ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሓደ ካብቶም ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ብጥንታዉነቶም ዝፍለጡ ገዳማት
ኮይኑ፡ ደድሕሪ ገዳም ደብረ ሲሃት (ኣባ ዮሓኒ) ቀጺሉ ዝስራዕ ገዳም ኢዩ። እዚ ገዳም ብጥንታዊነቱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ከም መዋፈሪ ትምህርቲ ክርስትና ኮይኑ ንብዙሕ ዓመታት ከገልግል ጸኒሑን ኣሎን። ገዳም ደብረ ሊባኖስ ካብታ ዋና ርእሲ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ብወገን ደቡብ ብገምጋም ኣስታት 160 ኪ.ሜ ኣቢሉ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ን/ዞባ ሰንዓፈ፡ ካብ ሰርሓ ንወገን ምዕራብ ተደኪኑ ይርከብ። ገዳም ደብረ ወርቅ ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ብኣባ ሊባኖስ (መጣዕ) ክምስረት ከሎ ካብቶም ኣብ ምድሪ ሓበሻ ዘለዉ ገዳማት መንፈሳዊ ሰርዓቶም ዓቂቦም ዝኸዱ ዘለዉ ገዳማት ሓደ ብሙኻኑ’ዉን ኣዝዩ ፍሉይ ይገብሮ። ኣቡነ ሊባኖስ መበቆሎም ሮማዊ ኮይኖም፡ ኣብኦም (ኣብርሃም) ንጉስ ናይ ቊስጥንጥንያ ኢዮም ኔሮም። ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ቤት መንግስቲ ዝዓበዩን፡ ኣብዚ ምድሪ ከኣ ኩሉ ነገራት ምሉእ ዘይጉዱል ዝነበሮም ኢዮም ኔሮም። ሓደ ግዜ ወለዶም ንመርዓ ምስ ሓተትዎም፡ ዘረባ ወለዶም ንከየዕብሩ ክብሉ፡ ሕራይ ኢሎም ፍቃደኛ ኮኑ። እንተ ኾነ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዕለት ምርዖኦም መጺኡ ከምዚ በሎም፡ “ይቤሎ መልአክ ለሊባኖስ ነዓ ፃእ እምቤተ ኣቡከ ከመ ትረስ መንግስተ ሰማያት ዘኢይበሊ ወኢይማስን፡ ካዕበ ጸዉዖ፡ ስልሰ ተናገሮ ወይበ መጣዕ ይሰምዓከ ገብርከ”። (ትርጉም። መልኣከ እግዚኣብሔር ነቲ ዘይሓልፍን ዘይበልን መንግስተ ሰማያት ክትወርስ ንዓ ካብ ቤት ኣቦኻ ዉጻእ በሎ፡ ካልኣይ ግዜ ጸዉዖ ኣብ ሳልሳይ መጣዕ ከምዚ በሎ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ”። ከምቲ ወንጌል ዝብሎ “ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ አሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣቦ፡ ኣደ፡ ሰበይቲ፡ ዉሉድ፡ ግርሁ ዝሓደገ ኩሉ ሚእቲ ዕጽፊ ክረክብ ኢዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዉን ክወርስ ኢዩ”።(ማቴ 19፡29) ዝብል ኣምላኻዊ ትእዛዝ ተቀቢሎም፡ ብመሪሕነት መልኣኽ ናብ ደብረ ዘይቲ (ኣዋሊዕ ዘሎዎ ጎቦ ማለት ኢዩ) ካብ ኣባ ጳኵሚስ ምንኩስና ተቐበሉ። ኣቡነ ሊባኖስ ብሓረጋዊ ትዉልዲ ምነኩስና ኣብ ራብዓይ ደረጃ’ዉን ኢዮም። ካብቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ገዳም አስቄጥስ፡ስርዓተ ማሕበረ መኖኮሳት ዝሰርዑ፡ ኣባ ጳኵሚስ ምንኩስና ከም ዝተቀበሉ ብራና ታሪኾም ዝነግር “ወንጌለ ወርቅ” ተጠቂሱ ንረኽቦ። “ልደቶም ለአበው መነኮሳት፡ በልብሰ ኣስኬማ፡ እንጦንስ ነስአ እመልኣከ እግዚኣብሔር፡ ወወለደ መቃርስሃ፡ ወመቃርስኒ ወለደ ጳኵሚስሃ፡ ወጳኵሚስኒ ወለደ ሊባኖስሃ መጣዕ”። (ትርጉም፡ ትዉልዲ መኖኮሳት ኣቦታት ብልብሲ ኣስኬማ (ምንኩስና ) እንጦንዮስ ካብ መልኣከ እግዚኣብሔር ተቀቢሉ ንመቃርስ፡ መቃርስ ንጳኵሚስ፡ ጳኵሚስ ንሊባኖስ መጣዕ ወለደ።)
ኣብ አግኣዚት ቤተ ክርስትያን ዝርከቡ መጻሕፍቲ ብራና ከም ዝገልጽዎ፡ ኣቡነ ሊባኖስ ምስ ኣባ ጳኵሚስ ተራኪቦም ናብ ምድሪ ሓበሻ ከይዶም ከስተምህሩ ከም ዝተነግሮም ይጠቅስ። ስለዚ ኣብ 463-470 ዓ.ም.ግ. ናብ ምድሪ ኤርትራ ሓዋርያዊ ተልእክኦም ክፍጽሙ መጹ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና እንዳ ተዛወሩ፡ ነቲ ኣብ አምልኾ ኦሪት ገለ’ዉን ኣምልኾ ጣኦት ዝነብር ዝነበረ ህዝብና ትምህርቲ ወንጌል ንምስፍሕፋሕ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ቀንዲ ተጠቃሲ አቦ ኢዮም። እቲ “መጣዕ” ዝብል ቅጽል ስሞም’ዉን ንወንጌል ማቴዎስ ካብ ቋንቋ ጽርኢ (ግሪኽ) ናብ ቋንቋ ግእዝ ስለ ዝተርጎምዎ ንማቴዎስ ካብ “ማታ” ዝብል ናይ ዓረባዊ ኣባሃህላ ከም ዝነቀለ ይንገር። ሰዓብቲ ክርስትናን ተኸተልቶም ኣርድእትን እንዳ በዝሑ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ኣቡነ ሊባኖስ ከም ካልኦት መማህራን ወንጌል ንደቀ መዛምርቶም እንዳ መሃሩን ኣሰልጠኑን ዘዋፍርሉ ከምኡ’ዉን ገዳማዊ ምናኔኦም ዘሳላስልሉ ስፍራ ስለ ዘድለዮም ነዚ ብስሞም ዝጽዋዕ ገዳም ደብረ ወርቅ መስረቱ። እዚ ኣብ ኣሃም ዝተመስረተ ገዳም ንበጻሒኡ (ነጋድያን ) ኣዚዩ መሳጢ ኣብ ልዕሊ ሙኻኑ፡ መንፈስ ኣመንቲ ክርስትና ዘናቃቕሕ ቦታ’ዉን ኢዩ። ናብዚ ገዳም ቅድሚ ምብጻሕካ በቲ ኣሃም ዝተባህለ ዓዲ ኢኻ ሌላ እዚ ገዳም ትጅምሮ። ኣሃም ቅድሚ ምጅማር ክርስትና፡ ምኵራብ (ቤተ ጸሎት) ኣይሁድ ከም ዝነበረ ዝዝንተወሉ፡ ዳሓር ናብ ቤተ ክርስትያን ዝተቀየረ ምስ ናይ ኣዱሊስ፡ ቆሓይቶን ቶኾንዳዕን ተመሳሳሊ አዕኑድ ኣእማን ዘሎዎ ህንጻ ቤተ ክርስትያን፡ ምልክት ማእከለ ስልጣኔን ናይ 6ይ ክ.ዘመን ሙኻኑ ዝተኣመነሉ ትእምርተ ምዕባለ ዘሕብር አሰር ጥንቲ ኣብ ዝባን ኣሃም ይርከብ፡ ኣብ መንደቅ እዚ አቡነ ሊባኖስ ናብቲ ማእከል ጸድፊ ዘሎ ገዳም ቅድሚ ምዉራዶም ንህዝበ ክርስትያን መንፈሳዊ ኣገልግሎት የበርክትሉ ኔሮም። ኣብ’ቲ ቦታ ሓደ ጸፊሕ ሰሌዳ እምኒ ልክዕ ከም ኣብ መጠራ ዘሎ መጀመርያን መወዳእታን ፊደላት ግሪኽ ኣሎ (ራእ 1፡8።22፡13)። እዚ “ኣልፋ ወኦሜጋ” ከም ትእምርተ መስቀል ቅድሚ ዓለምን ድሕሪ ዓለምን ናይ ዝነበረ ኣምላኽ መግለጺ ኣምሳል ኢዩ። ብዘይካዚ ፍጹም ክርስትያናዊ ጽሑፍ ዉቕሮ ሰሌዳ እምኒ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ይነብር። ካብዚ ቀጸልካ ናብቲ ገዳም ምስ ትኸይድ፡ ቅድሚኡ ትረኽቦ ሓደ ኣገዳሲ ቦታ ኣሎ፡ ንሱ ከኣ ኣቡነ ሊባኖስ ካብ ከዉሒ ስርናይ ዘዉጽእሉ ቦታ ኢዩ። ካብዚ ቀጺልካ መንገዲ ናብቲ ገዳም ኢኻ ትሕዝ። እዚ ገዳም ካብ ዘሎዎ ኣቀማምጣ ናብቲ ገዳም ዝወስድ መንገዲ ምቹእ ኣይኮነን፡ ኣብ ፍርቂ ጎቦ ስለ ዘሎ፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ገጽካ ስለ ትወርድ ናብቲ ገዳም ክትኣቱ፡ ንፀጋምን ንየማንን ከይበልካ ኢኻ ትወርድ። ኣብቲ ገዳም ምስ ወረድካ ኣብ ጸቢብ ቦታ እሞ ኸኣ ኣብ ፍርቂ ጎቦ ገዳምን ገዳማዊ መነባብሮን ክትረክብ ከለኻ ትግረም። ቤተ ክርስትያን ደብረ ሊባኖስ ዋላ’ካ ንእሽቶ ትኹን ኣብ ከምኡ ዓይነት ጎቦ ከምኡ ቤተ ክርስትያን ክትርኢ ብርቂ ነገር’ዩ። እታ ኣብቲ ገዳም እትርከብ ማይ ጸሎት’ዉን ማዕረ ዕድመ እቲ ገዳም ዘለዋ ኮይና፡ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ከም መቅድሒት ማይ ኮይና እተገልግል ናይ ቀርኒ ብዕራይ መቅድሒት፡ ንነዊሕ ዓመታት ብጥንቃቐ ከተገልግል ክትርኢ ከለኻ፡ ኣብቲ ገዳም ዘሎ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ማዕረ ክንደይ ሓያል ሙኻኑ ከተስተብህል ኣይጽግመካን። ካብዚ ቀጺልካ ብሞንጎ ቀጣን መንገዲ ሰጊርካ ናብቲ ማዕዶ እቲ ገዳም ዝርከብ ክፋል እቲ ገዳም ዝኾነ ብእንዳ ሃዋርያት ዝጽዋዕ ቤተክርስትያን ኢኻ ትረክብ። ኣብዚ ቤተ ክርስትያን ብርክት ዝበሉ አዕጽምቲ ጻድቃን ምስ ኣካለ ስግኦም ብፍሉይ አገናንዛ ትረክብ። እዞም ብርክት ዝበሉ ኣዕጽምቲ ቅዱሳን ምስቶም ኣብ መጠራን ባረክናሃን ዝርከቡ ዝነበሩ 500 ማሕበረ ጻድቃን ብሓደ መዓልቲ ከምዝዓረፉ፡ ኣብ ኣማዉትኦም ሓደ ዓቢ ናይ እግዚኣብሔር ምስጢራዊ መስተንክር ከም ዘሎ ይእመን። እዚ ቦታ ንብሕትዉና ምቹእ ኣብ ርእሲ ሙኻኑ፡ በቲ ዘለዎ ታሪኻዊ ትሕዝቶ ነዚ ገዳም ሓደ ካብ ተጠመቲ ታሪኻዊ ቦታ ይገብሮ።
መነኮሳት ደብረ ወርቅ መነባብርኦም ኣብ ዝናም ዝተሞርከሰ ባህላዊ ሕርሻ ኮይኑ፡ ብዓቕሞም ገለ ገለ ፍረታት ከፍርዩ ይፍትኑ ኢዮም። እዚ ዓመታዊ ሕርሻዊ እቶት ኣኻሊ ስለ ዘይኮነ ግና ናይ ገበርቲ ሰናይ ደገፍ ከም ዘድልዮም ንክትርዳእ አየጸግመካን። ስለዚ ኩሉ ኣማኒ ክርስትያን ነዚ ገዳምን ንካልኦት ገዳማትን ብጥርኑፍ (ማሕበር) ይኹን ብዉልቁ ንገዳማቱ ንክረድእ ምንቕቓሕ ስለ ዘድልዮ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣቶኩሮ ክገብረሉ ይግባእ።
ንምጥቕላል መምህረ ወንጌል ኣቡነ ሊባኖስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኤርትራን ኪንዩኡ ክሳብ ኢትዮጵያን ብምምልላስ ቃል እግዚኣብሔር ብትግሃት ዝዘርኡን ነባሪ ተኽሊ ክርስትና ተኺሎም ህዝበ ክርስትያን ብብዝሒ ዘፍሬዩን፡ ቀዋምን ድልዱልን ህንጻ ሃይማኖት ሃኒጾም ዝሓለፉ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም። መፈጸምትኡ ኣብቲ ባዕሎም ዝመስረትዎ ገዳም ደብረ ወርቅ (ኣሃም) ብ3 ጥሪ ብኣቃጻጽራ ግእዝ ዓረፉ “ጻድቕ ከም ስየ ይለምዕ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ’ዉን ይስስን፡ አብ ቤት እግዚኣብሔር ተተኽሉ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ’ዉን ይጭብጭቡ”።(መዝ 92፡12) ከም ዝብሎ ብዕቤት መንፈሳዊ ክብሪ ዝተመሰለን ንኣቡነ ሊባኖስ ዝግባእ ዉዳሴ ኮይኑ ንረኽቦ። ምስክር ዓቢ ተጋድሎን ሚዛን ቅዱስ ተግባርን ኣቡነ ሊባኖስ አብ በበይነን ስሙያትን ግኑናትን ገዳማት፡ ኣድባራት፡ ከባቢታትን ብሓፈሻ ኸኣ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ታሪኾም ክስመ ይነብር።
Source ፤ (ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ) ብዘዉገ ምሁራን ይትባረክ በርሀ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ