“እታ ሃገር ንሕዝባ ባዕዲ ኮነት ነበርታ ከኣ ሓዲጎማ ከዱ።" 1 መቃብያን 1: 38
ዝበሎ ቅዱስ ጽሑፍና፥ ሕዝብና ይጠፍእ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ ይጸንት ኣሎ። ብብዝሒ ሓዘንን ሞትን ደንዚዙ። ወለዲ ዓዊሮም፥ ህጻናትና ዘኽቲሞም፥ ጉራዙትና ማእሚነን፥ መንእሰይ ኣያ ስኢኑ፥ ሃገር ጸኒታ፥ ሕዝብና ኣደዳ ሓዘንን ቁዝማን ድጉዓን ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ፍታሕ ዝርከብ ድማ ካብ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። ስለዚ: ኩለን እተን ኣብ ትሕቲ ቀኖናዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምእከላ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ጸሎተ ፍትሓት ክገብራ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። ኩሉ ሕዝቢ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ተረኺቡ፥ ናብ ኣምላኽ ጸሎቱ ከቕርብን ጸሎተ ፍትሓት ክሳተፍን ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።
መደብ ስርዓተ ጸሎት
ቀዳም ሚያዝያ 25, 2015 (17 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ግእዝ)
ጳጳሳት ኣብያተ ክርስቲያናት ኦሬንታል (ኤርትራ፥ ኢትዮጵያ፥ ግብጺ፥ ኣርመን፥ ሶርያን ህንድን) ኣብ ዝተረኽቡሉ ምስ ኩሎም ሰማዕታት ናይ ሕብረት ጸሎት ክግበር እዩ፣
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ንመላእ ሕዝቢ ኤርትራ፥ ናይ መጸናንዒ ቃልን ቡራኬን ካብዚ ቦታ ከመሓላልፉ እዮም። ኣብ www.tewahdo.org ክትከታተሉ ብትሕትና ንሕብር፣
ሰንበት ሚያዝያ 26, 2015 (18 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ግእዝ)
ኣብዚ ዕለት'ዚ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ ዝግበር ጸሎት በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይፍጸም፣
ጸሎተ ፍትሓት: ጸሎተ ፍትሓት ንኩሎም ዘማእከለ “ በእንተ እለ ኖሙ እግዚኣ ሕያዋን
ኣብ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱስ ጽሑፋት
2 ቈሮ 6: 4-10፣
1 ጴጥ 1: 1-12፣
ግብ 3: 17-21፣
ምስባክ:
እስመ በእንቲኣሁ ይቀትሉነ ኩሎ ኣሚረ ወኮነ ከመ ኣባግዕ፥ ዘይጠብሑ ንቃሕ እግዚኦ ለምንት ትነውም። መዝ. ፵፫፥ ፳፪-፳፫።
ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና። ጐይታየ፣ ተበራበር እባ፣ ንምንታይከ ትድቅስ፧ ኤረ ንቓሕ፣ ንሓዋሩ ኣይትደርብየና። (ዳዊት 44: 22-23)።
ቅዱስ ወንጌል: ዮሓንስ 16:13
ቅዳሴ: ብምኽንያት ወርሓ ትንሣኤ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ዝደረሶ (እምቅድመ ዓለም)
እግዚኣብሔር ንሕዝብና ምጽንናዕ ይልኣኽ ሓዘንና ይናዝዝ፣
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣሜርካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ