ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጥቅምቲ 10 ክሳብ 16 ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓድሩ መዝሙር፡ “ወመኑ መሃሪ ዘከማከ” ዚብል እዩ።” ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ። ጐይታና’ውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ወንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ “ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን” ዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን፡ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሚጡ ኺበልዕ ርእዮም ምስ ወቐስዎ፡ “ኣነ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ‘ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡’ ዚብል (ቃል) እንታይ ማለት ምዃኑ ኪዱ ተመሃሩ” ኢልዎም ኼብቅዕ፡ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ፡ ንሰባት ካብ ምፍራድ ኪናገፉ ፈጺሙ ኣይተኻእሎምን (ማቴ 9፡13)። ነዚ ቓል እዚ ጐይታ ዚጠቕሶ ዘሎ፡ ካብቲ ነብዪ ሆሴእ፡ “ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈትው መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ካብ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈትው።” ዝበሎ ትንቢታዊ ቓል እዩ (ሆሴ 6፡6)።
ዝዀነ ይኹን ሰብ ትርጉም ምሕረት ኪረድኦን፡ ምሕረት ንምግባር ዓቕሚ ኺረክብ፡ ንምሕረት ኣምላኽ ኣጸቢቝ ኬስተውዕሎ ይግባእ። ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ብህይወት ክንነብር ዝኸኣልና፡ ሳላ ምሕረት ኣምላኽ እዩ። ነብዪ ኤርምያስ፡ “ምሕረቱ ኣይተወድአን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ደጉ 3፡22)። በብሰዓቱ ብሓሳብ ብቓላት ይኹን ብግብሪ እንፍጽሞ ሓጢኣት ማእለያ የብሉን። ንድምር ሓጢኣትና ዘይኰነ ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣትና ንበይና’ውን ፍርዳ፡ ዘለኣለማዊ ሞት እዩ (ሮሜ 6፡22,23)። ንሓንቲ ኣበሳ ዓስባ ኣብቲ ቐላይ ሓዊ ብዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ክትነብር እንተ ዀይኑ፡ ብስጋ’ውን ብህይወት ክትነብር ፍጹም ኣይምተገብአን ነይሩ። እንተ ዀነ እግዚኣብሄር ነቲ ቝጥዓኡ ብምሕረቱ ሳላ ዝገትኦ ግና ብህይወት ክንጸንሕን፡ ንንስሓ ዚኸውን ኣኺሉ-ዚተርፍ ጊዜ ኽንረክብን ኣኽኢሉና ኣሎ። ብነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ፡ “ስለ ሰመይ ኢለ ቝጥዓይ ኣደንጕ፡ ከየጽንተካ ድማ፡ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣለኹ።” ብምባል ብኸመይ ብህይወት ክንነብር ኸም ዝኸኣልና ገሊጹልና እዩ (ኢሳ 48፡9)። እግዚኣብሄር ብሳህሉን ብምሕረቱን ምኽላል እዩ ንህይወትና ኻብ ጥፋኣት ዚብጀዋ (መዝ 103፡4)። ናይ እግዚኣብሄር ሰናይነት ድማ በቲ ብዙሕን ዘለኣለማውን ምሕረቱ እዩ ዚግለጽ (መዝ 106፡1)። ነብዪ ሚክያስ “ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ ኣበሳ ዚሓድግ፡ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፡ ምሕረት እዩ ዚፈትው እሞ፡ ኩራኡ ንዘለኣለም ኣይዓቍርን እዩ። መሊሱ ይርሕርሓልና፡ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ትድርብዮ። ነቲ ኻብ ዘመን ጥንቲ ጀሚርካ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፡ ሓቂ ንያእቆብ፡ ምሕረት ከኣ ንኣብርሃም ክትገብረሎም ኢኻ።” ብምባል ንምሕረት ኣምላኽ ብኽብሪ ገሊጽዎ ኣሎ (ሚል 7፡18-20)። ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም’ውን፡ “ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። . . . ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ” ብምባል ክብሪ ምሕረቱ ገሊጻትልና ኣላ (ሉቃ 1፡50,54,53)። እግዚኣብሄር ምሕረቱ እንተ ዚርስዕ እንተ ዘይዝክር ግና፡ እስራኤል ዚበሃል ህላወ ፈጺሙ ኣይምሃለወን ነይሩ።
እግዚኣብሄር ኪፈጥረና ከሎ ብመልክዑን ብምስሉን እዩ ዝፈጠረና። እግዚኣብሄር ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ከምዚ ናትና ኣካላዊ ቕርጺ የብሉን። መልክዕን መንነትን ናይ ኣምላኽ ኣብቲ ተወራስን ዘይተወራስን ባህርያቱ እዩ ዚንጸባረቕ። ንሕና መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዚህልወና ድማ ካብቲ ተወራሲ ባህርያቱ ተኻፈልቲ ምስ እንኸውን እዩ። ካብቶም ክንወርሶምን፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ከነንጸባርቖምን ከነተግብሮምን ዚግባና ባህርያቱ፡ ምሕረት እቲ ቐንድን ኣውራን ባህርይ እዩ። እቲ ጐይታ ንፈሪሳውያን፡ ካብ ኵሉ ትሕዝቶኦም ዕሽር ስለዜውጽኡን፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኸም በዓል ምሕረት ዝኣመሰሉ ኣውራ ነገር ስለ ዚሓደጉ፡ “ወይለኹም” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ (ማቴ 23፡23)። ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣውራ ነገር ሓዲግካ’ሞ ናበይ’ዩ ኺእተው፧ ቃል እግዚኣብሄር፡ “ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ኺብለና ከሎ፡ ንምሕረትን ነቶም ኻልኦት ተወረስቲ ባህርያት ኣምላኽን ማለቱ ምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እምበኣርሲ ከም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ዄንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ቈሎ 3፡12 ኤፌ 4፡24)። እምበኣር ካብቶም ዝበለጹ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዜማዕርጉናን ናብ ሕርየት ዜብቅዑናን መንፈሳውያን ኣልባሳትና ሓደ፡ ምሕረት እዩ። ንበዳሊኡ ምሕረት ዘይገብር ሰብን ምሉእ ብምሉእ ዕርቃኑ ዝወጸ ሰብን ዝዀነ ይኹን ፍልልይ የብሎምን። እቲ ዕርቃን ድማ ናይ ስጋ ዘይኰነስ ናይ ነፍሲ ዕርቃን ምዃኑ ኪዝንጋዕ ኣይግባእን። ዕርቃን ስጋ፡ ሰበ ጥራሕ’ዩ ዚርእዮ። ዕርቃን ነፍሲ ግና እግዚኣብሄር’ዩ ዚርእዮ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ “ጥራዩ ምእንቲ ከይከይድ ንሕፍረቱ’ውን ከይርእይዎ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑ’ውን ዚእርንብ ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉና ኣሎ (ራእ 16፡15)። ምኽንያቱ፡ ንበደልትና ምሕረት ምግባር ምስ ኣበና፡ እቲ ኸሊሉናን ሸፊኑናን ዝነበረ ምሕረት ኣምላኽ ካባና ይቕንጠጥ እሞ፡ እቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝረስዖ ሓጢኣት ይዝከርን ይቕላዕን ማለት እዩ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚርና ድማ ካብ ደቂ ምሕረት ናብ ደቂ ቝጥዓ ከም እንልወጥ ኣይንዘንግዕ። ስለዚ ንሰብ ምሕረት ክንከልኦ ኸለና፡ ነቲ ለቢስናዮ ዝጸናሕና ምሕረት ኣምላኽ ንቕንጥጦ ምህላውና ንገንዘብ። ስለዚ ነቲ በዳሊና ምሕረት ብምኽላእ ዝጐዳእናዮ እናመሰለና፡ ብኣንጻሩ ንገዛእ ርእስና ንዘለኣለማዊ ጉድኣት ኣሕሊፍና ንህባ ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። እግዚኣብሄር ብዘይውዳእ ምሕረት ዚናብየና ዘሎ፡ ካብቲ ኣምላኻዊ መሓሪ ባህርዩ ኽንካፈል ስለ ዚደልየና እዩ። ስለዚ እቲ ብምሕረት ኣምላኽ ኪኽለል ዚደልይ ሰብ፡ ንበደልቱ ብምሕረት ኪሓቍፍ ይግብኦ። ብኣንጻሩ እቲ ጥፍኣቱ ዝተበርሆ ሰብ ድማ፡ ንበደልቱ ምሕረት ምግባር ብምእባይ ቍጥዓ ኣምላኽ ናብ ልዕሊኡ ይጽውዕ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ሓቂ ኸምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምሕረት ካብ ዘይምግባር ዚኸፍእ ዕሽነት ኣሎ ኺበሃል ምተኻእለዶ፧ ጐይታና “መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” ኢሉ ብንጹር ነጊሩና እዩ (ማቴ 5፡7)። ደቀ መዛሙርቱ፡ “ጸሎት መሃረና ኢሎም ምስ ለመንዎ፡ እታ ቅድመ ዅነታዊ ማሕንቖ ዘለዎ ናይ “ኣቡነ ዘበሰማያት” ጸሎት መሃሮም። ኣብ “ኣቡነ ዘበሰማያት” እታ እንኮ ቕድመ-ዅነታዊ ረቛሒት ምሕረት እያ። ኣቡነ ዘበሰማያት ንመሓርቲ ጥራይ ዝተሰርዐ ጸሎት እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ውሽጣ፡ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና” ዚብል ትሕዝቶ ኣለዋ። ንዝበደልዎ ምሕረት ዘይገበረ ሰብ፡ ናብ ኣምላኽ ኪጽልይ እንተ ፈተነ፡ ክልተ ዓበይቲ በደላት እዩ ዚፍጽም። እቲ ቐዳማይ በደል፡ በደል ብጾቱ ኸይሓደገ ኸሎ፡ ከም ዝሓደገ ዀይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምሕሳው እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዝሓሰውዎ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕስው፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ . . .ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገር’ዚ ብልብስኻ ሓሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሶኻን”ብምባል ገኒሕዎም እዩ (ግብ 5፡3,4)። ስለዚ ነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብድፍረት ብጸሎት ዚሕስው፡ ብድፍኢትን ምርሒትን ናይ ሰይጣን እዮም ዚገብርዎ። ምኽንያቱ ጐይታ፡ “(ሰይጣን) ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ’ሞ፡ ንሓሶት’ውን ኣቦኣ እዩ።” ኢሉ ኣነጺሩልና እዩ (ዮሃ 8፡44)። እቲ ኻልኣይ ኣበሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘሎና ድፍረትን ንዕቀትን እዩ። እግዚኣብሄር ልብን ኵላሊትን ዚምርምር፡ ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ምዃኑ እናፈለጥካ፡ ንበደልትኻ ምሕረት ዘይገበርካ ኽነስኻ፡ “ኣነ ንዝበደሉኒ በደሎም ሓዲገሎም እየ’ሞ በደለይ ሕድገለይ” ኢልካ ኻብ ምጽላይ ዚኸፍእ ድርቅናን ንዕቀትን ኪህልው ኣይክእልን እዩ። ኣቦና ቕዱስ ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዅሪ፧” ኸምዝበለ፡ ምሕረት ከይገበረ ጸሎት ኪገብር ዝደፈረ ሰብ፡ በቲ ንኣምላኽ ኸነሐጕሰሉ ዝተሰርዐ ጸሎት ንኣምላኽ ኬሕዝንን ኬቘጥዕን ዝተዓጥቀ ሰብ እዩ (መዝ 80፡4)። ኣቦታትና’ውን “ቂም ሒዝካ ጸሎት፡ ቁም ነገር ሒዝካ ተረት” ብምባል መካይዲ ዘይምዃኑ ገሊጾምና እዮም።
ኣቦና ቕዱስ ዳዊት፡ ነቲ ብቕንኢ ዜሳድዶ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ዘርኣዮ ምሕረት፡ ብኣምላኽ “ዝከም ልበይ” ኪበሃል ከም ዘብቅዖ ቓል እግዚኣብሄር ገሊጹልና ኣሎ። ምሕረት፡ ካብ ሕነ ምፍዳይ ንላዕሊ ነቲ በዳሊና ከም ዚረትዖን ከም ዚማርኾን ዘርኣየ ፍጻመ ድማ እዩ። ንጉስ ሳኦል ዳዊት ምሕረት ከም ዝገበረሉ ምስ ፈለጠ፡ ብሕልናኡ ተረቲዑ ዓው ኢሉ ድሕሪ ምብካይ፡ “ኣነ ኽፉእ ንዝገበርኩኻ፡ ጽቡቕ ጌርካስለይ ኢኻ’ሞ ንስኻ ካባይ ትጸድቕ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ኽነሱስ፡ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ፡ ንስኻ (ምሕረት) ከም ዝገበርካለይ ሎሚ ኣርኤኻ። ሰብ ንጸላኢኡ ምስ ዚረኽቦስ፡ ብደሓንዶ ይኺድ ይሓድጎ እዩ፧ ስለ (ብዛዕባ) እዚ ሎሚ ዝገበርካለይ (ምሕረት) እግዚኣብሄር ጽቡቕ ይፍዴኻ” ክሳዕ ምባል በጽሐ (1ሳሙ 24፡17-19)። ስለዚ ንበዳሊኻ ምሕረት ምግባር፡ ንጸላኢኻ ናብ ንስሓ ዚድርኽ ብምዃኑ፡ እቲ ዝበለጸ ናብ ዓወት ዜብጽሕ መንፈሳዊ ኣጽዋርና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ነቲ፡ “ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፡ ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑም ኣምላኽ ክሰግድ እየ፡” ኢሉ ዝሓተተ ሰብ፡ “ኣታ ሰብ፡ ንሱ ሰናይ ዝበለ ኣፍለጠካ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ ቕንዕና ኽተገብር ምሕረት ከኣ ክትፈትው፡ ምስ ኣምላኽካ’ውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ (እግዚኣብሄር) ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ዚብል ንጹር መልሲ’ዩ ዝተዋህቦ (ሚክ 6፡6-8)። መንግስቲ ኣምላኽ እምበኣር፡ ነቶም ምሕረት ኪቕበሉ ዚጽልዩ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ምሕረት ኪገብሩ ዚፈትው ጥራይ እያ እትብጽሖም እሞ ምሕረት ምግባር ንፍተው። ካብ ዝዀነ ዓይነት መስዋእትን ኣገልግሎትን ህያባታን ንላዕሊ ዚፍተወልና ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ብፍታውና ተማቐልቲ ናይቲ መሓሪ ባህርዩ ብምዃን ንቕድስቲ ስላሴ ንምሰል። ብምሕረት ሃብታማት ንኹን።!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ