“ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ‘መምህር፡ ዕውር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧’ ኢሎም ሓተትዎ።”ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ’ዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ፡ . . . ኢሉ መለሰሎም።” ዮሃ 9፡2, 3.
ጐይታና ምስ ኣይሁድ ከቢድ ምጕት ገጢሙ ጸኒሑ ካብ ቤት መቕደስ ወጺኡ እናኸደ ኸሎ፡ ኣብ መንገዱ ሓደ ብዕውሩ ዝተወልደ ብልማኖ ዚናበር ሰብ ኣጓነፎ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዕውሩ ምውላዱ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ “እዚ ሰብ እዚ ብናይ መን ሓጢኣት እዩ፡ ኸምዚ ዝበለ ኸቢድ ጸበባ ወሪድዎ፧” ዚብል ሕቶ ኣብ ውሽጦም ይመላለሶም ነበረ። ብጥቕኡ ኺሓልፉ ኸለው፡ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልቦም ኰይኑ ዚሓቕዮም ዝነበረ ሕቶ ዚምለሰሉ ጊዜ ኸም ዝኣከለ ተሰሚዕዎም፡ እታ ሕቶኦም ንጐይታ ኣቕረቡሉ። ጐይታ እኳ በቲ፡ “መምህር ዕውር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፧ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧” ዚብል ሕቶኦም ከይተገረመ ኣይተርፍን እዩ። እቲ ቐዳማይ ንሕቶኦም ዜገርም ዚገብሮ፡ ከይተወልደ ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ከሎ ኺብድል ከም ዘይክእል ዘይምሕሳቦም እዩ። ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል ብዑረት ኬቕጽዖ ዚኽእል በደል ኪገብር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ምስ ዓይኑ ዚውለድ ህጻን ኣይምሃለወን ነይሩ።
እቲ ኻልኣይ ንሕቶኦም ኣገራሚ ዚገብሮ ድማ፡ ሕማም ዝዀነ ዅሉ ብሰሪ ሓጢኣት ከም ዚመጽእ ምሕሳቦም እዩ። እግዚኣብሄር ንዝበደለ ሰብ ብሕማም ዚቐጽዕን ዚመልስን ኣምልኽ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዝሓጥእ ዘበለ ኵሉ ግና ብሕማም ኣይቀጽዕን እዩ (እዮ 33፡17-22)። ንሕና’ውን ኣብ ገዛእ ሰብነትና ኣብ ኣባል ስድራ ቤትና ወይ ናይ ቀረባ ፈታዊና ስቓይ ዘለዎን ንሞት ዜስግእን ስንክልና ዜስዕብን ሕማም ኬጓንፈና ኸሎ፡ ብሓሳባትና ጥራይ ይኹን ብዘረባና፡ “እዚ ኣምላኽ እንታይ በዲለዮ እዩ በዚ ሕማም እዚ ዚወቕዓኒ፧” ኢና እንብል። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ናይ ምረትን ናይ ድፍረትን ቃላት ንምዝራብ እንቕስብ ሰባት’ውን ውሑዳት ኣይኰንናን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግና ድኹምን ዘይመንፈሳውን ኣተሓሳስባ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ንሓጢኣት ዘበለ ዅሉ ብሕማም ዚቐጽዕ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ሓጢኣትና ማእለያ ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ካብ ጸጕሪ ርእሲ ጀሚሩ ክሳዕ ጽፍሪ እግሪ ዚትንክፍ ኵሉ ዓይነት ሕማማት ኣብ ሓደ ሰብ ተከሲቶም እኳ ኣይምኣኸልዎን ነይሮም። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጥዑይ ዚበሃል ኣይምሃለወን ጥራይ ዘይኰነ ብህይወት ዚነብር ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ኣይምሃለወን ነይሩ። እግዚኣብሄር ብምሕረት እዩ ዜንብረና ዘሎ እምበር ብምጽብጻብ ኣይኰነን። ነቲ እንፍጽሞ በደላት ብትዕግስቲ ይሕለፍ ይሓድጎ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ንሓጢኣት ሸለል ከም ዝበሎ፡ ነቲ በዳሊ ድማ ከም ንጹህ ከም ዝረኣዮ ዜመልክት ኣይኰነን (ዘጸ 34፡5-7)። ንሱ ሕያዋይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብትዕግስቱ እናጾረ ብምሕረት ይቕረ እናበለ ብፍቕሩ ኪረትዓናን ኬቕንዓናን እዩ ዚመርጽ። ነዚ ሓቂ እዚ፡ ኣቦና ቕዱስ ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ መን (ብህይወት) ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ (መቕጻዕቲ ዘይኰነስ) ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ። ብዚብል ቃል ኣብሪሁልና ኣሎ (መዝ 130፡3,4)። ስለዚ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ብምሕረት እምበር ብቕጽዓት ኪመልሰና ኣይመርጽን እዩ። ንሕና ግና ብምሕረቱ ተዓጊሱ እንተ ጾረና፡ ብሓጢኣት ናይ ምቍምጣዕ ፍቓድ ዝሃበና መሲሉና፡ ጽዋእና ኽሳዕ ዚመልእ ነቲ ሓጢኣትና መመሊስና ኽንውስኸሉ ንርከብ። ንጉስ ሰለሞን፡ “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ’ሞ፡ ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልአ።” ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ (መክ 8፡11)። እንተ ዀነ፡ ነቲ፡ “ሓጥእ ሰብ ሚኢቲ ሳዕ እኳ ሓጢኣት እንተ ገበረ መዓልትታቱውን እንተ ኣንውሐ፡ ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ (ኣብ መወዳእታ) ሰናይ ከም ዚዀነሎም እፈልጥ ኣለኹ።” ዚብል ቃል ኣይንረስዓዮ (መክ 8፡12)። እንተ ዀነ፡ ሕማም ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ ግና፡ ነዚ ወርቃዊ ኣጋጣሚ እዚ ገዛእ ርእስና ንምምርማርን ህይወትና ንምቕናዕን ክንጥቀመሉ ይግብኣና። ካብ ስጋዊ ሕማም ሕውየት ካብ ምርካብ ዝዓበየ፡ እቲ ብምኽንያት ሕማምካ ንመንፈሳዊ ህይወትካን ኣካይዳኻን ምቕናዕ እዩ። እቲ ዝዓበየ ግብሪ ኣምላኽ ኸኣ ንሱ እዩ።
ጐይታና ንሕቶ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ብዕውሩ ከም ዝተወልደ” እምበር ብናይ ዝዀነ ሰብ ሓጢኣት ምኽንያት ከም ዘይዓወረ ገለጸሎም። እቲ ግብሪ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኼርእዮም ድማ ናብ ምድሪ ምራቑ ጡፍ ብምባል ጸብሪ ኣዳልዩ፡ ብእኡ ኣዒንቲ ናይቲ ዕውር ለኽዩ፡ ኣብ ቀላይ ሰሊሆም ኪሕጸብ ነገሮ። ንሱ ድማ ዝተኣዘዞ ብምፍጻም ሓውዩ ተመልሰ። ቅድሚ እታ መዓልቲ እቲኣ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ዝተፈወሰሉ ተኣምራት ተፈጺሙ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ ግብሩ እዚ ነቲ ውልቀ ሰብን ኣብ ከባቢኡ ንዝነበረ ህዝብን፡ ብድሕሪኡ ድማ ነዞም መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ነዚ ታሪኽ እዚ እንፈልጥ ሰባትን ምእንቲ ኼግህድ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም እዚ ሰብ እዚ ብዕውሩ ኺውለድ ፈቐደ። ብኣተሓሳስባ ሰብ ዓይነ ስውር ምዃን ከቢድ ወጽዓ እዩ። ብምኽንያት ዑረትካ ግብሪ እግዚኣብሄር ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ኪግለጸሉ ምኽኣል ግና ኣዝዩ ዓብይ ክብርን ረብሓን እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሓጺር ዕድመ ዑረትን ናይ እግዚኣብሄር ሓንቲ ግብርን ኪወዳደር ዘይክእል ዓብይ ፍልልይ እዩ ዘለዎ። ዅሉ ህዝቢ ዓለም ብዑረት እንተ ዚውቃዕ እኳ፡ ክብደቱ ኽንዲ ሓንቲ ግብሪ ኣምላኽ ኪኸውን ኢልካ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ ይትረፍ፡ ሕማም ሓደ ሰብ ወይ ሕማም ኵሉ ዘርኢ ሰብ፡ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ኵሉ ፍጥረትን፡ እዚ ዅሉ ብቢልዮናት ዚቝጸር ኣብ ህዋ ዘሎ ፍጥረትን ኣብ ሚዛን ኣምላኽ ተቐሚጡ ክንዲ በሰር እኳ ኸም ዘይኣክል ቃሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ኢሳ 40፡12-13)። ስለዚ ዋላ ሞትን ስንክልናን ዜስዕብ ሕማም ይኹን፡ ምስቲ ኣባና ኺገሃድ ዚድለይ ዘሎ ግብሪ ኣምላኽ ብምንጽጻር ክንርእዮን፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኣባና ኺገሃድ ዚደልዮ ዘሎ ግብሩ ኺገልጸልና ኽንምሕጸኖን እዩ ዚግብኣና። ካብ “ኣሕውየኒ” ኢልካ ምጽላይ ንላዕሊ፡ “ግብርኻን ክብርኻን ኣብ ህይወተይ ይገሃድ” ኢልካ ኽንጽልይ እዩ ዜሕሸና። ምኽንያቱ ዋላ ሎሚ ኻብቲ ሒዙና ዘሎ ሕማም እንተ ሓወና፡ እሾኽን ተዀርባን ኪበቝላ ኣብ ዝተረግመት ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ጽባሕ ንግሆ ብኻልእ ሕማም ምትሓዝና ዘይተርፍ እዩ። ከምቲ መሬት ብሰሪ መርገም ናይ ሓጢኣት፡ እሾኽን ዳንዴርን ዘብቈለት፡ ስጋናውን ብዙሕ ግራጫትን ኣእሻዅን ኬብቍል ተፈሪዱ እዩ። ሓደ ኻብቲ ብቐጥታ ብምኽንያት ሕማምና ዚገሃድ ግብሪ ኣምላኽ፡ ካብ ሕማምካ ምሕዋይ እኳ እንተ ዀነ፡ ልዕሊኡ ኽብሪ ዘለዎም ዓበይቲ ግብርታት ኣምላኽ’ውን ይገሃዱ እዮም።
1ይ. ንስሓ፦ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስሓ ናይ ሓደ ሓጥእ ንምልእቲ ሰማይ ብሓጐስ ከም ዚመልኣ፡ “ንስሓ ኻብ ዘይደልዮ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ፡ ሓጐስ ይኸውን እዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሉቃ 15፡6,10)። ንስሓ ድማ እቲ ዝዓበየ ግብሪ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ብሕማም ስጋ ኽንሓልፍ ኻብ ዚፈቕደሉ ምኽንያታት ሓደ፡ ንስሓ ኺህበና ስለ ዝደለየ እዩ። ገሊኡ ሰብ ነቲ ሓሳብ ኣምላኽ ኣስተውዒሉ ነቲ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ይቕበሎ፡ እቲ ኣብቲ ቓንዛ ናይቲ ሕማም እምበር ኣብቲ ግብርን ህያብን ናይ ኣምላኽ ኬቕልብ ዘይመረጸ ሰብ ድማ ነቲ ንስሓ ሓዲጉ፡ መሊሱ ኻልእ ሓጢኣት ኪውስኽ’ዩ ዚመርጽ።
2ይ. ባልሆት፦ እግዚኣብሄር ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ኪባልሃና ምስ ዚደልይ፡ ንሕማም ከም ክቡር ህያብ ኪህበና ይኽእል እዩ። ነቲ ቕዱስ ሃዋርያኡ ንጳውሎስ ፡ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ዘሪፉ ወሲዱ፡ ወዲ ሰብ ኪርእዮን ኪዛረቦን ዘይተፈቕደሉ ዓበይቲ ምስጢራት ምስ ገለጸሉ ፡ ሰይጣን ብትዕቢት ኪፍትኖ ይህንደድ ከም ዘሎን፡ ጳውሎስ ድማ ብናቱ ዓቕሚ ስጋ ነቲ ፈተና እዚ ኺስዕሮ ኸም ዘይክእል ስለ ዝፈለጠ፡ ኣብ ስጋኡ ሕማም ኪህቦ ወሰነ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ዕላማ ናይቲ ዝተዋህቦ ሕማም ምስ ተረድአ፡ “ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበይ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።” ኢሉ መስከረ (2ቈረ 12፡7)። ብትዕቢት ተወቒዕካ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም መናብርቲ ሰይጣን ካብ ምዃን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብኸቢድ ሕማም ስጋ ተሳቒኻ ምሕላፍ ኣዝዩ ይሓይሽ። ምኽርን ጥበብን ናይ ኣምላኽ ኣዝዩ ረቂቕን መስተንክርን እዩ።
3ይ. ግህደት ፍጽምና፦ እዚ ግብሪ ኣምላኽ እዚ ኣብ ኣቦና እዮብ እዩ ዝተጋህደ። ብዛዕባ ፍጹምነት ናይ ኣቦና እዮብ እግዚኣብሄርን ሰይጣንን ምስ ተኸራኸሩ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዮብ ምሉእ ፍልጠትን ምትእምማንን ስለ ዝነበሮ፡ ሰይጣን ብብርቱዕ ሕማም ኪፍትኖ ፍቓድ ሃቦ። ሰይጣን ድማ በቲ ኣሎ ዚበሃል ዝኸፍአ ሕማም፡ ብርቱዕ ስቓይ ዘለዎ፡ ብሰሪ ብርቱዕ ጨና ሰብ ኪፍንፍነካን ኪርሕቀካን ብዚገብር ሕማም ወቕዖ። ኣቦና እዮብ ግና “እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን (ኣባይ) ክሳዕ ዘሎ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይ’ውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ። . . . ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጉድለት (ካብታ ፍጹም) ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን። ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ብዛዕባ ሓንቲ እኳ ኣይክትነቕፈንን እያ!” ብምባል ነቲ ብኣምላኽ ዝረኸቦ ፍጹምነት ኣግሃዶ (እዮ 27፡3-6)። እግዚኣብሄር ንጽድቅኻ ኬድምቖ ንፍጹምነትካ ኼግህዶ ኺደልይ ከሎ፡ ነዚ ንሕና እንፈርሆን እንጸልኦን ሕማም ኪጥቀም ምምራጹ፡ ዜገርም ግብሪ ኣምላኽዶ ኣይኰነን፧ እዚ ዓቕሚ ጽሑፍና ስለ ዘይፈቐደልና ዝሰገርናዮም ብሕማም ዚገሃዱ ሓያሎ ኻልኦት ዓበይቲ ግብርታት እግዚኣብሄር ኣለው። ኣብ ሕማምና ዀነ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ማሕበራዊ ጸገማትና፡ ግብሪ ኣምላኽ ወይ ግብሪ ሰይጣን ኪገሃድ እንመርጽን እንውስንን ግና ንሕና ኢና። ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ምእንቲ ኺህበካ ኢሉ ብዘውረደልካ ሕማም ምንሳሕ እንተ ኣቤኻ፡ ካብ ሓጢኣት ምእንቲ ኺባልሃካ ኢሉ ብዘውረደልካ ሕማም ብዝበኣሰ እንተ ሓጥእካ፡ ናብ ፍጹምነት ኬዕብየካ ኢሉ ብዘውረደልካ ሕማም ቍልቍል ናብ ገሃነም እንተ ተነቘትካ፡ ሽዑ ሕማምካ ድርብ ወጽዓ፡ ንኣኻን ንኣምላኽን ዓብይ ክሳራ፡ ነቲ ብጉዳትካ ዚሕጐስ ሰይጣን ድማ ዓብይ ዓወት እዩ’ሞ፡ ኣብ ጊዜ ሕማምናን ጸገማትናን፡ ንሕናን ኣምላኽን ሓቢርና ምእንቲ ኽንከብር፡ ግብርታቱ ምእንቲ ኺገሃድ ብምስትውዓል ምስ ኣምላኽ ንተሓባበር።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ታሕሳስ 09, 2018 ( ሕዳር 30, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 34፡5,6 “ደቂቀ እጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልብክሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚኣብሔር በጻድቁ” “ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፡ ሓሶትውን ትደልዩ፧” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ቈረ 2፡1-ፍጻ
|
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 9፡1-ፍጻ |
1ዮሃ 5፡1-6 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ |
ግብ 5፡34-ፍጻ |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ