መውስቦ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክግበር ዝጸንሐ መግለጺ ስልጣነ ደቂ ሰባት ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኢዩ።
ኣብ ቅድስት ቤተ-ክርስትያንና መውስቦ ሓደ ካብተን ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ-ክርስትያን ኮይኑ ብምስጢረ ተክሊል ይፍለጥ። ምስጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት ልዕሊ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ስለ ዝኾነ ብጸጋ ክንቅበሎ እምበር ብኣእምሮና ክንበጸሖ ስለ ዘይንኽእል ኢዩ። ኣምላኽና ኣብ ወንጌል ከም’ዚ ይብል “ስለ’ዚ ሰብኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃሃድ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኹኑ…..ደጊም ሓደ ኣካል ኢዩም እምበር ክልተ ኣይኮኑን፡ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ”(ማቴ 19፦5-6)። ብርግጽ ሓድነት እቶም ክልተ ኢዩ እቲ ምስጢር። ሓዋርያ ጳውሎስ’ውን “እዚ ምስጢር ዓቢይ ኢዩ ”(ኤፌ 5፦32 )ክብል ዕብየት መውስቦ ይገልጽ። ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጀመርያ ተኣምራቱ፡ ኣብ’ቲ አብ ቃና ዝተባህለ ዓዲ ናይ ኣውራጃ ገሊላ ዝፍጸም ዝነበረ መርዓ ኢዩ፡ ፈጺምዎ፡ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ቀይርዎ። ብርግጽ እዚ ነገር እዚ ንዓና ምስጢር ኢዩ ዝነበረ። ኣምላኽና ግና ዕቤት እቲ መውስቦ ንኽግለጸልና ኣብኡ ተረኺቡ ባረኾ። ኣብ መዋእል ስብከቱ’ውን ንመጀመርያ ኣብኡ ብዛእባ መውስቦ ከም ዝመሃረ ኣቦታት በትውፊት የረድኡ። መውስቦ ብፍጹም ፍቕርን ሓድነትን ትነብሮ ህይወት ኢዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ይምዕደና “ኣትን ኣንስቲ ፡ ከም ጎይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ታአዘዛኦም፡ ከመይ ከምቲ ጎይታ ርእሲ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ ኢዩ ….ከምኡ ከኣ ኣቱም ሰብኡት፡ ነተን ኣንስትኹም፡ ከም ገዛእ ርእስኹም ጌርኩም ኣፍቅርወን፡ እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፡ ንገዛእ ርእሱ ኢዩ ዘፍቅር ”(ኤፌ 5፦22-23፤28) ክብል ሓድነትን ፍቕርን ሰብ ሓዳር ልክዕ ብቤተ-ክርስትያንን ክርስቶስን መሲሉ ንዝያዳ ሓላፍነትን መንፈሳውነትን መውስቦ ብትሪ ይገልጾ (ኤፌ 5፦32-33)
ዕላማታት ኦርቶዶክሳዊ መውስቦ
ሀ) ምትሕግጋዝ ሰብኣይን ሰበይትን
ምትሕግጋዝ ሓደ ካብ ቀንዲ ባህርያት መውስቦ ኮይኑ ምስቶም ናይ መጀመርያ ፍጥረት ኣዳምን ሔዋንን ዝመጸ ሕጊ ተፈጥሮ ኢዩ። እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል”ሰብኣይ በይኑ ክነብር ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንዕኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ክገበረሉ ኢየ” በለ(ዘፍ.2፦18)። እዚ ምድግጋፍ እዚ ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ዘሎ ኣካላት ንሓድሕዱ ብባህረያዊ መንገዲ ዝደጋገፍ ልክዕ ከምኡ ኢዩ “ሰብ ንገዛኢ ሰብነቱ ይምግቦን ይኸድኖን፡ እንበር ንገዛእ ሰብነቱ ዝጸልእ ሓደ እኳ የልቦን” (ኤፈ.5፦29) ከም ዝብል ሓዋርያ ጳውሎስ እታ ንዕኡ እትሰማማዕ ትብል ሓረግ ‘ውን ነዚ ተበርሃልና፡ ምትሕግጋዝ ኣብ ኩሉ መንፈሳዊን ማሕበራዊን ህይወት።
ለ) ወለዶ ምትኽኻእ
ህይወት ዘለዎ ፍጡር ዘርኡ ዓቂቡ ዝነብረሉ(ዝኸደሉ) ነናቱ ባህርያት ተፈጠሮ ኣለዎ። ወዲሰብ ከኣ ልክዕ ከምኡ ህላውነቱ ክቅጽል ብእግዚኣበሔር ዝተዓደሎ ተፈጥሮ ይፈርን ወለዶ ይተኻኻእን።እቶም ብቅዱስ መውስቦ ዝፈርዮም ውሉድ አብ መውስቦ ከም ምንጪ ሓጎስን ጽንዓት ሓዳርን ይኾኑ፡ ‘’እንሆ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሔር ኢዮም ፤ንሳቶም እግዚኣብሔር ዝህበካ በረኸት ኢዮም” (መዝ. 127፦3) ቀጺሉ “ሰበይትኻ ኣብውሽጢ ቤትካ ፡ከም ፈራይት ወይኒ ክትከውን ኢያ፡ውሉድካ ኣብ ዙርያ ማአድኻ ከም ተኽሊ ኣውሊዕ ክኾኑ ኢዮም” (መዝ.128፦3) ክብል ይዛረብ ዘማራይ ዳዊት። ውሉድ ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃቡ ገጸ-በረከት ኢዮም፡ኣብ ሓዳር ‘ውን ከም ቀንዲ መቐረት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ምናልባት ግን ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ከም ካልኣይ ደረጃ እምበር እቲ ቀንዲ ዕላማ መውስቦ ምትሕግጋዝ (ምድግጋፍ) ምዃኑ ትኣምን ፡ስለዚ ኢያ ከኣ ብሰንኪ ውላድ ምስአን ዝመጻእ ፍትሕ ብትሪ ትቃወሞ።
ሐ) ካብ ዝሙት ምክልኻል
“ግናኸ ካብ ምንዝርና ምእንቲ ክትርሕቁ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ’ውን ናይ ገዛእርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ።”(1 ቆሮ 7፡2)። መዉስቦ ንደቂ ሰባት ብዝሙት ኣቢሉ ካብ ዝመጽእ ድኹም ባህርያት ተኸላኺሉ ብቅድስና ክነብሩ ይሕግዝ። ዝሙት ክንብል ከለና ብክልተ ዓይኒ ንርእዮ ንሱ ከአ፡ ቅድሚ ሓዳር ዝግበር ጾታዊ ርክብን ኣብ ሓዳርካ ከሎኻ ካብ ሓዳርካ ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብን ኢዩ። ብጠቕላላ ካብዚ ክንርሕቕ ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ ይብለና “ፍቃድ ኣምላኽ፡ንስኻትኩም ክትቅደሱ ፡ካብ ምንዝርና ክትርሕቁ ኢዩ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ምስ በዓልቲ ኪዳኑ ብቅድስናን ብክብርን ምንባር ይፍለጥ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋኹም ኣይትመርሑ”(1 ተሰ 4፡3-5)። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብዛዕባ’ዚ ሓደ ኣብነት ኣምጺኡ የረድኣና “ሓደ ወተሃደር ኣብ እዋን ዉግእ ዓሰርተ ወተሃደራት ጻላእቱ እንተ ቀተለ፡ ጅግና ተባሂሉ ብክብሪ ይጥቀስ ሞገስ ከኣ ይረክብ። ኣብ እዋን ሰላም ኣብ ከተማ ኣትዩ ሓደ ሰብ እንተ ቀተለ ግና ገበነኛ ተባሂሉ ይእሰርን ይቕጻዕን” ክብል ብወተሃደር ይምስሎ። እዚ ክብል ካብ ቅዱስ መዉስቦ ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ዋላ ንሓንቲ ግዜ ዋላ ይኹን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሓጢኣትን ኣዝዩ ጽዩፍን ሙኻኑ ናብ ኵነኔ ከም ዝመርሓና ይምህረና።
ጠባያት ክርስቲያናዊ መዉስቦ
1) ሓድነት
እግዚኣብሔር ብመጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን ክፈጥር ከሎ፡ እቶም ክልተ ብፍጹም ሓድነት ተዋሃሂዶም ኣብዚ ምድሪ ንክነብሩ ኢዩ። እዚ ሓድነት እዚ መንፈሳዉን ሞራላዉን ሓድነት ከልንብሎ ንኽእል “እግዚኣብሔር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ”(ማቴ 19፡6)። ሓድነት ትብል ቃል ንብዙሕ ነገራት ክትጠምረልና ትኽእል፡ ንሱ ከኣ ሓድነት ኣብ ማዕርነት’ዩ። ከምቲ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ እዋን መርዓኦም ሓደ ዓይነት ካባን ኣኽሊልን ዝለብሱ፡ ኣብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ተስፋ መንግስተ ሰማያት ብኩሉ ማዕረ ሙኳኖም፡ ኣብ ሞንግኦም ኣፈላላይ ከም ዘየለ ነዚ ኢዩ ዘረድኣና። “በዚ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ የልቦን። ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ከም ተስፋ’ዉን ወረስቲ ኢኹም”(ገላ 3፡28-29)። ሃዋርያ ጳዉሎስ ብዛዕባ ኣብ መዉስቦ ዘሎ ማዕርነት ብከምዚ ይገልጾ “ሰበይቲ አብ ሰብነት ሰብኣያ እምበር ኣብ ገዛእ ሰብነታ ስልጣን የብላን። ከምኡ ከኣ ሰብኣይ ኣብ ሰብነት ሰበይቱ እምበር ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን”(1ቆሮ 7፡4)ክብሉ ኣብ ፍጹም ምትሕልላይ ዝተሰረተ መዉስቦ ብማዕረ ዘሳትፍ ሙኻኑ የረድኣና። እነተ ኾነ ግን ኣብዚ ሓድነታዊ መዉስቦ ሓደ ስርዓት ኣለና፡ንሱ ከኣ ሰበይቲ ንሰብኣያ ልክዕ ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ዝተኣዘዘቶ ክትእዘዝ፡ ሰብኣይ’ዉን ከምቲ ኣብርሃም ንሳራ ዘፍቅራ ዝነበረ ጌሩ ከፍቅራ ግድነት ኢዩ። እዚ ልክዕ ብክርስቶስን ቤተክርስትያንን ጌሩ ሓዋርያ ጳዉሎስ መሲልዎ ኣሎ።(ኤፌ 5፡20-33)
2) ቀጻልነት
ዕላማ መውስቦ ቀጻልነት ሓዳር ኢዩ።እዚ ቀጻልነት‘ዚ ብጀካ ብምኽንያት ዝሙት ብኻልእ ክቋረጽ ፡ኣምላኻዊ ትእዛዝ ኣይኮነን። ‘’እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ ካልእ’ውን ዘእቱ ይዝሙ’’ (ማቴ.19፡9) ክብል ጎይታ ይምህረና፡፡ እዚ ዘኾነሉ ምኽንያት ቅዱስ ዝኾነ ሕብረት ተዋሰብቲ ስለ ዝረኸሰ ኢዩ። “እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርሰቶስ ምዃኑ‘ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እሞ’ኸ ዳኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ አካል ኣመንዝራ ክገበሮ’ዶ ይግባእ ኢዩ?”(1ቆሮ.6፡5) ቅድስት ቤተ-ክርስትያንና ሓደ ካብ ተጻመድቲ ምስ ዝዝሙ እሞ ተጣዒሱ ናብ ልቡ ተመሊሱ ንመጻምድቱ ይቅረ ምስ ዝብለሉ መውስቦ ክቅጽል ተፍቅድ ኢያ። ካልእ ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ብምኽነያት እምነት መጻምድቲ ክፈላለዩ ይኽእሉ ኢዮም፡ ወይ’ውን ቅድሚ መርዓ ደቂ ቤተ-ክርስትያን ምስ ካልእ እምነት ክዋሰቡ ኣይተፍቅድን ኢያ “ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣይትቆረኑ፤ጽድቕን ሓጥያትን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ፡ ወይ’ከኣ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አለዎ፡ ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ አለዎ ፡ መቕደስ ኣምላኽ ምስ ጣዖታት እንታይ ስምምዕ አለዎ”፡፡ (2ቆሮ.6፡14-16) ስለዚ ብዝኾን ይኹን ዓይነት መለክዒ ምስ ዘይኣመንቲ ክንዋሰብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያንና ብፍጹም ኣይትቅበሎን ኢያ።
3) ቅድስናዊ ፍረ
ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ፡ ክርስቲያን ተዋሰብቲ ፍረ ይፈርዩ።ሓደ ካብቲ ፍረ፡ ፍረ ቅድስና ኢዩ።እዚ ቅድስና ብናይ ክልቴኦም ምውህሃድን ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝን ዝበጽሕዎ ደረጃ ኢዩ። እዚ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ ናብቶም ዝወልድዎም ዉሉድ እውን ከሕልፍዎ ግድን ኢዩ። እዚ ምናልባት ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃቦም ናይ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መኽሊት ኢዩ። ኦርቶዶክሳዊያን መዋሰብቲ ኣብ ሓዳሮም ነተን ትሸዓተ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክፈርዩ ግድነት ኢዩ። “ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጎስ፡ ሰላም፡ ትዕግስቲ፡ ልግሲ፡ ሕያውነት፡ እሙን ምዃን፡ ለውሃት፡ ርእስኻ ምግታእ ኢዩ” (ገላ.5፡22-23)
ኣብ መወዳእታ ኦርቶዶክሳዊ መውስቦ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንኣካላዊ ሕብረት ናብ መንፈሳዊ ሕብረት ንሰጋገረሉ ህይወት ኢዩ።እዚ ሕብረት’ዚ ልክዕ ከም ቤት-መቕደስ ኣምላኽ ብንጽህና ክንሕልዎ ይግባእ “ሰብነት ንጎይታ፡ ጎይታ’ውን ንሰብነት ኢዩ እምበር፡ሰብነት’ሲ ነምንዝርና ኣይኮነን፡፡’(1 ቆሮ.6፡13)። ስለዚ ኣብዚ ክንጠቅሶ ዝጸናሕና መውስቦ ወጻኢ ካብ ሕብረት መንፈስ ቅዱስ ወጻኢ’ዩ። “ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዝኮነ‘ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም።’’ (1ቆሮ.6፡16) ስለዚ ብርግጽ ኣመንዘርቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርሱ ፈሊጥና ብቅድስና ንንበር።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ