S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾመ ሓዋርያት

ሓዋርያ ዝበሃል ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተማህረ፥ ሞቱ ዝነገረ ትንሣኤኡ ዘበሠረን እሙን ምስክር ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉውን “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም

ምስ ዝወርድ ምስ ግና ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን “ክሳብ ወሰን ምድሪ ኸኣ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” ኢሉ ኣቐዲሙ ነጊርዎም እዩ። ግሓ 1፡8። ብዛዕባ እዚ ራእየ-መለኮት ዝኾነ ሓዋርያ ዮሓንስ “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ንሕና ዝሰማዕናዮ በዕይንትና ዝረኣናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውና ዘረምሰስናዮ ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና” ክብል ገሊጹልና ኣሎ። 1ዮሓ 1፡1-2።ስለዚ እምበኣር ሓዋርያነት በቲ ወሃቢ ኩሉ ውህበታት ዝኾነ መድኃኔ ዓለም ዝወሃበካ ሰማያዊ ጸጋን መንፈሳዊ ሓላፍነትን ደኣ እምበር ባዕልኻ ተምጽኦ ወይ ሰባትን ነገሥታትን ዝዕድሉኻ ምድራዊ ማዕርግ ኣይኮነን። ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ሰብ ከኣ ኣብ  ጥልመት ወይ ኣብ ሓሶትን ውድቀትን ፈጺሙ ኣይበጽሕን እዩ። ይሁዳ  እንተ ኾነውን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምቕባሉ ካብ ኣሕዋቱ ሓዋርያት ተፈልዩ ጠፍአ፡ ተሓኒቑውን ሞተ።

ብዛዕባ ጾመ ሓዋርያት (ጾመ-ሰነ) ከነስተንትን ከሎና ሓዋርያት ዝጾሙዎን በረኸት ዝተቐበሉሉን ምዃኑ ክንዝክር የድሊ። ምኽንያቱ ቅዱሳን ሓዋርያት ጾምን ጸሎትን ጌሮም በቲ ዝተውህቦም ጸጋ ኣምላኽ ንዓለም ምሉእ ብርሃንን ጨውን ኮይኖም ቃል ወንጌል ኣስፊሖም ንህዝቢ ናብ መገዲ ሕይወት መሪሖምን እዮም።ስለዚ ኩሎም ሓዋርያት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምባሳደራትን ልኡኻትን፥ ሰበኽትን መስከርትን ስለ ዝኾኑ ብግዜ ራህዋን ጸባብን ብጊዜ ስደት ይኹን ቅሳነት፥ ኣብ ዓድን በረኻን ኣብ ቅድሚ መኳንንቲ ይኹን ኣጋንንቲ ብትብዓት ነቲ ዝተውህቦም ኣምላኻዊ ሕድሪ ዝትግብሩን ዝሰርሑን ውፉያት ኣገልገልቲ ነበሩ። እቲ ሓዋርያት መንፈሳዊ ዕዮኦም ክሰምር እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ስብከቶም ክኸብር ቃል ወንጌል ከኣ ኣብ ልቢ ምእመናን ሠላሳ፥ ሱሳን ሚእትን ክፈሪ ኢሎም፡ ብሓፈሻ ኣምላኽ  ኣብ ኩሉ ዕዮኦም ምእንቲ ክድግፎምን ኢሎም ዝጾምዎ “ጾመ ሓዋርያት” ወይ ድማ “ጾመ ሰነ” ተባሂሉ ይፍለጥ። ሮሜ 8፡35-39።

በዚ መሠረት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና፥ ልዑል እግዚኣብሔር ንጾምን ጸሎትን ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ስለ ዝተቐበለ፡ ንዓና ህዝበ ክርስቲያንውን ምእንቲ ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ ጸጋ በረኸት ከውርደልና ብዝብል ሠናይ ሓሳብ ጾመ ሓዋርያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክጽወም ኣወጀት። ኣብ መንፈሳዊ ሥርዓት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንናውን  ዲያቆን፥ ካህን፥ መነኮስ፥ ጳጳስ፥ ወይ ፓትርያርክ ምስ ተቐብኡ ን 40 መዓልትን ለይትን ጾምን ጸሎትን (ሱባኤ) ክወስዱ መምርሒ ትህብ። ምኽንያቱ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ በዓለ ሓምሳ (በዓለ መንፈስ ቅዱስ) ሰማያዊ ኃይሊን መንፈሳዊ ጸጋን ከም ሓዊ ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ኣምላኽ ጌሮም ንኹሉ ዓለም ንሕይወትን በረኸትን ምእንቲ ክኾኑ ጾምን ጸሎት ገበሩ።

ስለዚ እምበኣር ንሕና ህዝበ ክርስቲያንውን ንእግዚኣብሔር ብእምነትን ጸሎትን ተጊህና እንተ ለሚንናዮ ኣምላኽ ቀረባ ሰማዕን ቅልጡፍ ረዳእን ስለ ዝኾነ፥ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከፍስሰልና ምዃኑ ዘይታኸስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ እቶም ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾንና ኣመንቲ ንምድራዊ በሰማይዊ፥ ንጊዚያዊ ብዘለዓለማዊ፥ ንሰብኣዊ ብኣምላኻዊ ሓሳብ ድሌትን ተኪእና ኣሰር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣሰር ቅዱሳን ሓዋርያትን ክንስዕብ ክርስቲያናዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጾምና ብደሓነ ሰላም ኣጀሚሩ ንዘፈጸመና ልዑል እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹን። ጸጋን በረኸትን ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ዕዝራ ጸሓፊ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div