ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ኸም ዘላ እዛ ሰንበት’ዚኣ “ገብርኄር’’ ማለት “ ሕያዋይ ባርያ” ተባሂላያ እትጽዋዕ። እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኰና እቶም ምእማናን፡ በቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍና ዝሃበና ጸጋን ሓላፍነትን እሙናትን ሕያዎትን ኬንና ነገልግሎት እንተ’ሊናን እንተ ዘየሊናን ርእስና ኽንምርምር ዝተሰርዓትልና መዓልቲ ኽኣ’ያ። ኣብዚ ዝተነበበልና ኽፍሊ ወንጌል፡ እቲ ጐይታ ነቶም ኣገልገልቱ ኸከም ዓቕሞም፡ ነቲ ቐዳማይ ሓሙሽተ፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ ነቲ ሳልሳይ ድማ፡ ሓንቲ መክሊት ኸም ዝሃቦ ተገሊጹልና ኣሎ። ንኣታቶም ዝተዋህቦ ሓላፍነት ድማ፡ ተጊሆም ብምስራሕ ነቲ ዝተዋህቦም መክሊት ምብዛሕ’ዩ።
ገላትያ 5:22-23: እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ ሓጎስ ዕርቂ ዓቕሊ ለውሃት ሕያውነት እምነት ህድኣት ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። የሕዋት ሓቢሮም ኮይኑም ተባኢሶም መንገዶም ብፍቅሪ ክመርሑ ክትርኢ ከሎካ ክንደይ ሰናይ እዩ። በንጻሩ ግን መሊሶም ንሕብረቶም ኮነ ንባእሶም ሓጥያት እንተወሰኩሉ ግን ጻማ ናይ ሕዝቦም ጻማ ሃገሮም ብዓቤኡውን ፈሪሓእግዚኣብሄር ኣልቦ ዝኾነ ስርሖም ፍረ ዘይብሉ ናይ ከንቱነት ከንቱ ማይ ምሕቋን ኮይኑ ይተርፍ።
“ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።”ዮሃን 3፡11። እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዳግማይ ልደትና ኸነስተንትን ዚሰርዓትልና መዓልቲ እያ። ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ሊቕ፡ ሕቡእ ወደ መዝሙር፡ በለይቲ ንጐይታ ኺረኽቦ ምስ መጸ፡ ጐይታ “ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን’’ ብምባል ኣገዳስነት ዳግም ልደት ብዘየማትእ መገዲ ገለጸሉ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ናይ ጐይታ ቓል መሰረት ብምግባር ፡ ብምስጢር ጥምቀት ካብ ማይ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ እንውለደሉ ናይ ጸጋ ኣገልግሎት ሰርዓትልና።
“ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።” ማቴ 24፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ነዚ ሰሙን‘ዚ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ሰሪዓትልና ኣላ። ምጽኣት መድሓኒና ምቕራቡ ኻብ ዜመልክቱና ኣገደስቲ ምልክታት ሓደ ድማ፡ ኵነታት ፍቕሪ ሓድሕድና እዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ኸነስተንትን ከሎና፡ መብዛሕትና ነዛ ኣዝያ ኸተስግኣና ዚግብኣ ወሳኒት ትእምርቲ ፈጺምና ኣይነስተብህለላን ኢና። ፍቕሪ እትዝሕለሉ ምኽንያት ድማ ብብዝሒ ዓመጻ ስለ እተዕብለል ምዃኑ ጐይታ ኣግሂዱልና ኣሎ። ፍቕሪ ሰብ ብፍቕሪ ዓመጻ እናተዓብለለ ምስ ዚኸይድ፡ ብድሕሪኡ ንሰብ ምፍቃር ዕሽነት ኰይኑ’ዩ ዚስምዓካ። ነቲ ርኹስ ረብሓ ዓመጻ ስለ እትሃርፎ፡ ነቲ ኸተፍቅሮ ዚግብኣካ ሰብ ክትዕምጾ ድሕር ኣይትብልን ኢኻ።
ንሓሳባትካ ተጠንቀቐሎም፡ ቃላት ስለዚኾኑ
ንቃላትካ ተጠንቀቐሎም፡ አብ ግብሪ ስለዚውዕሉ
ንተግባራትካ ተጠንቀቐሎም፡ ልምዲ ስለዚኾኑ
ንልምድታትካ ተጠንቀቐሎም፡ ባህርይ ስለዚኾኑ
ንባህርያትካ ተጠንቀቐሎም፡ ናይ ህይወትካ ዕጫ ስለዚኾኑ
ምንጪ ጽሑፍ፣ ጸሓፊ ኣይፍለጥን
“…እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።” (ዮሃ 5፡14)
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 24, 2019፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ