ናብ ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፡ ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንየካቲት (February 2, 2019) ናይ ኣዴና ቅ. ድንግል ማርያም ዕረፍታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ምኳኑ ክንገለጽ ንፈቱ።ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓል ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተኻፈልቲ በረኸታ ክትኮኑን።
ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ መድኃኔ ዓለም ብኣማላድነት ቅ. ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን፡ ካብ ኩለ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎትን ምህለላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ፋ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕጸን።
ትንሣኤ ዝብል ቃል ኣብ ንሰምዓሉ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ማእከል ምውታን ብኽብሪ ዝተንሰአ ኢየሱስ ናዝራዊ ምኻኑ'ዩ። ነዚ ዓቢ ክብሪ ንምዝካር ድማ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ዘመነ ትንሳኤ ብምባል ንሓምሳ መዓልቲ ዝኣክል ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ሓምሳ ማለት በዓለ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ መቅደሳ "ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን በዓብይ ኃይል ወስልጣን" እንዳበለት ከም ዝተንሰአ: ምድሓንን ሠላምን ኣብ ማእከል ሕዝቡ ከም ዝገበረን ትእውጀሉ ወርሓት ድማ እዩ።
ንቡር ከይተርፍ ሲኖዶስ ኢለ ክጽውዖ። እምበር፤ ሲኖዶስ ኢዩ ክትብሎ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ኣቃዉማን ስርዓትን የብሉን። ገዛእ ፓትርያርኩ ንበላዒ ኣሕሊፉ ዝሃበ፤ ርእሱ ዘዘቅንዐ ኣገልጋሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዉርዉር እኮ ኢዩ ሲኖዶስና።
“ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም (መንፈስ ቅዱስ) ንሱ ኣፍሰሶ።” ግብ 2፡33 (ነህ 9፡20)
እግዚኣብሔር እንቋዕ ልጓመ ጾም ፈትሓልና።
ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ሓጢኣትና ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።
እግዚኣብሔር ንቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ብጥዕና ይሓልወልና፥
እግዚኣብሔር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት።
ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኦሬንታል፥ ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጦንዮስ ንዝወሰዶ ውሳኔ ብትሪ ነጺግዎ
መልእኽቲ ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን – ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡
መልእኽቲ ካብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ– በቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሲኖዶስ ኣይንምራሕን ኢሉ ነጺግዎ
ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ብዝጸንሐ መደብ መሠረት፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 16-21/10/2018 ኣብ ሃገረ-ስዊስ፥ ሓዋርያዊ ተልእኮ ክፍጽሙ ቀንዮም።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን መበል 12 - ክፋል
ከምዚ ኢለ ድማ ምስ ሞፌድ፥ ኣብ ነዊሕ ናይ ተመስጦ ዕላል ኣትየ ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ። እታ ተፈታዊት ዝኾነት ሳሚያ መጸት’ሞ፥ ሕቝፍ ኣቢላ ከኣ ሰዓመትኒ። ሳሚያ ንዓይ መቸም ከም ኃውትን ኣደን ዝርእያ ሰብ’ያ። እቲ ምስኣ ምርኻበይ ድማ፥ ፍሉይ ሓጎስን ደስታን’ዩ ክስመዓኒ ዝኸኣለ። ከምዚ ዝበለ ናይ ሓጎስ ስምዒት ድማ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረኒ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከኣ፥ ቃላት ክገልጹዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ’ዩ እንተበልኩ፥ ንምግናን ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ኣይኮነን።
ግድን ስለ ዝኾነና ደኣምበር፥ ዮፍታሔ ዝብል ስም ክለዓልኮነ ክዝከር እንደልዮ ስም ኣይኮነን። በዓል ኣርዮስ, ንስጥሮስ,ኣውጣኪ, መቅደንዮስ’ውን እኮ፥ ስሞም ክዝክሮ ዝደሊየልቦን። ሰይጣን’ውን ከምኡ ክዝከር ዝድለ ኣይኮነን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ