ማህሌት ካብ “ሃለየ” ዝብል ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ዘመረ፡ ኣመስገነ ማለት ኢዩ። ካብዚ ትርጉም ተበጊስና
እንተ ርኢናዮ ማህሌት ክንብል ከሎና ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያንና ንእግዚኣብሔር ዝቐርብ ምስጋና ማለት ኢዩ። እዚ ኣገልግሎት ካብ ኣብ ቤተ-ክርስትያንና ዝግበር ኣገልግሎታት ደድሕሪ ስርዓተ ቕዳሴ ብቐዳማይ ደረጃ ይስራዕ። ስርዓተ ማህሌት ጥንታዊ ክኸዉን እንከሎ ዝተጀመረሉ ብቅዱስ ያሬድ ጊዜ’ዩ፡ ጀማሪኡ’ዉን ባዕሉ ቅዱስ ያሬድ ሙኻኑ ይጥቀስ። ኣብ ስእሊ ናይ ቅዱስ ያሬድ እንተ ተመልኪትና’ዉን ሃጼ ገብረመስቀል ብበትሪ መንግስቶም ጫፍ እግሩ ክወግዎ ከለዉ፡ ብማህሌት ተመሲጦም ሙኻኑ ንክትርዳእ ብዙሕ ኣጸጋሚ አይኮነን፡ ታሪኽ ቅ.ያሬድ እዉን ነዚ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ስርዓተ ማህሌት “ስቡሕ ወውዱስ” ኢሉ ጀሚሩ ብንኡስን ዓቢይን ኣመላሊስካ ደድሕሪ ምምስጋን፡ ናብ’ቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ክፍሊ ናብ “ነግስ” ይሰግር። ነግስ መዓልታዊ ዝበጽሕ ናይ ስላሴ፡ ድ.ማርያም፡ መላእኽቲ፡ ጻድቃንን ቅዱሳንን ምስጋና ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብኣዝዩ ፍሉይ ኣገባብ ከም መልክዐ መልክዕ ብሰረዝ ዝተባህለ ኣገባብ ቅኔ ዝተደርሰ ኢዩ። እዚ ግጥሚ ከም ሓደ ቀይሕ ሽጉርቲ ድርብ ሓሳባት ምስጢር ተሰኪሙ፡ ኣብ ልዕሊ ምስጢር ካልእ ምስጢር ደሪቡ ተታሒዙ ብዉሕሉል ኣገባብ ዝተደርሰ ኢዩ። ነግስ ብከመይ ነግስ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ የለን፡ ነዚ ዝመሳሰል “መልክዐ ጉባኤ” ኢልና ንጽዉዖ ካልእ ኣለና፡ እዚ ዝተሰየመሉ ምኽንያት መልክዐ መልክዕ ጠርኒፉ ስለ ዝሕዝ ናይ መልክዐ ጉባኤ ዝብል ሽም ተዋሂብዎ። ካብ ነግስ ንበዓል ዝዉክል ተፈልዩ መረግድ ምስ ተሃርመ፡ ናብቲ ካብኡ ቀጺሉ ዝመጽእ ክፍሊ ይሰግር፡ ንሱ ከኣ ናይ መዓልቲ/በዓል መልክዕ ኢዩ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ኣብ ነግስን መልክዕን ኣትዩ መረግድ ዝህረም ካልእ ኣለና፡ ንሱ ከኣ “ዚቅ” ዝበሃል ክፍሊ ኣቋቋም ኢዩ። እዚ ዚቅ ዝበልናዮ ብኻልኦት ብድሕሪ ቅ. ያሬድ ዝመጹ ሊቃዉንቲ ዝተደርሰ ኮይኑ ደራሲኡ ብርግጽ ኣይፍለጥን ኢዩ፡ ቃል ብቃሉ ግና ካብ ኣምሓርኛ ኮይኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ሙኻኑ ንምንጋር ካብ “ዝቅ” ዝብል ቃል ናይ ኣምሓርኛ ከም ዝወጸ ይንገር፡ ዝኾነ ኾይኑ ግና እቲ ዝዝየም ዝዝመም ኩሉ ካብ ሰዓታት፡ ኪዳን፡ ዝማሬ መዋስዕት፡ ደጕዓ ካልእን ተዋጺኡ ዝተዋሃሃደ ኢዩ፡ ጠቕላላ ቁጽሩ ክሳብ 1610 ዝበጽሕ ኮይኑ ገለ ገለ እዉን ኣብ ቁጽሪ ዘይኣተወ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ሓደ መልክዕ ክሳብ ሰለስተ ዚቅ ‘ኻ እንተ ኣለዎ ካብኡ ግና ሓደ መሪጽካ ኢኻ ትጥቀመሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ዚቅ ላዕላይ ገዛን ታሕታይ ገዛን እንዳ ተባህለ ይፈላለ ኢዩ፡ እቲ ቀንዲ ግና ብኣባ ጃሌው ዝተጻሕፈ’ዩ ዓብሊሉ ዝርኤ፡ ካብዚ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረክበ መረግድ ይህረም። ስንክሳር ተነቢቡ ምስ ተወድኤ “ዓርኬ” ንበዓል ዝትንክፍ ኮይኑ ምስ ዝርከብ መረግድ ይህረም፡ ኣብ ዓርኬ ግና እዚ ኣቐዲምና ክንብሎ ዝጸናሕና “ዚቅ” የብሉን ኣብኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ “ትምህርተ-ህቡአት”(ኣብ ዘመነ ስብከትን ጥምቀትን ዝበሃል አካል ማህሌት) እዉን የለን። ካብዚ ቀጺሉ ናብ ምልጣን ይሰግር፡ እዚ ምልጣን ካብዞም ክንብሎም ዝጸናሕና ዝተፈልየ ኢዩ። እዞም ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ከም ሓደ ክፋል እንተ ርኢናዮም ከም ቀጺሉ ዝመጽእ ካልኣይ ክፋል ንርእዮ።
ምልጣን
ምልጣን ዝበሃል ብእስመ ለዓለም ተቃንዩ ብአንገርጋሪ ተመሪሑ ዝዝየም፡ ዝጽንጸል ብጠቕላላ ዝዝመር ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ምልጣን ዝበሃል ኣንገርጋሪ ጥራይ ‘ዩ ብስፍሕ ዝበለ ግና እስመ ለዓለም፡ አንገርጋሪ፡ ሰላም ኩሉ ብሓደ ምልጣን ይብሃል። ኣላዕላ መቆምያ፡ ኣወዳድቃ ጻናጽል፡ ድምቀት ቃለ እግዚኣብሔር ዝራኣየሉ በዚ ምልጣን’ዩ። ትምህርቲ አቋቋም ትኩረት ሂቡ ካብ ዝህበሉ ኣብዚ ግዜ ኢዩ ማለት ዝማሜን ጸናጽሉን ብምፍርራቕ ብየማን ጸጋምን ይበሃል፡ እዚ ድርብ ኣበጻጽሓ ይበሃል። ናይ በዓል ማህሌት በዚ ይፍጸም፡ ሰላም ጸፊዖም መዛዘሚ ይገብሩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ዓመታዊ በዓል ክከዉን ከሎ ካብዚ ከይሓለፉ ጠጠው ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም ምኽንያቱ መልክዐ መልክዕ፡ ዚቅ፡ ወረብን ፡ምልጣንን ከብጽሑ ግዜ ስለ ዝወስዱ ።
መሳርሒ ማህሌት
ኣብዚ ዓለም ንወዲ ሰብ መግለጺ ሓጎሱ ሙዚቃ’ዩ፡ ስለዚ ነዚ ዘገልግሉ መሳርሒታት ኣለዉ። ደቂ ሰባት ኣብ ስጋዊ ህይወትና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና’ዉን ንስሚዕትና ማራኪ መታን ክኸዉን መዝሙር ክንዝምር ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቃድ መኻኑ ብነብያት ኣቢሉ ይዛረብ። ንባዕሉ ጎይታ’ዉን ምስ ደቀ መዛምርቱ ብዕለት ሓሙስ ብሓደ ዘመረ፡ ኣመስገነ “መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ከኣ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ “(ማቴ 26፡30)። ኣብ ማህሌት ንጥቀመሎም መሳርሒታት ፍሉያት ኮይኖም ነዞም ዝስዕቡ ኢዮም።
1) መቖምያ
መቆምያ ማለት መደገፊ ማለት’ዩ፡ እዚ ኣብ ናይ ጥንቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ኣገልግሎት ስርዓት ከቢድ ስለዝነበረ፡ ኣብ ዉሽጢ ቤተ ክርስትያን’ዉን መዕረፊ ወንበር ስለ ዘይነበረ ስርዓት ተጀሚሩ ክሳብ ዝዉዳእ ጠጠዉ ክብሉ ስለ ዘለዎም መቆምያ ግድነት ተጀመረ። እዚ መቆምያ ንመደገፊ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዜማ ቤተክርስትያን ከም መሐበሪ (መዘመሚ) ኮይኑ’ዉን የገልግል ኢዩ። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርሰትያና ዝማሜ ብመቖምያ ጥራይ ዝፍጸመሉ ግዜ ኣሎ፦ንሱ ከኣ ኣብ እዋኑ ኣብ ዓቢይ ጾምን ሓዘንን ኢዩ። ኣብ’ዚ ናይ መቖምያ ዝማሜ፡ መቖምያ ካብ የማን ናብ ጸጋም እንዳኣዋዛወዙ ወይ ዘሚሞም ምስ ወድኡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ክውርውርዎ ንርኢ ኢና-እዚ ከኣ ምሳሌ እቲ ኣይሁዳውያን ንክርስቶሰ ካብ ሓና ናብ ቀያፋ፡ ካብ ቀያፋ ናብ ሓና መላሊሶም ደሓር ኣብ መስቀል ከም ዘሰቀልዎ ኣብ መወዳእታ ከም ዝቀበረዎ ዝገልጽ ትምህርቲ ኢዩ።
2) ጸናጽል
ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያንና ኩሉ ሞልጣን፡ መዝሙር፡ ዘማሜ ነዚ ዘመስል ቃል እግዚአብሔር በመቖምያ ደሕሪ ምዝማም ናብ ጸናጽል ይአትው፡፡ ጸናጽል ዝበሃል ብገዛእ ርእሱ ኣዝዩ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ ኮይኑ፡ መልክዑ ኣዝዩ ብውቕብ ኣሰራርሓ ዝስራሕ መሳርሒ ኢዩ። ኣጀማምርኡ ብዕብራውያን ኢዩ። ንሕና ብናይ ዳዊት መዝሙር ኣቢልና ነዚ ስርዓት ተቀቢልናዮ። ዳዊት ንርእሱ “ሰብሕዎ በጸናጽል ዘሰናይ ቃሉ” ይብል፤፡ እዚ መሳርሒ ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያንና ካብ ብሩር፡ ነሓስን ሓጺንን ዝስራሕ ኮይኑ፡ ናቱ ኣላዓዕላ ንኡስ መረግድ፤ ዓቢ መረግድ ለዘብ፡ መልስ፡ ወረብን ካልእን ዝኣቱ መሳርሒ ኢዩ። ጸናጽል ኩሉ ግዜ ምስ ከበሮ ኮይኑ፡ ንበይኑ ግና ኣይአቱን ኢዩ።
3) ከበሮ
ከበሮ እንበሎ መሳርሒ ኣብ ኣገልገሎት ቤተ-ክርሰትያን ዝውዕል ፍሉይ ድምጺ ዘለዎ ዉሽጡ ተበርቢሩ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ኮይኑ ብቖርበት ዝተሽፈነ ኢዩ። ንከበሮ ዝመስል ንነጋሪትን ሙዚቃን ዝጥቀምሉ ነጋሪት ዝብሃል ካልእ’ውን አሎ። ኣሰራርሕኡ ሓደ ዓይነት ኮይኑ፡ ፍልልዮም ከበሮ ክልተ(2) ኣፍ ስለ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ዓይነት መሳርሒ ናብ ሃገርና ዝኣተወ ምናልባት እምነት ኦሪት ናብ ሃገርና ምስ መጸ ኪኸውን ይኺእል ኢዩ። ምኽንያቱ ዘማራይ ዳዊት “ሰብሕዎ በከበሮ ወበትፍስህት” ስለ ዝብል። ነዚ ኣገላልጻ በምኽታል ጥንታዊያን ኣቦታት ይጥቐምሉ ከም ዝነበሩ ይጥቀስ። ምናልባት ኣብ ብዙሕ ወገናት ኣፍሪቃ ከበሮ ኣሎ፡ ኣገባቡን ዓይነቱን ግን ምስ ናይ ቤተ-ክርስተያንና ሓደ ኣይኮነን። ኣብ ቤተ-ክርስተያንና ኣተሃራርማ ከበሮ ምስ ጸናጽል ተወሃሂዱ ዝኸይድ ኢዩ። እዚ መሳረሒ መበዛሕትኡ ናብ ደስታን ሓጎስን ስለ ዝወስድ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኣይህረምን ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ገዳማት’ውን እንትርፎ ኣብ ክብረ በዓል፡ ዝውቱር ኣይኮነን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ