጠቕሰ መዝሙር’ዩ ዚዝመር። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ መበል 20 ሰንበት ዘንበብናዮ፡ ናይ ሉቃ 2፡41-52 ንባብ’ዩ። ብዛዕባ ዕብየት ጐይታናን ብዛዕባ ናይ ኢየሩሳሌም ንግደቱን ዚትርኽ’ዩ። እቲ ናይ ገላ 4፡21-31 ንባብ ከኣ ነተን ክልተ ኪዳናት (ብሉይን ሓድሽን) ምስ’ተን ምድራዊትን ሰማያዊትን ኢየሩሳሌም ኣዛሚዱ ብምግላጽ ዓብይ መንፈሳዊ ምስጢር ኣስፊሩ ኣሎ። እቲ ናይ ግብ 11፡20-26 ንባብ ከኣ እቶም ብምኽንያት ሞት እስቲፋኖስ ዝተበተኑ ደቀ መዛሙርቲ ክሳዕ ኣንጾክያ (ናይ ሶርያ) ኸም ዝተሰደዱ ኣብኡ ድማ ወንጌል ሰቢኾም ቤተ ክርስትያን ከም ዘቘሙ ምስ ተሰምዐ፡ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት በዅሪ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን ንቕዱስ በርናባስ ልኢኻ፡ ነቲ ዕዮ ወንጌል ከም ዝደገፈት ዚትርኽ መሃሪ ንባብ’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ’ውን፡ ልክዕ ከም’ቲ መዝሙር፡ “ትሰብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር” ዚብል ንኢየሩሳሌም ዚጠቅስ ኣገዳሲ ትሕዝቶ ዘለዎ ምስባክ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ በዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ ንባባት ኰነ ምስባክ፡ ዳርጋ ዅሉ ንኢየሩሳሌም ዘማእከለ ትሕዝቶ ኸም ዘለዎ ዜመልክተና’ዩ።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ምንጪ ዀይኑ ዘሎ ናይ 1ጴጥ 2፡1-9 ንባብ’ውን፡ ነቲ ናይ ኢሳ 28፡16 ፣ ኢሳ 8፡14,15 ፣ መዝ 118፡22 ብዛዕባ ጐይታና ዝተነግረ ትንቢታት ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ጽዮን ዚዛረብ’ዩ። ጽዮን ማለት ከኣ ኢየሩሳሌም’ያ። እቲ ኣብ ጽዮን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተተኽለ “ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን” ዚበሃል ዘሎ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ካልኦት ነብያት’ውን ብዛዕባ’ዚ ህያው እምኒ መኣዝን’ዚ ተነብዮም’ዮም (ኤር 6፡21 ፣ ኢሳ 8፡14 )። ጐይታና ባዕሉ ድማ በዚ ትንቢታት’ዚ ገይሩ ብዛዕባኡ ኸም ዝተጻሕፈ ብምግላጽ ንኣይሁድ ረቲዑሉ’ዩ (ማቴ 21፡42,44)። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ውጽኢት ትግባረ ናይ’ዚ ብነብያት ዝተነግረ፡ ብክርስቶስ ከኣ ዝተፈጸመ ትንቢታዊ ቓል’ዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ እቲ በዚ ህያውን ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ’ዚ ዝኣመነ ሰብ፡ ዚረኽቦ ረብሓን ዚጐናጸፎ መንነትን ዚህልዎ ተልእኾ ህይወትን እንታይ ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ። እቲ ብእኡ፡ ማለት በዚ እምኒ መኣዝን ዝዀነ ክርስቶስ ዝኣመነ ሰብ፡ ካብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ቅድስናን ክህነትን ተኻፋሊ ኸም ዚኸውን ከምኡ ድማ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ገንዘብን ጥሪትን ናይ ኣምላኽ ከም ዚኸውን ይገልጸልና ኣሎ። እዚ መንፈሳዊ ሓለፋን ክብርን’ዚ ዜሰክሞ ናይ ህይወት ተልእኾን ሓላፍነትን ከኣ፡ ደግነትን ዕብየትን ናይ’ቲ ኻብ ዜሰክሕ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዖን ዘእተዎን ጐይታ ምንጋርን ምስባኽን ምምስካርን ምዃኑ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ። እምበኣር በዚ ህያውን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ዝዀነ ክርስቶስ ዚኣምን ህዝቢ ዚረኽቦ መንፈሳዊ ረብሓ፦
1. ቅዱስ ህዝቢ ይኸውን፦ ብምስጢረ ጥምቀት ኣብ ሞት ክርስቶስ ሓቢሩ፡ በቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ተሓጺቡ ንጹህ ሕልና ስለ ዝወነነ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን’ዩ፡ ስለ’ዚ ቅዱስ ህይወት’ዩ ዚህልዎ። ድኹም ሰብ ብምዃኑ ወዝቢ ሓጢኣት ምስ ዚጠብቆ ድማ ብምስጢረ ንስሓን ብቕዱስ ቍርባንን ብደም ክርስቶስ ተሓጺቡ ቅድስናን ንጽህናን ስለ ዚረክብ፡ ቅዱስ ህዝቢ ይኸውን።
2. ንጉሳዊ ክህነት (Royal Priesthood) ይረክብ፦ ኣብ’ቲ መሰረተ እምነትና ዝዀነ ምስጢረ ክህነት ብዕምቈትን ብስፍሓትን ከም እንመሃሮ፡ እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነ ዅሉ ክርስትያን፡ ኣድማሳዊ ክህነት ይረክብ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ስም እግዚኣብሄር ጸዊዑ ኺጽልይን ኬመስግንን ኪውድስን፡ ኣብ ኵሉ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ከኣ ተኻፋሊ ኪኸውንን ዚኽእል። እዚ ኣድማሳዊ ክህነት’ዚ ግን ተኻፋሊ’ምበር፡ ፈጻሚ ወይ ተግባሪ ናይ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ዚገብር ኣይኰነን። ብዛዕባ’ዚ ብሰፊሑ ንምርዳእ ነቲ “ፍኖተ ህይወት” ዘርእስቱ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ መሰረተ እምነት መጽሓፍ ክንውከስ ጽቡቕ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ኣገልጋልን’ውን ነዚ መሰረተ እምነት’ዚ ንዅሉ ምእመን ኬስተምህርዎ ሓላፍነት ኣለዎም።
3. ጥሪትን ገንዘብን ናይ ኣምላኽ ይኸውን፦ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ብዓብዩ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ስለ ዝዀነ፡ ኣስፊሕና ኽንመሃሮ ኢና።
4. ብዛዕባኡ ኺነግር ሓለፋን ሓላፍነትን ይቕበል፦ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ናብ’ቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ’ቲ ማሕበረ ምእመናን’ውን’ዩ ዝጸሓፎ። ስለ’ዚ እቶም ኣድማሳዊ ክህነት ዝተቐበሉ ዅሎም፡ ብዛዕባ’ቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ኣብ ንሓድሕዶም ኰነ ነቶም ኣብ እምነት ዘየለዉን፡ ኣብ እምነት ሃልዮም ምሉእ ፍልጠት ሓቂ ዘይረኸቡ ኣባላት ቤተ ክርስትያንን ናይ ምስትምሃር ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ዕዮ’ዚ ኣብ መድረኽ ቤተ ክርስትያን ደው ኢልካ ምስባኽ ዚምልከት ኣይኰነን። ወንጌል ኣበሲሩ ናብ እምነት ንዘብቅዖ ሰብ ከኣ፡ ናብ’ቶም ምስጢራት ናይ ምፍጻም ስልጣንን ማዕርግን ዘለዎም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን የምጽኦ ማለት’ዩ።
ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስና ብመጠኑ ድሕሪ ምድህሳስና፡ ቀጺልና ናብ’ቲ ቐንዲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ሓቢርና ኽንሰግር ኢና።
ጥሪት ኣምላኽ ምዃን ማለት፡ እንታይ ማለት’ዩ፧ ብኸመይ ኢናኸ ጥሪት ኣምላኽ ‘ንኸውን፧ ብዛዕባ ምውናን ጥሪትን ገንዘብን ንብረትን ብዙሕ ኣፍልጦን ተመክሮን ስለ ዘሎ፡ ሰፊሕን ዝርዝራውን መግለጺ ዜድልየና ኣይኰነን። ንሕና እግዚኣብሄር ዝዋናና ፍጥረት ኢና። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ፍጥረት ናይ እግዚኣብሄር’ዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ፈትዩ ዚግዝኦ ኣካል ዚምልከት ጥራሕ ኣይኰነን። ዋላ’ቶም “ኣምላኽ የለን” ኢሎም ዚኽሕድዎ፡ ዋላ’ቶም ከም ፍቓድ ርእሶም ብሓጢኣትን ርኽሰትን ዚመላለሱ ዅሎምን ካብ ዋንነት ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኪዀኑን ኬምልጡን ኣይክእሉን’ዮም። እንተ ብጽቡቕ እንተ ብሕማቕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፍርዲ ደው ‘ንብል’ኮ፡ እግዚኣብሄር ዋናና ስለ ዝዀነ’ዩ። ዋላ ብዕልወት ካብ እግዚኣብሄር ኣርሒቕና ንዀብልል፡ ካብ ስልጣንን ዋንነትን ናይ እግዚኣብሄር ክንወጽእ ግን ኣይንኽእልን ኢና። ይትረፍ’ዚ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ዋላ ሰይጣንን ኣጋንንቱን’ውን ናይ እግዚኣብሄር ጥሪት’ዮም። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ባዕሉ ዝፈጠሮም’ምበር፡ ባዕላቶም ናይ ህላወ ዝመጹ ኣይኰኑን። ናይ እግዚኣብሄር ፍጥረት ኴንካስ፡ ዋንነትካ ዘይናይ እግዚኣብሄር ኪኸውን፡ ፈጺምካ ዘይሕሰብን ዘይሕለምን’ዩ። ናይ እግዚኣብሄር ዋንነት፡ ምስ’ዚ ናይ ሰብ ዋንነት ዚመጣጠንን ዚወዳደርን ኣይኰነን። ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ዋንነት ገለ ቝሩብ ኬብርሃልና ኢልና፡ ነቲ ናይ ሰብ ዋንነት ከም ኣብነት ጌርና እንተ ጠቐስናዮ፡ ከም ተመጣጣኒ ጌርና ኸይንርድኦ ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ንሕና ሰባት ናይ ገዛእ ህይወትናን ሰብነትናን ዋንነት’ኳ የብልናን። እግዚኣብሄር ብኢዱ ሰሪሑ ዝፈጠረናን፡ ብመንፈሱ ህይወት ዝሰዅዓልናን ፍጥረት ኢና። ናይ ገዛእ ርእስና ዋንነት’ኳ ዘይብልናስ፡ ከመይ ኢሉ ናይ ካልእ ንብረትን ዋንነት ኪህልወና ይኽእል፧ ብገዛእ ኢድና ዝሰራሕናዮ ይኹን ብገንዘብና ዝዓደግናዮ ነገር፡ በቲ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ነገራት ተጠቒምና ዝመሃዝናዮ’ምበር፡ ካብ ዘየለ ነገር ባዕላትና ዝፈጠርናዮ ዋላ ሓንቲ’ኳ የብልናን። እግዚኣብሄር ግን ካብ ዘየለን ዘይነበረን’ዩ ባዕሉ ፈጢሩ ናብ ህላወ ዘመጽአ። ስለ’ዚ ብዘይካ እግዚኣብሄር በይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል “ዋንነት ኣለዎ” ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ። “ዋናታት እንተ ንኸውን’ሞ፡ ነቲ ንብረትና ሒዝናዮ ምተወለድና ክንመውት ከለና’ውን ሒዝናዮ ምገዓዝና ኔርና። ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ናብ ዓለም ሓንቲ’ኳ ኣየምጻእናን’ሞ፡ ሓንቲ’ኳ ኽንወስድ ኣይከኣለናን’ዩ” ብምባል ዋናታት ከም ዘይኰንና ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ጢሞ 6፡7)። ካልኦት ቅዱሳን ኣቦታት’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሞም ገሊጾምልና’ዮም (መዝ 49፡16,17 ፣ እዮ 27፡19 ፣ መክ 5፡13-15)። ንስኡናት ካብ’ቲ ትሕዝቶና ዘይምክፋልና ኸቢድ ሓጢኣት ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ’ቲ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮ ናይ እግዚኣብሄር ገንዘብ “ናተይ’ዩ” ብዚብል ዓመጸኛ ኣተሓሳስባ ምሃብ ስለ ዝኣበና’ዩ።
ቅዱስ ዳዊት፡ ብዛዕባ’ቲ ኺሰርሖ ዝሓሰበ ቤት መቕደስ ናብ እግዚኣብሄር ብጸሎት ምስ ቀረበ፡ ንዋንነት እግዚኣብሄር ብዜስተንክር ጥበብ ገሊጽዎን ተኣሚንዎን ኣሎ (1ዜና 29፡10-16 ይነበብ)። ከም ኣብነት ኪዀነና ነዘን ዚስዕባ ጥቕሲ 14,16 ንመልከት።
“ከም’ዚ ብፍታው ከነቕርበልካ ዝኸኣልናስ ኵሉስ ካባኻ ደኣ’ዩ፡ ካብ ኢድካ’ውን ኢና ሂብናካ ዘለና’ሞ፡ ኣነ መን’የ፧ እዞም ህዝበይከ እንታይ’ዮም፧ ...... ኵሉ’ዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘለና ድልቢ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ’ዩ፡ ኵሉ ኸኣ ናትካ’ዩ።”
ስለ’ዚ ኸቢድ ጻዕሪ ጽዒርና ደም እናረሃጽና ሰሪሕና ዝሃነጽናዮን ዝዓደግናዮን ንብረት’ኳ ናትና ኣይኰነን። ብኻልእ ኣዘራርባ ንእግዚኣብሄር ገለ እንተ ሃብና፡ ገዛእ ገንዘቡን ንብረቱን ካብ’ቲ ሓደ ኢዱ ተቐቢልናስ ነቲ ሓደ ኢዱ ኸም ምሃብ ዚቝጸር’ዩ።
ብፍላይ’ዞም ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ዘለና ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ናይ ምዃንና መሰረት እንታይ’ዩ፧ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ዋንነት፡ ድርብ ዋንነት’ዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ናይ ዋንነቱ ኸኣ፡ ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ከም ኵሉ ግኡዝን ህያውን ፍጥረት፡ ብኢዱ ብኸኣልነቱ ዝፈጠረና ፍጥረቱ ምዃንና’ዩ። እቲ ኻልኣይ መሰረት ናይ ዋንነቱ ኸኣ፡ ብደም ቅዱስ ወዱ ዝዓደገና ጥሪቱ ምዃንና’ዩ። እዚ ኻልኣይ ዋንነት፡ ካብ’ቲ ቐዳማይ ኣዝዩ ዝሓየለን ዝጸንዐን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ቐዳማይ ዋንነት፡ ብዅሉ ኸኣልነቱ ብቐሊሉ ዝፈጸሞ ምፍጣር ጥራሕ’ዩ። እዚ ኻልኣይ ዋንነቱ ግን ኣዝዩ መሪርን ከቢድን ዋጋ ዘኽፈሎ’ዩ፡ ብምኽንያት ሓጢኣት ካብኡ ተፈሊና ምስ ኰብለልናን ምስ ሸፈትናን፡ ዳግማይ ንኼቕርበና ነቲ ሓደ ወዱ ስጋና ለቢሱ ሰብ ኪኸውን’ሞ፡ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ኪሓድር ገበሮ። እቲ ሰብ ምዃኑ ጥራሕ ኣዝዩ ኸቢድ ዋጋ ኽነሱ ብእኡ ኸየብቅዐ ግን፡ ሓጢኣት ኵሉ ፍጥረት ሰብ ኣብ ርእሱ ጸዊሩ፡ ኣብ መስቀል ደሙ ብምፍሳስን ህይወቱ በጃና ብምሕላፍን፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዓደገና (1ቈረ 6፡19,20 ፣ 7፡23 ፣ ገላ 3፡13,14 ፣ ኤፌ 5፡25-27 ፣ 1ጴጥ 1፡18,19 ፣ ራእ 5፡9,10 ኵሉ ይነበብ)።
“ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም’ሞ፡ ስጋኹም ...... ናይ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም’ውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለ’ዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።”
“ካብ’ቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ’ምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሓንኩም (ከም ዘይተዓደግኩም) ትፈልጡ ኢኹም።” 1ጴጥ 1፡18,19
“...... ተሓሪድካስ ብደምካ ...... ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፡ .....” ራእ 5፡9,10
“ብደሙ ዓዲጉና” ንብል ኣለና፡ ግን ካብ መን ወይ ካበይ’ዩ ዓዲጉና፧ ብዛዕባ’ዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ብዙሓት ሰባት፡ ኣዝዩ ዝንቡዕን ስሑትን ኣተሓሳስባ ወይ ርድኢት ሰፊኑሉ ኣብ ዘሎ ኽፉእ ዘመን ኢና ዘለና። ብዙሓት መምህራን ሓሶት፡ ክርስቶስ ብደሙ ኻብ ሰይጣን ከም ዝዓደገና፡ እቲ ደሙ ኸኣ ንሰይጣን ከም ዝተኸፍለ ዋጋ ገይሮም ኪምህሩ ይስምዑ’ዮም። እዚ ምህሮ’ዚ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ስሑትን ኣጋንንታውን ምህሮ’ዩ። ዋንነት ሰብ ካብ እግዚኣብሄር መንዚዑ ንሰይጣን ዚዕድልን ንመሰረት ክርስትና ዜፍርስን ትምህርቲ’ዩ። ደም ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ዝተኸፍለ ደም’ዩ። ብምኽንያት ሓጢኣትና ዘለኣለማዊ ምት ዚግብኣና ሰባት ነበርና። ዋጋ ሓጢኣትና ብምልኣት ከይተኸፍለ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብልን፡ ኣይዕረቕን ከኣ’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና ምሕረት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ፍርዲ ሓጢኣት፡ ነቲ ዓስቢ ሓጢኣት ኣብ’ቲ ሓደ ወዱ ኺፍጽሞ’ሞ፡ ንሕና ኻብ ፍርዲ ሓጢኣት ሓራ ኽንከውን፡ ነቲ ሓደ ወዱ ንናይ መስቀል ሞት ኣሕሊፉ ሃቦ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ደሙ ኣፍሲሱ፡ ደሙ ሒዙ ብዕርገት ናብ ኣቦ ምስ ደየበ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘለኣለማዊ ዕርቂ ዀነ። ስለ’ዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ’ዩ ዓዲጉናን ሓራ ኣውጺኡናን’ምበር፡ ካብ ዋንነት ሰይጣን ኣይኰነን (ሮሜ 5፡6,8,10 ፣ 2ቈረ 5፡17-19 ፣ ገላ 3፡10,13,14 ፣ ኤፌ 1፡7 ፣ 2፡1-7,12-18 ፣ 5፡25-27 ፣ ቈሎ 1፡20-23 ፣ እብ 7፡26-28 ፣ 9፡6-9,11-15,23-26 ፣ 10፡19-22 ፣ 1ዮሃ 1፡7-10)። እዚ ብደሙ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ’ዚ፡ ካብ ፍጥረት ኣትሒዙ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ናይ ዝነበረ ዅሉ ሰብ ሓጢኣት ዚኸፍልን ዜተዓርቕን’ዩ። ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዓብይ ዋጋ ኻብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ኪድገም ዘየድልዮ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝተፈጸመ ናይ ዘለኣለም መስዋእቲ’ዩ (እብ 7፡26,27 ፣ 9፡25,26 ፣ 10፡11-14,18)።
ክንድ’ዚ ዚኣክል ክቡር ዋጋ ተኸፊሉልና ጥሪት ኣምላኽ ምዃንና ዜሰክመና ሓላፍነት እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ 1ቈረ 6፡19,20 ጥቕሲ ድሮ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ በቲ ብደም ክርስቶስ ተዓዲጉ መቕደስ ኣምላኽ ዝዀነ ስጋና ጌርና ንኣምላኽ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ኣሎና። በዚ ብኽቡር ደም ዝተዓደገ ስጋናን መንነትናን ነቲ እግዚኣብሄር ዘደልዮ ፍረ ጽድቂ ኽንፈርይን ብቕድስና ኽንነብርን፡ ናይ ምንባርና ተልእኾና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ተልእኾና’ዚ ብኸመይ ከም ንትግብሮ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ (ሰባት) ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር፡ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፡ ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ።” ሮሜ 6፡12,13 ካ.ት
ብፍጥረቱ ዀነ ብደም ክርስቶስ ተዓዲጉ ጥሪት ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምን ክርስትያን፡ ገዛእ ሰብነቱን ህይወቱን ኵሉ ትሕቶኡን ዓቕሙን ፍቓዱን ነቲ ዋናኡ ንእግዚኣብሄር ብምልኣት ኪውፍዮ ናይ ግድን’ዩ። ሰብ ብጥሪቱ ኸም ዚግልገል፡ እግዚኣብሄር’ውን በቲ ብኸኣልነቱ ዝፈጠሮ ዅሉ ፍጥረትን በቲ ብደም ቅዱስ ወዱ ዝዓደጎ ዅሉ ሰብን ኪግልገል ግቡእ’ዩ። ኵለንትናኻ ንእግዚኣብሄር ምውፋይ ማለት ድማ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ምንባር፡ ከምኡ’ውን ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ሙማት ከይተረፈ ዜጠቓልል ማለት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙ ብኣጽንዖት ገሊጹልና ኣሎ።
“ካባናስ ሓደ’ኳ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦን’ሞ፡ ንርእሱ ኢሉ ዚመውት ከኣ ሓደ’ኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና ንጐይታ ኢና ‘ንነበር፡ ወይ’ውን እንተ ሞትና ንጐይታ ኢና ንመውት’ሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።” ሮሜ 14፡7-9
“ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት) ዘለዉ፡ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን’ምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” 2ቈረ 5፡15
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ነጺሩልና ኸም ዘሎ’ምበኣር፡ ንሕና ናቱ ጥሪት ኴንና ምእንትኡ ምእንቲ ኽንነብርን ክንመውትን ኢሉ’ዩ እዚ ዅሉ መሪር ናይ ውርደት ሞት ዝሞተን ዝተንስአን። ስለ’ዚ ምእንትኡ ምንባር ገዲፍና ምእንቲ ርእስና ጥራሕ ክንነብር ከለና፡ በዚ ዓለወኛን ዓመጸኛን ተግባርና እነመሓላልፎ መልእኽቲ ጥልመታውን ክሕደታውን’ዩ ዚኸውን።
1ይ. ነቲ ኣምላኽ ንኣና ብምፍጣሩን ምእንታና ህይወት ቅዱስ ወዱ ብምኽፋሉ ዘረጋገጾ ዋንነት፡ “ናትካን ጥሪትካን ኣይኰንኩን” ብምባል ግብራዊ ኽሕደት ንፍጽም ኣለና። እዚ ኽሕደት’ዚ በቶም ሃይማኖት ዘይብሎም ኣረማውያን በቶም ክርስትያን ምዃኖም እናኣመኑ ካብ ኣምላኽን ካብ ቤተ ክርስትያንን ርሒቖም ዚነብሩ ዅሎምን ብወግዓዊ መገዲ ዚፍጸም ክሕደት’ዩ።
2ይ. እቲ ክርስትያን ምዃኑ ብወግዓዊ መገዲ ተኣሚኑ ካብ ቤተ ክርስትያን ከይተፈልየ ዚነብር፡ ግን ከኣ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ ዘይነብር፡ ኣካላቱ ንኣምላኽ ወፍዩ መሳርሒ ጽድቂ ዘይገበሮ ሰብ ከኣ፡ ግብራዊ ጥልመት’ዩ ዚፍጽም። ከም’ዚ እንተ ገበርና፡ ልክዕ ከም’ቲ ነብዪ ህዝቅኤል፦
“ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፡ ልቦም ግን ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም’ዩ ዚኸይድ፡” ዝበሎን፡ ልክዕ ከም’ቲ ነብዪ ኢሳይያስ’ውን፦ “እዚ ህዝቢ’ዚ፡ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ። ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ’ዩ። ንኣይ ከኣ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ (የምልኹኒ ኣለዉ)” ዝበሎን ዓይነት ህይወት ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (ህዝ 33፡31 ፣ ኢሳ 29፡13 ፣ 58፡2)። እዚ ኣካይዳ’ዚ ርእሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ምንዝርና ስለ ዝዀነ ከይለግበናን ከየበላሸወናን ኣዚና ኽንፈርሆን ክንጥንቀቐሉን ይግብኣና። ጥሪት ኣምላኽ ምዃን ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ’ዩ። እቶም ናይ ብሓቂ ጥሪቱ ዝዀኑን ጥሪትነቶም ዜፍቅሩን ዜኽብሩን ጥራሕ’ዮም ናብ’ቲ ኣምላኽ ዘለዎ ኽብሪ ዚኣትዉ። ንእኡ ዚጐድሎ ሃልይዎስ መመላእታ ምእንቲ ኽንኰኖ ኢሉ ኣይኰነን ዝፈጠረናን ዝወነነናን። ኵሉ ነገር ንድሕነትናን ንኽብርናን ኢሉ’ዩ ዝገበሮ። ከም’ቲ ኤልፋዝ ቴማናውን ኤሊሁ ቡዛውን ነቦና እዮብ ዝበልዎ “ብኣበሳና እንጕዳእ፡ ብጽድቅና እንረብሕ ንሕና ባዕላትና’ምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰነን (እዮ 22፡2,3 ፣ 35፡5-8)። ስለ’ዚ ነቲ ኣምላኽ መኺሩልና ዘሎ ሰናይ ምኽሪ፡ ብልሳንና ንተኣመኖን ብግብርና ነኽብሮን’ምበር፡ ኣይንንዓቖ (ሉቃ 7፡29,30 ፣ መዝ 107፡11,12)። ምኽንያቱ ሳዕቤን ንዕቀት፡ ወርደትን ጥፍኣትን ጥራሕ’ዩ።
እምበኣር ብዘይ ቃልዓለምን ብዘይንሕስያን ርእስና ንመርምር። ብዛዕባ ዋንነትና እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ከም ዘሎና ኣረጋጊጽና ንፍለጥ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ከም ዝዀንካ እናሓሰብካ፡ ንርእስኻ ኢልካ ጥራሕ ምንባር፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረን “ክርስትያን’የ” ኢሉ ዚኣምንን ሰብ ኪገብሮ ዘይግባእ ዕሽነታውን ጥፍኣታውን ምርጫ’ዩ። ንክርስትያን ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምዃን ፈጺሙ ዘይምጥኖ ሕሱር ህይወት’ዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ’ዚ ወርደተኛ ምርጫ’ዚ፡ እቲ መታለሊ ድያብሎስ ኣሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ጥሪት ዘይኰነ ዅሉ ሰብ፡ ናይ ድያብሎስ ጥሪት’ዩ። “ናተይ ኵን” እናበለ ኼስሕተና ኸም ዘይክእል ስለ ዚፈልጥ፡ “ናይ ርእስኻ ኹን” ብዚብል ሜላ ጥበራ’ዩ ዜስሕተና። ነቶም ቀዳሞት ወለድና ብኸምኡ’ዩ ዘስሓቶም። ካብ ናታቶም ጌጋ ተማሂርና ንለብም!! ርእስና ካብ ጥልመትን ክሕደትና ንሓልው፡ ጥሪት ኣምላኽ ምዃንን ምእንቲ ኣምላኽ ምንባርን ዝለዓለ ኽብርና ንግበር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
11 ለካቲት 2024 | የካቲት 3, 2016 ግዕዝ (መበል 22 ሰንበት: ቊ.፳፪/22) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፵፯፡፩,፪ “ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር። ወሰብሕዮ ለአምላክኪ ጽዮን። እስመ አጽንዐ መናሥግተ ኆኃትኪ።” “ሃሌሉያ! ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ’ዩ፡ ጥዑም’ዩ’ሞ፡ ምስጋና ይግባእ። እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ይሃንጽ፡ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ገላ 4፡21-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1 ጴጥ 2፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 11፡20-26 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡41-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ኢየሩሳሌም ትቤ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ