“ኦ!ጐይታይ፡ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ኣፋንዎ። ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየናኦ’የን። እዚ (ህጻን’ዚ) ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ድሕነት’ዩ። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ’ዩ።”ሉቃ 2፡29-32 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሓምሻይ ሰንበት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ለካቲት 6 ኽሳዕ ለካቲት 12 ዘሎ መዓልታት ኣብ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ “መሀሩነ እለ ቀደሙነ” ዘርእስቱ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ’ዩ ዚዝመር። ብፍላይ ለካቲት 8 ግን “በዓለ ስምኦን” ይብሃል። ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ቕንያት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ዚንበብ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ብዛዕባ ነብዪ ስምኦንን ነብዪት ሃናን ዚትርኽ ናይ ሉቃ 2፡25-40 ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ዩ። ነብዪ ስምኦን፡ ካብ’ቶም እግዚኣብሄር ልዑል ክብሪ ዝሃቦም ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያትን ናይ ኣምላኽ ሰባትን ሓደ’ዩ። እዚ ዕብየትን ክብርን’ዚ ድማ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዒንቱ ኺርእዮን በእዳዉ ኺሓቝፎን ዝተዓደለ ናይ ብሉይ ኪዳን ነብዪ ብምዃኑ’ዩ። ብዙሓት ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያት ንጐይታና በዒንቶም ኪርእይዎን በእዛኖም ኪሰምዕዎን ኣዝዩ ልዑል ባህጊ’ኳ እንተ ነበሮም፡ ነቲ ተስፋኦም ከይረኸብዎን ከይረኣይዎን ደኣ ሓለፉ (ማቴ 13፡16,17 ፣ ሉቃ 10፡23,24 ፣ እብ 11፡13,39,40)። ነብዪ ስምኦን ግን ከይረኣዮ ኸም ዘይመውት ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ። ጐይታና ተወሊዱ ወዲ 40 መዓልታት ምስ ኰነ፡ በቲ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ዚእዝዞ መሰረት፡ በዅሪ ውላድ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪቐውምን ንእግዚኣብሄር ኪቕደስን ናብ ኢየሩሳሌም ናብ’ቲ ቤት መቕደስ ኣምጽእዎ። ነቲ ንነብዪ ስምኦን ዝኣተወሉ ቓል ምእንቲ ኺፍጽመሉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ መሪሑ ናብ’ቲ ቤት መቕደስ ኣምጽኦ። ኣብኡ ድማ ነቲ ናጽላ ኢየሱስ ሓቝፉ፡ ምስጋናኡ ንኣምላኽ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ቃል ትንቢት ድማ ንወለዱን ኣብ ከባቢኡ ንዝነበሩ ዅላቶም ተዛረቦም። ንፈጣሪኻ፡ ትንፋስካ ኣብ ኢዱ ንዝሓዘ፡ ጸዊሩካ ንዚነብር፡ ብስጋ ንዝተገልጸ ኣምላኽ ክትሓቝፍ ምኽኣል፡ መዘና-ኣልቦ ኽቡር ትዕድልቲ’ዩ። እዚ ቕዱስ ኣቦ’ዚ፡ ከመይ ዝበለ ንእግዚኣብሄር ዜኽብር ህይወት ከም ዝነበሮ ኣብ ጥቕሲ 25 “ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበይ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ሰብ” ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ንሱ ዚዝከረሉ ዕለትን ቅንያትን ዝሰርዐት፡ ነዚ ኺሰዓብ ዚግብኦ ከም ጸሓይ ዜብርህ ድሙቕ ኣርኣያኡ ኣዚና ኸነቕልበሉን ተወፊና ኽንስዕቦን ስለ ዝደለየት’ዩ።
ኣብ ጥቕሲ 26 ናይ’ቲ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቀዳማይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ “ቅቡእ እግዚኣብሄር” ኢልዎ ዘሎ፡ ኣብ’ቲ ኻልኣይ ትርጕም ግና፡ “መሲሕ እግዚኣብሄር” ኢልዎ ኣሎ። “ቅቡእ ወይ መሲሕ” ዚበሃል ዘሎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ብሓፈሻ ኣብ ኣገልገልትና ዀነ ኣብ ሓፋሽ ምእመንና፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ናይ እግዚኣብሄር ቅቡእ’ዩ” ምባል ስክፍታ ኺፈጥረሉ ኸሎ ይረኣይ’ዩ። እቲ ምኽንያት ኽልተ’ዩ ኪኸውን ዚኽእል። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ በቲ ፍጹም ኣምላኽነቱ ጥራይ ስለ ንሓስብ ከም ቀባኢ’ምበር፡ ከም ተቐባኢ ኽንሓስቦን ክንቅበሎን ስለ ዝኸበደና’ዩ፡ “ወልድ ዋህድ” ኢልና ኸም ንኣምን ኦርቶዶክሳውያን መጠን ግን፡ ከም ስግው መለኮት፡ ከም ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን’ምበር ናብ መለኮትነቱ ብዝያዳ ዝዘንበለ ኣርኣእያ ኺህልወና ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ብዘይበላለጽን ብዘይ ነጻጸልን ውህደት ዝተጋህደ መድሓኒ’ዩ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን፡ ብመስዋእቱ ብደሙን ስጋኡን መድሓኒና ኪኸውን ብኣምላኽ ዝተቐብአ ቕቡል’ዩ። እቲ ኻልኣይ ንስክፍታና ምኽንያት ዚዀነና ዘሎ፡ ናይ’ቲ ንጥቀመሉ ዘለና ቓላት ትርጕም ዘይምፍላጥና’ዩ። “ቅቡእ፡ መሲሕ፡ ክርስቶስ” ዚብል ሰለስተ ቓላት፡ ሓደ ዝትርጕመን ናይ ሰለስተ ቋንቋታት ቃላት’የን፡ ብቛንቋ ግሪኽ “ክርስቶስ”፡ ብቛንቋ እብራይስጢ “መሲሕ” ብቛንቋ ትግርኛ “ቅቡእ”፡ ሰለስቲኡ ሓደ ዝትርጕሙ ቓላት’ዩ። “ኢየሱስ ክርስቶስ” እንተ ኢልና “ኢየሱስ ቅቡእ” ኢና ንብል ዘለና። ናይ ቋንቋ ለውጢ’ምበር፡ ናይ ትርጕም ለውጢ ንገብር የለናን። “ኢየሱስ” ናይ ተጸውዖ ስሙ ኪኸውን ከሎ፡ “ክርስቶስ፡ መሲሕ፡ ቅቡእ” ከኣ ናይ ማዕርግ ስሙ’ዩ። ስለ’ዚ “ቅቡእ” ዚብል እንተ ኣንበብና፡ ወይ’ውን ከምኡ ኪበሃል እንተ ስማዕና ቕኑዕ ምዃኑ ተረዲኡና፡ ነቲ ስክፍታና ኸነወግዶ ይግባእ። “ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ፡ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ነቢሩ፡ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ተሰኪሙ፡ ሞይቱ” ኢልና ኽንኣምን እንተ ዘይከቢዱና፡ “ቅቡእ” ኢልና ኽንጽውዖን ክንሓስቦን ኪኸብደና ኣይግባእን’ዩ (ግብ 10፡38)።
ነብዪ ስምኦን ነቲ ቕቡእ ኢየሱስ ሓቝፍዎ ኸሎ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ቃል ትንቢት ተዛሪቡ’ዩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ኣህዛብን ክብሪ እስራኤልን ከም ዝዀነ ዚገልጽ’ዩ። ኢየሱስ ድነትና’ዩ፡ ኢየሱስ ብርሃንና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትና ከኣ ካብ’ዚ ናይ ነብዪ ስምኦን ቃል ዝተወስደ’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ኣሚቱልና ኸም ዘሎ፡ ካብ’ቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ዝመሃሩና ሓቂ ሓደ፡ እዚ ኣርእስትና’ዚ’ዩ።
ነብዪ ስምኦን፡ ንብርሃንን ድሕነትን ኣዛሚዱ ዝጠቐሰሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ድሕነትን ብርሃንን ብምንታይ’ዮም ዚዛመዱ፧ እቲ ምኽንያት ርዱእ’ዩ። ኣብ ጸልማት ዘሎ ሰብ ኣበይ ከም ዘሎ፡ ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣብ ቅድሚኡ እንታይ ኣሎ ኣይፈልጥን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ዕንቅፋት ኣዝዩ ይበዝሕ፡ ውድቀቱን መስበርቱን ይኸብድ፡ ናብ ዘይደለዮ ምዕራፍ ድማ ይበጽሕ። ተጋግዩ ኸሎ፡ ቅኑዕ ዘሎ ይመስሎ። ጸልማት እምብዛ ሕሱም’ዩ። ብለይቲ ነዊሕ ዚጐዓዙ ሰባት ከም ዚትርኽዎ፡ ምሉእ ለይቲ ብብዙሕ ጸገምን ድኻምን ኪጐዓዙ ሓዲሮም፡ ምድሪ ወጊሑ ብርሃን ምስ ኰነ፡ ንርእሶም ኣብ’ታ ዝተበገሱላ ቦታ ኸም ዝረኽብዋ ኺዛረቡ ብዙሕ ጊዜ’ዩ ዚስማዕ። ብብርሃን ዚጐዓዝ ሰብ ግን ከም’ዚ ዝበለ ጸገም የብሉን። ብሸለልትነት ብዘይ ምስትውዓል ዚጐዓዝ ዝንጉዕ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ብርሃን ዘሎ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ዕንቅፋትን ጌጋታትን’ዩ ዚፍጽም።
ኣብ መንፈሳዊ ዓለም’ውን፡ እቲ ኽውን ሓቂ ኻብ’ዚ ዚፍለይ ኣይኰነን። መንፈሳዊ ብርሃን ዝረኸበ ሰብ ብሓጢኣት ዚዕንቀፈሉ ጊዜ እምብዛ ውሑድ’ዩ። ካብ መገዲ ኣምላኽ ወጺኡ፡ ኣብ መገዲ ጥፍኣት ኣይመላለስን’ዩ። ረብሓ ብርሃን ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈልጥ ንመገዲ ጸልማት ይጽየፋ’ምበር፡ ኣይመርጻን’ዩ። እቶም ብርሃን ዝረኸቡ’ዮም፡ ንድሕነት ዚፈልጥዋን ዚመርጽዋን። ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ብዛዕባ ጕድኣት ጸልማትን ረብሓ ብርሃንን ደጋጊሞም ገሊጾምልና’ዮም።
“.... ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰባት ግና፡ ግብሮም ክፉእ’ዮም’ሞ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ’ዩ’ሞ እቲ (ኽፉእ) ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን’ዩ። ..... እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚርእይ ስለ ዝዀነ ኣይዕንቀፍን’ዩ። እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና ብርሃን ስለ ዘይብሉ ይዕንቀፍ’ዩ። ..... “ገና ንቝሩብ መዓልቲ ብርሃን ምስኻትኩም ኣሎ። ስለ’ዚ ጸልማት ከየርከበኩም ብብርሃን ተመላለሱ፡ ምኽንያቱ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን’ዩ።” ዮሃ 3፡19,20 ፣ 11፡9,10 ፣ 12፡35 ካ.ት
ስለ’ዚ መንፈሳዊ ጸልማት ንጕድኣትናን ጥፍኣትናን ዜዕዝዝ’ዩ። ካብ’ዚ ዅሉ ኽንድሕን እንተ ዄንና፡ ናይ ግድን መንፈሳዊ ብርሃን ክንረክብ የድልየና። ነዚ ብርሃን’ዚ ምእንቲ ኼብርሃልና ኸኣ ጐይታና ብርሃን ኰይኑ ናብ’ዛ ብጸልማት ዝተዋሕጠት ዓለም መጸ።
ኣብ ጸልማት ወይ ኣብ ርሃን ከም ዘለና ብኸመይ ኢና ንፈልጥ፧ እዚ ዘንበብናዮ ናይ ጐይታ ቓል፡ እቶም ክፉእ ግብሪ ዚገብሩ ኣብ ጸልማት ከም ዘለዉ፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ድማ ኣብ ብርሃን ከም ዘለዉ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ መንፈሳዊ ጥዕና ዘሎ ሰብ፡ ምስ ቀልቡ እናሃለወ፡ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ብኽፉቱ እናረኣየ ኽፉእ ግብሪ ኣይመርጽን’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ክፉእ ግብሪ ዓስቢ እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ’ዩ። እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ሰብ ግና፡ ዋላ’ቲ ኽፉእ ግብሪ፡ ጽቡቕን ንቡርን ግብሪ ዀይኑ’ዩ ዚረኣዮ። ምኽንያቱ መንፈሳዊ ኣዒንቱ፡ ሕልናኡ ተደፊኑን ተሰዊሩን’ዩ ዘሎ። ናይ ስጋ ኣዒንቱ ዝዓወረ ሰብ፡ ናብ ጸድፊ ወይ ናብ ጕድጓድ ገጹ ኪኸይድ እንተ ረኣናዮ፡ “ንምንታይ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ፧” ኢልና ኣይንፈርደሉን ኢና። እቲ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘሎ፡ ዓይነ ልቦናኡ ዝዓወረ ሰብ ድማ፡ ልክዕ ከምኡ፡ ነቲ ንዘለኣለም ዚጐድኦ ኽፉእ ግብሪ’ዩ ዚመርጽ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ኽፉእ ግብሪ፡ “ግብሪ ጸልማት” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ነዚ “ግብሪ ጸልማት” ድማ ካባና ኽንድርብዮ ተማዒድና ኣለና (ሮሜ 13፡11-14 ፣ ኤፌ 5፡11)። ስለ’ዚ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ክፉእ ግብሪ ኺገብር ከሎ ኣብ ጸልማት ከም ዘሎ፡ ብኣንጻሩ ሰናይ ግብሪ ኼዘውትር ከሎ ድማ፡ ኣብ ብርሃን ናይ ክርስቶስ ከም ዘሎ ኪፈልጥ ይግብኦ። ድሕነት ማለት ድማ ክፉእ ግብሪ ካብ ምዝውታር ምንጋፍ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ “ድሒኑ’ዩ” ዚበሃል፡ እቲ “መንፈሳዊ ብርሃን ረኺቡ’ዩ” ዚበሃል፡ እቲ ዚድሓነ ሰብ’ዩ። እቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ፍልጠትን ርድኢትን ዘለዎ ሰብ፡ ገና ኽፉእ ግብሪ የዘውትር እንተ’ልዩ፡ ገና ኣብ ጸልማት ከም ዘሎ ኺፈልጥ ይግብኦ። ጽልኢ፡ ክፉእ ግብሪ ስለ ዝዀነ፦
““ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዚብል ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት’ዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን’ዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊ’ውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት’ዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማት’ውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን’ዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 2፡9-11)። ስለ’ዚ ኽፉእ ሃቐናን ድርኺትን ኪተሃላለኸና ኸሎ፡ ናብ መንፈሳዊ ጸልማት ናይ ምእታው ሓደጋ የንጸላልወና ኸም ዘሎ ኣስተውዒልና፡ ብጾምን ጸሎትን ክንዋግኦ’ምበር፡ ዓይንና እናረኣና ናብ ጥፍኣት ከነምርሕ ኣይግባእን’ዩ።
ንጸልማና ዜብርሆን ብብርሃን ዚመርሓናን መን’ዩ፧ ኣብ ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ፍጡር ብርሃን የለን። ብርሃናውነት፡ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ኣምላኽ’ዩ ብርሃን (ዮሃ 8፡12 ፣ 12፡46 ፣ 1ዮሃ 1፡5)። እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ፍጹም ብርሃን’ዩ። ስጋና ለቢሱ ሰብ ኪኸውንን ኣብ ማእከልና ኺሓድርን ዝተደልየሉ መሰረታዊ ዕላማ ድማ፡ ነዚ ብናይ ሰይጣን ጸልማት ዝተዋሕጠ ዘርኢ ኣዳም፡ ብርሃን ምእንቲ ኼብርህን ኬውርስን’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓብይ ብርሃን ኰይኑ ኸም ዜብርሃልና፡ ብቕዱሳን ነብያት ተነጊሩና’ዩ (ኢሳ 9፡1,2 ማቴ 4፡15-16 ፣ ሉቃ 1፡79 ፣ ግብ 10፡37 ፣ ኤፌ 5፡14)። ጐይታና ባዕሉ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ደጋጊሙ ተኣሚኑ’ዩ። እቲ ቕድም ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ጥቕስታት ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋግጸልና’ዩ (ዮሃ 3፡19-21 ፣ ዮሃ 12፡35,36)። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት’ውን፦ “.....ኣነ ብርሃን ዓለም’የ፡ እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ’ምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድን’ዩ። .....እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ።” ዮሃ 8፡12 ፣ 12፡46
ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ደጋጊሞም ገሊጾምልና’ዮም። “(ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ)፡ ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ፡ ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኪምስክር መጸ’ምበር፡ ንሱ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ።” ዮሃ 1፡7-9
“እቲ ገዛኢ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዝዀነ ሰይጣን፡ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ ንልቢ ናይ’ቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። እዚ ብርሃን’ዚ ኸኣ ክብሪ ናይ’ቲ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ’ዩ። ...... ምኽንያቱ፡ እቲ “ኣብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዜጸንባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኺህበና፡ ኣብ ልብና ኸም ዚበርህ ገበሮ።” 2ቈረ 4፡4,6 ካ.ት
እቲ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡ እዚ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ኣብ ውሽጡ ስለ ዘለዎ፡ ንጸልማት ኣይፈልጦን፡ ኣይለግቦን ከኣ’ዩ። ጐይታና “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ዝበለና፡ ንሱ’ቲ ሓቀኛ ብርሃን ኣብ ውሽጥና ስለ ዚሓድር፡ ንኣና’ውን ብርሃን ስለ ዚገብረና’ዩ (ማቴ 5፡14-16)። ክርስቶስ ጐይታና ግን፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ጥራሕ ኣይኰነን ብርሃን ዝዀነ። ናይ’ታ ብተስፋ ‘ንጽበያ ዘለና ብርሃናዊት መንግስቲ ብርሃን’ውን ንሱ ምዃኑ፦ “ነታ (ቕድስቲ) ከተማ’ቲኣ፡ ጸሓይ ወይ ወርሒ ኼብርሃን ኣየድልያን’ዩ፡ (ምኽንያቱ) ክብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ ኣሎ፡ መብራህታ ድማ እቲ ገንሸል’ዩ።” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ራእ 21፡23 ካ.ት)።
ናይ ሎሚ ኣርእስትና “ብርሃን ዚገልጽ መድሓኒ” ዝዀነሉ ምኽንያት’ምበር፡ ጐይታና ብርሃንናን ድሕነትናን ንሱ ስለ ዝዀነ’ዩ። ክርስቶስ ኣብ ዘይብሉ፡ ጸልማትን ጥፍኣትን’ዩ ዚነግስ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኻብ ሓጢኣትን ድሕሪ ምጽኣት ካብ ዘሎ ሳዕቤን ሓጢኣትን ኪድሕን ዚደልይ ኵሉ ሰብ፡ ብብርሃን ክርስቶስ ኪመላለስ ይግብኦ። እቲ ንናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ዘይኣምነሉ ሰብ ግን ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዀነ ኣብ’ታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣብ ድቕድቕን ዜሳቕይን ጸልማት’ዩ ዚነብር። ካብ’ዚ ንኽንድሕን ክርስቶስ ብርሃን ህይወት ምዃኑ ፈሊጥናን ኣሚንናን፡ ኣብ ብርሃኑ ኽንነብር ይግብኣና።
“ኣዝዩ ዝጸንዐ ቓል ትንቢት ከኣ ኣሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ (ንክርስቶስ) ኣብ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ (እንተ ተቐበልኩምዎ)፡ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።” 2ጴጥ 1፡19
እዛ ዘለናያ ዓለም፡ ስፍራ ጸልማት’ያ። እቲ ኣብ ልብና ዜብርህ ኰዀብ ጽባሕ ከኣ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ (ራእ 22፡16)። ስለ’ዚ ብጸልማት ናይ’ዛ ‘ንነብረላ ዘለና ዓለም ተዋሒጥና ኸይንተርፍ፡ እዚ ኰዀብ ጽባሕ’ዚ ኣብ ልብና ሓዲሩ ኸም ዘሎ ነረጋግጽ። ገና ኣብ ጸልማት ዘለና እንተ ዄንና ኸኣ፡ “ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ንቓሕ’ሞ፡ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ’ዩ።” ዚብል ቃል ተስፋ ተዋሂቡና ኣሎ (ኤፌ 5፡14)። ኣብ’ታ ጐይታና ብኽብሪ ዚግለጸላ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ ናብ’ቲ ዘለኣለማዊ ብርሃኑ ምእንቲ ኽንኣትው ኣብ’ዛ ጸልማት ዓለም’ዚኣ ብብርሃኑ ብርሃን ኴንና ኽንመላለስ ይግብኣና።
“ከም’ቲ ኸዋኽብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል’ዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ’ዚ፡ እንታ ዘይብሎምን ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎምን ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም ኣብርሁ፡ (ነዚ ምግባር እትኽእሉ) ኸኣ ነቲ ህይወት ዚህብ ቃል ኣጽኒዕኩም ብምሓዝ’ዩ። በታ ክርስቶስ ዚመጸላ መዓልቲ ኸኣ (ብዛዕባኹም) ንኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይጸዓርኩን ክምካሕ’የ።” ፊሊ 2፡15,16 ካ.ት
ጐይታና ብርሃን ወንጌል ብምሃብ ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዓዲሙናን ኣኽቢሩናን ኣሎ። ንሕና ድማ ዕድሚኡ ኣኽቢርና፡ በቲ ዝኸስተልና ብርሃን ክንኣምንን ክንመላለስን ይግባእ። እዚ እንተ ገበርና፡ ካብ ጸልማትን ካብ ስቓዩን ንዘለኣለም ክንናገፍ ኢና።
እምበኣር ኵሉ ህይወትናን ኣካይዳናን ንመርምር’ሞ፡ እዚ ብርሃን ዚገልጽ መድሓኒ፡ ኣብ ህይወትና ምህላዉን ዘይምህላውን ነረጋግጽ። ብዘይ ክርስቶስ ካልእ ብርሃን የለን። ክርስቶስ ዘለዎ፡ ብርሃን ኣለዎ ጥራሕ ዘይኰነስ ንኻልኦት’ውን ዜብርህ ብርሃን ይኸውን። ድያብሎስ ዘለዎ ኸኣ ንርእሱ ጸልሚቱ፡ ንኻልኦት’ውን የጸልምት። ህይወት ምርጫ’ያ። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዀነ ኣብ’ቲ ዚመጽእ ዓለም፡ ኣብ ዘይዓርብን ዘይጽልምትን ብርሃን ምእንቲ ኽንነብር፡ ብክርስቶስ ንብራህ። ነቲ ግብሪ ጸልማት ዝዀነ ዅሉ፡ ካባና ብንስሓ ኣርሒቕና፡ ግብሪ ብርሃን ንግበር፡ ኣጽዋር ብርሃን ከኣ ንተዓጠቕ። ብናይ ጸልማት ምርጫና፡ ርእስና ኣይንጕዳእን ኣይነዋርድን ንብርሃን ክርስቶስ ህይወትናን ክብርናን ንግበሮ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
18 ለካቲት 2024 | የካቲት 10, 2016 ግዕዝ (መበል 23 ሰንበት: ቊ.፳፫/23) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፪(፻፪)፡፭,፮ “ዘያጸግባ እምበረከቱ ለፍትውትከ። ዘይሔድሳ ከመ ንስር ለውርዙትከ። ገባሬ ሣህል እግዚአብሔር።” “ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ’ዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር’ዩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ጢሞ 5፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1 ዮሃ 3፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡25-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ መሀሩነ እለ ቀደሙነ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ