“ሕጂ ድማ ደቀየ፡ (ክርስቶስ) ኪግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ (ንሱ) ዚመጻላ መዓልቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። (ክርስቶስ) ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወልደ’ውን ፍለጡ።” 1ዮሃ 2፡28-29 ካ.ት
እንሆ፡ እዚ ዕለት’ዚ፡ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ኻልኣይ ሰንበት’ዩ። ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍሉይን ሃናጽን ኣስተርእዮታት (ምግላጻት) እናሰነቕና ኣሕሊፍናዮ ኽንከውን፡ ባህጊ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ፍቓድ ኣምላኽን’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ “እሙነ ኮነ ልደቱ” ዘርእስቱ ዀይኑ ንልደት ጐይታና ዜመልክት መዝሙር’ዩ። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ኣርባዕተ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ምንጪ ዝዀነ ናይ 1ዮሃ 2፡22-29 ንባብ ዝሓቘፈ’ዩ። እቲ ናይ ሉቃ 2፡40-52 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ጐይታና ኻብ ህጻንነት ናብ 12 ዓመት ዝዕድሚኡ ቘልዓ ከም ዝበጽሐ፡ እቲ ዕብየቱ ድማ ፍሉይ ከም ዝነበረ ዜመልክት’ዩ። ብፍላይ ንጥቕሲ ኣርብዓ፡ ከምኡ’ውን ጥቕሲ ሓምሳን ክልተንን ብኣትኵሮ ምስ ‘ንዕዘበን፡ ብዛዕባ ገዛእ ዕብየትና ዀነ ብዛዕባ ዕብየት ደቅናን ማሕበረ ምእመናንን ኣገዳሲ ትምህርቲ ዜቕስማና’የን። ፍሉይነት ናይ ዕብየቱ በዘን ዚስዕባ ነጥብታት ኪጠቓለል ዚኽእል’ዩ።
1. ዕብየቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ምዃኑ፡ ፍሉይነት ኣለዎ። መብዛሕትና፡ ኣምላኽን ሰብን ዚምስክሩሉ ዕብየት ኣይነርእይን ኢና። ነቲ ሰብ ጥራሕ ዚርእዮ ኣካላዊ ዕብየት’ምበር፡ ነቲ ኣምላኽ ዜድህበሉ መንፈሳዊ ዕብየት ስለ ዘይንበጽሖ፡ ዕብየትና ምልኣት የብሉን። ብፍላይ ኣብ’ቶም ዚውለዱ ደቅና ነዚ ናይ ጐይታ ዚመስል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ግሁድ ዝዀነ፡ መንፈሳውን ኣካላውን ዕብየት ብማዕረ ኺዓብዩ፡ ወለድን ኣበልገን እመልገን፡ አበ-ነፍሲ ዀኑ ቤተ ክርስትያን ብዓባያ ተወፍዮም ኪጽዕቱሉ ዚግባእ’ዩ (ኤፌ 6፡4)።
2. ከም ኵሉ ሰብ ብቝመት፡ ማለት ኣካላዊ ዕብየት ድማ ዓበየ፡
3. ነቲ መንፈሳዊ ዕብየቱ ድማ፦
ሀ. ብመንፈስ ደልደለ
ለ. ብጸጋ ኣምላኽ መልአን ዓበየን
ሐ. ብጥበብ ከኣ መልአን ዓበየን
ብዚብል ቃላት ተገሊጹልና ኣሎ። ስለ’ዚ ናይ’ቶም ብስጋ ዝወለድና ወለዲ ዀነ ናይ’ታ ብመንፈስ ዝወለደት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ፡ በዚ ኣርኣያዊ ዕብየት ናይ ጐይታና ተገሊጹ ኣሎ። ንደቅና ብዚምልከት ብዛዕባ መሰረታዊ ስጋዊ ድልየታቶም (ምግቢ፡ ክዳን፡ መጽለሊ)፡ ብዛዕባ ትምህርቶምን ጥዕናኦምን ካብ ምሕላይ ሓሊፍና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወቶም ዘይንሓልይን ዘይንጽዕትን እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ኣስተርእዮ ጐይታ ዝዀነ ብርሃን ከም ዘይብልና ተቓሊዕና ኸም ዘለናን ክንሓፍረሉን ክንንስሓሉን ከም ዚግብኣና ኸነስተውዕል የድልየና። ምኽንያቱ ነዛ ሓላፊት ዓለም ጥራሕ’ምበር፡ ነታ እትመጽእ ነባሪት ዓለም ከም ዘይበቕዑ ጌርና ንዅንኖምን ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢኦም ነጸልምቶን ኣለና ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ካብ ክርስትያን ወለዲ ዘይትጽበዮ፡ ኣስቢሕካ ኣስቢሓስ ድራር ሰይጣንን ገሃነምን ናይ ምግባር ኣረሜናዊ ተግባር’ዩ። ብመልክዑን ምስሉን ዝተሰርሑ ፍጡራቱ’ዮም’ሞ፡ ብዕብየቶም ከኣ ንእኡ ናይ ምምሳል ሓለፋን ክብርን ዘለዎም ደቁ ምዃኖም ክንክሕዶ ዀነ ኽንዝንግዖ ዘይግባእ ሓላፍነትና’ዩ።
ብመሰረት ስርዓትን ሕግን ናይ ኦሪት፡ ዕድሚኡ 12 ዓመት ዝመልአ እስራኤላዊ ወዲ፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ ናብ ኢየሩሳሌም ነጊዱ፡ ተኻፋሊ ናይ’ቲ ኣብኡ ዚፍጸም መንፈሳዊ ኣገልግሎትን በረኸትን ናይ ምዃን መሰልን ግዴታን ኣለዎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ድማ፡ እቲ “ዅሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና’ዩ” ዚብል መርገጺ ዝነበሮ ጐይታ፡ ኪዕረቐሉ ዜድልዮ ሓጢኣት ዘይብሉ ኽነሱ፡ ነቲ ባዕሉ ዝሓገጎ ሕጊ ኬኽብር፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበሎ፡ “ምስ ወለዱ” ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ፡ ባዕሉ’ውን፦ “ንሕጊ ዀነ ንነብያት ክፍጽሞም’ምበር፡ ክስዕሮም ዝመጽእኩ ኣይምሰልኩም።” ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 5፡17 ፣ 3፡15)። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ግን ብዕድሚኡ ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ቦታን ጸወታን ናይ ቍልዕነት ገዲፉ ኣብ ስፍራ መምህራንን ሊቃውንትን ኪኸውን ምምራጹ’ዩ። እዚ ተግባሩ’ዚ ሓደ ኣካልን መርኣያን ናይ’ቲ መስተንክር ኣስተርእዮኡ’ዩ። በቲ ምስ’ቶም መምህራን ዝገበሮ ምልልስ ድማ ተራ ቘልዓ ዘይምዃኑ ኣግሂዱሎም’ዩ። “ከም’ዚ’ዩ” ወይ’ውን “እከለ’ዩ” ኺብሉ እንተ ዘይከኣሉ’ኳ፡ በቲ ምስትውዓሉን መልሱን ኪግረሙ ግን ተዓዲሎም’ዮም። ነዚ ኺገብር ካብ’ቶም መኻይዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ወላዲቱን ቅዱስ ዮሴፍን፡ ንድሕሪት ስለ ዝተረፈ፡ ኪደልይዎ መገዲ ሓደ መዓልቲ ንድሕሪት ተመልሱ። ኣዲኡ፡ “በል ወደይ፡ ስለምንታይ ከም’ዚ ገበርካና፧ ኣቦኻን ኣነን እናጐሃና ንደልየካ ኔርና” ምስ በለቶ ዝሃባ “ንምንታይ’ሞ ‘ትደልዩኒ፧ ኣብ’ቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ዚብል መልሲ ኣስተርእዮ ዚህብ ቃል’ዩ። ቅዱስ ወንጌል ከም ዝብሎ ግን፡ ነቲ ዘረባኡ፡ ስለ’ዚ ኸኣ ንኣስተርእዮኡ፡ ዜስተውዕሎ ኣይረኸበን። መን ምዃኑን ካብ መን ምዃኑን ተልእኾኡ እንታይ ምዃኑን ግን ብዘረባኡ ዀነ ብግብሩ ኣስተርእዮ ይህብ ከም ዝነበረ ኵሉ ግዜ ኸነስተውዕል ይግብኣና።
እዚ ኻልኣይ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ኣርእስትና ትምህርትናንከ፡ እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፧ ሕፍረትን ትብዓትን ንምንታይ’ዮም ምስ ምጽኣት ተዛሚዶም ዚለዓሉ፧ ብመሰረቱ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና፡ ምጽኣታዊ ኣርእስቲ’ዩ። ብዛዕባ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ንዛረብ ስለ ዘለና ደኣ’ዩ’ምበር፡ ብሓፈሻ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ኰነ ኣብ እምነት ክርስትና፡ ንምጽኣት ዘይምልከት ኣርእስቲ ፈጺሙ የልቦን። ንምጽኣት ዘይምልከት ኣርእስቲ እንተ ተላዒሉ፡ ብዘይ ቃል-ዓለም ሕርሚ’ዩ። ይትረፍ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚለዓል ኣርእስትን ትምህርትን፡ ዋላ’ቲ ኣብ ማሕበራዊ ቦታናን ናብራናን እነልዕሎን እንዘራረበሉን ዛዕባታት ከይተረፈ ብምጽኣት ጐይታና ዝተማእከለ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። “ዜርካ ዜርካ ናብ ቤትካ፡ ኔርካ ኔርካ ናብ መሬትካ” ኸም ዚበሃል፡ ንሕና’ውን ኣብ ዝርርባትና ዀነ ኣብ ተግባራትና፡ ብዘበልና ኣቢልና ብዝመጻእና መጺእና ብዘየገድስ፡ ንምጽኣት ጐይታ ኽንጐስያን ከነጓንያን ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ፍጥረት ኣትሒዙ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዝነበረ ዅሉ ሰብ፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ምባሉ ዘይተርፍ’ዩ። ኣብ’ታ ዘመን ምድራዊ ህይወቱ ንዝሓስቦን ዝተዛረቦን ዝገበሮን ኵሉ ድማ ኪሕተተሉን ጸብጻብ ኪህበሉን ኪፍረደሉን’ዩ። ንቡር ቀብሪ ዝረኸበ፡ ኣራዊት ዝበልዖ፡ ብሓዊ ሓመዅስቲ ዝዀነ፡ ባሕሪ ዝወሓጦ ዀነ ዝዀነ ኻልእ ኣማውታ ዘለዎ ሰብ በታ ዝተፈጥረላን ዝነበረላን ቍመናኡ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ደው ኪብል’ዩ። ዓብይ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ መንፈሳዊ ዓለማዊ፡ ኣማኒ ኣረማዊ፡ ሃብታም ድኻ፡ ምሁር መሃይም፡ ብዓል ስልጣን ተራ ሰብ፡ ሓያል ድኹም ወዘተ ዘይበሃለላ፡ ወዲ ሰብ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ መስተንክር መለኮታዊ ፍትሒ ዚረኣየላ ዝተባረኸት መዓልቲ’ያ። ነዛ ዕለትን ምጽኣትን’ዚኣ ዚርስዕን ዚጐስይን ሰብ፡ ገዛእ ርእሱ’ዩ ዚርስዕን ዚዅንንን።
እምበኣር ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ምጽኣታዊ ምዃኑ፡ ጐይታናን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑን ዝመኸሩልና ሰናይ ምኽሪ’ዩ። ብዓይኒ ምጽኣት ኪረኣይ ከሎ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ኣብ ክልተ ምድባት ኢና ንምደብ። እዚ ኸኣ፡ ብመንጽር’ቲ ብጐይታና ዚወሃበና ፍርድን፡ ከምኡ’ውን ብመንጽር’ቲ ንሕና እነርእዮ ስምዒትን ማለት’ዩ። እዚ ምድብ’ዚ ድማ በቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዘሕለፍናዮ ዓይነት ህይወት ዚውሰን’ዩ። እቶም ንሰይጣንን ነዛ እክይቲ ዓለምን ስዒርና ንስጋዊ ሓጥእ ባህርይና መሊኽና፡ ብጽድቅን ቅድስናን ምድራዊ ህይወትና ዘሕለፍና ሰባት፡ ዝዀነ ይኹን ዜሻቕልን ዜሰክፍን ጕዳይ ስለ ዘይብልና፡ ምጽኣት ጐይታ ድማ ትጽቢትናን ተስፋናን ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና ኺግለጽ ከሎ እነንጸባርቖ ስምዒት ሓጐስን ሓበንን ትብዓትን’ዩ ዚኸውን። ምኽንያቱ ናይ’ቲ ምስ ሰይጣንን ዓለምን ምስ ሓጢኣትን ርኽሰትን ዝገበርናዮ ኸቢድ ቃልስን ዘሕለፍናዮ መሪር ስቓይን ዓስቢ እንቕበለሉ ኽቡር ዕለት’ዩ። ብኣንጻሩ እቶም ብሓጢኣት ነፍሰ-ስጋና ዘማሰንና፡ ኣብ’ታ ሓጻርን ሓላፊትን ዕድመ ንፍቓድ ሰይጣንን ንፍትወት ስጋናን ዝተገዛእና፡ ብፍቕሪ ዓለም ዝዓበድና ድማ፡ ምጽኣት ጐይታ ንኣና ዘይተጸበናዮ ሓደጋን መዓትን ስለ ዝዀነ ብራዕድን ኪግለጽ ብዘይክእል ሕፍረትን ጣዕሳን ክንልለው ኢና። እዚ ዅሉ ኸኣ ገና ናይ ሊቃነ መላእኽቲ መለኸት ሰሚዕና ኻብ’ቲ ናይ ሞት ድቃስ ብር ኢልና ምስ ተበራበርና ኣባና ዚኽሰት ስምዒት’ዩ። እቲ ብይን ተዋሂቡ ናብ’ቲ ናይ ዘለኣለም መዓልቦና ምስ ኣተና ኸኣ፡ እቲ ዘየቋርጽ መሪር ስቓይ ተደሪብዎ፡ እቲ ስምዒታት ኪግለጽ ብዘይክእል ዕጽፍታት ወሲኹ ኣባይ ከም ዚበጽሕ፡ እቲ ጻድቕ ፈራዲ ንበይኑ’ምበር፡ ሰይጣን’ኳ ኣይፈልጦን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ ንኽልቲኡ ምርጫታት ኣብ ቅድሜና ኣቐሚጡ፡ ነታ ናይ ሕፍረት ምድብ ከይንመርጽ ዜጠንቅቐናን ዚምዕደናን ዘሎ። “ምኸሮ ምኸሮ፡ እምቢ እንተ በለ መከራ ይምከሮ” ኸይኰነና፡ ቃል ጐይታን ቃል ቅዱሳን ሃዋርያቱን እንተ ሰማዕናን እንተ ተግበርናዮን’ዩ ዜሕሸና።
እቲ ፍታሕ ግን እንታይ’ዩ፧ ካብ’ዚ መዋጽኦ ዘይብሉ ዘይጽወር ሕፍረት’ዚ ብኸመይ ኢና ኸነምልጥ፧ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ብንጹርን ብዘየማትእን መገዲ መሊሱልና ኣሎ። እታ እንኮ ፍታሕን መዋጽኦን ኣብ ክርስቶስ ምንባር’ያ። ንሱ’ዩ ዑቕባናን ዕርድናን፡ ንሱ’ዩ ጸግዕናን ጽላልናን። እቲ ኣዝዩ ባህ ዜብል ድማ፡ ንሱ ባዕሉ፡ “ኣባይ ንበሩ” እናበለ ዚዕድምን ዚፈቅድን፡ ዚልምንን ምዃኑ’ዩ። ድሕሪ ምጽኣት ኣብ ዘሎ ዘለኣለማዊ ዕድመ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ብኽብርን ብሓጐስን ብዕረፍትን ምጽንናዕን ተመሊኡ፡ ምስ ክርስቶስ ኪነብር ዚኽእል፡ እቲ ኣብ’ዛ ሓጻር ምድራዊት ዕድሚኡ ኣብኡ ብምንባር ዘሕለፋ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ነቶም ነዛ ናብራ’ዚኣ ዝተጸየፍዋ ግና፡ ኣብ ምጽኣቱ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸቡ፡ “ከቶ ኣይፈለጥኩኹም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን’የ፡ ካበይ ርሓቑ” ዚብል ኣሰንባዲ ድምጺ’ዩ ኼስምዖም (ማቴ 7፡23 ፣ ሉቃ 8፡25)። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸለና፡ ነታ “ኣባይ ንበሩ” እንተ ዘይመሪጽናያ፡ ኣብ’ታ እትመጽእ ዓለም ግን ነታ “ካባይ ርሓቑ” መሪጽናያ ኣለና ማለት’ዩ። እዚ ዓሻ ምርጫ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ እታ ዘይትተርፍ ዓባይ መዓልቲ ምስ መጸት ብሕፍረት ክንወሓጥ ዚገብረና። ነዛ “ኣባይ ንበሩ” እትብል ክብርቲ ዕድመ ምንጻግ ሕጂ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸለና ኣዝዩ እንተ ዜሕፍረና ነይሩ ግን፡ ካብ’ዛ ዘለኣለማዊት ሕፍረት ከነምልጥ ምኸኣልና ኔርና።
ሕራይ፡ ምንባርሲ ምነበርና፡ ግና ከመይ ጌርና ኢና ኣብኡ ኽንነብር እንኽእል፧ ኣበይ ምስ ረኸብናዮ ኢና ኣብኡ ‘ንነብር፧ ብዛዕባ ዝዀነ ዓይነት ኣርእስቲ ኺለዓል ከሎ፡ ኵሉ ጊዜ ግደ ኣምላኽን ግደ ሰብን ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ። እቲ ብምሉእ እምነት እንካፈሎ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን’ዩ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ብምግባር ኣብኡ ዜንብረና። ብዘይካ’ታ ምእማንን ምክፋልን፡ እቲ ዝተረፈ ዅሉ ኻልእ ተግባር ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ናትና ኣይኰነን፡ ብኸመይ ከም ዚገብሮ ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ክንፈልጦ ኣይድልየናን ከኣ’ዩ። “ምስጢር” ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ክንፈልጦ ዚከኣልናን ዚጠቕመናን እንተ ዚኸውን ኸኣ ኣይምሓብኣልናን ነይሩ። ነቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ’ኳ በጃ ህይወትና ኪኸውን ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበልና ኣይንረስዕ። በቲ ኣብ ምስጢራት ምክፋልና ጥራይ ክንተኣማመን ግን ኣይንኽእልን ኢና። ይሁዳ’ውን’ኮ ኣብ ኵላተን ተኻፊሉ’ዩ። ግን ከኣ ንጐይታኡ ኸም ጤለ በጊዕ ንመሸጣ ደኣ ተወዓዓለሉ። ነታ ናትካ ግደን ሓላፍነትን ጸዪቕካን ኣበላሺኻን ከተብቅዕ፡ እታ ናይ ጐይታ ግደ ክትጽብቐልካ ምጽባይ ግን፡ ዓሻ ትጽቢት’ዩ። ስለ’ዚ ጥዕና ልብና ብምልኣት ኽንሕልው ክሳዕ ዝኸኣልና፡ ካብ’ቲ ፍጹምን እሙንን ኣምላኽ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ኸም ዘይትጐድለና ሚእቲ ሚእታዊት ርግጸኛታት ንኹን።
ኣብኡ ንነብር ምህላውናን ዘይምህላውናንከ ብኸመይ ኢና ንፈልጥ፧ እቲ ቐንዲ ቝም ነገር ኣብ’ዛ ዓቕምና ዝዀነ ሕቶ’ዩ ዘሎ። ብዛዕባኣ ምእንቲ ኸይንደናገር ከኣ ጐይታና ብንጹር መሊሱልና ኣሎ። “ኣባይ ንበሩ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ክነብር’የ። ጨንፈር ኣብ’ቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ፡ ካብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእልን ንስኻትኩም’ውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ፡ ኣነ’የ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ እቲ ኣባይ ዚነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ...... ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈርይ ዅሉ ጨንፈርን (ኣቦይ) ይቘርጾ፡ ነቲ ፍረ ዚፈርይ ጨንፈር ግና፡ ብዙሕ ምእንቲ ኺፈርይ፡ (ኣቦይ) የጽርዮ። .... ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ከም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ’ሞ፡ ይነድድ።” ዮሃ 15፡2,4-6 ካ.ት
እምበኣር፡ ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባር ንጹር መለለዪ፡ ፍረ ምፍራይን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዙሕ ፍረ ምፍራይና’ዩ። ኣብ ጥቅሲ 2 ሰፊራ ዘላ ነጥቢ ግን ኣይንስሓታ!! ኣብ ክርስቶስ እናነበረ ዘይፈርይ ተበላጺ’ውን ኣሎ። ነዚ ተበላጺ’ዚ፡ እቲ ባዕሉ ኣብ ክርስቶስ ዝተኸሎ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ባዕሉ ሰሊዑ ኺቘርጾን ኪድርብዮን’ዩ። ንፍረ ብዚምልከት፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዋጋ ዕዳጋ ዚበሃል የልቦን!! ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባርካ ምልክት ወይ መርትዖ ፍረ’ዩ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። ኣብ ክርስቶስ ምንባር ንኽትቅጽል ውሕስነት ዚዀነልካ’ውን ፍረ’ዩ። ኪስዕብ ዝግብኦ ኣገዳሲ ሕቶ ግን ኣሎ።
ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ሰብ ዜፍርዮ ፍረ እንታይ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶ’ዚ መሊሱልና’ዩ። ኣብ ጕንዲ ወይኒ ዚነብር ጥዑይ ጨንፈር፡ ወይኒ ጥራሕ’ዩ ዜፍርይ። በለስ፡ ቱፋሕ፡ ብርቱኻን ኣየፍርይን’ዩ። ኣብ’ቲ ጻድቕ ክርስቶስ ዚነብር ክርስትያን ከኣ፡ ጽድቂ ጥራሕ’ዩ ዜፍርይ። ናይ ክርስቶስ ወይኒ እንታይ ምዃኑ፡ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብዝርዝርን ብተደጋጋምን ተገሊጹልና ኣሎ። በብእዋኑ ድማ ኣብ መድረኻት ኣብያተ ክርስትያንና ይስበኸልና ኣሎ።
እቲ ዜሕዝን ግና፡ “ጽድቂ ምግባር” ዚብል ሓሳብ ገና ኺብገስ ከሎ፡ ትንፋስ ክሳዕ ዚሓጽረና ዓቕልና’ዩ ዜጽብበልና። ገና ኸይፈተንናዮ ኸለና’ውን ሕልናና ዕርብ ይብለና። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ሰናይ ነገር ከም ዘየለ፡ በቲ ዘላደየና ተመክሮና ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ኢና። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ቓል ግና፡ “ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዚብል ቃል ምንባብና ንዘክር። ጽድቂ ናይ መለኮት ደኣ’ምበር ናይ ሰብ ምህዞን ተግባርን ኣይኰነን። ባዕላትና ኽንገብሮ ስለ ዘይንኽእል ከኣ’ዩ፡ ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባር ኣገዳስነት እምብዛ ዕዙዝ ዝዀነ። ኣብ ክርስቶስ ምስ እንነብር፡ እቲ ዜኽእል ጸጋ ናባና ይውሕዝ’ሞ፡ ጽድቂ ተጨኒቕና ዓቕልና እናጸበበና እንቃዓ እና’ተንፈስና ንገብሮ ዘይኰነስ፡ ደስ ኢሉና ተዛኒና እንገብሮ ባህርያዊ ትዕድልትና ይዀነልና። ትምኒት ስጋ ብሓጢኣት’ዩ ዚገዝእ። ስለ’ዚ ኢና ሰናይ ክንገብር እናደለናስ፡ ንእኡ ገዲፍና ሓጢኣት እነዘውትር (ሮሜ 7፡5-22)። ጸጋ ግና ብጽድቂ’ዩ ዚገዝእ። ንጸጋ ተገዚእና ጽድቂ ምእንቲ ኽንፈርይ ከኣ’ዩ፡ ክርስቶስ ምልኣት ጸጋ ሒዙ ዝተገልጸ። ቅዱስ ወንጌል ድማ፦ “ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ ...... ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ናባና ኣውሓዞ .... ጸጋ ጐይታና (ኣባይ) ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ” እናበለ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1፡16,17 ፣ ኤፌ 1፡8-10 ፣ 1ጢሞ 1፡14)።
ደጊም ርእስኻ መርሚርካ ምርጫኻ ምትኽኻል’ዩ ዚተርፈና። ጐይታና ብኽብሪ ኺግለጽ ከሎ፡ ርእስና ኣቕኒዕና ብትብዓትን ብሓበንን ክንቕበሎዶ፡ ወይስ ርእስና ደፊእና ብፍርሃትን ብሕፍረትን ተዋሒጥና ኽንቕበሎ፡ ሓዲኡ ንምረጽ!! እዚ ምርጫ’ዚ ሓንሳእ ጥራሕ ዚግበር ኣይኰነን። መዓልቲ መጸ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ኵነታትን እንገብሮ ዘየቋርጽ ናይ ዕድመ ምሉእ ምርጫ’ዩ። ግብራዊ ምርጫ ድማ’ምበር፡ ወረቐት ኣብ ሳጹን ምርጫ እናእተኻ፡ ወይ ኢድካ ኣልዒልካ ዚግበር ኣይኰነን። ምጽኣት ጐይታ እናሓሰብካ’ምበር ነንዕለቱ ዘጋጥመካ ዅነታት ኸም ዝመርሓካ ዚግበር ምርጫ’ውን ኣይኰነን። ካብ ዘለኣለማዊ ሕፍረት ምእንቲ ኽንድሕን፡ ኣብ ክርስቶስ ዘይምንባር ነውርና ንግበሮ፡ ሎሚ ንሕፈረሉ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
28 ጥሪ 2024 | ጥሪ 19, 2016 ግዕዝ (መበል 20 ሰንበት: ቊ.፳/20) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ። እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።” “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2 ቈረ 1፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1 ዮሃ 2፡22-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡20-27 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡41-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ እሙነ ኮነ ልደቱ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ