ንግሆ ሓሙስ 13 ሰነ 2019፥ ንሓሙሽተ መነኰሳት ገዳም ደብረ-ቢዘን መንግስቲ ከምዝኣሰሮምን ከም ካልኦት እሱራት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ ከምዘየለን ተሓቢሩ። እቶም ዝተኣስሩ መነኰሳት፣
ገዳም ደብረ ቢዘን ምስ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኮይኑ መንግስታዊ ምትእትታው ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ብትሪ ዝዀነነ፥ ነቶም ምስ መንግስቲ ሽርክነት ዝኣተዉ ጳጳሳትውን ብውግዘት ዝፈለየን ዝገዘተን ገዳም እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢዱ ከምዘየእቱ፥ ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ከምዘይኣሰሮምን ክኽሕድ እኳ እንተጸንሐ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኣገልገልታን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበን ዘቃልዕ መዛግብቲ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሑ ኣሎ። ምእሳር ናይዞም ገዳማውያን ኣቦታት እምበኣር መቐጸልታ ናይቲ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንምቑጽጻር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐን ዘካይዶ ዘሎን ኣረሜናዊ ተግባራቱ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ስለ እዞም ኣቦታት መነኰሳትን ስለ ሃገርና ኤርትራን ናብ ኣምላኽ ጸሎት ከዕርግ በዚ ኣጋጣሚ ሓደራ ንብል።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ