S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕሜት እንተ ዘየሎኸኣ ባእሲ ይውዳእ

ዕንጨይቲ እንተ ተወድአ ሓዊ ይጠፍእ፥ ሕሜት እንተ ዘየሎኸኣ ባእሲ ይውዳእ! ምሳ 2620

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ፡- ዘሎናዮእዋን ሕሜታን ሓሶትን ዝበዝሖ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና። ኣብመጽሓፍ ቅዱስ ድማ 55 ግዜ ካብ ሕሜታ ተጠንቀቑ ዝብል ጥቕሲ ኣሎ። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ‘’ኣፍ ድማ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ሠናይ መዝገብ ልቡ ሠናይ የውጽእ፥ እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ የውጽእ’’ እናበለ፥ ኣፍና ካብ ምልኣት ልቢ ከም ዝዛረብ ብንጹር ኣብሪሁልና ንረኽቦ። በዚ መሰረት ሕሜትን ሓሶትን ካብ ክፉእ ኣእምሮን ካብ ጠዋይ ልብን ዝመጽእ ጎዳኢ ነገር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ንጉሥ ሰሎሞን ንሕሜታ ክገልጾ ከሎ ‘’ዘረባ ሓማዪ ከምጥዑም ኩላሶ ኢዩ፥ ሰብ ከኣ ተሓጕሱ ይውሕጦ’’ እናበለ ሕሜታ ከም ጥዑም መግቢ ንኹልሶ እኳ እንተ ኾነ ሓጢኣትን ጉድኣትን እንተዘይኮይኑ ካልእ ረብሓ ስለ ዘየምጽኣልና ክንጥንቀቐሉ ከምዝግብኣና ይሕብር። ምሳ 188


ሕሜታ ማለት ስም ሰብ ምጽላም፥ ንኣማኒኻ ምጥላም፥ ጽልኢምስዋር፥ ንሓቂ ምቕባር፥ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንዕዮ እግዚኣብሔርምጽራር ስለ ዝኾነ ኣፍና ክንምርቐሉ፥ ከነመስግነሉንክንሃንጸሉን ጥራይ ኢዩ ዝግባእ። ብዛዕባ ሕሜታ ብዝያዳክንፈልጦ ዝግብኣና ኣገዳሲ መልእኽቲውን ኣሎ። ንሱ ኸኣ ሕሜታነቶም ሰለስተ ሰባት ሒዛ ኢያ ናብ ኃጢኣት ተእቱ። ንሳቶም ድማነቲ ሓማዪ፥ ንሰማዕን ንተሓማይን ብርግጽ ክትጎድኦም ምዃናዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣንጻር ናይዚ ግና ጎይታና ኢየሱስክርስቶስ ባዕሉ ከምዚ እናበለ ሠናይ ምኽሪ ገዲፉልና ኣሎ። ‘’ኃውኻ እንተ በደለ፥ ኬድካ ንስኻን ንሱን በይንኹም ግንሓዮ፥እንተ ሰምዓካ ኃውኻ ረባሕካ፥ እንተ ዘይሰመዓካ፥ ክልተ ወይሰለስተ መሰኻኽር ምሳኻ ውሰድ። ንዓዓቶም እንተ ዘይሰምዖምግና ንቤተ ክርስቲያን ንገራ። ንቤተ ክርስቲያን እንተዘይሰምዓ ግን ከም ዘይንሳሕ ኃጢኣተኛ ቁጸሮ’’ ይብል። ማቴ 1815


ሓዋርያ ያዕቆብውን ‘’እንሆ ንእሽቶ ሓዊ ክንደይ ዓቢይ ዱርዘይተንድድ! ልሳንውን ሓዊ ኢያ። ናይ ክፍኣት ዓለም እያ። እታንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጉዕዞ ናይሕይወትውን እተቓጽል ኢያ። …. ብእኣ ጌርና ንጎይታናነመስግን፥ ብእኣ ጌርናውን ነቶም በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ።ግናኸ ከምዚ ኪኸውን ኣይግባእን። ያዕ 35-12 ብተወሳኺ ‘’እቲብልሳኑ ዘይሓሚ፥ ንመሓዝኡ ገለ ክፉእ ዘይገብሮ፥ ስም ብጻዩዘየጸልም ብጹዕ ኢዩ’’ይብል። መዝ 153 እምበኣር ክፉእ ካብምዝራብ ተኸልከል፥ ሓሶትውን ካብ ኣፍካ ኣይውጻእ። ካብ እከይርሓቕ፥ ሠናይ ከኣ ግበር። ንሰላም ድለያ ስዓባውን ይብል። መዝ3413 ስለዚ እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዓይንና ዘሎ ጉንዲኣውጺእና ኣብ ዓይኒ ሓውና ዘሎ በሰር ምእንቲ ከነውጽእብቐዳምነት ንግብርናን መንነትናን ንመርምር። ብጸለመንሕሜታን ዕንወት ደኣ እምበር ዝርከብ በረኸት ፍጹም የልቦን።


ካብ ሕሜታን ሓሶትን ክንርሕቕ ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና።


ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div