S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ

’’ንቁም በበህላዌነ እስከ ነኣምር ፈጣሪነ’’ ፈጣሪና ክሳብ ዝረድኣና በብዘሎናዮ ንቑም!
ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ዓመታዊ ክብረ በዓሉ ብዕለት 12-27-2008 ኣ.ፈ (18 ታሕሳስ 2001 ዓ.ም.ግ) ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።
እዚ ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ተማእኪሉ ብብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መሪሕነት ዝመሓደር ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ኣቐዲሙ ነቲ በዓል ዝምልከት መደብ ብዘውጽኦ መምርሒ መሠረት ኣቦታት ውሉደ ክህነት ካብ ሰዓት 6፡00 ጀሚሮም ጸሎተ ነግህን ማህሌት ኣብጺሖም። ካብ ደብረ ሰላም መድሃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ዝመጹ ብዙሓት ምእመናን ከምኡውን ነበርቲ ከተማ ኒው ዮርክን ከባቢኡን ዝኾኑ ህዝበ ክርስቲያን ምስ ተኣኻኸቡ ሰዓት 9፡00 ጸሎተ ቅዳሴ ተጀሚሩ። መልእኽታትን ወንጌልን ምስ ተነበበ ካብ ናይ ዕለቱ ምንባብ መልኣከ ሰላም ቀሺ ወልደትንሣኤ ከምቲ ‘’ዘካርያስ ካህን ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኣበሠሮ ስለ ዘይኣመነ ዓባስ ዝኮነ’’ ንሕናውን ሎሚ ተዋህዶ እምነትና ሕጋ እናፈረሰ ዓባሳት እናሰማዕና ጸማማት ክንከውን ፍጹም ኣይግባእን ዝብል እዋናዊ ስብከት ሂቦም።

ምሉእ ስእሊ ኣብዚ ተመልከት

ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ ድማ ካብ ደብረ ግዕዛን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ዝመጹ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ነቲ ክብረ በዓል ዝምልከት ሰፊሕን ሃናጽን ኣስተምህሮ ሂቦም። ሊቀ ካህናት ኣብ ዝርዝር ስብከቶም ‘’ናባይ ተመለሱ እሞ ኣነ ድማ ክምለሰኩም እየ’’ ዝብል ጥቕሲ ምርኩስ ጌሮም ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ብንጹህ ልብን ሕውነታዊ ፍቕርን ገጽና ብንስሓ ናብ እግዚኣብሔር ቅድም ንመለስ እሞ ኣምላኽ ድማ ገጹ ክመልሰልናን ሰማያዊ ምሕረቱ ከውርደልናን እዩ ኢሎም። ቀጺሎም ‘’ክርስቲያን ማለት ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ጸጽባሕ መስቀል ክንስከም፤ ክንስደድ ክንግፋዕን ብፍርሓት ኣምላኽ ክንመላለስ ይግብኣና እምበር ክንሰጉግ፤ ክንገፍዕ፡ ብፍርሓት ሰብ ክንመላለስ ፍጹም ከም ዘይግባእ ኣብሪሆም። እዚ እንተ ገበርና ድማ ከም ኵሎም ቅዱሳን ዓስብና ኣብዚ ምድሪ ሚእቲ ካዕበት ምስ ስደት ኣብ ሰማያት ከኣ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከውርሰና ኢሎም።

ብድሕሪ እዚ ዑደት ምስ ተገብረ ሰዓት 12፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኵሎም ተሳተፍቲ በዓል ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣዳራሽ ምሳሕ ኣትዮም ምሳሕ ንግደት ተመገቡ። ’’ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሓና ጎይታ’’ ዝብል መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ድማ ኵሎም ህዝበ ክርስቲያን ብጸሎትን መንፈሳዊ ፍቕርን ብሓጎስን ተፈላልዮም። ምእመናን መድሃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ከምቲ ዝመጽዎ ብካህናቶም ተመሪሖም እናዘመሩ ብኣውቶቡሳት ብሰላም ተፋንዮም። ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን።

 
ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልና !!!
ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ኒው ዮርክ
 
Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church of NY
ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div