ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክውዳእ ዘይክእል ጸጋ-ምሕረት ረኺብና ኢና። ማቴ 5፡7
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክልካዕ ዘይክእል ጸጋ-ፍቕሪ ረኺብና ኢና። ዮሓ 3፡16
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክመውት ዘይክእል ጸጋ-ሕይወት ረኺብና ኢና። ዮሓ 11፡25
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክድምሰስ ዘይክእል ጸጋ-ጽድቂ ረኺብና ኢና። 1ዮሓ 3፡7
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክርበሽ ዘይክእል ጸጋ-ሰላም ረኺብና ኢና። ዮሓ 14፡27
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክህወኽ ዘይክእል ጸጋ-ዕረፍቲ ረኺብና ኢና። ማቴ 11፡29
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክጠፍእ ዘይክእል ጸጋ-ሓጎስ ረኺብና ኢና። ዮሓ 16፡22
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክጎድል ዘይክእል ጸጋ-ክብሪ ረኺብና ኢና። 2ቆሮ 4፡17
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክጽልምት ዘይክእል ጸጋ-ብርሃን ረኺብና ኢና። ዮሓ 1፡5
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክደክም ዘይክእል ጸጋ-ብርታዐ ረኺብና ኢና። ፊሊ 4፡13
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክረክስ ዘይክእል ጸጋ-ቅድስና ረኺብና ኢና። 1ጴጥ 1፡16
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክጥረሽ ዘይኽእል ጸጋ-በረኸት ረኺብና ኢና። 2ቆሮ 9፡10
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክሽየጥ ዘይክእል ጸጋ-ጥበብ ረኺብና ኢና። ኤፈ 1፡8
ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክሃስስ ዘክእል ጸጋ-ተስፋ ረኺብና ኢና ። ሉቃ 18፡1
እምበኣር ነቲ ናብ ክብሩን ሕያውነቱን ዝጸውዓና ብምፍላጥ ኩሉ እቲ ንሕይወትን መንፈሳውነትን ዜድልየና ሂቡና ኣሎ። በዚ እታ ክብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና። ስለዚ ብኹሉ ትግሃት እናተጋደልኩም፡ ኣብ እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ፥ ኣብ ሕያውነትውን ፍልጠት፥ ኣብ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፥ ኣብ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፥ ኣብ ዓቕሊውን መንፈሳውነት፥ ኣብ መንፈሳውነት ከኣ ሕውነት፥ ኣብ ሕውነት ከኣ ፍቕሪ ወስኹ። እዚ ነገር እዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኬፍልጠኩም እዩ። 2ጴጥ 1፡5።
ጸጋን በረኸትን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልና ይኹን
ዕዝራ ጸሓፊ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ