ደቂ እስራኤል ብስደት ንብዙሕ ዓመታት (ከባቢ 400 ዓመታት ) ኣብ ምድሪ ግብጺ ብስደት ከም ዝተቐመጡ መጽሓፍ ቕዱስ ይነግረና። እዚ ኩሉ
እዋናት እኳ እንተ ዘይበልናዮ ኣብቲ መወዳእታ ግዜ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ንጉስ ተንስአ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል’ዉን ኣዝዩ ከቢድ ግፍዒ ኣዉረደ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ ከቢድ ስቓይ ወደቑ፡ ደቂ ተባዕትዮ ህጻናት ዕብራዉያን ናብ ሩባታት ተደርበዩ። እዚ ምስ ኮነ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚአብሔር ኣእወዩ “ደቂ እስራኤል ከኣ ባርነት መሪርዎም ገዓሩ፡ ናብ ኣምላኽ’ዉን ጠርዑ፡ እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣዉያት ድማ ናብ ኣምላኽ ዓረገ”(ዘፀ 2፡23)። ኣዉያት ደቂ እስራኤል ሰሚዑ እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ብዓቢ ቅልጽምን ብዓበይቲ ተኣምራትን ብመሪሕነት ሙሴ ኣዉጽኦም። ነቶም ዝገፍዕዎም ዝነበሩ ግብጻዉያን ምስ ሰረገላታቶም ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ከም ዝሰጥሙ ገበሮም። እዚ ነገራት እንተ ኣስተብሂልናሉ ብትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦታትና ከም ሓደ ናይ ህይወትና ምሳሌ ጌሮም የስፍርዎ። ግብጺ ናይ ዓለማዊ ፍትወትን ትምኒትን፡ ፈርዖንን ሰራዊቱን ድማ ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ ኢዮም። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብዚ ባርነት ክንወጽእ ልክዕ ከምቲ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ጌሩ ዘናቓቕሖም ንዓና’ዉን ብቅዱስ ወንጌሉ ጌሩ ኩሉ ግዜ ምስ ጸዋዓና’ዩ፡ ምኽንያቱ ንሕና ብደም ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነጻ ዝወጻና ውሉድ እምበር ባሮት ኣይኮናን። “ደጊም ዉሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ዉሉድ ካብ ኮንካ ኸኣ ኣምላኽ ወራሲ ገይሩካ እዩ።”(ገላ 4፡7)።
ቀጺሉ “ደቂ እታ ጭዋ እምበር ደቂ እታ ባርያ ኣይኮናን”(ገላ 4፡31)ክብል የረድኣና። ምናልባት ኣብ ባርነት ዘሎ ነገራት ክንፈላጦ ግድነት ኢዩ ፡ንሱ ከኣ ባርነት ናይ ፍትወት ዓለም ኢዩ። “ግብሪ ስጋ ግሁድ ኢዩ፡ንሱ ከኣ ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ዝርጋን፡ ኣምልኾ ጣዖት፡ ጥንቆላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቁጥዓ፡ ገዛእርእስኻ ምፍታዉ፡ ምፍልላይ፡ መናፍቕነት፡ ቅንኣት፡ ስኽራን፡ ጓይላ ከምዚ ዘኣመሰለ ካልእ’ዉን ኢዩ።(ገላ 5፡19)። ሎሚ እግዚኣብሔር ካብዚ ነገራት ክንርሕቕ ወይዉን ካብዚ ክንወጽእ ይደሊ ኣሎ። “ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር፡ ካብ ምዉታት’ዉን ተንስእ ክርስቶስ ከብርሃልካ ኢዩ።(ኤፌ 5፡14)። ምናልባት ህይወትና ኣብ ክፋእ ነገራት ክንህልዉ ንኽእል፡ ኣምላኽና ግና ናይ ምሕረት ኣምላኽ ኢዩ፡ ካብ ባርነት ወጺና ናብኡ ክንመጽእ ይደልየና ኣሎ። ኣብ ፍትወት ናይ ዓለም ዝጠፍእ ግዜ ይኣኽለና ሓዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል “ንሕና ቀደም ዓያሹ፡ ዘይእዘዙ፡ ግጉያት ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና ብክፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፡ ብሰብ ጽሉኣት፡ ነንሕድሕድና’ዉን፡ እንጻላእ ነበርና፡፡ ናይቲ መድሓኒና ዝኾነ ኣምላኽ ሕያዉነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና ፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ካልኣይ ልደት ዝህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና።”(ቲቶ 3፡3-5)። ብርግጽ ኩልና ብሓደ ድምጺ ከምዚ ኢልና ክንዉስን ይግባእ “ንዓይ ግና ናባኻ ናብ እግዚኣብሔር ምቕራብ ይሕሸኒ”።
ሎሚ እግዚአብሔር’ዉን ነዚ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ ካባና። እቲ ጥበበኛ ከምዚ ክብል ብተወሳኺ ይመኽረና “ክፋእ መዓልታት ከይመጸ፡ባህ አይብለንን እትብለሉ መዓልታት ከኣ ከይቀረበ ከሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ”(መኽ 12፡1)። ምናልባት ኣብ ህይወትና ነርክበሉ ዝብል እምነት ከይህልወና፡ ሓደ ነገር ከነስተውዕሎ ዘለና ግና ድሮ በቲ ጌርናዮ ዘለና ንፍርዲ እኹል እዩ። ስለዚ ኣብ እዋን ፍርዲ ምስቶም እግዚኣብሔር ዝኵኑኖም ሰባት ከይንኸዉን ሕጂ ምጥንቃቕ የድልየና፡ ምኽንያቱ ንእግዚኣብሔር ንኩሉ ሰብ ኣብ እዋን ፍርዲ ከከም ግብሩ ዓስቡ ምሃብ ዝቐለለ ኢዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ከምዚ ክብል ይሓተና፡ ንሱ ከኣ “ኣበይ አለኻ?” ዝብል ሕቶ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ጻዉዒት ሰሚዕና ካብ ግብጺ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣቢልና ክንጓዓዝ ቤተ-ክርስትያን መልእኽታ ተመሓላልፍ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ