ካብታ ብጎይታናን እታ ቅድስቲ ስድራን ዝተረገጸት ምድሪ’ቲ ዓቢ ጥንታዊ ግብጻዊ ስልጣነ፡
ከምኡ’ውን ካብ ሓረግ መስመር እቶም ፍሉጣት ቀዳሞት ኣቦታት ከም ፦ሓዋርያ ቅዱስ ማርቆስ፡ ሓዋርያዊ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከምኡ ድማ እቲ ዓቢ ቅዱስ ቄርሎስ፡ ሕልፍ ዝበሉን ፍሉጣን ሃይማኖታዊ መራሒ፡ ትሑት ናይ ዑምቆት ስነ-ሃይማኖተኛ (ቴዮሎጅያን)፡ በዓል ጸጋ ሰባኺ፡ ክኢላ ደራሲ፡ ምንፈሳዊ ኣቦ፡ ህይወቶም ብሙሉኡ ንኣምላኽ ዘወፈይዎ ሰብ፡ ደራሲ ትንሳኤ’ታ ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢዮም መጺኦም ብጹእ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ሺኖዳ ሳልሳይ።
ብፁእ ወቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ ነሓሰ 3 /1923 ካብቶም ሸሞንተ(8) ደቂ ዝነበራ ስድራቤት እቲ ዝናኣሰ ወይ ሕሳስልደ ኮይኖም ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ግብጺ ኣብ ኣስዩጥ እትበሃል ከተማ ተወሊዶም። ስድራኦም ድማ ናዚር ጃይድ ዝብል ሽም ሃብዎም። ናዚር ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንጡፍ ኣብርእሲ ምዃኖም፡ መጀመርያ ኣብ ሾብራ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ እንጦንዮስ፡ ቀጺሎም’ውን መሓመሻ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም፡ ከም መምህር ትምህርቲ ሰምበት ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ናዚር ብ 1943 ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ክከታተሉ ጀመሩ ፡ናይ ክረምቲ ግዚኦም ድማ ናብ ገዳም ቅድስቲ ማርያም (ሶርያኒ) ብምኻድ ኣብኡ የሕልፍዎ ነበሩ። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ እምበአር ምሩቓት ተመሃሮ ጥራይ ክሳተፍዎ፡’ ዕድል ዝዋሃቦም ዝነበረ ናይ ምሸታዊ ትምህርቲ ስነ-መለኮት፡ ብዲን ሊቀ ዲያቆናት ሓቢብ ጊዮርጊስ ንናዚር ናይ ራብዓይ ዓመት ተማሃራይ እንከለዉን ቅድሚ ቅድመ ምርቓኦምን ነቲ ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ዕድል ተዋህቦም።
ናዚር ብ1947 ካብ ዩኒቨርስቲ ካይሮ ብታሪኽ ቀዳማይ ዲግሪ ረኸቡ። ናዚር ሃገራዊ ግቡኦም ድሕሪ ምፍጻም፡ብግዜ ቀትሪ አብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ከም መምህር እንግሊዝኛን ስነ-ሕብረተሰብን ኮይኖም እንዳ ሰርሑ ብግዜ ምሸት ድማ ናይ ስነ-መለኮት ትምህርቶም የከታተሉ ነበሩ። ናዚር ብ1949 ብትምህርቲ ስነ-መለኮት ተመሪቖም ከም ውጺኢቱ ድማ ከም መምህር መጽናዕቲ ሓድሽ ኪዳን ኮይኖም ተመሪጾም። ቀጺሎም’ውን ብ1953 ኣብ ኮለጅ ምንኩስና ሔልዋን ከም መምህር ኮይኖም ተረቍሖም ። እዞም ኣቦ ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ናይ ምጽሓፍ ድሌት፡ ብፍላይ ድማ ግጥሚ ናይ ምጽሓፍ ልምዲ ነበሮም። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ብቁዕ፡ ሓያል ጸሓፊ ምዃኖም ብእኦም ዝተጻሓፉ ልዕሊ ሚእቲ (100) ዘኮና መጻሕፍቶም ህያዉ ምስክራት ኢዮም። እዞም አቦ ነብዙሕ ዓመታት ከም ኣዳላዊ መጽሔት ትምህርቲ ሰንበት ኮይኖም ሰሪሖም ኢዮም። ናዚርን እቶም ምስኦም ዝነበሩ አገልገልትን ኣብ ሾብራ ኣብ ዝርከብ ቤተ- ክርስትያን ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ ንብዙሕ ዓመታት ኣገልጊሎምን፡ ትምህርቲ ሰንበት በጥምረት ከምዝኸይድ ዝገበሩ ኢዮም። በዚ ከይተሓጸሩ’ውን ንሶም ዝጓስይዎም ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኣገልገልት’ውን ናብ ምንኩስና ደረጃ ዘብጽሑ ኢዮም። ጎኒ ጎኒ እዚ ድማ ናይ ድሕሪ ምረቓ ትምህርቲ ስነ ቅርሲ (ኣርኪዮሎጂ) ይከታተሉ ነበሩ። ናዚር ብሓምለ 18/1954 ኣባ እንጦንዮስ ኣል ሶርያኒ ዝብል ሽም ብምቅባል ናብ ምዕራባዊ ሰሃራ ግብጺ “ኣል ሶርያኒ” ናብ ዝተባህለ ገዳም ንናይ ብሕትውና ህይወት ኣምርሑ። ኣባ እንጦንዮስ ካብ 1956-1962 ንሽዱሽተ ዓመታት ካብቲ ገዳም ኣስታት ሸውዓተ (7) ማይል ኣቢሉ ሪሒቁ ናብ ዝርከብ በዓቲ ብምኻድ ንኹሉ ግዚኦም ብምስትንታን፡ ብጸሎትን ንኩልንትንኦም ንኣምላኽ ብምውፋይ ናይ ብሕትውና ህይወት ኣሕሊፎም። ነዚ ጉዕዞ ድማ ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ንኹልንትንኦም ንክርስቶስ ምውፋይ ዝታኣሳሰረ ክቱር ድሌት ነበረ። ንህይወት ምንኩስና ድማ “ምሉእ ንጽህናን ናጽነትን ዘለዎ ህይወት ብምባል ይገልጸዎ”።
ብ1962 ኣባ እንጦንዮስ ብብፁእ ወቅዱስ ፖፕ ቄርሎስ ሻዱሻይ(6ይ) ከም መስራትን መራሕን (ጳጳስ) ሃይማኖታዊ ትምህርትን ከምኡ’ውን ፕሬዝዳንት ናይ ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ ጌይሮም ብምሻያም መስከረም 30/1962 ሺኖዳ ዝብል ሽም ተዋህቦም። ከም ውጽኢቱ ድማ ቁጽሪ ናይ ግዜ ቀትሪ ተማሃሮ ብዕጽፊ ክውስኽ እንከሎ፡ ትምህርቶም ብሰዓታት ምሸት ናይ ዝከታተሉ ተማሃሮ ድማ ፡ብዓሰርተ ዕጽፊ ክውስኽ ተራእዩ። ስነ-መለኮታዊ ኮሌጃት ኣብ ትሕቲ ናቶም ፕረዝደንትነት ኣብዝመርሑሉ ዝነበረ፡ ደቀንስትዮ ናይቲ መኣዲ ተሳተፍቲ ኮና፡ብዙሓት ድማ ከም መምህራን ተቖጽራ። ኣብ 1969 ናይ ማእከላይ ምብራቅ ሕብረት ፕረዝደንት ስነ-መለኮታዊ ኮሌጃት ኮይኖም ብምምራጽ ብዝሒ ጸግኦም ተገልጸ።
መጋቢት 9/1971 ብፁእ ወቅዱስ ፖፕ ቄርሎስ 6ይ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ዕለት 22 ናይቲ ወርሒ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ሓድሽ ፓትሪያርክ ንምምራጽ ተኣከቡ። ኣቡነ ሽኖዳ ካኣ ፡ሓደ ካብቶም ናይ መወዳእታ ሰለስተ ሕጹያት ኮኑ። ጥቅምቲ 31/1971 ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሬዌይስ እቲ ዕጫ ተዳለወ፡ ኣብቲ ናይ መሰውኢ ጠረጴዛ ድማ ተቐመጠ፡ እቲ ስርዓተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ድማ፡ መራሒ እቲ መደብ ኣባ እንጦንዮስ ንሓደ ሕጻን ዓይኑ ከምዝዕመት ብምግባር፡ ሓደ ዕጫ ካብቲ መሰውኢ ከምጽእ ኣዘዙ። ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ምስተደግመ፡ ኦ ጎይታ መሕረትካ አውርደልና ክበሃል ከሎ እቲ ሕጻን ነቲ ዕጫ ኣልዒሉ፡ ንመራሒ እቲ ጉባኤ ኣቡነ እንጦንዮስ ሃቦም፡ እግዚዚኣብሔር ድማ ንቤተ-ክረስትያኑ ዝመርሕ ጓሳ ንመምህር ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ ብፁእ ኣቡነ ሺኖዳ ከም ዝሓረየ ብሓጎስ ኣወጁ። በሕዳር 14/1971 ድማ መበል 117 ፖፕ እስክንድርያን ፓትሪያርክ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ብምዃን ብፁእ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ንሙኻን በቕዑ። እዞም ቅዱስ አቦ ካብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ከይተታሕዘ ዝጸንሐ ኣብ ስነ-መሎኮታዊ ኮሌጅ፡ ካብ ዲን ኮሌጅ ክሳብ ፓትርያርክ እስክንድርያ ብምኻኖም ድርብ ይገብሮ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ናይ ልዕሊ 101 ዝኮኑ መጻሕፈቲ ደራሲ ብምኻን ዘለዎም ብቅዓት ኣመስኪሮም ኢዮም፡ ካብዞም መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋታት ትግርኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሰኛ፡ ጣልያንን ጀርመንን ተተርጊሞም ይረከቡ። ካብ 1971 ኣትሒዞም ክሳብ 2006 ልዕሊ 80 ዝኣኽሉ ሜትሮፖሊታንን ጳጳሳትን ልዕሊ 600 ዝኣኽሉ ካህናትን መዘዙን ሸሙን። ቅዱስነቶም ኣብ መንእሰያት ቤተክርስትያን ፍሉይ ኣተኩሮ ይገብሩ፡ ደጋጊሞም ካብ ዝብልዎ “ቤተክርስትያን ብዘይ መንእሰያት፡ መጻኢ ዘይብላ ቤተክርስትያን’ያ”። ሓደ ካብ መንእሰያት ከኣ ንቅዱስነቶም “መንእሰይ ብዘይ ቤተክርስትያን መጻኢ ዘይብሉ መንእሰይ ኢዩ” ክብል መለሰሎም።
በዚ ከይተሓጽሩ አብ ካይሮ፡ እስክንድርያን ኣብ ደገ ኣብ ዝርከባን ላዕለዎት ጨንፈር ስነ-መለኮታዊ ኮሎጃት ምምሃር ቀጸሉ፡ንኣገልግሎት ትምህርቲ ክርስትና፡ ንምስፍሕፋሕ ድማ ኣብ ግብጺ ብዙሓት ጨናፍር ስነ-መሎኮታዊ ኮሎጃት ፡ከምኡ’ዉን ሰለስተ ትካላት ድሕረ ምረቓ ማለት ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፡ ስነ ዉዳሰ/ስነ ዝማሬን መጽናዕቲ ጠንታዊ ስነ- ቋንቋን ከፈቱ። ሕዳር 29/1993 ድማ ጋሶት ነፍሳት (pastoral care) ዝተባህለ ትካል ብወግዒ ከፊቶም። ቅዱስነቶም ብስነ-መሎኮታዊ ትምህርትን፡ መጽንዕቲ መጽሓፍ ቅዱሰን ሰለስተ ካብ ዩኒቨርስታት ኣሜርካን ሓደ ድማ ካብ ዩኒቨርስቲ ጀርመን ፡ብጠቕላላ ኣርባዕተ ናይ ክብሪ ዶክትረይት መዓርግ ብስነ መለኮት ረኺቦም። ቅዱስነቶም መንፈሳዉነት ክዓብን ክበራተዕን ስለ ዝገበሩ፡ከም ዉጽኢቱ ኣብ 1978 ትካል ብሮዉኒንግ ካብ ዓለም ዝበለጸ ክርስትያናዊ ሰባኺ ኢሉ ብምርቛሕ ሸለሞም። እዞም ኣቦ ንልዕሊ 20 ዓመታት መራሕን ኣዳላዉን መጽሔት “ኤል ከራዛ” ብምኻን ኣገልገሉ።
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተጠቀስቲ ነገራት ብዛዕባ ዕቤት ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዓለም ለኻዊ ስፍሓታ ኢዩ።ቅዱስነቶም ኣብ 1971 ፓትርያርክ ክሽየሙ ከለዉ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ 4 ኣብያተ ክርስተያን ጥራይ ነበራ፡፡ ሎሚ ልዕሊ 100 ኣብያተ ክርስትያን ኣሎዋ ።ዓመተ 1996 ፡ምምስራት ክልተ ሃገረ-ስብከታት ናይ ሰሜን ኣሜርካ ፡ሓንቲ ናይ ሎስኣንጄሎስ፡ከምኡ’ዉን ናይ ደቡባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝተራእየላ ነበረት። ኣብ ቀረባ መጻኢ መደብ ቀጻሊ ምዉዳብ ኣብያተ ክርስትያን ናብ ዞባዊ ሃገረ ስብከታት ተሰሪዑ ኣሎ።
ቅዱስነቶም፡ ኣብ ደሴታት ቨርጂን ኣይላንድ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቅዱስ ቶማሰ፡ ቤርሙዳን ቅዱስ ኪትስን ናይ ተልእኾ ኣብያተ-ክርስትያን መስሪቶም ኢዮም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነታ ናይ ፈለማ ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ደቡብ ኣመሪካ፡ ሳኦ ፓውሎ ብራዚል፡ ነታ ካልአይቲ ከኣ ኣብ ቦሊቭያ ምሰረቱ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነቶም ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክረስትያን፡ ክምኡ ከኣ፡ ሕጂ 28 ኣብያተ-ክርሰትያን በጺሐን ንዝረከባ ኣብ ኣውስተራሊያን ኒውዚላንድን እውን ዕቤት ኣርእያ። ኣብ 1999፡ንምሻም ናይ ፈለማ ጳጳስ፡ ኣብ መልቦርነ፡ ኣውስትራልያ ርኢና ኔርና። ኣብ ኤውሮፓ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 50 ኣብያተ-ክርስትያንን 10 ጳጰሳትን ኣለው። ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን’ዚ አብ ተልእኾ ኣብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነጥፉ ዘለው ክልተ ጳጳሳት ኣለውዋ። ቅዱስነቶም ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ብዓሚቕ ተወፋይነት ኣብ ሕብረት ክርስትያናት ዝተፈልጡ እዮም። ኣብ ግዜ’ቲ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያን ናይ’ቲ ኣብ 1974 ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ሰሙነ -ጸሎት ኣብ ዘቕረብዎ ጸውዒት (ወረቐት) ከምዚ ክብሉ ኣፍለጡ፡ -‘’ምሉእ ኣማኒ ክርስትያን ኣብያተ-ከርስትያናት ሓቢረን ክርኢ ህንጡይ ኮይንሉ ዘሎ እዩ። ህዝበ ክርስትያን ምምቕቃላት ተመንይዎ ንናይ ቤተ-ክርስትያን መራሕቱ አብ ሕብረት ቤተክርስትያን ገለ ክገብሩ ድፍኢት ዝገብርሉ ዘሎ እዩ። ርገጸኛ እየ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ዘነቓቕሕ ዘሎ”። ቅዱስነቶም ሕብረት ክርስትያን ኣብ ሓድነት እምነት እምበር ኣብ ሓድነት ስልጣን መሪሕነት ዝተሰረተ ክኸውን ከምዘይግባእ ብትሪ ዝጸቕጡሉ ጉዳይ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ቅዱስነቶም፡ ናብ’ተን ዝተፈላለያ ኣሓት ኦርቶዶክሳዊያን ኣብያተ-ክርስትያንን ፓትርያሪካተንን፡ ከም በዓል ናይ ቱርኪ፡ ሞስኮ፡ ሮማንያን አንጾክያን ዝርከብአን፡ ብዙሕ ምብጸሓት ፈጸሞም’ዮም። ሙሉእ ውህደት ናይ’ዘን ኣብያተ ክርስትያን ምስ ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክሳዊያን ኣብያተ ክርስትያን ኣዚዩ ቀረባ እዩ።
ኣብ 1973፡ ብድሕሪ ናይ ልዕሊ 1500 ዓመታት፡ ቅዱስነቶም ናይ ፈለማ ፓትሪያሪክ ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቫቲካን ዝበጸሑ ኮኑ። ኣብዚ ምብጻሕ እዚ፡ ቅዱስነቶም ፖፕ ሽኖዳ ሳልሳይን ፖፕ ጳውሎስ ሻዱሻይን ሓባራዊ መርትዖ ብዛዕባ ጉዳይ ስነ-ክርስቶስ (ክርስቶሎጂ) ፈሪሞም፡ ከምኡ ውን ውሁድ ኮሚተ ዝርርብ ኣብ ሕብረት ክምድቡ ተሰማምዑ። ብተወሳኺ’ውን ብዙሕ ዋዕላታት፡ ምስ ዝተፈላለያ ዓለም ለኻዉያን ኣብያት-ክርስትያን ፕሮቴስታንት ዉን’ኔሩ ኢዩ።
ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቅዱስነቶም፡ ግብጸዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሙሉእ ኣባል፡ ዓለም ለኻዊ ኣማኻሪት ጉባኤ ኣበያተ-ክርስትያን፡ ማእከላይ ምብራቕ ኣማኻሪት ጉባኤ ኣበያተ-ክርስትያን፡ ኩለን ኣፍሪቃ ኣማኻሪት ጉባኤ ኣብያተ-ክርስትያን፡ ሃገራዊ ኣማኻሪት ጉባኤ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ክርስቶስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳዊ ኣማኻሪት ጉባኤ ኣበያተ-ክርስትያንን አወስትራልያዊት ኣማኻሪት ጉባኤ ኣብያተ-ክርስትያንን ኮይና እያ። ኣብ ግንቦት 2000 ፡ቅዱስነቶም ናይ ፈለማ ሲኖዶሳዊ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ መስረቱ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ