“ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም’ውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” ሉቃ 2፡51።
መቸም ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንመሃሮ ክንወርሶን ዚግብኣና ትምህርትን ባህርይን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ነቲ ንኣርኣያኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስፊሩ ዝገለጸልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክብርን ምስጋናን ይኹን። እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ ኣጕሊሑ ገሊጹልና ዘሎ ኣርኣያኣ ድማ እዚ ኸም ኣርእስቲ ሒዝናዮ ዘለና፡ “ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ዚብል ሓሳብ እዩ። ብዛዕባኣ እዚ ምስክርነት እዚ ንፈለማ ጊዜ ኣይኰነን ዚንገር ዘሎ። ገና ሓዳስ ሓራስ ኰይና ምስቲ ፍቁር ወዳ ኣብ መብልዕ ማል ኰይና፡ ሰብ ጥበብን ጓሶትን ናብቲ ንሳን ፍቁር ህጻን ወዳን ዘለውዎ ቦታ መጺኦም ዝበሉዎን ዝገበርዎን ኵሉ ምስ ተዓዘበት፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ኵነታት፡ “ማርያም ግና ነዚ ነገር’ዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።” ኢሉ መስኪሩላ ኣሎ (ሉቃ 2፡19)።
ገላትያ 5:22-23: እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ ሓጎስ ዕርቂ ዓቕሊ ለውሃት ሕያውነት እምነት ህድኣት ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። የሕዋት ሓቢሮም ኮይኑም ተባኢሶም መንገዶም ብፍቅሪ ክመርሑ ክትርኢ ከሎካ ክንደይ ሰናይ እዩ። በንጻሩ ግን መሊሶም ንሕብረቶም ኮነ ንባእሶም ሓጥያት እንተወሰኩሉ ግን ጻማ ናይ ሕዝቦም ጻማ ሃገሮም ብዓቤኡውን ፈሪሓእግዚኣብሄር ኣልቦ ዝኾነ ስርሖም ፍረ ዘይብሉ ናይ ከንቱነት ከንቱ ማይ ምሕቋን ኮይኑ ይተርፍ።
ጐይታና፡ ነዒንቲ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ካብ ዚፍውስ ንደሓር ኣብ ኢየሩሳሌም ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ። እቲ ደገ-ኣባጊዕ ኣነ እየ፡ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዚብል ከቢድ ትምህርቲ ይምህር ስለ ዝነበረ እቶም ተጻረርቱ ፈጺሞም ዓቕሎም ኬጽብቡ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ተደጕሉ ዜቕለልዎም ዝነበሩ ምእንቲ ኺገልጾ ሓደ ኣገዳስን በዳህን ሕቶ ሓተቶም። ነዚ ሕቶ እዚ ኺሓትቶም ከሎ፡ ብእኡ ፈጽፊጾም ንኺቐትልዎ ድሮ ኣብ ኣእዳዎም ኣእማን ጨቢጦም ነበሩ። ስለዚ ብቝጥዓ ደሞም ፈሊሑ፡ ምፍሳስ ንጹህ ደሙ ጸሚኦም ከለው፡ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩኒ ዘለኹም፧” ኢሉ በዳሂ ሕቶ ሓተቶም። እዚ ዝርርብ እዚ ናብ ምርምር ስለ ዜእትዎም፡ ብመጠኑ ቝጥዓኦም ኪበርድ ዚሕግዝ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ “ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣይኰነናን ብእምኒ እንቐትለካ፧” ኢሎም ካብ ዘረባኡ ንላዕሊ ግብሩ ይረትዖም ከም ዝነበረ ተኣመኑ (ዮሃ 10፡31-33)።
“ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ።ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶምን።” ሉቃ 2፡38 ከምቲ ሕጊ-ሙሴ ዚእዝዞ፡ ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም መዓልታት ምንጻሃ (40 መዓልታት) ምስ መልአት፡ ነቲ እንኮን በዅርን ውሉዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቝማ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ኽትገብሮ፡ እቲ ንምንጻሃ ዚግባእ መስዋእቲ ኽትውፍይ ምስ ዮሴፍን ወዳ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናብ ቤት መቕደስ ከደት (ዘጸ 13፡2 ዘሌ 12፡4,6,8)። ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ተኣዚዞም እናፈጸምዎ ኸለው ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክልተ ነብያት ናባታቶም መጹ። እቲ ቐዳማይ፣ ስምኦን ኪኸውን ከሎ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ ከኣ ብዛዕባ ሃና ጓል ፋኑኤል ዜዘንትው እዩ።
ንሓሳባትካ ተጠንቀቐሎም፡ ቃላት ስለዚኾኑ
ንቃላትካ ተጠንቀቐሎም፡ አብ ግብሪ ስለዚውዕሉ
ንተግባራትካ ተጠንቀቐሎም፡ ልምዲ ስለዚኾኑ
ንልምድታትካ ተጠንቀቐሎም፡ ባህርይ ስለዚኾኑ
ንባህርያትካ ተጠንቀቐሎም፡ ናይ ህይወትካ ዕጫ ስለዚኾኑ
ምንጪ ጽሑፍ፣ ጸሓፊ ኣይፍለጥን
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” (ሉቃ 4፡52)
ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብታ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ ከም ኵሉ ኣተዓብያ ሰብ፡ ብኣካል ስጋን በእምሮን ዓበየ፡። ኣብ ሉቃ 2፡40፡ “እቲ ህጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽ’ውን ምስኡ ነበረ።” ብዚብል ቃል እቲ ዂለንተናዊ ዕብየቱ ተገሊጹ ኣሎ። ብኣካል ስጋ ጥራይ ዓብዩ፡ ብመንፈስ እንተ ዘይዓብይ ነይሩ፡ ዕብየቱ ንዕብየት መብዛሕትና መሲሉ ምተረፈ ነይሩ። ኣብቲ ናትና ኣተሓሳባ፡ ዝዀነ ህጻን ተወሊዱ ብስጋ ኺዓብየልና እምበር ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየት ውላዱ ዚሓስብ ዳርጋ የብልናን። ነዚ መንፈሳዊ ዕብየት ፈጺምና ኻብ ኣእምሮና ስለ ዘዋደቕናዮ፡ ዋላ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን በጺሕና ኽሳዕ ሽምግልና’ውን በቒዕና ኽነስና ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ተደሪትና ክንነብርን ክንመውትን ንረኣይ ኣሎና። ጐይታና ግና እቲ ኽንዓብዮ ዚግባና ዓይነታዊ (ideal) ማለት መንቅብ ኣልቦ፡ ምሉእ ፍጹም፡ ዚወጾ ዘይብሉ ዓይነት ኣተዓባብያ እንታይ ከም ዚመስል ብግብሪ ኣርእዩና እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ