እዚ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ “ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ዋና እቲ ኣታኽልቲ ነቲ ሕርሻ ዜድልይ ኵሉ ድሕሪ ምድላው፡ ነቲ ኣታኽልቱ ዚከናኸኑ ሓረስቶት ረኺቡ፡ ብመገስ ሂብዎም ናብ መገሻኡ ኸደ። መገስ ማለት ርብዒ ሲሶ ወይ ፍርቂ ናይቲ እቶት እናወሰዱ ኼገግልዎ ዚግበር ስምምዕ ማለት እዩ። እቲ ወይኒ ፍረ ዚህበሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ብጽሒቱ ኼምጽኡሉ ባሮቱ እንተ ለኣኸ፡ እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቶም ኪገብርዎ ስለ ዝደለዪ፡ ነቶም ልኡኻት ንገሊኦም ወቒዖም ስጐጕዎም ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም። እቲ በዓል ኣታኽልቲ፡ “ንወደይሲ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑ” ኢሉ እንተ ለኣኾ ድማ፡ እቲ ርስቲ ንሓዋሩ ናታቶም ኪኸውን ኢሎም፡ “እዚ እቲ ወራሲ እዩ።
ንዑ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሓዝ።” ብምባል ቀተልዎ። ጐይታ ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ ነብያትን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣይሁድን እዩ ዝመስሎ። እቶም ዝተቐትሉ ባሮት፡ ነብያት እዮም። እቲ ዝተቐትለ ወዱ ድማ ጐይታ ባዕሉ እዩ። ስለዚ ንእኡ’ውን ኪቐትልዎ ምዃኖም’ዩ ዝነገሮም። ብዛዕባኦም ይዛረብ ከም ዘሎ ስለ ዘይተሰቈሮም ግና፡ “እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓየይቲ እቲኣቶም እንታይ ኪገብሮም’ዩ፧ ኢሉ ምስ ሓተቶም ንሳቶም ከኣ፡ “ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም።” ኢሎም ኣብ ርእሶም ፈረዱ። ንሱ ድማ ኣስዒቡ፡ “ስለዚ ኸኣ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትወሰድ ፍሪኣ ንዚፈርይ ህዝቢ’ውን ክትወሃብ እያ፡ እብለኩም ኣለኹ።” ኢሉ ኣብ ገዛእ ርእሶም ከም ዝፈርዱ ኣረጋገጸሎም።
ካብዚ ምስላ እዚ እምበኣር፡ ክልተ ኣገደስቲ ትምህርቲ ኢና እንመሃር። እቲ ቐዳማይ፡ እቲ እነፍርዮ ፍረ፡ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ፍረ ኪኸውን ከም ዚግብኦ ዚገልጽ ኰይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ነቲ ፍረ ኣብቲ ግቡእ ጊዜኡ ኽንፈርዮ ኸም ዚግብኣና ዚገልጽ ትምህርቲ እዩ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ትርኢቱ ዀነ ሕብሩ ጽቡቕ ፍረ እናፍረየ ኽነሱ፡ ካብ ዓንዴል ዚመርር ካብ ለሚን ንላዕሊ ዚመጽጽ ፍረ ይርከብ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ተኽሊ ወይኒ ዋላ ማእለያ ዘይብሉ ፍረ እንተ ኣፍረየ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ ኪጐሓፍ እንተ ዘይኰይኑ ፈጺሙ ኺልከፍ ኣይክእልን እዩ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኵርባ ነበሮ። ኰዓቶ፡ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኦ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ድማ ተኸለሉ። ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉ። ዘቢብ ኬፍሪ’ውን ተጸበየ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ። . . . እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ። ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ ‘ዘቢብ ኬፍርይ እዩ’ ኢለ እናተጸቤኽዎስ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ፧” ኢሉ ዝተዛረቦ ቓል፡ ዝዀነ ዓይነት ፍረ ምፍራይካ ዘይኰነስ፡ እቲ ተኻሊ ዚጽበዮ ዓይነት ፍረ ምፍራይካ ኸም ዜገድስ ዚገልጸልና እዩ (ኢሳ 5፡1-4)። እዚ ተኽሊ ወይኒ፡ “በቲ ግራት እዩ ተጐዲኡ” ኸይበሃል ኣብ ፍርያም መሬትዩ ተተኺሉ። ሰራውሩ ኸየሰፋሕፍሕ ተዓንቂፍ፡” ኸይንብል ድማ፡ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ንዅሉ ዓንቀፊ ኣእማን ኣርዩ ኣውጺኡሉ እዩ።” ዓይነት ዘርኡ እዩ ዘይጠዓየ” ኸይበሃል ድማ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዘመስከረ ሕሩይ ዓይነት ዘርኢ እዩ ዝተተኽለ። ማይ ከም ዝወሓደ፡ ሓሳኹ ኸም ዘጥቅዕዎ ዚገልጽ ካልእ ሓበሬታ ድማ ኣይተዋህበናን። እዚ ተኽሊ ወይኒ እምበኣር ብዙሕን ብሉጽን ዓይነት ፍረ ኻብ ምፍራይ ኪዕንቅጾ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ምኽንያት የብሉን። ይትረፍ ዘይነበሮ ምጸት ኬምጽእ፡ ዋላ ውሑድ ፍረ ኼፍሪውን ኣይግብኦን እዩ።
ንሕና ድማ ንኣምላኽ ከምኡ ንዀኖ ከም ዘሎና ነስተውዕል ደዀን ንኸውን፧ ንጽህቲ ክርስቶሳዊት ፍቕሪ ኽትህልወና እናተጸበየ ኸሎ፡ ብኣንጻሩ ብግብዝነት ብዝበዅዐት መጻጽ ፍቕሪ ኽንመላለስ ንርከብ (ሮሜ 12፡9)። እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ “ፍቕሪ፡ ካብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ” ኢሉና ኣሎ (1ጢሞ 1፡5)። ስለዚ ውሽጥኻ ብጕርሕን ብቕንእን ብግብዝነትን ተመሊኡ ኸሎ፡ ዕድሜኻ ምሉእ ከይተበኣስካ ፍቑራት መሲልካ ኽትነብር ይከኣል እዩ። እቲ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ዚደልያ ኣምላኽ ግና፡ እዛ ፍረ እዚኣ ናቱ ናይ መንግስቱ ፍረ ስለዘይኰነት ከም ፍረ ኺፈልጣ ኣይክእልን እዩ። ንሱ ነቲ ብላዕሊ ላዕሊ ዚረኣይ ተዋስኦ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሰራውር ናይታ ደጋዊት ፍቕሪ እዩ ዚርእይ። ከምዚ ዝዓይነቱ ፍቕሪ ንእኡ፡ ካብ ሞት ንላዕሊ ዝመረረ እዩ። እግዚኣብሄር ንመዓሙቕ ልቢ ኺምርምር ዘይክእል እንተ ዚኸውን፡ መንግስተ ሰማያት ማሕደር ግቡዛት ኰይና ምተረፈት ነይራ።
ብዙሓት ጸወምትን ጸለይትን መጽወትትን፡ ነቲ ዚገብርዎ መንፈሳዊ ተግባር ሰብ ምእንቲ ኺርእየሎም እዮም ዚገብርዎ። እዚ ማይ ብሑቕ እዚ ምስ ተሓወሶ፡ እቲ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዚኽእል ዝነበረ ሰናይ ተግባር፡ ከም ምኡዝ ሽታ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዜፈንፍን መስዋእቲ ዀይኑ እዩ ዚረኣይ። ነቲ ሰናይ ተግባርናስ ባዕላትና ኣበላሺናዮ ማለት እዩ። ፍረ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበረ ናብ ፍረ ገሃነም ይልወጥ።
ንፍረ ናይ ሓደ ሰብ መቐረቱ ጥራይ ዘይኰነ መጠኑ’ውን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዓሰርተ ኵንታል ኬፍርይ ዚግብኦ ግራት ሓንቲ ኵንታል ጥራይ እንተ ኣፍረየ፡ ነቲ ዝሃለኸሉ ሰብ ኣዝዩ መሪር ዘይወሓጠሉ ዅነት እዩ። እቲ ኣብ ጽቡቕ ግራት ዝወደቐ ዘርኢ፡ ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ ናይ ምፍራይ ተኽእሎታት ከም ዘለዎ ጐይታ ገሊጹልና እዩ። እቲ ሚእቲ ኼፍርይ እናኸኣለ ሰላሳ ጥራይ ዜፍርይ ኣብ ዓይኒ ጐይትኡ መጎስ ኣይረክብን እዩ። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ተኻሊ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ኣቦ፡ ነቶም ዘይፈርዩ ጨናፍር ቈሪጹ ናብ ሓዊ ምስ ኣፋነወ፡ እቲ ዚፈርይ ጨንፈር፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ ነቲ እኹል ፍረ ዘይፈርይ ንኡስ ጨናፍር ብምጽልጻል የጽርዮ። ምኽንያቱ ጐይታ ባዕሉ፡ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር ደቀ መዛሙርተይ’ውን ክትኰኑ ኢኹም።’ ኢሉና እዩ (ዮሃ 15፡1,2,8)። ስለዚ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ፡ ፍረ ናይታ ኣካላ ዝዀንና መንግስቲ ኣምላኽ ክንፈርይ፡ ክንጐስዮን ሸለል ክንብሎን ዘይንኽእል መንፈሳዊ ሓላፍነትና እዩ። ፍሬኣ ዘይንፈርይ እንተ ዄንና ግና፡ ምስቶም ብኽፉእ ዚጠፍኡ ክፉኣት ምስራዕና ዘይተርፍ እዩ።
እቲ ኻልኣይን ኣገዳስን ልዑል ኣቓልቦ ኽንህቦ ዚግብኣና ድማ፡ ኣብ ጊዜኻ ምፍራይን ነቲ ዋንኡ ምርካብን እዩ። ኣብዚ ምድራዊ ይኹን መንፈሳዊ ዓለም፡ ጊዜ ኣዝዩ ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ እግዚኣብሄር ንዅሉ ተግባሩ ኣብቲ ምዱብ ጊዜኡ ይገብሮ እምበር፡ ብሃውሪ ኣይገብሮን እዩ (ዘፍ 18፡17 ዘጸ 13፡10 መዝ 75፡2፣ 102፡13፣ 119፡126)። ንሕና’ውን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጠርና ሰባት ኢና እሞ ልክዕ ከም እግዚኣብሄር ንዅሉ ነገር በብጊዜኡ ኽንገብሮ እዩ ዚግብኣና። እቲ ኣብ መዓልታውን ምሉእን ዕድሜና ኽንፈርዮ ዚግብኣና ፍረ መንፈስን፡ ብኣገልግሎትና ኸነፍርዮም ዚግብኣና ሰባትን ዘይንፈርይ እንተ ዄንና፡ ጽባሕ ንግሆ እቲ ብፍሬና ጥራሕ ዚፈልጠናን ዜለልየና ኣምላኽ ኣይኪቕበለናን እዩ። ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጊዜን ኵነታትን ክትፈርዮ ዚግብኣካ ዓይነትን መጠንን ናይ ፍረ ኽትፈልጦን ከተፍርዮን ይግብኣካ ማለት እዩ። ንኣብነት ሰባት ቀሊል ይኹን ከቢድ በደል ኪብድሉኻ ከለው፡ እታ እዋን እቲኣ ትዕግስቲ ኽትፈርየላ ዝተሰርዓትልካ ጊዜ ምዃና ኣስተውዒልካ ኣብ እዋኑ እንተ ዘይተዓገስካ፡ ነቲ ኽትፈርየሉ ዝተዋህበካ ጊዜ ትኸስሮ ኣለኻ ማለት እዩ። ትዕግስቲ ሓዲግካ ብኣንጻሩ ኻዕበት እንተ መለስካን እንተ ተበኣስካን፡ ነቲ ኣባኻ ሰናይ ዘርኢ ዝዘርአ ኣምላኽ ናይ ሓጢኣት መጺጽ ፍረ ትፈርየሉ ኸም ዘሎኻ ተገንዘብ። ሰባት ኣዝዮም ኪጸልኡኻ ከለው፡ እግዚኣብሄር ነታ ክርስቶሳዊት ፍቕሪ እትፈርየሉን እተንጸባርቐሉን ኣዝዩ ምቹእ ሃዋህውን ጊዜን ሰሪዑልካ ኸም ዘሎ ምስትውዓል፡ ኣዝዩ ዓብይ መንፈሳዊ ብልህነት እዩ። ነዚ ውርቃዊ ዕድልን ጊዜን እዚ፡ ክትከስሮ እንተ መሪጽካ ግና፡ ናብቲ መኻን ዚገብር “ፈታዊኻ ፍተው፡ ጸላኢኻ ጽላእ” ዚብል ኦሪታውን ኣህዛብውን ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ትመርጽ ከም ዘሎኻ ተገንዘብ። ንበደል ሰባት ይቕረ ብምባል ምሕረት ክትፈርየሉ ንዚግባኣካን ንዝነበረ ጊዜ፡ ብቒምታ ንምቅጻልን ሕነ ንምፍዳይን እንተ ተጠቐምካሉ፡ ነቲ ኽቡር ትእዛዝ ኣምላኽን፡ ነቲ ህይወት ክትዕድገሉ ዝተዋህበካ ወርቃዊ ጊዜን ኣጋጣምን ብእግርኻ ክትረግጾ ምውሳንካ ኣስተውዕል። እተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል ዘይቲ ስለ ዘይነበረን ዘይኰነስ፡ እቲ ዚግባእ ዘይቲ ኣብቲ ግቡእ ጊዜ ቐሪበን ኪጸንሓ ብዘይምኽኣለን እየን፡ ኣብ ምድብ ዓያሱ ተመዲበን ንጥፍኣት ዝተፈርዳ። ናይ ዘይቲ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ጥራይ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ናብ ዕዳጋ ኸይደን ሸሚተን ምስ ተመልሳ፡ እቲ መርዓዊ ነቲ ማዕጾ ምኸፈተለን ነይሩ። ጊዜ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ ስለ ዝዀነ ግና፡ እቲ ድሒሩ ዝተፈጸመ ምልኣት ዘይቲ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ጐይታ ነታ ኽዳውንታን ቈጽሊ ስየን ኣንጺፉ ብዓብዪ ዓጀባ ዝተቐበለቶ ኢየሩሳሌም፡ “ኣየ ንስኺ በዛ መዓልትኺ፡ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ፡ ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። . . . ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥኪ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ እዮም።” ኢሉ ኸም ዘልቀሰካ ኣይንረስዕ (ሉቃ 19፡42,44)። ብዛዕባዕናኸ ጐይታ የልቅስዶ ይሕጐስ ይህልው፧ ኣብቲ ዝተዋህበና ዘመንን መዓልትን፡ ንሰላምናን ንምሕረትናን ዚኸውን ፍረ ነፍርይ ምህላውና ነረጋግጽ። ንሳቶም “ንእኡ” እናዘመሩሉ ኸለው፡ ንሱ ግና ንኣታቶም የልቅሰሎም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ሚዛን ዚደፍእ ድማ እቲ ናቱ መልቀስ እምበር እቲ ናትና ወኻዕታ ስለ ዘይኰነ፡ መዝሙርናን ካልእ ኵሉ ተግባርናን ንልቢ ጐይታ ምእንቲ ኼስምሮ፡ ክዳንና ዘይኰነስ ልብና ነንጽፈሉ፡ ንብዓቱ ዚደርዝ ፍረ ኣብ መዓልትናን ኣብ ዘመንናን ንፍረየሉ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ሕዳር 04, 2018 (ጥቅምቲ 25, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 80፡ 8-9 “ዐፀደ ወይን ኣፍለስከ እምግብጽ ሰደድከ ኣሕዛበ ወተከልከ ኪያሃ። ወፄሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ” “ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡ ሱር ሰደደት ምድሪውን መልኤት።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ሮሜ 11፡13-25 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ማቴ 21፡33-ፍጻ |
ራእ 12፡13-ፍጻ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ |
ግብ 11፡1-12 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ